ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ትንቢት ኦብድያን ትንቢት ዮናስን ትንቢት ሚክያስን ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ትንቢት ኦብድያን ትንቢት ዮናስን ትንቢት ሚክያስን ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ትንቢት ኦብድያን ትንቢት ዮናስን ትንቢት ሚክያስን ዚጐልሕ ነጥብታት

“ራእይ ኦብድያ።” (ኦብድያ 1) መጽሓፍ ኦብድያ በዘን ቃላት እዚኣተን እያ እትጅምር። እቲ ነብዪ ኣብታ ብ607 ቅ.ክ. ዝጸሓፋ መጽሓፉ: ስሙ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ዝገለጾ ነገር የለን። ክልተ ዘመናት ይገብር ኣብ እተዛዘመት መጽሓፍ ግን: ዮናስ ኣብቲ ሚስዮናዊ ዀይኑ ዝኸደሉ ቦታ ዘጋጠሞ ነገራት ብጋህዲ ገሊጹ ነበረ። እቲ ን60 ዓመት ዝጸንሐ ትንቢታዊ ንጥፈታት ሚክያስ: ኣብ መንጎ እቲ ኦብድያን ዮናስን ዝነበሩሉ እዋን: ማለት ካብ 777 ቅ.ክ. ክሳዕ 717 ቅ.ክ. እዩ ነይሩ። ሚክያስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ: “ሞረሽታይ” ማለት ካብ ቍሸት ሞረሽት ዝመጸ ምዃኑ ኸምኡውን ቃል የሆዋ “ብዘመን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ” ኸም ዝመጾ ጥራይ እዩ ገሊጹ። (ሚክያስ 1:1) እቲ ነቲ መልእኽቱ ንምጕላሕ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ምሳሌታት: ምስ ናብራ ገጠር ኣጸቢቑ ኸም ዚፋለጥ ዚሕብር እዩ።

ኤዶም ‘ንዘለኣለም ክትጸንት እያ’

(ኦብድያ 1-21)

ኦብድያ ንኤዶም ብዚምልከት: “ብምኽንያት እቲ ንሓውካ ያእቆብ ዝገበርካዮ ዓመጽ: ሕፍረት ኪኸድነካ እዩ: ንዘለኣለም ከኣ ክትጸንት ኢኻ” በለ። እቲ ኤዶማውያን ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ ልዕሊ እቶም ደቂ ያእቆብ ዝዀኑ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ዓመጻ ገና ኻብ ኣእምሮ እቲ ነብዪ ኣይሃሰሰን ነይሩ። ብ607 ቅ.ክ. ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ኬጥፍእዋ ኸለዉ: ኤዶማውያን ‘ደው ኢሎም’ ይርእዩን ምስቶም “ጓኖት” ሓቢሮምን እዮም።—ኦብድያ 10, 11 ትርጕም 1990

ብኣንጻሩ ግን: ቤት ያእቆብ ናይ ምምላስ ተስፋ ነበሮም። ትንቢት ኦብድያ “ኣብ ከረን ጽዮን ግና ዘምለጡ ኺህልዉ እዮም: ንሱውን ቅዱስ ኪኸውን እዩ” ይብል።—ኦብድያ 17

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

5-8—ንጥፍኣት ኤዶም ምስ ምምጻእ ከተርቲ ብለይቲ ወይ ምስ ምምጻእ በተኽቲ ወይኒ ምምስሳሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሰረቕቲ ናብ ኤዶም እንተ ዝመጹ ነይሮም: ነቲ ዚደልይዎ ጥራይ እዮም ሒዞም ዚኸዱ። ዓጻዶ እውን እንተ ዀኑ: ንቐሪም ኢሎም ሒደት መትረፉ ነይሮም። ኤዶም ክትውድቕ ከላ ግን: መዛግብታ ኺድለን በቶም ‘ቃል ኪዳን ዝኣተዉላ’ ደገፍታ: ማለት ብባቢሎናውያን ምሉእ ብምሉእ ክትዝመትን እያ።—ኤርምያስ 49:9, 10

10—ኤዶም ‘ንዘለኣለም ዝጸነተት’ ብኸመይ እያ፧ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ: እቶም ኣብ እተወሰነ ቦታ ዝነበሩ ብመንግስቲ ዝቘሙ ህዝቢ ኤዶም ጸኒቶም እዮም። ናቦኒደስ ንጉስ ባቢሎን ኣብ መፋርቕ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ንኤዶም ሰዓራ። ኣብ መበል ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ. ግዝኣት ኤዶም መንበሪ ናባጣውያን ስለ ዝዀነ: ኤዶማውያን ኣብቲ ደሓር ኤዶምያስ ተባሂሉ ዚፍለጥ ዝነበረ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ይሁዳ ዚርከብ ከባቢ ኺነብሩ ተገደዱ። ሮማውያን ንየሩሳሌም ብ70 ድ.ክ. ካብ ዜዕንውዋ ንነጀው ግን ኤዶማውያን ጠፊኦም እዮም።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

3, 4 ኤዶማውያን ኣብቲ ሓባጥ ጎባጥ ዝበዝሖ ነዋሕቲ ኣኽራን ከምኡውን ኣብቲ ብሉጽ ስትራተጅያዊ ረብሓ ዘለዎ ዓሚቚ ስንጭሮ ይነብሩ ስለ ዚነብሩ: ዕቚባን ደሓንን ተሰሚዕዎም ተዓበዩ። ካብ ፍርድታት የሆዋ ኸተምልጥ ግን ዘይከኣል እዩ።

8, 9, 15 ሰብኣዊ ጥበብን ሓይልን “መዓልቲ እግዚኣብሄር” ምስ መጸት ዕቝባ ኣይከውንን እዩ።—ኤርምያስ 49:7, 22

12-14 ኤዶማውያን ነቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዜጋጥሞም ጸገማት ዚሕጐሱ ሰባት መጠንቀቕታ እዮም ዚዀንዎም። የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዚወርድ ግፍዒ ኣፍኲሱ ኣይርእዮን እዩ።

17-20 እዚ ብዛዕባ ምምላስ ደቂ ያእቆብ ዚገልጽ ትንቢት: እቶም ተረፍ ብ537 ቅ.ክ. ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሱ ተፈጸመ። ቃል የሆዋ ወትሩ ይፍጸም እዩ። ስለዚ: ኣብቲ መብጽዓታቱ ምሉእ ምትእምማን ክንገብር ንኽእል ኢና።

‘ነነዌ ኽትግምጠል እያ’

(ዮናስ 1:1–4:11)

ዮናስ ነቲ ኣምላኽ ‘ናብ ነነዌ: ናብታ ዓባይ ከተማ ኸይዱ ኣንጻራ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ኺእውጅ’ ዝሃቦ ትእዛዝ ኣብ ክንዲ ዚፍጽም: ናብ ኣንጻር ኣንፈት ሃደመ። የሆዋ ግን “ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ” ብምስዳድ ከምኡውን “ዓብዪ ዓሳ” ብምጥቃም: ኣንፈት ዮናስ ቀየረ፣ ንኻልኣይ ግዜ ድማ ናብታ ርእሲ ኸተማ ኣሶር ንኪኸይድ መዘዞ።—ዮናስ 1:2, 4፣ 2:1፣ 3:1, 2

ዮናስ ናብታ ኸተማ ኣትዩ “ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ” ዚብል ቀጥታዊ መልእኽቲ ኺእውጅ ጀመረ። (ዮናስ 3:4) እቲ ዕዮ ስብከቱ ፈጺሙ ዘይተጸበዮ ውጽኢት ስለ ዘምጽአ: “ኰረየ።” የሆዋ ድማ ንምሕረት ብዚምልከት ትምህርቲ ኺምህሮ ኢሉ “ጕልዒ” ተጠቕመ።—ዮናስ 4:1, 6

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

3:3—ስፍሓት ነነዌ ኽንዲ “መገዲ ሰለስተ መዓልቲ” ድዩ ነይሩ፧ እወ። ብግዜ ጥንቲ ነነዌ ኻብታ ብሰሜን እትርከብ ኾርሳባድ ክሳዕ እታ ብደቡብ እትርከብ ኒምሩድ ዝነበረ ዓድታት እተጠቓልል ጌርካ እያ እትርአ ነይራ። ኵሉ እቲ ምስ ነነዌ ዚቝጸር ዝነበረ ዓድታት ዙርያኡ 100 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ይኸውን ነበረ።

3:4—ዮናስ ንሰብ ነነዌ ንኺሰብከሎም ቋንቋ ኣሶራውያን ኪመሃር ኣድልይዎዶ ነይሩ እዩ፧ ዮናስ ድሮ ቛንቋ ኣሶራውያን ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ: ወይ ከኣ ብተኣምራት ነዚ ቛንቋ እዚ ናይ ምዝራብ ክእለት ተዋሂብዎ ይኸውን። ነቲ ንጹር መልእኽቱ ኻልእ ሰብ እናተርጐመሉ ኣዊጅዎ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ እንተ ዀይኑ ድማ እቲ መልእኽቱ ኣብ ሰባት ዝያዳ ሃንቀውታ ኣሕዲሩ ኪኸውን ኣለዎ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:1-3 ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ምሉእ ብምሉእ ንኸይትካፈል ደይመደይ ኢልካ ኻልእ መደባት ምውጻእ: ግጉይ ድራኸ ኸም ዘሎ ዚሕብር እዩ። ከምዚ ዚገብር ሰብ: ካብቲ ኣምላኽ ዚህቦ ዕዮ ይሃድም ኣሎ ኺበሃል ይከኣል እዩ።

1:1, 2፣ 3:10 ምሕረት የሆዋ ኣብ ሓደ ህዝቢ: ኣብ ሓደ ዓሌት ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ፍሉይ ጕጅለ ሰባት እተደረተ ኣይኰነን። “እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ: ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ።”—መዝሙር 145:9

1:17፣ 2:11 እቲ ዮናስ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓብዪ ዓሳ ዘሕለፎ ሰለስተ መዓልትን ለይትን: ብትንቢታዊ መገዲ ንሞትን ትንሳኤን የሱስ እዩ ዜመልክት።—ማቴዎስ 12:39, 40፣ 16:21

2:1, 11፣ 4:6 የሆዋ ንዮናስ ካብቲ ብርቱዕ ማዕበል ኣድሓኖ። ብተወሳኺ እውን “ርእሱ ኸተጽልሎ እሞ ኻብ ሕሰሙ ኸተናግፎ ኢሉ: ጕልዒ ኣዳለወ: ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣዕበያ።” ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ: ንሱ ኸም ዜዕቍቦምን ዜድሕኖምን ብምትእምማን ኣብ ኣምላኾምን ኣብ ጸጋኡን ኪውከሉ ይኽእሉ እዮም።—መዝሙር 13:5፣ 40:11

2:2, 3, 10, 11 የሆዋ ንጸሎት ኣገልገልቱ ይሰምዕ ንለመናኦም ድማ የቕልበሉ እዩ።—መዝሙር 120:1፣ 130:1, 2

3:8, 10 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነቲ ኼውርዶ ምዃኑ እተዛረበሉ መዓት “ተጣዕሰሉ:” ማለት ሓሳቡ ቐየረ “ኣይገበሮን ከኣ።” ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰብ ነነዌ ‘ኻብ እኩይ መገዶም ተመሊሶም’ እዮም። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: ሓደ ሓጢኣተኛ ናይ ሓቂ ነስሓ እንተ ኣርእዩ: እቲ ኸቢድ ፍርዲ ኣምላኽ ኪቕየር ይኽእል እዩ።

4:1-4 ንምሕረት የሆዋ ደረት ኪገብረሉ ዚኽእል ሰብ የለን። ኣብቲ የሆዋ ምሕረት ዜርእየሉ መገዲ ጕድለት ካብ ምእራይ ክንቍጠብ ኣሎና።

4:11 የሆዋ ልክዕ ከምቲ ነቶም 120,000 ዝዀኑ ሰብ ነነዌ ዝገበረሎም: ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ “የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ” ሰባት ድማ ስለ ዚድንግጸሎም: መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ብትዕግስቲ ኸም ዚስበኽ ይገብር ኣሎ። ነቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ሰባት ክንድንግጸሎምን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ብቕንኣት ክንካፈልን ደይኰነን ዚግብኣና፧—2 ጴጥሮስ 3:9

‘ነዃዖም ኪገፍሕ እዩ’

(ሚክያስ 1:1–7:20)

ሚክያስ ነቲ እስራኤልን ይሁዳን ዝፈጸማኦ ሓጢኣት ኣቃልዖ: ርእሲ ኸተማአን ከም ዚዓንዋ ተነበየ: ዚምለሱ ኸም ዚህልዉ ዚገልጽ መብጽዓ ድማ ኣተወ። ሰማርያ “ዅምራ እምኒ መሮር” ክትከውን እያ። ብሰሪ እቲ ዝሰዓባኦ መገዲ ጣኦት: እስራኤልን ይሁዳን ‘ኪነዅዓ’ ወይ ኪዋረዳ ነበረን። ናብ ምርኮ ምስ ተወስዳ ድማ እቲ ነዃዐን ልክዕ ከምቲ ኣብ ርእሱ ስሑው ጸጕሪ ዘለዎ ዓይነት “ንስሪ” ኺገፍሕ እዩ። የሆዋ ግን “ዎ ያእቆብ: ኣነ ኽእክበካ” ኢሉ መብጽዓ ኣተወ። (ሚክያስ 1:6, 16፣ 2:12) ብሰንኪ እቶም ብልሹዋት መራሕትን ነብያት ሓሶትን የሩሳሌም እውን “ኵምራ ኣእማን ክትከውን” እያ። ይኹን እምበር: የሆዋ ‘ንህዝቡ ኺእክቦም እዩ።’ “ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን” ካብ “ቤት-ልሄም ኤፍራታ” ኺመጽእ እዩ።—ሚክያስ 3:12፣ 4:12፣ 5:2

የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዘይፍትሓዊ ተግባር ድዩ ፈጺሙ፧ እቲ ኼማልእዎ ዝሓተቶም ብቕዓት ከቢድ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ኻብ ኣምለኽቱ ዚደልዮ ነገራት: ‘ቅንዕና ኺገብሩ: ምሕረት ኪፈትዉ: ምስ ኣምላኾም ድማ ብትሕትና ኺመላለሱ’ እዩ። (ሚክያስ 6:8) እቶም ብግዜ ሚክያስ ዝነበሩ ሰባት ግን ኣዝዮም ተበላሽዮም ብምንባሮም: “እቲ ኻባታቶም ዝሔሸ ኸም ተዀርባ እዩ: እቲ ዝቐንዔ ኸኣ ካብ ሓጹር እሾዅ ይገድድ።” በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ናብኦም ዚቐርብ ሰብ ይጐድእዎን የሳቕይዎን ነበሩ። ብኣንጻሩ ግን: እቲ ነብዪ ንየሆዋ: ‘ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ፧’ ኢሉ ሓተቶ። ኣምላኽ ንህዝቡ ኺምሕሮም: ‘ንዅሉ ሓጢኣቶም ድማ ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኺድርብዮ እዩ።’—ሚክያስ 7:4, 18, 19

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:12—እቲ ‘ተረፍ እስራኤል ከም ዚእከብ’ ዚገልጽ ትንቢት እተፈጸመ መዓስ እዩ፧ ብ537 ቅ.ክ. እቶም ተረፍ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሱ ናይ መጀመርታ ፍጻሜኡ ረኸበ። ኣብዚ ግዜና ድማ ኣብቶም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተፈጸመ። (ገላትያ 6:16) ካብ 1919 ኣትሒዞም ቅቡኣት ክርስትያናት ልክዕ ከም “መጓሰ” ይእከቡ ነይሮም እዮም። ብፍላይ ካብ 1935 ንነጀው ድማ ክፍሊ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ስለ ዝሓበርዎም: “ብርቱዕ ወኻዕታ” ኽሳዕ ዚፍጠር ብዙሓት ኰኑ። (ራእይ 7:9፣ ዮሃንስ 10:16) ብሓባር ኰይኖም ድማ ብቕንኣት ናይ ሓቂ ኣምልኾ የደንፍዑ ኣለዉ።

4:1-4—የሆዋ ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ዚፈርድ: ንብርቱዓት ህዝብታት ድማ ክሳዕ ርሑቕ ዚዳንዮም’ ብኸመይ እዩ፧ እተን “ብዙሓት ህዝብታት” ከምኡውን “ብርቱዓት ህዝብታት” ዚብላ ቓላት: ንፖለቲካውያን ባእታታት ዜመልክታ ኣይኰናን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቶም ኣምለኽቲ የሆዋ ዝዀኑ ኻብ እተፈላለዩ ህዝብታት ዝመጹ ውልቀ-ሰባት ዜመልክታ እየን። የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ዚፈርዶምን ዚዳንዮምን ብመንፈሳዊ መዳይ እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:6, 9፣ 3:12፣ 5:2 ሰማርያ ብ740 ቅ.ክ. ብኣሶራውያን ጠፍአት፣ እዚ ድማ ሚክያስ ብህይወት ዝነበረሉ እዋን እዩ። (2 ነገስት 17:5, 6) ኣሶራውያን: ህዝቅያስ ንጉስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ክሳብ የሩሳሌም መጺኦም ነበሩ። (2 ነገስት 18:13) የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ብባቢሎናውያን ጠፍአት። (2 ዜና መዋእል 36:19) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ: እቲ መሲህ ኣብ “ቤት-ልሄም ኤፍራታ” ተወልደ። (ማቴዎስ 2:3-6) ትንቢታዊ ቓል የሆዋ ኸቶ ኣይወድቕን እዩ።

2:1, 2 ደድሕሪ ሃብቲ እናሰዓብና ኽነስና: “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን” ብምድላይ ንኣምላኽ አገልግሎ ኣለኹ ኽንብልሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ሓደገኛ እዩ።—ማቴዎስ 6:33፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10

3:1-3, 5 የሆዋ ነቶም ኣብ መንጎ ህዝቡ ዘለዉ መስተውዓልቲ ሰባት: ብፍትሒ ኺመላለሱ እዩ ዚጽበዮም።

3:4 የሆዋ ንጸሎትና ኺምልሰልና እንተ ደሊና: ሓጢኣት ክንገብር ወይ ክልተ ዓይነት ህይወት ክንመርሕ የብልናን።

3:8 ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ እንተ ረኺብና ጥራይ እዩ ነቲ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ዝሓዘ ብስራት ንኽንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ክንፍጽም እንኽእል።

5:5 እዚ መሲሓዊ ትንቢት እዚ: ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ጸላእቶም መጥቃዕቲ ምስ ዚወርዶም: ንዕኦም ዚመርሕዎም “ሾብዓተ [ንምልኣት ዜመልክት] ጓሶትን ሾሞንተ መሳፍንቲ ሰብን:” ማለት ብዙሓት ክኢላታት ሰብኡት ኪትንስኡ ምዃኖም መረጋገጺ ዚህብ እዩ።

5:7, 8 እቶም ሎሚ ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት ንብዙሓት ሰባት “ከም ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር:” ማለት ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ በረኸት እዮም። ከመይሲ: የሆዋ መልእኽቲ መንግስቱ ንምእዋጅ ንቕቡኣት እዩ ዚጥቀም። እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን ነቶም ቅቡኣት ኣብ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት ብምድጋፍ: ንሰባት መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኣብ ምሃብ ይሕግዙ ኣለዉ። (ዮሃንስ 10:16) ኣብዚ ንኻልኦት ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ዜምጽእ ዕዮ ምክፋል ከመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዀን እዩ!

6:3, 4 ንየሆዋ ኣምላኽ ብምምሳል: ምስቶም ተሪር ዝባህርዮም ወይ ምስቶም ብመንፈሳዊ ድኹማት ዝዀኑ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ሕያዎትን ለዋሃትን ክንከውን ኣሎና።

7:7 ኣብ መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ: ክንበሳጮ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ: ልክዕ ከም ሚክያስ ‘ንኣምላኽና ተስፋ ኽንገብር’ ኣሎና።

7:18, 19 ልክዕ ከምቲ የሆዋ ንጌጋታትና ይቕረ ኺብለልና ፍቓደኛ ዝዀነ: ንሕና እውን ነቶም ዝበደሉና ይቕረ ኽንብለሎም ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና።

‘ብስም የሆዋ ምምልላስ’ ቀጽል

እቶም ምስ የሆዋን ህዝቡን ዚቃለሱ ሰባት ‘ንዘለኣለም ኪጸንቱ እዮም።’ (ኦብድያ 10) ይኹን እምበር: ኣብቲ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ኣቓልቦ ብምግባርን ‘ካብ እኩይ መገዲ ብምምላስን’ ካብ ቍጥዓ የሆዋ ኽንተርፍ ንኽእል ኢና። (ዮናስ 3:10) ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክብ ኢሉ ኣሎ: እዙዛት ሰባት ድማ ናብኡ ይውሕዙ ኣለዉ። (ሚክያስ 4:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1) ስለዚ: “ንዘለኣለም ብስም [“የሆዋ:” NW] ኣምላኽና ኽንመላለስ” ቘራጽነት ንግበር።—ሚክያስ 4:5

ትንቢት ኦብድያን ትንቢት ዮናስን ትንቢት ሚክያስን ከመይ ዝበለ ጠቓሚ ትምህርቲ ዀን እየን ዚምህራና! ቅድሚ 2,500 ዓመት እኳ እንተ ተጻሕፋ: እቲ መልእኽተን ግን ሎሚ እውን “ህያውን መስለጥን እዩ።”—እብራውያን 4:12

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኦብድያ: ‘ኤዶም ንዘለኣለም ክትጸንት እያ’ ኢሉ ተነበየ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከም ሚክያስ ንስኻ እውን ‘ብየሆዋ ተስፋ ኽትገብር’ ትኽእል ኢኻ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ዕዮ ስብከት ኣኽቢርና እንርእዮ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ