ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ዓብዪ ገባር ወደ መዝሙር ምሰሎ

ነቲ ዓብዪ ገባር ወደ መዝሙር ምሰሎ

ነቲ ዓብዪ ገባር ወደ መዝሙር ምሰሎ

“ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ።”—ሉቃስ 8:18

1, 2. ነቲ የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ንሰባት ዝሓዘሉ መገዲ ኸተቕልበሉ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

 የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ: “ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ” ኢሉ ኺዛረቦም ከሎ: ከም ዓብዪ መምህርን ገባር ወደ መዝሙርን መጠን ግዲኡ ይፍጽም እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 8:16-18) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብቲ ኸም ክርስትያናት መጠን እትፍጽሞ ኣገልግሎትካ እውን ይውዕል እዩ። መንፈሳዊ መምርሒ ኸመይ ጌርካ ኸም እትሰምዕ ትጥንቀቕ እንተ ዄንካ: ኣብ ግብሪ ተውዕሎ: ኣድማዒ ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ትኸውን። ልክዕ እዩ: ሎሚ ደሃይ የሱስ ክትሰምዕ ኣይትኽእልን ኢኻ: ግናኸ ብዛዕባ እቲ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ንሰባት ዝነበሮ ኣተሓሕዛ እንታይ ይገልጸልና፧

2 የሱስ ብሉጽ ሰባኺ እቲ ብስራትን ሓለፍ ዝበለ መምህር እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅን እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 8:1፣ ዮሃንስ 8:28) ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ: ምስባኽን ምምሃርን ዜጠቓልል ኪኸውን ከሎ: ገሊኦም ዚነኣዱ ሰበኽቲ ግን ንሰባት ብውጽኢታዊ መገዲ ምምሃር ኣጸጋሚ ይዀኖም እዩ። ምስባኽ ኪበሃል ከሎ መልእኽቲ ምእዋጅ የጠቓልል: ንሰባት ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ምምሃር ግን መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ገባር ወደ መዝሙር ምሳታቶም ርክብ ምምስራት ይሓትት። (ማቴዎስ 28:19, 20) ነዚ ኸኣ ነቲ ዓብዪ መምህርን ገባር ደቀ መዛሙርትን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብምምሳል ክንገብሮ ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 13:13

3. ንየሱስ ምምሳል ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እትገብሮ ጻዕሪ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

3 ሜላታት የሱስ እንተ ቐዲሕካ: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ጊዜ እናዐደግኩም: ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ: ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ኢሉ ዝሃቦ ማዕዳ ኢኻ እትስዕብ ዘለኻ። (ቈሎሴ 4:5, 6) ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ንየሱስ ምምሳል ጻዕሪ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ: ከከም ኣድላይነቱ ‘ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ከም እትምልስ’ ክትፈልጥ ስለ ዜኽእለካ: ንትምህርትኻ ውጽኢታዊ ኺገብሮ እዩ።

የሱስ ንኻልኦት ኪዛረቡ ኣተባበዖም

4. የሱስ ንፉዕ ሰማዒ እዩ ነይሩ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

4 የሱስ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ንሰባት ናይ ምስማዕን ርእይቶኦም ኪገልጹ ናይ ምትብባዕን ልማድ ነበሮ። ንኣብነት: ወዲ 12 ዓመት ከሎ: ወለዱ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ “እናሰምዖምን እናሐተቶምን ረኸብዎ።” (ሉቃስ 2:46) የሱስ ነቶም መምህራን ብፍልጠቱ ንኼሕፍሮም ኢሉ ኣይኰነን ናብቲ ቤተ መቕደስ ከይዱ። ሕቶታት እኳ ይሓትት እንተ ነበረ: ኪሰምዕ ኢሉ እዩ ኸይዱ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጸጋ ኸም ዚዓቢ ኻብ ዝገበሮ ባህርያት ሓደ: ንፉዕ ሰማዒ ስለ ዝነበረ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 2:52

5, 6. የሱስ ነቲ እቶም ዚምህሮም ሰባት ዚገልጽዎ ሓሳባት ይሰምዖ ኸም ዝነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧

5 የሱስ ምስ ተጠምቀን መሲህ ኰይኑ ምስ ተቐብአን: ንሰባት ካብ ምስማዕ ኣየቋረጸን። ነቶም ኪሰምዕዎ ዝመጹ ሰባት ክሳዕ ዚርስዖም: ኣብቲ ዚምህሮ ዝነበረ ነገራት ጥራይ ዜተኵር ኣይነበረን። ብዙሕ ግዜ ዘረባኡ ኣቋሪጹ እንታይ ሓሳብ ከም ዘለዎም ይሓቶም: መልሶም ድማ ይሰምዕ ነበረ። (ማቴዎስ 16:13-15) ንኣብነት: ኣልኣዛር ሓው ማርታ ምስ ሞተ: የሱስ ንማርታ: “ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚአምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ” ድሕሪ ምባል: “እዚዶ ትአምኒ ኢኺ፧” ኢሉ ሓተታ። “እወ ጐይታይ: ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ አሚነ አሎኹ” ኢላ ኽትምልሰሉ ኸላ ብግቡእ ሰሚዕዋ ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 11:26, 27) ማርታ በዚ ኸምዚ እምነታ ኽትገልጽ ከላ ምስማዓስ ከመይ ዜሐጕስ ነይሩ ዀን ኪኸውን ኣለዎ!

6 ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ሓዲጎምዎ ምስ ከዱ: ኣረኣእያ ሃዋርያቱ ኺፈልጥ ደለየ። ስለዚ “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ: “ጐይታይ: ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ: ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ አሚንናን ፈሊጥናን አሎና” ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃንስ 6:66-69) እዘን ቃላት እዚኣተን ንየሱስ ከመይ ኰን ኣሐጒሰናኦ ኪዀና ኣለወን! ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዜውስእዎ ተመሳሳሊ መግለጺ እምነቶም እውን ንዓኻ ብርግጽ ኬሐጕሰካ እዩ።

የሱስ ብኣኽብሮት ይሰምዕ ነበረ

7. ብዙሓት ሳምራውያን ብየሱስ ዝኣመኑ ስለምንታይ እዮም፧

7 የሱስ ኣድማዒ ገባር ወደ መዝሙር ዝነበረሉ ኻልእ ምኽንያት: ንሰባት ይሓልየሎምን ብኣኽብሮት ይሰምዖምን ስለ ዝነበረ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ሲካር እትርከብ ዝነበረት ያእቆብ ዝዀዓታ ዔላ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ መስከረላ። ኣብቲ ሽዑ እተገብረ ምይይጥ: የሱስ በይኑ ኣይተዛረበን፣ ነቲ እተዛረበቶ ሰሚዑ እዩ። እትዛረቦ ዝነበረት ኪሰምዕ ከሎ: ኣብ ኣምልኾ ዘለዋ ተገዳስነት ኣስተብሃለ: ኣምላኽ ብመንፈስን ብሓቅን ዜምልኽዎ ሰባት ከም ዚደሊ ድማ ነገራ። የሱስ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣኽብሮትን ተገዳስነትን ኣርኣያ: ንሳ እውን ብዛዕባኡ ንኻልኦት ነገረቶም: “ስለቲ እታ ሰበይቲ . . . ዝመስከረቶ ቓል [ድማ]: ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ አመኑ።”—ዮሃንስ 4:5-29, 39-42

8. ሰባት ርእይቶኦም ኪገልጹ ዚደልዩ ምዃኖም ኣብ ኣገልግሎት ዝርርብ ንምጅማር ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ርእይቶኦም ምግላጽ ባህ የብሎም እዩ። ንኣብነት: ተቐማጦ ጥንታዊት ኣቴና ርእይቶኦም ምግላጽን ሓድሽ ነገር ምስማዕን ባህ ይብሎም ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብዚ ብምብጋስ ኣብታ ኸተማ ኣብ ዝነበረ ኣርዮስፋጎስ ውጽኢታዊ መደረ ኣስምዐ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:18-34) ሎሚ ኣብ ኣገልግሎትካ ምስ ሓደ ብዓል ቤት ዝርርብ ክትጅምር ከለኻ: “ብዛዕባ [ሓደ ኣርእስቲ] ዘሎካ ርእይቶ ኽሰምዕ ስለ ዝደለኹ እየ መጺአካ” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ። ነቲ እቲ ሰብ ዚህበካ ርእይቶ ስምዓዮ: ኣብኡ ተመርኲስካ ድማ ሓሳብ ሃቦ ወይ ሕቶ ሕተቶ። ድሕሪኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር እንታይ ከም ዚብል ብሕያውነት ኣርእዮ።

የሱስ እንታይ ከም ዚብል ይፈልጥ ነበረ

9. የሱስ ንቀለዮጳን ብጻዩን ‘ነቲ ጽሑፋት ቅድሚ ምትርጓሙ’ እንታይ እዩ ገይሩ፧

9 የሱስ ዚዛረቦ ቓላት ጠፊእዎ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ንፉዕ ሰማዒ ጥራይ ዘይኰነስ: ብዙሕ ግዜ ሰባት እንታይ ይሓስቡ ኸም ዘለዉን ብልክዕ እንታይ ኪብል ከም ዘለዎን ይፈልጥ ነበረ። (ማቴዎስ 9:4፣ 12:22-30፣ ሉቃስ 9:46, 47) ንኣብነት: የሱስ ድሕሪ ምትንሳኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኻብ የሩሳሌም ናብ ኤማሁስ ይኸዱ ነበሩ። እቲ ኣብ ወንጌል ዚርከብ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ: የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ። ከየለልይዎ ግን ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ። ንሱ ድማ፤ እዚ: እናኸድኩምን እናጐሄኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም። እቲ ሓደ ኻብኦም ቀለዮጳ ዝስሙ፤ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ: ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፤ እንታይ እዩ፧ በሎም።” ድሕርዚ: የሱስ ናዝራዊ ንህዝቢ ኸም ዝመሃረን ተኣምራት ከም ዝገበረን ከም እተቐትለን ኪገልጹሉ ኸለዉ እቲ ዓብዪ መምህር ሰምዖም። ካብ ምዉታት ተንሲኡ ኢሎም ገሊኦም ከም ዝነገርዎም እውን ሓበርዎ። የሱስ ንቀለዮጳን ብጻዩን ሓሳቦም ኪገልጹ ፈቐደሎም። ድሕሪኡ: ‘ነቲ ጽሑፋት ብምትርጓም’ ኪፈልጥዎ ዝነበሮም ገለጸሎም።—ሉቃስ 24:13-27, 32

10. ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸብካዮ ሰብ ንዘለዎ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧

10 ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ሓደ ኽትበጽሖ ዝኸድካ ብዓል ቤት ኣይትፈልጥን ትኸውን። ኣረኣእያኡ ንምፍላጥ: ሰባት ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ከም ዚሓስቡ ርእይቶኦም ክትሰምዕ ከም እትደሊ ኽትነግሮ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ: “ጸሎት ዚሰምዕ ብሓቂ ዘሎዶ ይመስለካ፧” ኢልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዚህበካ መልሲ ብዛዕባ ኣረኣእያኡን ሃይማኖቱን ብዙሕ ኪሕብረካ ይኽእል እዩ። ሃይማኖታዊ እንተ ዀይኑ: “ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዚስምዖዶ ይመስለካ ወይስ ንገሊኡ ጸሎት ኣይቅበሎን እዩ ትብል፧” ኢልካ ብምሕታት ብዝያዳ ሓሳቡ ንኺገልጽ መገዲ ኽትከፍተሉ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ናብ ባህርያዊ ዝርርብ ዚመርሕ እዩ። ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ንኸተካፍል ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ እዋን: ኣብቲ እቲ ሰብ ዚኣምነሉ ነገር መጥቃዕቲ ንኸይትፍኑ: ብሜላ ኽትገብሮ ኣሎካ። ኪሰምዓካ ባህ ዚብሎ እንተ ዀይኑ: ካልእ ግዜ ንኽትመጾ እውን ኪሰማማዕ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: መልሲ ኽትህበሉ ዘይትኽእል ሕቶ ሓተተካ ንበል። እተወሰነ ምርምር ድሕሪ ምግባር: ‘ነታ ኣባኻ ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንምሃብ’ ተዳሊኻ ኽትምለሶ ትኽእል ኢኻ፣ ነዚ ግን “ብለውሃትን ብኽብርን” (ትርጕም 1990) ግበሮ።—1 ጴጥሮስ 3:15

የሱስ ንብቑዓት መሃረ

11. ነቶም ኪመሃሩ ብቑዓት ዝዀኑ ንምርካብ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

11 እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ ነቶም ኪመሃሩ ብቑዓት ዝዀኑ ኺመሚ ዜኽእሎ ኽእለት ነበሮ። ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዀይኑ ኢና እንረኽቦ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:48 NW) እቶም ካብ የሱስ: “ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ አቲኹም: ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ” ዚብል መምርሒ እተዋህቦም ሃዋርያት እውን ከምኡ የጸግሞም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 10:11) ከምቲ ሃዋርያት የሱስ ዝገበርዎ: ንሕና እውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኺሰምዑን ኪመሃሩን ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ከነናዲ ኣሎና። እምበኣር: ንሰባት በብውልቂ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም ተጠንቂቕካ ምስ እትሰምዖም ኢኻ ነቶም ብቑዓት ክትረኽቦም እትኽእል።

12. ንሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ከመይ ጌርካ ብቐጻሊ ኽትሕግዞ ትኽእል፧

12 ምስ ሓደ ኣብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ተዘራሪብካ ወዲእካ ኽትከይድ ከለኻ: ብዛዕባ እቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮ ነገራት እንተ ሓሰብካ ሰናይ እዩ። ምስ ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ብስራት ድሕሪ ምዝርራብካ ብዛዕባኡ ዝፈለጥካዮ ነገራት እንተ ጽሒፍካዮ: ነቲ ሰብ ብመንፈሳዊ መዳይ ንኽትድግፎ ኺሕግዘካ እዩ። ተመላሊስካ ምብጻሓት ክትገብረሉ ኸለኻ: ብዛዕባ እምነታት: ኣረኣእያታት: ወይ ኵነታት እቲ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ንኽትፈልጥ ተጠንቂቕካ ኽትሰምዖ ኣሎካ።

13. ሓደ ሰብ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ስምዒት ንኽትፈልጥ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

13 ሰባት ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዚስምዖም ነገራት ኪነግሩኻ ብኸመይ ከተተባብዖም ትኽእል፧ ኣብ ገሊኡ ኸባቢ: “መጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ይኸብደካ ድዩ፧” ኢልካ ምሕታት ውጽኢታዊ እዩ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ዚወሃበካ መልሲ: መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ እቲ ሰብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዘለዎ ኣረኣእያ ይሕብረካ እዩ። ካልእ መገዲ ኸኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ጥቕሲ ኣንቢብካ፤ “እዝስ ከመይ ይመስለካ፧” ኢልካ ምሕታት እዩ። ከም የሱስ: ሕቶታት ብምጥቃም ኣብ ኣገልግሎትካ ብዙሕ ክትዓምም ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር: ሓደ ኽትጥንቀቐሉ ዘሎካ ነገር ኣሎ።

የሱስ ንሕቶታት ብውጽኢታዊ መገዲ ተጠቕመሉ

14. ንሰባት ብብዙሕ ሕቶታት ከይመርመርካ ብዛዕባ ኣረኣእያኦም ክትግደስ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

14 ብዛዕባ ኣረኣእያ ኻልኦት ክትግደስ ከለኻ: ከይተሰክፎም ተጠንቀቕ። የሱስ እተጠቕመሉ ሜላ ስዓብ። ንሱ ሜላ ዝጐደሎ ሕቶታት ዚሓትት መርማሪ ኣይነበረን፣ የግዳስ ዜመራምር ሕቶታት ይሓትት ነበረ። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ንቕኑዓት ሰባት ዕረፍቲ ዜምጽኣሎምን ፍዅስ ከም ዚብሎም ዚገብርን ለዋህ ሰማዒ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 11:28) ኵሎም ዓይነት ሰባት ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስቦም ነገራት ከይተሰከፉ የዘራርብዎ ነበሩ። (ማርቆስ 1:40፣ 5:35, 36፣ 10:13, 17, 46, 47) ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ትምህርትታቱን ዚሓስብዎ ነገራት ከይተሰከፉ ኺነግሩኻ እንተ ዀይኖም: ሕቶ ኣብ ልዕሊ ሕቶ ጌርካ ኽትምርምሮም የብልካን።

15, 16. ንሰባት ብዛዕባ ሃያማኖታዊ ጕዳያት ከም ዜዘራርቡኻ ኽትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

15 ሕቶታት ብውጽኢታዊ መገዲ ኣብ ልዕሊ ምጥቃምካ: ሓደ ኣገዳሲ ነገር ብምብጋስን ነቲ ዚህብዎ ምላሽ ብምስማዕን እውን እቲ ዝርርብ ከም ዚቕጽል ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: የሱስ ንኒቆዲሞስ: “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ: ብሓቂ: ብሓቂ እብለካ አሎኹ” በሎ። (ዮሃንስ 3:3) እዘን ቃላት እዚኣተን ዚምስጣ ስለ ዝነበራ: ኒቆዲሞስ ምላሽ ሃበ: ንየሱስ እውን ሰምዖ። (ዮሃንስ 3:4-20) ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ንሰባት ምሳኻ ኸም ዚዘራረቡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

16 ሎሚ ገሊአን ሓደስቲ ሃይማኖታት ሒዘናኦ ዘለዋ መልክዕ ኣብ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣውሮጳን ላቲን ኣመሪካን ዘለዉ ሰባት መዘራረቢ ጕዳይ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት: ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ብዙሕ ግዜ ዝርርብ ከተጀምር ትኽእል ኢኻ:- “ብዙሓት ሃይማኖታት ምህላወን የተሓሳስበኒ እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ግን ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ሰባት ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺሓብሩ ተስፋ እገብር እየ። እዝስ ጽቡቕዶ ይመስለካ፧” ብዛዕባ ተስፋኻ ዜገርም ነገር ብምንጋር: ሰባት ኣረኣእያኦም ከም ዚገልጹ ኽትገብሮም ትኽእል ኢኻ። እቲ እተቕርቦ ሕቶታት ከኣ ክልተ ኣማራጺ መልሲ ጥራይ ምስ ዚህልዎ ዝቐለለ ይኸውን። (ማቴዎስ 17:25) እቲ ብዓል ቤት ነቲ ሕቶኻ ሓሳብ ምስ ሃበካ: ሓንቲ ወይ ክልተ ጥቕስታት ብምጥቃስ መልሲ ንገሮ። (ኢሳይያስ 11:9፣ ጸፎንያስ 3:9) ተጠንቂቕካ ብምስማዕን ኣብቲ ዚህበካ ምላሽ ብምቕላብን: ካልእ መዓልቲ ኽትበጽሖ ኸለኻ ብዛዕባ እንታይ ከም እተመያይጦ ኽትውስን ትኽእል ኢኻ።

የሱስ ንቘልዑ ሰምዖም

17. የሱስ ንቘልዑ ይግደሰሎም ከም ዝነበረ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

17 የሱስ ንዓበይቲ ጥራይ ዘይኰነስ: ንቘልዑ እውን ይግደሰሎም ነበረ። ብዛዕባ እቲ ቘልዑ ዚጻወትዎ ጸወታታትን ዚዛረብዎ ነገራትን ይፈልጦ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ቘልዑ ናብኡ ኺመጹ ይዕድሞም ነበረ። (ሉቃስ 7:31, 32፣ 18:15-17) ኣብ መንጎ እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ህዝቢ ብዙሓት ቈልዑ ነይሮም እዮም። ቈልዑ ዓው ኢሎም ነቲ መሲህ ምስ ወደስዎ: የሱስ ነዚ ኣስተብሃለሉ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብትንቢት ተነጊሩ ኸም ዝነበረ ድማ ገለጸ። (ማቴዎስ 14:21፣ 15:38፣ 21:15, 16) ሎሚ ብዙሓት ቈልዑ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ይዀኑ ኣለዉ። እሞኸ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

18, 19. ንውሉድካ ብመንፈሳዊ መገዲ ኸመይ ጌርካ ኽትሕግዞ ትኽእል፧

18 ንውሉድካ ብመንፈሳዊ መዳይ ንምሕጋዝ: ክትሰምዖ ኣሎካ። ምስ ሓሳብ የሆዋ ዘይሰማማዕ እንታይ ሓሳባት ከም ዘለዎ ኽትርዳእ ኣሎካ። ውሉድካ ዚብሎ ብዘየገድስ: ኣብ ፈለማ ብኣወንታዊ መገዲ ምምላስ ጥበባዊ እዩ። ድሕሪኡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ ምእንቲ ኸተረድኦ: ንዕኡ ዚኸውን ጥቕስታት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

19 ሕቶታት ቦታኡ ኣለዎ። ኰይኑ ግን: ከምቲ ዓበይቲ ብብዙሕ ሕቶታት ኪምርመሩ ዘይደልዩ: ቈልዑ እውን ከምኡ ኺምርመሩ ኣይደልዩን እዮም። ንውሉድካ ሓያሎ ኸበድቲ ሕቶታት ኪምልሰልካ ኣብ ክንዲ እትሓቶ: ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ሓጺር ሓሳብ ስለምንታይ ዘይትህብ፧ ኣብቲ እትመያየጡሉ ዘለኹም ጕዳይ ተመርኲስካ: ብዛዕባ ሓደ ዚስምዓካ ዝነበረ ስምዒትን ስለምንታይ ከምኡ ይስምዓካ ኸም ዝነበረን ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ: “ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧” ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል። ውሉድካ ዚህበካ ምላሽ ናብ ሓጋዝን ዜተባብዕን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምምይይጥ ኪመርሕ ይኽእል እዩ።

ወትሩ ነቲ ዓብዪ ገባር ወደ መዝሙር ምሰሎ

20, 21. ከም ገባር ወደ መዝሙር መጠን ኣብ እትዓዮ ዕዮ ጽን ኢልካ ኽትሰምዕ ዜድልየካ ስለምንታይ እዩ፧

20 እቲ እተመያይጦ ዘለኻ ሰብ ውሉድካ ይኹን ካልእ ሰብ ብዘየገድስ: ጽን ኢልካ ምስማዑ ኣገዳሲ እዩ። እወ: መግለጺ ፍቕሪ እዩ። ጽን ኢልካ ብምስማዕ ትሕትና ኢኻ እተርኢ: ነቲ ዚዛረብ ዘሎ እውን ኣኽብሮትን ፍቕራዊ ሓልዮትን ተርእዮ። ርግጽ እዩ: ምስማዕ ኪበሃል ከሎ: እቲ ሰብ ናብ ዚዛረቦ ዘሎ ምቕላብ ዚሓትት እዩ።

21 ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክትጽመድ ከለኻ: ወትሩ ንሰብ ቤት ተጠንቂቕካ ስምዓዮም። ነቲ ዚብልዎ ብኣቓልቦ እንተ ሰሚዕካዮ: ንዓታቶም ኣየናይ መዳያት ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ከም ዚስሕቦም ከተስተውዕል ኢኻ። ድሕሪኡ ነቲ የሱስ እተጠቕመሉ እተፈላለየ ሜላታት ኣመሃህራ ብምጥቃም ክትሕግዞም ጽዓር። ከምኡ እንተ ጌርካ: ነቲ ዓብዪ ገባር ወደ መዝሙር ስለ እትመስሎ: ሓጐስን ዕግበትን ክትረክብ ኢኻ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሱስ ንኻልኦት ሓሳቦም ኪገልጹ ዘተባበዖም ብኸመይ እዩ፧

• የሱስ ነቶም ዚምህሮም ሰባት ዚሰምዖም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

• ኣብ ኣገልግሎትካ ሕቶታት ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧

• ንቘልዑ ብመንፈሳዊ መገዲ ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ክትሰብኽ ከለኻ: ንሰባት ስምዓዮም

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ንቘልዑ ብመንፈሳዊ መገዲ ኽንሕግዞም ከለና ንየሱስ ንመስሎ