ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ትንቢት ናሆምን ትንቢት ኣንባቆምን ትንቢት ጸፎንያስን ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ትንቢት ናሆምን ትንቢት ኣንባቆምን ትንቢት ጸፎንያስን ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ትንቢት ናሆምን ትንቢት ኣንባቆምን ትንቢት ጸፎንያስን ዚጐልሕ ነጥብታት

እታ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ኣሶር: ነታ ርእሲ ኸተማ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ዝነበረት ሰማርያ ኣጥፍኣታ። ንይሁዳ እውን እንተ ዀነ ኻብ ቀደም ኣትሒዛ ተስግኣ ነበረት። እቲ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ነብዪ ናሆም ግን ብዛዕባ እታ ርእሲ ኸተማ ኣሶር ዝነበረት ነነዌ መልእኽቲ ነበሮ። እታ ቕድሚ 632 ቅ.ክ. እተጻሕፈት ትንቢት ናሆም ነዚ መልእኽቲ እዚ ዝሓዘት እያ።

ካብዚ ቐጺላ ዝተስአት ሓይሊ ዓለም: እታ ሓድሓደ ግዜ ብከለዳውያን ነገስታት እትግዛእ ዝነበረት ሃጸያዊት ግዝኣት ባቢሎን እያ። እታ ብ628 ቅ.ክ. ተዛዚማ ኽትከውን እትኽእል ትንቢት ኣንባቆም: የሆዋ ፍርዲ ንምውራድ ነዛ ሓይሊ ዓለም እዚኣ ብኸመይ ከም ዚጥቀመላ ኸምኡውን ባቢሎን ኣብ መወዳእታኡ እንታይ ከም ዜጋጥማ እያ እትገልጽ።

እቲ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ነብዪ ጸፎንያስ: ቅድሚ ናሆምን ኣንባቆምን እዩ ዚነብር ነይሩ። የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ቅድሚ ምጥፍኣ ን40 ዓመት: ብዛዕባ ጥፍኣትን ተስፋን ይሁዳ ኣወጀ። ትንቢት ጸፎንያስ ኣንጻር ካልኦት ኣህዛብ እተነግረ ጾር እውን ሒዛ ኣላ።

እታ “ኸተማ ደም ወይለኣ”

(ናሆም 1:1–3:19)

“ጾር ነነዌ” ኻብቲ “ንኵራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሓይልን” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዝመጸ እዩ። የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ “ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ” እኳ እንተ ዀነ: ነነዌ ግን ክትጠፍእ እያ።—ናሆም 1:1, 3, 7

የሆዋ “ንኽብረት ያእቆብ ኪመልሶ እዩ።” ኣሶር ግን ልክዕ ከምቲ ‘ዚዘርፍ ኣንበሳ’ ንህዝቢ ኣምላኽ የሳቕይዎም ነበሩ። የሆዋ “ንዓረብያታታ [ንዓረብያታት ነነዌ] ኣንዲደ ኸትክኾ እየ። ነቶም ኰረኵር ኣናብስኪ ሰይፊ ኺውሕጦም እዩ” በለ። (ናሆም 2:2, 12, 13) ነነዌ: “ከተማ ደም” ብምዃና መቕጻዕቲ ኺወርዳ እዩ። ‘እቶም ወሬኣ ዝሰምዑ ዅላቶም ከኣ ኣእዳዎም የጣቕዑላ:’ ይሕጐሱ ድማ።—ናሆም 3:1, 19

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:9—ነነዌ ‘ብጥራስ ምጥፍኣ’ ንይሁዳ እንታይ ማለት እዩ፧ ካብ ኣሶር ነባሪ ዕረፍቲ ኽትረክብ ከምኡውን “ጸበባ ካልኣይ ሳዕ ኣይኪለዐልን እዩ” ማለት እዩ። ናሆም: ነነዌ ኸም ዘየላ ገይሩ ብምዝራብ: “እንሆ: ኣእጋር እቲ ብስራት ዜበስር: ሰላም ከኣ ዜውሪ ኣብ ኣኽራን አለዋ። . . . ዎ ይሁዳ: በዓላትካ ኣብዕል” ኢሉ ጸሓፈ።—ናሆም 1:15

2:6—ኣየናይ “ደጌታት ወሓይዝ” እዩ ተኸፊቱ፧ እዚ ደጌታት እዚ: ነቲ ብሰንኪ ፈለግ ጢግሪስ እተፈጥረ ኸፋት መካበብያ እዩ ዜመልክት። ብ632 ቅ.ክ. እቶም ሕቡራት ሓይልታት ዝነበሩ ባቢሎናውያንን ሜዶናውያንን ንነነዌ ኺወግኡ መጹ፣ እታ ኸተማ ግን በዚ ኣይሰግአትን። በቲ ነዋሕቲ መናድቕ ተኸቢባ ስለ ዝነበረት: ዘይትድፈር ኰይኑ ተሰምዓ። ይኹን እምበር: ሓያል ዝናም ንፈለግ ጢግሪስ መሊኡ ኸም ዚፈስስ ገበሮ። ዲዮዶረስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ: እዚ ውሒዝ እዚ “ንእተወሰነ ኽፋል እታ ኸተማ ኣዕለቕለቐ: ነዊሕ ክፋል እቲ መካበብያ ድማ ኣፍረሰ።” ስለዚ: እቲ ደጌታት ወሓይዝ ብምኽፋቱ: ነነዌ ልክዕ ከም ዝነቐጸ ብርዒ ብቕልጡፍ ሞኽ ብምባል ተሳዕረት።—ናሆም 1:8-10

3:4—ነነዌ ኣመንዝራ ዝነበረት ብኸመይ እያ፧ ነነዌ ንኣህዛብ ፈታዊቶም ከም እትኸውንን ከም እትሕግዞምን ትመባጽዓሎም እኳ እንተ ነበረት: ከም ሓቂ ግን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ጭቈና ኸም ዚኣትዉ ብምግባር ተታልሎም ነበረት። ንኣብነት: ኣሶር ንኣሃዝ ንጉስ ይሁዳ: ነቲ ሶርያን እስራኤልን ዝኣለማኦ ውዲት ንኼፍሽሎ ሓገዝ ሃበቶ። ውዒሉ ሓዲሩ ግን: ንጉስ ኣሶር ንኣሃዝ “ኣጽበበሉ ደኣ እምበር: ኣይደገፎን።”—2 ዜና መዋእል 28:20

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:2-6 የሆዋ ነቶም ንዕኡ ጥራይ ውፉያት ምዃን ዝኣበዩ ጸላእቱ ሕነ ምፍዳዩ: ኣምለኽቱ ንዕኡ ጥራይ ውፉያት ኪዀኑ ኸም ዚደልዮም ዜርኢ እዩ።—ዘጸኣት 20:5

1:10 ብኣማእታት ዚቝጸር ግምቢ ዘለዎ ዓብዪ መካበብያ: ነቲ የሆዋ ኣንጻር ነነዌ እተዛረቦ መልእኽቲ ኻብ ምፍጻም ኣይዓገቶን። ሎሚ ዘለዉ ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ካብቲ የሆዋ ዜውርዶ ኸቢድ ፍርዲ ኼምልጡ ኣይክእሉን እዮም።—ምሳሌ 2:22፣ ዳንኤል 2:44

‘ጻድቕ ይነብር’

(ኣንባቆም 1:1–3:19)

ናይ መጀመርታ ኽልተ ምዕራፋት ትንቢት ኣንባቆም: ኣብ መንጎ እቲ ነብዪን የሆዋ ኣምላኽን እተገብረ ዝርርብ ዝሓዛ እየን። ኣንባቆም በቲ ኣብ ይሁዳ ዚግበር ዝነበረ ኣዝዩ ስለ እተጨነቐ: ንኣምላኽ “ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ: ንስኻስ ሕሰም እትጥምት፧” ኢሉ ሓተቶ። የሆዋ ድማ “መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተንስእ እየ” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ነብዪ: ኣምላኽ ንይሁዳ ንምቕጻዕ “ነቶም ጠለምቲ” ኺጥቀመሎም ምዃኑ ኸም ዘገረሞ ገለጸ። (ኣንባቆም 1:3, 6, 13) ኣንባቆም: ጻድቕ ከም ዚነብር: ጸላኢ ግን ካብ መቕጻዕቲ ኸም ዘየምልጥ መረጋገጺ ተዋህቦ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣንባቆም ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ብዛዕባ ዚወርድ ሓሙሽተ ወዮ ጸሓፈ።—ኣንባቆም 2:4

ኣንባቆም ኣብቲ ምሕረት ንኺግበረሎም ዝጸለዮ ጸሎት: ነቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ: ኣብቲ በረኻ: ከምኡውን ኣብ ያሪኮ ዘርኣዮ ዜደንቕ ሓይሊ “ብሺግዮኖት” ወይ ብድጕዓ ገለጸ። እቲ ነብዪ: የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ምስ ኣዕናዊ ቝጥዓኡ ኸም ዚምርሽ ተነበየ። ነቲ ጸሎት ድማ “እግዚአብሔር: እቲ ጐይታ: ሓይለይ እዩ: ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን: ኣብቲ በሪኽ ቦታይውን ኬመላልሰኒ እዩ” ኢሉ ዛዘሞ።—ኣንባቆም 3:1, 19

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:5, 6—ከለዳውያን ኣንጻር የሩሳሌም ኪትስኡ ምዃኖም ንኣይሁድ ኪእመን ዘይከኣል ዝዀኖም ስለምንታይ እዩ፧ ኣብቲ ኣንባቆም ኪንበ ዝጀመረሉ እዋን: ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ሓያል ጽልዋ ግብጺ ነበረት። (2 ነገስት 23:29, 30, 34) ኣብቲ ግዜ እቲ ባቢሎናውያን ሓይሎም እናወሰኸ ይኸይድ እኳ እንተ ነበረ: ገና ግን ንፈርኦን ኔኮ ኣይሰዓርዎን ነይሮም። (ኤርምያስ 46:2) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣብ የሩሳሌም እዩ ነይሩ: እቲ ስርወ-ንግስነት ዳዊት ከኣ ኣብኡ ዀይኑ ብዘይ ምቍራጽ ይገዝእ ነበረ። ስለዚ: ኣምላኽ: ከለዳውያን ንየሩሳሌም ንኼጥፍእዋ ብምፍቃድ ዚገብሮ “ግብሪ:” ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ዘይከውን ኰይኑ ተራእይዎም ኪኸውን ኣለዎ። ቃላት ኣንባቆም ክሳዕ ክንደይ ኪእመን ዘይከኣል ይምሰል ብዘየገድስ ግን: እቲ የሩሳሌም ብባቢሎናውያን ክትጠፍእ ምዃና ዚገልጽ ራእይ ብ607 ቅ.ክ. ‘መጸ።’—ኣንባቆም 2:3

2:5—እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ “ሰብ” መን እዩ፧ ‘ኣብ ሸቶኡ ዘይበጽሕከ’ (NW) ስለምንታይ እዩ፧ እቶም ንወተሃደራዊ ብልሓቶም ተጠቒሞም ንኣህዛብ ዚስዕሩ ዝነበሩ ባቢሎናውያን: ከም ሓደ “ሰብ” እዮም ነይሮም። እቲ ዝረኸብዎ ዓወታት ድማ ልክዕ ከምቲ ብወይኒ ዝሰኸረ ሰብ ገበሮም። እዚ ሰብ እዚ ግን: የሆዋ ንሜዶንን ፋርስን ተጠቒሙ ኼውድቖ ስለ ዝዀነ: ንዅሎም ኣህዛብ ናብኡ ኣብ ምእካብ ኣይኪዕወትን እዩ። እቲ ሕጂ ዘሎ “ሰብ:” ብፖለቲካዊ ሓይልታት ዝቘመ እዩ። ንሱ እውን ብርእሰ-ምትእምማንን ትዕቢትን ሰኺሩ እዩ: ግዝኣቱ ናይ ምስፍሕፋሕ ድሌት ድማ ኣለዎ። ይኹን እምበር: ኣብቲ “ንዅላቶም ኣህዛብ ናብኡ” ናይ ምእካብ ሸቶኡ ኣይበጽሕን እዩ። ከመይሲ: መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ንደቅሰብ ሓድነት ከተምጽኣሎም እትኽእል።—ማቴዎስ 6:9, 10

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:1-4፣ 1:12–2:1 ኣንባቆም ካብ ቅንዕና ተላዒሉ ሓተተ: የሆዋ ድማ መለሰሉ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንጸሎት እቶም እሙናት ኣገልገልቱ ይሰምዕ እዩ።

2:1 ልክዕ ከም ኣንባቆም ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓትን ንጡፋትን ክንከውን ኣሎና። ብመሰረት እቲ ዚወሃበና ተግሳጽ ወይ መኣረምታ ንኣተሓሳስባና ኸነተዓራሪ እውን ድሉዋት ክንከውን ኣሎና።

2:3; 3:16 ንምምጻእ መዓልቲ የሆዋ ብእምነት ክንጽበ ኸለና: ነቲ ናይ ህጹጽነት መንፈስና ኣይነጥፍኣዮ።

2:4 ካብታ እትመጽእ ዘላ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ንምድሓን: ብእምነት ክንጸንዕ ኣሎና።—እብራውያን 10:36-38

2:6, 7, 9, 12, 15, 19 ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ ረብሓ ዚደሊ: ዓመጻ ዚፈቱ: ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ዚገብር: ወይ ኣብቲ ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ዚካፈል ሰብ: መዓት ከም ዚወርድ ርግጽ እዩ። ካብዚ ባህርይን ተግባርን እዚ ኽንርሕቕ ኣሎና።

2:11 ነቲ እኩይ ተግባራት እዛ ዓለም እዚኣ እንተ ዘየቃሊዕናዮ: “እምኒ ኻብ መንደቕ ኬእዊ” እዩ። ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ምስባኽና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

3:6 የሆዋ ፍርዲ ኺፍጽም ከሎ: እቲ ኸም ኣኽራንን ኵርባታትን ነቕ ዚብል ዘይመስል ሰብኣዊ ውድባት እውን እንተ ዀነ ደው ኬብሎ ኣይክእልን እዩ።

3:13 ጥፍኣት ኣርማጌዶን ብጃምላ ኸም ዘይከውን መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ። የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኼድሕኖም እዩ።

3:17-19 ቅድሚ ኣርማጌዶንን ውግእ ኣርማጌዶን ኣብ ዚካየደሉ እዋንን ጸገም ኬጋጥመና እኳ እንተ ዀነ: ተሓጒስና ንየሆዋ ምስ እነገልግሎ: ‘ሓይሊ’ ኸም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

‘እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ’

(ጸፎንያስ 1:1–3:20)

ኣምልኾ በዓል ኣብ ይሁዳ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። የሆዋ ብነብዪ ጸፎንያስ ኣቢሉ: “ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዅላቶምን ኢደይ ክዝርግሕ እየ” በለ። ጸፎንያስ ድማ “መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (ጸፎንያስ 1:4, 7, 14) እቶም ንብቕዓታት ኣምላኽ ዜማልኡ ጥራይ እዮም በታ መዓልቲ እቲኣ ‘ዚሕብኡ።’—ጸፎንያስ 2:3

የሩሳሌም “እታ ገፋዒት ከተማ: ወይለኣ።” የሆዋ: “ኵራይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም: ነህዛብ ክእክቦም: . . . ስለዚ ኽሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዐለላ መዓልቲ ተጸበዩኒ” በለ። ይኹን እምበር: “ነቶም ምሩኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ምስ መለስክዎም: ኣብ ኵላቶም ህዝብታት ምድሪ ስሙያትን ክቡራትን ክገብረኩም እየ” ኢሉ እውን መብጽዓ ኣተወ።—ጸፎንያስ 3:1, 8, 20

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:13, 14—ኣብታ ፈጺማ ዝባደመት ነነዌ ዝስማዕ ‘ድምጺ መዝሙር’ ናይ ምንታይ እዩ፧ ነነዌ ሰፈር እንስሳ ዘገዳምን ኣዕዋፍን ስለ እትኸውን: እቲ ዚስማዕ ድምጺ ነቲ ናይ ኣዕዋፍ መዝሙር ወይ ከኣ ነቲ በቲ መሳዅቲ እቲ ሰብ ዘይነበረሉ ኣባይቲ ዚሓልፍ ንፋስ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

3:9—እቲ “ጽሩይ ከናፍር” እንታይ እዩ፧ ከምዚ ዝበለ ኸናፍር ኪህልወና ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ ሓቂ እዩ። ንዅሉ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ዘጠቓለለ እዩ። ነዚ “ጽሩይ ከናፍር” እዚ: ኣብቲ ሓቂ እምንቶ ብምግባር: ብትኽክል ንኻልኦት ብምምሃር: ከምኡውን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ብምንባር ኢና እንረኽቦ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:8 ብግዜ ጸፎንያስ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት: “ክዳን ጓኖት” ብምግባር በቶም ከቢቦምዎም ዝነበሩ ኣህዛብ ተቐባልነት ኪረኽቡ ይጽዕሩ ነበሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ: ምስዛ ዓለም ንምስምማዕ ተመሳሳሊ ጻዕሪ ኺገብሩስ ክሳዕ ክንደይ ዕሽነት ኰን እዩ!

1:12፣ 3:5, 16 የሆዋ ንህዝቡ ብዛዕባ እቲ ፍርድታቱ ንምጥንቃቕ ብተደጋጋሚ ነብያት ይልእከሎም ነበረ። ብዙሓት ኣይሁድ ልክዕ ከምቲ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ገንኢ ወይኒ ዝግ ዚብል ሓተላ ዀይኖም ተቐሚጦምን ነቲ መልእኽቲ ተገዳስነት ዘይብሎም ከለዉን እዩ ኸምዚ ገይሩ። እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ኽትቀርብ ከላ: ናይ ሰባት ዘይምግዳስ ‘ንኣእዳውና ብትህኪት ከም ዚሕለል’ ኣብ ክንዲ ዚገብሮ: ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይምቍራጽ ክንሰብኽ ኣሎና።

2:3 የሆዋ ጥራይ እዩ ኻብታ መዓልቲ ቝጥዓኡ ኼድሕነና ዚኽእል። ሞገሱ ብቐጻሊ ንምርካብ: ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ብምጽናዕን መምርሒ ንኺህበና ብጸሎት ብምሕታትን ናብኡ ብምቕራብን ‘ንየሆዋ ኽንደልዮ’ ኣሎና። ብስነ-ምግባር ንጹህ ዝዀነ ህይወት ብምንባር ድማ ‘ጽድቂ ኽንደሊ’ ኣሎና። ብተወሳኺ ኸኣ ልኡምን ትሑትን ኣረኣእያ ብምምዕባል ‘ትሕትና ኽንደሊ’ ኣሎና።

2:4-15፣ 3:1-5 እቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ዝገፍዑ ዝነበሩ ህዝበ-ክርስትያንን ኵሎም ኣህዛብን: ኣብታ የሆዋ ፍርዱ ዚፍጽመላ መዓልቲ: ከምቲ ንየሩሳሌምን ነተን ኣብ ከባቢኣ ዝነበራ ዓድታትን ዝወረደን ዓይነት ፍርዲ ኺወርዶም እዩ። (ራእይ 16:14, 16፣ 18:4-8) ፍርዲ ኣምላኽ ብትብዓት ምስባኽና ኽንቅጽል ኣሎና።

3:8, 9 ንመዓልቲ የሆዋ ኽንጽበ ኸለና: ነቲ “ጽሩይ ከናፍር” ብምዝራብ: ርእስና ንኣምላኽ ብምውፋይ: ከምኡውን ‘ንስሙ ብምጽዋዕ’ ንድሕነት ክንዳሎ ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ ምስ ህዝቢ የሆዋ ‘ሓቢርና’ ብምግልጋል: “መስዋእቲ ምስጋና” ነቕርበሉ።—እብራውያን 13:15

“ትቕልጥፍ አላ”

እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ: ኣይኪህሉን ድማ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 37:10) ነቲ ኣብ ትንቢት ናሆም ዘሎ ብዛዕባ ነነዌ እተነግረ ትንቢትን ነቲ ኣብ ትንቢት ኣንባቆም ዘሎ ብዛዕባ እታ ኸሓዲት ይሁዳ እተዘርበ ትንቢትን ክንሓስበሉ ኸለና: ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከም ዚፍጸማ ኣይንጠራጠርን ኢና። ክሳዕ መዓስ ኢና ግን ክንጽበ፧

ጸፎንያስ 1:14 “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ . . . ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ” ትብል። ትንቢት ጸፎንያስ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ብኸመይ ክንሕባእ ከም እንኽእልን ንምድሓን እንታይ ዓይነት ምድላው ክንገብር ከም ዘሎናን ትገልጽ እያ። ብሓቂ እምበኣር: “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ።”—እብራውያን 4:12

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ዓብዪ መካበብያ ነነዌ: ትንቢት ናሆም ንኸይፍጸም ኣይዓገቶን

[ምንጪ ስእሊ]

Randy Olson/National Geographic Image Collection