ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ኪህልወካ ይኽእል እዩ!

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ኪህልወካ ይኽእል እዩ!

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ኪህልወካ ይኽእል እዩ!

ብዙሓት ሰባት: ገንዘብን ገንዘብ ኪገዝኦ ዚኽእል ነገራትን ምርካብ ዕላማ ህይወቶም ገይሮምዎ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ዕላማ ህይወቶም ዝና ምርካብ እዩ። ገሊኦም ከኣ ነቲ ስነ-ጥበባዊ ኽእለቶም ኬመሓይሹ ኢሎም እዮም ዚነብሩ። ንኻልኦት ንምሕጋዝ ኢሎም ዚነብሩ እውን ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ግን: ዚነብሩሉ ምኽንያት ወይ ዕላማ ህይወቶም ኣይፈልጡን እዮም።

ንስኻኸ ብዛዕባ ዕላማ ህይወትካ ኣርዚንካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ሓድሓደ ኻብቲ ሰባት ዚስዕብዎ ሸቶታት: ናይ ብሓቂ ኣሳልጦን ዕግበትን ዜምጽእ እንተ ዀይኑ ስለምንታይ ዘይትምርምር፧ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ኪህልወካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ገንዘብን ተድላን ዘለዎ ቦታ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መክብብ 7:12 “ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ: ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር እዩ” ይብል። እወ: ገንዘብ ጥቕሚ ኣለዎ። ንኽትነብር: ብፍላይ ድማ ንስድራቤትካ ናይ ምእላይ ሓላፍነት እንተ ኣልዩካ: ገንዘብ ኣድላዪ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 5:8

እቲ ገንዘብ ኬምጽኦ ዚኽእል ሓጐስ እንተ ዚጐድለና እሞ ሕስብ ኣብሎ፧ እቲ መስራቲ ክርስትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ርእሱ ዜጸግዓላ ቦታ ኸም ዘይብሉ እኳ እንተ ተዛረበ: ሓድሓደ ግዜ ግን ጽቡቕ ምግቢ ይበልዕን ወይኒ ይሰትን ነይሩ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ክቡር ክዳውንቲ እውን ይኽደን ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 8:20፣ ዮሃንስ 2:1-11፣ 19:23, 24

ኰይኑ ግን: የሱስ ደድሕሪ ተድላ ኣይኰነን ዚስዕብ ነይሩ። ቀዳምነት ዚህቦ ነገራት ነይርዎ እዩ። “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን” ድማ በለ። ከምዚ ድሕሪ ምባሉ: ብዛዕባ ሓደ ብዙሕ ዘፍረየ ሃብታም ሰብኣይ ዚገልጽ ምሳሌ ነገሮም፣ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ሓሰበ:- “እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን: እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ . . . ንማዕከነይ ኣፍሪሰ: ኣግፊሔ እሰርሖ: ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። ንነፍሰይውን፤ ኣቲ ነፍሰይ: ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚአኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊ: ብልዒ: ስተዪ: ተሐጐሲ: እብላ።” ኣተሓሳስባ እዚ ሰብኣይ እዚ እንታይ ጸገም እዩ ነይርዎ፧ እቲ ምሳሌ ቐጺሉ ኸም ዚገልጾ: “ኣምላኽ ግና፤ [ነቲ ሃብታም ሰብኣይ:] ኣታ ዓሻ: ንነፍስኻ ኻባኻ ኺወስድዋ: በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ አለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ።” እቲ ሰብኣይ ብዙሕ እኽሊ እኳ እንተ ኣከበ: ምስ ሞተ ግን ነቲ ዝኣከቦ ሃብቲ ኺጥቀመሉ ኣይክእልን እዩ። ኣብ መወዳእታ: የሱስ ነቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት: “እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ” ኢሉ ትምህርቲ መሃሮም።—ሉቃስ 12:13-21

ሓቂ እዩ: ገንዘብ የድልየና እዩ: ሓጐስ ድማ ኣብ ህይወትና ቦታ ኣለዎ። ገንዘብ ይኹን ተድላ ግን ኣብ ህይወት ዜድልየና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ምዃን: ማለት ሞገስ ኣምላኽ ዜውህብ ህይወት ብምንባር እዩ።

ጽቡቕ ስም ምጥራይ ኣገዳሲ ድዩ፧

ብዙሓት ሰባት ንርእሶም ስም ንምጥራይ እዮም ዚነብሩ። እቲ ስም ናይ ምጥራይን ብኻልኦት ክትዝከር ናይ ምድላይን ስምዒት ጌጋ እዩ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሐይሽ: ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ” ይብል እዩ።—መክብብ 7:1

ኣብ መዓልቲ ሞት: እቲ ሓደ ሰብ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዝገበሮ ነገር ኣብ መዝገብ ተጻሒፉ እዩ ኺበሃል ይከኣል እዩ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ህይወቱ ሰናይ ነገራት እንተ ገይሩ: እታ ዝሞተላ መዓልቲ ኻብታ እተወልደላ መዓልቲ ዝበለጸት ትኸውን፣ ከመይሲ: ኪውለድ ከሎ እቲ መዝገብ ጥርሑ እዩ ነይሩ።

ንመጽሓፍ መክብብ ዝጸሓፋ ንጉስ ሰለሞን እዩ። እቲ ንሰለሞን ብኣቦ ሓው ዝነበረ ኣቤሴሎም ስም ከትርፍ ደለየ። ይኹን እምበር: እቶም ንስም ስድራቤቱ ናብ ዚቕጽል ወለዶ ኼመሓላልፉ ዚኽእሉ ዝነበሩ ሰለስተ ውሉዳቱ ብንእስነቶም ሞይቶም ኪዀኑ ኣለዎም። እሞኸ ኣቤሴሎም እንታይ ገበረ፧ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ: “ኣቤሴሎም ድማ፤ ንመዘከርታ ስመይ ዚዀነኒ ወዲ የብለይን: ኢሉ ነበረ እሞ: . . . ወሲዱ ነቲ ኣብ ለሰ ንጉስ ዘሎ ሓወልቲ ኣቘሞ። ነቲ ሓወልቲ ኸኣ ብስሙ ሰመዮ” ይብል። (2 ሳሙኤል 14:27፣ 18:18) ኣሰር እዚ ሓወልቲ እዚ ኣይተረኽበን። ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንኣቤሴሎም ንዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪምንዝዕ ውዲት ዝኣለመ ዓለወኛ ገይሮም እዮም ዚፈልጥዎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት በቲ ዚዓምዎ ነገራት ኪዝከሩ ይጽዕሩ። ኣብ ቅድሚ እቶም ንዚመርጽዎ ነገራት ምስ ግዜ ዚለዋውጡ ሰባት ክብሪ ኺረኽቡ ይደልዩ። እንታይ እዩ ግን ዜጋጥሞም፧ ክሪስቶፈር ላሽ ኣብታ ዘ ካልቸር ኦቭ ናርሲሲዝም ዘርእስታ መጽሓፍ: “ኣብዚ ዓወት ብንእስነትን ብጽባቐን ፍሉይ ብምዃንን ዚግምገመሉ ዘሎ እዋን: ዝና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሓላፊ ይኸውን ኣሎ፣ እቶም ኣቓልቦ ኻልኦት ዝሰሓቡ ሰባት ድማ ነዛ ኽብሪ እዚኣ ኸይስእንዋ ኣዝዮም እዮም ዚጭነቑ” በለ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብዙሓት ህቡባት ሰባት ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን ኪወስዱ ይጅምሩ: እዚ ኸኣ ንህይወቶም የሕጽሮ። ብሓቂ እምበኣር: ዝና ኽትረክብ ኢልካ ምጽዓር ከንቱ እዩ።

እሞኸ ደኣ ኣብ ቅድሚ መን ኢና ጽቡቕ ስም ከነጥሪ ዘሎና፧ የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ብዛዕባ እቶም ነቲ ሕጉ ዚእዘዙ ዝነበሩ ሰባት: “ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ: . . . ስም ክህቦም እየ: ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ስም ከኣ ክህቦም እየ” በለ። (ኢሳይያስ 56:4, 5) እዞም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰባት ንዕኡ ስለ እተኣዘዙ: ‘ስፍራን ስምን’ ኪወሃቦም እዩ። ኣምላኽ ንስሞም ‘ንዘለኣለም’ ስለ ዚዝክሮ ድማ ኣይጠፍኡን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ጽቡቕ ስም ከነጥሪ እዩ ዜተባብዓና።

ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ እሙናት ሰባት ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚረኽብዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ ዚንበ ነይሩ። ኣብታ ገነት እቲኣ ዚህሉ “ህይወት ዘለኣለም:” እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ኪፈጥር ከሎ ዝዓለሞ “ናይ ሓቂ ህይወት” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:12, 19) ግዜያውን ዕግበት ዘየምጽእን ህይወት ካብ ምንባር: ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ደይኰንናን ክንመጣጠር ዘሎና፧

ስነ-ጥበብ ወይ ግብረ-ሰናይ ጥራይ እኹል ኣይኰነን

ብዙሓት ስነ-ጥበባውያን: ነቲ ስርሖም ኣብ ፍጹም ደረጃ ኼብጽሕዎ እዮም ዚደልዩ። እዛ ሕጂ ዘላ ህይወት ድማ ከምዚ ንምግባር እኽልቲ ኣይኰነትን። እቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ሂደዮ: ኣብ ከባቢ 90ታት ዕድመኡ ምስ በጽሐ: ነቲ ስነ-ጥበባዊ ስርሑ ኼመሓይሾ ጸዓረ። ሓደ ስነ-ጥበባዊ ኣብቲ ብስርሑ ዚዓግበሉ ደረጃ እኳ እንተ በጽሐ: ክንድቲ መንእሰይ ከሎ ዚገብሮ ዝነበረ ግን ኪዓምም ኣይክእልን እዩ። ንዘለኣለም እንተ ዚነብርከ፧ ነቲ ስርሑ ፍጹም ንምግባር ዘለዎ ኣጋጣሚ እሞ ሕስብ ኣብሎ!

ብዛዕባ ግብረ-ሰናይከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ሓደ ሰብ ነቶም ድኻታት ኣቓልቦ ብምግባር ንሃብቱ ንዕኦም ንምሕጋዝ ምጥቃሙ ዚነኣድ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ብዛዕባ ድሕንነት ካልኦት ሰባት ምሕሳብ ዕግበት የምጽእ ይኸውን። ኰይኑ ግን: ሓደ ሰብ ንምሉእ ህይወቱ ግብረ-ሰናይ ብምግባር እውን እንተ ዜሕልፎ: ክሳዕ ክንደይ እዩ ኺዕወት ዚኽእል፧ ሰባት ዘበልና ንመከራ ኻልኦት ንምዕጋት ዘሎና ዓቕሚ ድሩት እዩ። ብስጋዊ መዳይ ዝሃብና እንተ ሃብና: ነቲ ብብዙሓት ሰባት ዕሽሽ እተባህለ መሰረታዊ ዜድልዮም ነገር ኬማልእ ኣይክእልን እዩ። እዚ መሰረታዊ ነገር እዚ እንታይ እዩ፧

መሰረታዊ ዜድልየና ነገር ምምላእ ኣገዳሲ እዩ

የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ መሰረታዊ ዜድልየና ነገር ጠቒሱ ነበረ፣ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” ድማ በለ። (ማቴዎስ 5:3 NW) ስለዚ: ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣብ ሃብቲ: ዝና: ስነ-ጥበባዊ ኣሳልጦ: ወይ ኣብ ግብረ-ሰናይ እተመርኰሰ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ንኣምላኽ ንምምላኽ ዘሎና መንፈሳዊ ድሌት ኣብ ምዕጋብ እተመርኰሰ እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ንፈጣሪ ዘይፈልጥዎ ሰባት ንኺደልይዎ ኣተባብዖም። ከምዚ ድማ በለ:- “ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፤ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና: ኢሎም ከም ዘለዉ: ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ: ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ: ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ: ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ: ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:26-28

ስለዚ: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምምላኽ ዘሎና ድሌት ምዕጋብና: ኣብ ህይወትና ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ ዜኽእለና ወሳኒ ረቛሒ እዩ። ብመንፈሳዊ ዜድልየና ነገር ምምላእና: ነቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” ክንረክብ እውን የኽእለና። ነታ ኣብ ተኸታታሊ ፊልም ቀንዲ ተዋሳኢት ኰይና ብምስራሕ ናይ መጀመርታ ህብብቲ ጸላም ኣመሪካዊት ተዋሳኢት ዝዀነት ተሪሳ እስከ ርአ። ነዊሕ ከይጸንሐ ነዚ ዅሉ ጠንጠነቶ። ስለምንታይ፧ ነቲ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ: “እቲ ብሉጽ ህይወት: ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ምኽሪ ምቕላብ ምዃኑ ርግጸኛ እየ” በለት። ተሪሳ ኣብቲ ጾታዊ ርክብን ዓመጽን ዜርኢ ተኸታታሊ ፊልም ብምክፋል: ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዋ ርክብ ኣብ ሓደጋ ኸተእትዎ ኣይደለየትን። ሰባት እኳ እንተ ረስዕዋ: ብሓቂ ግን ዜዕግብ ህይወት እዩ ነይርዋ፣ ከመይሲ: ካልኦት ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ንኺምስርቱ ንምሕጋዝ ናይ ምሉእ ግዜ ሰባኺት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይና ኣገልጊላ እያ።

ሓደ ኻብቶም ቀደም ንተሪሳ መሳርሕታ ዝነበሩ ሰባት: ነቲ ምውሳእ ንምሕዳግ ዝገበረቶ ውሳነ ብዚምልከት: “ነቲ ኣነ ዕዉት ስራሕ ኢለ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ጠንጢናቶ ምኻዳ ኣሕዚኑኒ ነይሩ። ዝዓበየን ዝበለጸን ነገር ምርካባ ግን እተረጋገጸ እዩ” በለ። ድሕርዚ ተሪሳ ምስ ሞተት: እዚ መሳርሕታ: “እቲ ኣብ ህይወት ክትረኽቦ ዚግባእ ሓጐስ ነበራ። ከምቲ ናታ ዓይነት ሓጐስ ዘለና እሞ ኽንደይ ኢና፧” በለ። እቶም ኣብ ህይወቶም ምስ ኣምላኽ ንዘለዎም ርክብ ቀዳምነት ዚህቡ ሰባት: ዋላኳ እንተ ሞቱ: ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምትንሳእ ዜደንቕ ኣጋጣሚ ኣለዎም።—ዮሃንስ 5:28, 29

ፈጣሪ ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዚቕመጡ ሰባትን ዕላማ ኣለዎ። ነዚ ዕላማ እዚ ኽትርድኦን ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብርን ድማ እዩ ዚደልየካ። (መዝሙር 37:10, 11, 29) ብዛዕባ እቲ ንሰማይን ንምድርን ዝፈጠረ የሆዋ ኸምኡውን ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ዘለዎ ዕላማ እትመሃረሉ እዋን ሕጂ እዩ። ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ፍልጠት እዚ ንኽትረክብ ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ምስኦም ክትራኸብ ወይ ከኣ ናብ ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ኽትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

እቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምሳሌ እተጠቕሰ ሃብታም ሰብኣይ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ጸገም ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ ትደሊዶ፧