ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርሕራሐ ኣብዛ ጨካን ዓለም

ርሕራሐ ኣብዛ ጨካን ዓለም

ርሕራሐ ኣብዛ ጨካን ዓለም

ሓደ ኣብ ቡሩንዲ ዚነብር ሰብኣይ ሓያል ዓሶ ሓዘቶ። ብህጹጽ ናብ ሆስፒታል ኪውሰድ ነበሮ። ብኸመይ ከም ዚኸይድ ግን ሓርበቶ። ኣብቲ ኸባቢኡ ማኪና እትበሃል ኣይትርከብን እያ። ክልተ ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ግን ረድእዎ። ኣብ ብሽክለታ ኣወጢሖም: ንሓሙሽተ ሰዓት ኣብቲ ኣኽራን ዝበዝሖ መገዲ እናደፍኡ ወሰድዎ። ናብ ሓንቲ ናብ ዝቐረበ ሆስፒታል እትወስዶ ኣውቶብስ ኣስቀልዎ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ጥዕናኡ ኣጸቢቑ ተመሓየሸ።

ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ከኣ: ካትሪና ዚበሃል ህቦብላ ኣብ ነሓሰ 2005 ንወሽመጥ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ድሕሪ ምዕናዉ: ሓደ ጕጅለ ወለንተኛታት ሓንቲ ብዝወደቐ ኣግራብ ዝፈረሰት ቤት ረኸቡ። እቶም ወለንተኛታት ንዋና እታ ቤት ዘይፈልጥዋ እኳ እንተ ነበሩ: ነቲ ኣግራብ ብመጋዝ እናቘራረጹ ኼልዕልዎ ግን ምሉእ መዓልቲ ወሰደሎም። እታ ዋና እታ ቤት: ‘ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንኸመስግኖም ቃላት ይሓጽረኒ’ በለት።

ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዚቐርብ ጸብጻባት ኣቓልቦ ዚስሕብ ኪኸውን እንተ ዀይኑ: ኣብ ግፍዕን ጭከናን እዩ ዜተኵር። መዓልታዊ ዚግበር ርሕራሐን ለውሃትን ብዙሕ ግዜ ብሕማቕ ጸብጻባት ይዕብለል እዩ። እዚ ግን ነቲ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከቡ ሰባት ዘለዎም ህርፋን ፍቕርን ርሕራሐን ኣይቀየሮን። ርሕራሐ ኺግበረልና ሃረር ንብል ኢና! እዚ ባህርያት እዚ ብፍላይ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ‘ሰላምን ስምረት ኣምላኽን’ ዚዛረቡሉ ወይ ዚዝምሩሉ በዓል ልደት ኣብ ዚበዓለሉ ወቕቲ ብብዝሒ ኺርአ ይከኣል እዩ።—ሉቃስ 2:14

ኣብዛ ብሓፈሻኡ ፍቕርን ሓልዮትን ዘይብላ ዓለም: ርሕራሐ ምርኣይ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጭካነን ሕሰምን ናብ ኣሳልጦን ዓወትን ከም ዚመርሕ ጌርካ እዩ ዚርአ። ብዙሓት ሰባት: ካብ ርሕሩሕ ምዃን ጨካን ምዃን ዝያዳ ጥበባዊ ኸም ዝዀነ ገይሮም ዚርእዩ እዮም ዚመስሉ። ስስዐን ትዕቢትን ብቐሊሉ ንርሕራሐ ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ።

ከም ውጽኢቱ: ብዙሓት ንስምዒታት ወይ ንረብሓታት ካልኦት ከይተገደሱ: ንርእሶም ቅድሚት ይሰርዕዋ። ደቂ ተባዕትዮ ስፖርተኛታትን ስሙያት ኣዘናጋዕትን: ንሕስያ ዘይብሎም “ሰብኡት” ከም ዝዀኑ ጌርካ ይግለጹ። ገሊኦም ፖለቲካውያን ገዛእቲ ኸኣ ተመሳሳሊ ጠባያት የርእዩ።

ስለዚ: ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንሓትት ኣሎና:- ርሕሩሓት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ርሕራሐ ጽቡቕ ጽልዋ ተሕድር ድያ፧ ርሕራሐ ንኸነርኢ እንታይ ኪሕግዝና ይኽእል፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ርሕሩሕ ምዃን ድኽመት ድዩ፧

ርሕራሐ ጽቡቕ ጽልዋ ተሕድር ድያ፧

ርሕራሐ ኸነርእየሉ እንኽእል እንታይ ግብራዊ መዳያት ኣሎ፧