ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥንታዊ ኣጋልዕ ሓቅነት ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጽ

ጥንታዊ ኣጋልዕ ሓቅነት ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጽ

ጥንታዊ ኣጋልዕ ሓቅነት ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጽ

መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እቲ ብዛዕባ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰባትን ቦታታትን ሃይማኖታትን ፖለቲካዊ ዅነታትን ዚብሎ ነገር ትኽክል እዩ። ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ነገራት ዜረጋግጸልና ወይ ዜብርሃልና እኳ እንተ ዀነ: ሓቅነት ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ኣብኡ እተመርኰሰ ኣይኰነን።

ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ንገሊኡ ጥንታዊ ቦታታት ኪፍሕሩ ኸለዉ ዚረኽብዎ መብዛሕትኡ ነገራት ኣጋልዕ ወይ ስብርባር ካይላታት እዩ። ስብርባር ካይላታት ኣብ ጥንታዊ ማእከላይ ምብራቕ: እንተላይ ኣብ ግብጽን መሶጶታምያን ብሕስር ዝበለ ዋጋ ኺርከብ ዚከኣል ናውቲ ጽሕፈት እዩ ነይሩ። ከምዚ ሎሚ ወረቐት እንጥቀም: ኣጋልዕ እውን ውዕላትን ጸብጻባትን መሸጣን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ንምምዝጋብ የገልግል ነበረ። እቲ ኣብ ኣጋልዕ ዚርከብ ጽሑፋት ብሓፈሻኡ ብቐለም ዚጸሓፍ ኰይኑ: ካብ ሓንቲ ቓል ክሳዕ ሓያሎ መስመራት ወይ ዓምድታት ዝሓዘ እተፈላለየ ኣጋልዕ ተረኺቡ ኣሎ።

ኣብ እስራኤል ኣብ እተገብረ ስነ-ጥንታዊ ፍሕረት ሓያሎ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ኣጋልዕ ተረኺቡ እዩ። ኣብ ሻውዓይን ሻምናይን ቅ.ክ. ዝነበረ ኣጋልዕ ዚርከቦ ሰለስተ ጕጅለ እዚ ርኽበታት እዚ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ እተፈላለየ ዝርዝር ታሪኻዊ ሓበሬታ ዜረጋግጽ ብምዃኑ ብፍላይ ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ኢና። እዚ ኸኣ ኣጋልዕ ሰማርያ: ኣጋልዕ ዓራድ: ከምኡውን ኣጋልዕ ላኪሽ ይበሃል። ንነፍሲ ወከፉ ብዝርዝር እስከ ንመርምሮ።

ኣጋልዕ ሰማርያ

ሰማርያ ብ740 ቅ.ክ. ብኣሶራውያን ክሳዕ እትግልበጥ ርእሲ ኸተማ እታ ብዓሰርተ ነገዳት ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ነበረት። ቀዳማይ ነገስት 16:23, 24 ብዛዕባ እቲ ሰማርያ እተደኰነትሉ መገዲ ኺገልጽ ከሎ: “ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመቱ [947 ቅ.ክ.] ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ: . . . ንኸረን ሰማርያ ድማ ካብ ሸመር ብኽልተ ታለንት ብሩር ዐደጋ: ኣብቲ ኸረን ከኣ ሰርሔ: ስም እታ ዝሰርሓ ኸተማ ድማ . . . ሰማርያ ኢሉ ሰመያ።” እታ ኸተማ ኽሳዕ እቲ ሮማውያን ዚገዝኡሉ ዝነበረ እዋን ነይራ እያ: ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ስማ ናብ ሰባስቲ ተቐየረ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ሻድሻይ ዘመን ድ.ክ. ከተማነታ ኣብቅዐ።

ብ1910 ኣብ ጥንታዊት ሰማርያ ኣብ እተገብረ ፍሕረት: ሓደ ጋንታ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ሓደ ጕጅለ ኣጋልዕ ረኸቡ፣ ነዚ ድማ ኣብ ሻምናይ ቅ.ክ. ዝነበረ ኢሎም እዮም ዚኣምኑሉ። ኣብቲ ኣጋልዕ ከኣ ካብ እተፈላለየ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ቦታታት ናብ ሰማርያ ብዛዕባ እተላእከ ዘይትን ወይንን ዚገልጽ ጽሑፍ ነበረ። እታ ኣንሽየንት ኢንስክሪፕሽንስ—ቮይስስ ፍሮም ዘ ቢብሊካል ዎርልድ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ እቲ ርኽበት ከምዚ ትብል:- “እቲ ብ1910 እተረኽበ 63 ኣጋልዕ . . . ሓደ ኻብቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጽሑፋት ጌርካ ኺርአ ዚግብኦ እዩ። እዚ ኣገዳስነት እዚ ብምኽንያት ትሕዝቶ ኣጋልዕ ሰማርያ ኣይኰነን . . . የግዳስ ሰፊሕ ዝርዝር ብሕታዊ ስማት እስራኤላውያን: ስማት እንዳታት: ከምኡውን ጂኦግራፍያዊ ስማት ስለ ዚጽብጽብ እዩ።” እዚ ስማት እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዝርዝር እተመዝገበ ጸብጻብ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ተስፋ ምስ ሰዓርዋን ኣብ መንጎ ነገዳት ምስ መቓቐልዋን: እቲ ሰማርያ እተደኰነትሉ ቦታ ኣብ ውሽጢ እቲ ንነገድ ምናሴ እተዋህበ ርስቲ ነበረት። ብመሰረት እያሱ 17:1-6: ካብቲ ወዲ ወዱ ንምናሴ ዝዀነ ጊልዓድ እተወልዱ ዓሰርተ እንዳታት ምናሴ ኣብቲ ቦታ እቲ ርስቲ ተዋህቦም። እዚኣቶም ኣቢዔዘር: ሔለቅ: ኣስሪኤል: ሴኬም: ሸሚዳ ዚበሃሉ ነበሩ። እቲ ሔፈር ዚበሃል ሻድሻዮም ግን ኣወዳት ደቂ ደቂ ኣይነበርዎን: የግዳስ ሓሙሽቲአን ደቂ ደቁ ኣዋልድ ነበራ። ንሳተን ድማ ማሕላ: ኖዓ: ሖግላ: ሚልካ: ቲርጻ ዚበሃላ ዀይነን: ነፍሲ ወከፈን ርስቲ መሬት ተዋህበን።—ዘሁልቍ 27:1-7

እቲ ኣጋልዕ ሰማርያ: ሸውዓተ ኻብዚ ስማት እንዳታት: ማለት ስማት ሓሙሽቲኦም ደቂ ጊልዓድ ከምኡውን ሖግላን ኖዓን ዚበሃላ ኽልተ ደቂ ደቁ ንሔፈር ሒዙ ኣሎ። ኤን.ኣይ.ቪ. ኣርኪዮሎጂካል ስታዲ ባይብል: “እቲ ኣብ ኣጋልዕ ሰማርያ ተዓቂቡ እተረኽበ ስማት እንዳታት ኣብ መንጎ እቶም እንዳታት ምናሴን መጽሓፍ ቅዱስ ተረስትዮምዎ ዚብሎ ኽልን ንዝነበረ ምትእስሳር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዚርከብ መረጋገጺ እዩ” ትብል። ስለዚ: እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዚርከብ ክፋል እቲ ታሪኽ ነገዳት እስራኤል: በዚ ኣጋልዕ እዚ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣጋልዕ ሰማርያ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዚርከብ ሃይማኖታዊ ዅነታት እስራኤላውያን እውን የረጋግጾ እዩ። እዚ ኣጋልዕ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን: እስራኤላውያን ኣምልኾ የሆዋ ምስ ኣምልኾ እቲ በዓል ዚበሃል ጣኦት ከነኣን ሓናፊጾምዎ ነበሩ። ኣብ ሻምናይ ቅ.ክ. እተጻሕፈ ትንቢት ሆሴእ: እስራኤላውያን ንየሆዋ ብንስሓ “ሰብኣየይ” ኢሎም ዚጽውዑሉ: “በዓለይ” ኢሎም እውን ዘይጽውዑሉ እዋን ከም ዚመጽእ ተነብዩ ኣሎ። (ሆሴእ 2:16, 17) ገለ ኣብቲ ኣጋልዕ ሰማርያ እተረኽበ ብሕታዊ ስማት: “በዓል ኣቦይ እዩ:” “በዓል ይዝምር:” “በዓል ሓያል እዩ:” “በዓል ይዝክር:” ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ትርጕማት ኣለዎ። ንነፍሲ ወከፍ 11 ስም የሆዋ ዚእምት ሓሳብ ዝሓዘ ብሕታዊ ስማት: ን“በዓል” ዚእምት ሓሳብ ዝሓዘ 7 ስማት ተረኺቡ እዩ።

ኣጋልዕ ዓራድ

ዓራድ ኣብቲ ነጌብ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ብዙሕ ማይ ዘይወቕዖ ቦታ እትርከብ ኰይና: ካብ የሩሳሌም ናብ ደቡብ ገጻ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ እያ። ኣብቲ ኣብ ዓራድ እተገብረ ፍሕረት: ሽዱሽተ ተኸታታሊ ዕርድታት እስራኤል ተረኽበ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ንግስነት ሰሎሞን (1037-998 ቅ.ክ.) ክሳዕ እቲ ባቢሎናውያን ብ607 ቅ.ክ. ንየሩሳሌም ዘጥፍኡላ እዋን ዝነበረ እዩ። እቲ ፈሓርቲ ኣብ ዓራድ ኣብ ዝገበርዎ ፍሕረት ዝረኽብዎ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ኣጋልዕ ብብዝሑ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ እዩ። ብእብራይስጢ: ብኣረማይስጢ: ከምኡውን ብኻልእ ቋንቋታት ጽሑፋት ዝሓዘ ልዕሊ 200 ነገራት የጠቓልል።

ገለ ኻብቲ ኣጋልዕ ዓራድ ብዛዕባ ዓሌታት ካህናት ንዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓበሬታ ዜረጋግጽ እዩ። ንኣብነት: ሓደ ገልዒ ነቶም ኣብ ዘጸኣት 6:24 ከምኡውን ዘሁልቍ 26:11 ተጠቒሶም ዘለዉ “ደቂ ቆራሕ” ይጠቅስ። እቲ ኣብ መዝሙር 42, 44-49, 84, 85, 87, 88 ዚርከብ ልዕለ-ጽሑፋት: እቲ መዝሙራት እቲ ናይ “ደቂ ቆራህ” ምዃኑ ፈልዩ ይጠቅስ እዩ። ካልእ ኣብቲ ኣጋልዕ ዓራድ እተጠቕሱ ዓሌታት ካህናት: ዓሌታት ፈሽሑርን መሬሞትን እዮም።—1 ዜና መዋእል 9:12፣ እዝራ 8:33

ካልእ ኣብነት እውን ንርአ። ኣብ ዑናታት ሓደ የሩሳሌም ብባቢሎናውያን ቅድሚ ምጥፋኣ ዝነበረ ዕርዲ: ፈሓርቲ ናብ ሓደ ሓለቓ እቲ ዕርዲ እተላእከ ገልዒ ረኸቡ። ብመሰረት ዘ ኮንተክስት ኦቭ ስክሪፕቸር እትበሃል ጽሕፍቲ: እቲ ገልዒ ብኸፊል: “ንጐይታይ ኤልያሺብ። ያህወህ [የሆዋ] ጥዕና ይሃብካ። . . . ብዛዕባ እቲ ትእዛዝ ዝሃብካኒ ጕዳይ: ኵሉ ነገር ሕጂ ደሓን ኣሎ: ኣብ ቤተ መቕድስ ያህወህ ኣሎ” ትብል። ብዙሓት ምሁራት እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ቤተ መቕደስ ነታ ፈለማ ብሰሎሞን እተሃንጸት ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ከም እተመልክት ይኣምኑሉ እዮም።

ኣጋልዕ ላኪሽ

እታ ጥንታዊት እተዓርደት ከተማ ላኪሽ ካብ የሩሳሌም ብደቡባዊ ምዕራብ 43 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ነበረት። ብ1930 ኣብ እተገብረ ፍሕረት ሓደ እኩብ ኣጋልዕ ተረኽበ፣ ካብዚ ኸኣ እንተ ወሓደ 12 ዚኸውን ደብዳበታት ኪኸውን ከሎ: “ብዛዕባ እቲ ይሁዳ ነቲ ዘይተርፍ መጥቃዕቲ ነቡካድነጻር [ንጉስ ባቢሎን] ክትዳሎ ኸላ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዅነታትን ሓፈሻዊ ህውከትን ዜብርህ ስለ ዝዀነ ኣዝዩ ኣገዳሲ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

እተን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለወን ደብዳበታት: ያኦሽ ዚበሃል ኣብ ላኪሽ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊት ኪኸውን ዚኽእል ውልቀ-ሰብ ምስ ሓደ ኣብ ትሕቲኡ ዚርከብ ሓለቓ እተጸሓሓፈን እየን ነይረን። እቲ ኣብተን ደብዳበታት ዚርከብ ቋንቋ ምስቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዚነብር ዝነበረ ነብዪ ኤርምያስ ኣብ ጽሑፋቱ እተጠቕመሉ ዚመሳሰል እዩ። ክልተ ኻብዘን ደብዳበታት እዚኣተን ነቲ ብዛዕባ እቲ ጽንኩር እዋን መጽሓፍ ቅዱስ ዝሃቦ መግለጺ ብኸመይ ከም ዚድግፍ እስከ ንርአ።

ኣብ ኤርምያስ 34:7 እቲ ነብዪ ብዛዕባ እቲ “ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ነተን ተሪፈን ዝነበራ ዅላተን ከተማታት ይሁዳን: ማለት ነተን ካብ ከተማታት ይሁዳ ተዐሪደን ተሪፈን ዝነበራ ላኪሽን ኣዜቃን: ኪዋጋእ ከሎ” ዝነበረ እዋን ገሊጹ ኣሎ። እቲ ሓንቲ ኻብተን ደብዳበታት ላኪሽ ዝለኣኸ ውልቀ-ሰብ ተመሳሳሊ ዅነታት ዚገልጽ ዝነበረ እዩ ዚመስል። እቲ ጽሑፉ: “ምልክት [ሓዊ] ላኪሽ ንቋመት ከም ዘለና: ከመይሲ ንኣዜቃ ኽንርኢ ኸም ዘይንኽእል ይፈለጥ” ተባሂሉ ይንበብ። ብዙሓት ምሁራት እዚ ጽሑፍ እዚ: ኣዜቃ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ከም ዝወደቐት: ቀጺላ ድማ ላኪሽ ከም እትወድቕ ዚሕብር ምዃኑ ይኣምኑ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ዚርከብ “ምልክት” ዚብል ቃል ኣገዳሲ እዩ። ኤርምያስ 6:1 ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ዚመሓላለፈሉ መገዲ ትገልጽ እያ።

ንጉስ ይሁዳ ኻብ ባቢሎን ንኺዓሉ ኢሉ ኻብ ግብጺ ደገፍ ንምርካብ ጻዕርታት ከም ዝገበረ ነብዪ ኤርምያስን ነብዪ ህዝቅኤልን ገሊጾም ኣለዉ: ነዚ ዚድግፍ ተባሂሉ ዚእመነሉ ሓሳባት ድማ ኣብ ካልእ ደብዳበ ላኪሽ ተረኺቡ ኣሎ። (ኤርምያስ 37:5-8፣ 46:25, 26፣ ህዝቅኤል 17:15-17) እታ ኣብ ላኪሽ እተረኽበት ደብዳበ ኸምዚ ትብል:- “ሕጂ ጊልያኻ ነዚ ዚስዕብ ሓበሬታ ረኺቡ:- ሓለቓ ሰራዊት ኮንያሁ ወዲ ኤልናታን ናብ ግብጺ ንኺኣቱ ናብ ደቡብ ገጹ ተጓዒዙ።” ምሁራት ነዚ ተግባር እዚ ኻብ ግብጺ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምርካብ እተገብረ ጻዕሪ ገይሮም እዮም ብሓፈሻ ተርጒሞምዎ።

እቲ ኣጋልዕ ላኪሽ ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ዚርከብ ብርክት ዝበለ ስማት እውን ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ድማ ኔርያ: ያዘንያ: ገማርያ: ኤልናታን: ሆሻዕያ ዚብል እዩ። (ኤርምያስ 32:12፣ 35:3፣ 36:10, 12፣ 42:1) እዚ ስማት እዚ ነቶም ኣብ ትንቢት ኤርምያስ እተጠቕሱ ውልቀ-ሰባት ዜመልክት እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ኺረጋገጽ ኣይከኣልን እዩ። ይኹን እምበር: ኤርምያስ ኣብቲ ግዜ እቲ ይነብር ስለ ዝነበረ: እቲ ምምስሳል ዕሽሽ ዚበሃል ኣይኰነን።

ሓባራዊ መዳይ

እቲ እኩብ ኣጋልዕ ሰማርያን ዓራድን ላኪሽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ሓያሎ ዝርዝራት ዜረጋግጽ እዩ። ገለ ኻብዚ ስማት ዓሌታት: ጂኦግራፍያዊ ስማት: ከምኡውን ንሃይማኖታውን ፖለቲካውን ሃዋህው እቲ ግዜ ዚምልከት ነጥብታት የጠቓልል። ብዘይካዚ ግን: ኣብ ሰለስቲኡ ጕጅለታት ኣጋልዕ ዚርከብ ሓደ ኣገዳሲ ሓባራዊ መዳይ ኣሎ።

እቲ ኣብ ዓራድን ላኪሽን እተረኽበ ደብዳበታት: “የሆዋ ሰላምካ ይጠይቕ” ዚብል ዝኣመሰለ ቓላት ሒዙ ኣሎ። ኣብ ሸውዓተ ኻብቲ መልእኽትታት ላኪሽ: ስም ኣምላኽ ብድምር 11 ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እዚ: ኣብ ሰለስቲኡ እኩብ ኣጋልዕ እተረኽበ ሓያሎ ብሕታዊ ስማት እብራውያን: ኣሕጽሮት እቲ የሆዋ ዚብል ስም ዝሓዘ እዩ። እምበኣር: እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንመለኮታዊ ስም ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ይጥቀሙሉ ምንባሮም እዚ ኣጋልዕ እዚ የረጋግጸልና።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ናብ ኤልያሺብ እተላእከ ኣብ ዑናታት ዓራድ እተረኽበ ገልዒ

[ምንጪ ስእሊ]

Photograph © Israel Museum, Jerusalem; courtesy of Israel Antiquities Authority

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ስም ኣምላኽ ዝሓዘት ደብዳበ ላኪሽ

[ምንጪ ስእሊ]

Photograph taken by courtesy of the British Museum