ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመዓልቲ የሆዋ ተዳሊኻ ዲኻ፧

ንመዓልቲ የሆዋ ተዳሊኻ ዲኻ፧

ንመዓልቲ የሆዋ ተዳሊኻ ዲኻ፧

“እታ ዓባይ መዓልቲ [“የሆዋ:” NW] . . . ቀሪባ: ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ።” —ጸፎንያስ 1:14

1-3. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ እንታይ ይብል፧ (ለ) ኣየነይቲ “መዓልቲ የሆዋ” እያ ንዓና ኸተጓንፈና፧

 እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ: 24 ሰዓት ዝንውሓታ መዓልቲ ኣይኰነትን። የሆዋ ኣብቶም እኩያት ፍርዱ ዚፍጽመላ ንውሕ ዝበለ እዋን እትሽፍን እያ። እቶም ንኣምላኽ ዘየገልግሉ ነታ መዓልቲ ጸልማትን ቍጥዓን ርሱን ነድርን ጸበባን ምብዳምን ኪፈርህዋ ምኽንያት ኣለዎም። (ኢሳይያስ 13:9፣ ኣሞጽ 5:18-20፣ ጸፎንያስ 1:15) ትንቢት ዮኤል: “መዓልቲ [“የሆዋ:”NW] ቀሪባ አላ: ካብቲ ዅሉ ዚኽእልውን ከም መጥፍኢ ዀይና ኽትመጽእ እያ እሞ: ኣየ: እዛ መዓልቲ እዚኣ” ትብል። (ዮኤል 1:15) ኣብታ ዓባይ መዓልቲ እቲኣ ግን ኣምላኽ ነቶም “ቅኑዕ ዝልቦም” ኬድሕኖም እዩ።—መዝሙር 7:10

2 እታ “መዓልቲ የሆዋ” እትብል መግለጺ ነቲ ኣብ እተፈላለየ ግዜ እተፈጸመ ፍርዲ ኣምላኽ እተመልክት እያ። ንኣብነት: ብ607 ቅ.ክ. የሆዋ ብባቢሎናውያን ገይሩ ኣብ ተቐማጦ የሩሳሌም ፍርዱ ምስ ፈጸመ: “መዓልቲ የሆዋ” መጺኣቶም እያ። (ጸፎንያስ 1:4-7) ብተመሳሳሊ እውን ብ70 ድ.ክ. ኣምላኽ ብሮማውያን ገይሩ ኣብ ልዕሊ እቶም ንወዱ ዝነጸጉ ኣይሁድ ፍርዱ ፈጺሙ እዩ። (ዳንኤል 9:24-27፣ ዮሃንስ 19:15) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ‘የሆዋ ንዅሎም ኣህዛብ ዚዋግኣላ መዓልቲ’ እውን ይንበ እዩ። (ዘካርያስ 14:1-3) ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ነታ መዓልቲ እቲኣ ምስቲ የሱስ ካብ 1914 ኣትሒዙ ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ ምስ ኰነ ዘሎ እዋን ኣተሓሒዝዋ ኣሎ። (2 ተሰሎንቄ 2:1, 2) መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ ኸም ዘላ ዚሕብር ብዙሕ ትእምርትታት ንርኢ ስለ ዘሎና: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ን2007 ዝመረጽዋ ጥቕሲ ዓመት ብሓቂ ግብእቲ እያ። ካብ ጸፎንያስ 1:14 (NW) እተወስደት ኰይና: “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ” እትብል እያ።

3 እታ ዓባይ መዓልቲ ኣምላኽ ስለ ዝቐረበት: ሕጂ እተዳሎና እንዀነሉ እዋን እዩ። ነታ መዓልቲ እቲኣ ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧ ንመዓልቲ የሆዋ ንኽትዳሎ ተወሳኺ ስጕምትታት ክትወስድ የድልየካ ድዩ፧

እተዳሎኹም ኩኑ

4. የሱስ ነየናይ ዓብዪ ፈተና እዩ ርእሱ ዘዳለወ፧

4 የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዝሃቦ ትንቢት: ንደቀ መዛሙርቱ: “እተዳሎኹም ኩኑ” በሎም። (ማቴዎስ 24:44) የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ: ንሱ ንባዕሉ ንዓብዪ ፈተና: ማለት ነቲ መስዋእታዊ በጃ ዀይኑ ዝሞተሉ እዋን ተዳልዩ ነበረ። (ማቴዎስ 20:28) ካብቲ የሱስ ንርእሱ ዘዳለወሉ መገዲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

5, 6. (ሀ) ንኣምላኽን ንሰባትን ዘላትና ፍቕሪ ንመዓልቲ የሆዋ ንኽንዳሎ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧ (ለ) ንሰባት ብምፍቃር ዝመጸ: የሱስ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧

5 የሱስ ንየሆዋን ንጽድቃዊ ስርዓታቱን ብምሉእ ልቡ የፍቅሮ ነበረ። እብራውያን 1:9 ብዛዕባ የሱስ: “ጽድቂ ፈቶኻ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ: ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ” ትብል። የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ስለ ዘፍቀሮ: ንዕኡ ዘለዎ ንጽህና ሓለወ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ንኣምላኽ ነፍቅሮን ንዚሓተና ብቕዓታቱ ነማልእን እንተ ደኣ ዄንና: ኣምላኽ ኪሕልወና እዩ። (መዝሙር 31:23) ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕርን ተኣዛዝነትን ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ የዳልወና።

6 የሱስ ንሰባት ዝነበረቶ ፍቕሪ ጐሊሓ ትርአ ነበረት። እወ: “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።” (ማቴዎስ 9:36) ስለዚ ድማ ከምቲ ንሕና ብፍቕሪ ተደሪኽና ንሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንነግሮም: የሱስ እውን ነቲ ብስራት ንሰባት ሰበኸሎም። እምበኣር: ንኣምላኽን ንብጾትናን ዘላትና ፍቕሪ ንጡፋት ክርስትያን ኣገልገልቲ ዄንና ንኽንቅጽል ተኽእለና: በዚ ኸምዚ ድማ ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ተዳልወና።—ማቴዎስ 22:37-39

7. ንመዓልቲ የሆዋ ኽንጽበ ኸለና: ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

7 የሱስ ፍቓድ የሆዋ ምግባር የሐጕሶ ነበረ። (መዝሙር 40:8) ንሕና እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩና: ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት ብምቕራብ ሓጐስ ክንረክብ ኢና። ከም የሱስ ብልግሲ እንህብ ክንከውን ኢና: እዚ ድማ ናይ ሓቂ ሓጐስ የምጽኣልና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) እወ: ‘ሓጐስ የሆዋ ሓይልና እዩ።’ ብእኡ ጌርና ነታ ዓባይ መዓልቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንዳሎ ኢና።—ነህምያ 8:10

8. ብጸሎት ንየሆዋ ዝያዳ ኽንቀርቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

8 የሱስ ናብ ኣምላኽ ብርቱዕ ጸሎት ምቕራቡ: ነቲ ኣብ እምነቱ ዘጋጠሞ ፈተናታት ሓጊዝዎ እዩ። ዮሃንስ ኬጠምቖ ኸሎ ይጽሊ እዩ ነይሩ። ንሃዋርያቱ ቕድሚ ምምራጹ: ምሉእ ለይቲ ኺጽሊ ሓዲሩ እዩ። (ሉቃስ 6:12-16) በቲ የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ኣብ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት ዝጸለዮ ልባዊ ጸሎት ዘይምሰጥ ኣንባቢ መጽሓፍ ቅዱስከ መን እዩ፧ (ማርቆስ 14:32-42፣ ዮሃንስ 17:1-26) እሞኸ ንስኻ ኸምቲ የሱስ ዚገብሮ ዝነበረ: ናይ ጸሎት ሰብ ዲኻ፧ ደጋጊምካ ናብ የሆዋ ቕረብ: ንንውሕ ዝበለ ግዜ ጸሊ: መንፈስ ቅዱስ መምርሒ ኺህበካ ለምን: እቲ እተዋህበካ መምርሒ ምስ ነጸረልካ ድማ ብቕልጡፍ ተቐበሎ። ኣብዚ እታ ዓባይ መዓልቲ ኣምላኽ ብቕልጡፍ እትቐርበሉ ዘላ ዘየላቡ እዋን: ምስ ሰማያዊ ኣቦና ሓያል ርክብ ኪህልወና ኣለዎ። ብእተኻእለካ መጠን እምበኣር: ብጸሎት ንየሆዋ ዝያዳ ቕረቦ።—ያእቆብ 4:8

9. ብዛዕባ ስም የሆዋ ምግዳስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣድላዪ፧

9 የሱስ ብዛዕባ ምቕዳስ ስም የሆዋ ዝነበሮ ተገዳስነት: ነቲ ፈተናታቱ ንኺዳሎ ሓጊዝዎ እዩ። ንሰዓብቱ እውን ኣብቲ ናብ ኣምላኽ ዜቕርብዎ ጸሎት: “ስምካ ይቀደስ” ዚብል ለመና ኼጠቓልሉ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9) ስም የሆዋ ኪቕደስ: ወይ ቅዱስ ጌርካ ኺተሓዝ ሓያል ባህጊ እንተ ኣልዩና: ኣብቲ ስም ወቐሳ ዜምጽእ ዝዀነ ይኹን ነገር ከይንገብር ንጽዕር ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ ንመዓልቲ የሆዋ ብዝያዳ ንዳሎ።

ገለ ለውጥታት ክትገብርዶ ኣሎካ፧

10. ህይወትና ኽንምርምር ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

10 መዓልቲ የሆዋ ጽባሕ እንተ መጺኣ: ብሓቂዶ ተዳሊኻ ኣለኻ፧ ተግባራትና ወይ ኣረኣእያና ምትዕርራይ ዜድልዮ እንተ ዀይኑ: ነፍሲ ወከፍና ኽንምርምር ኣሎና። ህይወት ሰብ ሓጻርን ዘይተተኣማምንን ስለ ዝዀነት: ኵላትና መዓልታዊ ብመንፈሳዊ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። (መክብብ 9:11, 12፣ ያእቆብ 4:13-15) ስለዚ ገለ ኻብቲ ኣብ ህይወትና ቘላሕታ ኽንገብረሉ ዜድሊ ረቛሒታት እስከ ንርአ።

11. ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚምልከት እንታይ ሸቶ እዩ ዘሎካ፧

11 ሓደ ኣገዳሲ ረቛሒ: እቲ ‘እሙን ባርያ’ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ዚህበና ዘሎ ማዕዳ እዩ። (ማቴዎስ 24:45) ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዘሎ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዓመት ሓንሳእ ብምስትንታን ንኸተንብቦ ሸቶ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ምዕራፍ ዚኸውን እንተ ኣንቢብካ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ 1,189 ምዕራፋት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣንቢብካ ኽትውድኦ ኢኻ። ነፍሲ ወከፍ ንጉስ እስራኤል “ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ” ንሕጊ የሆዋ ኼንብቦ ነበሮ። እያሱ እውን ተመሳሳሊ ነገር ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘዳግም 17:14-20፣ እያሱ 1:7, 8) መንፈሳውያን ጓሶት “ጥዑይ ትምህርቲ” ኼካፍሉ ምእንቲ ኪኽእሉ: ቃል ኣምላኽ መዓልታዊ ኼንብቡ ኣለዎም።—ቲቶስ 2:1

12. መዓልቲ የሆዋ ምቕራባ እንታይ ክትገብር እዩ ዚድርኸካ፧

12 መዓልቲ የሆዋ ምቕራባ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብስሩዕ ንኽትእከብን ብእተኻእለካ መጠን ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ንኽትሳተፍን ኪድርኸካ ኣለዎ። (እብራውያን 10:24, 25) ከምኡ ምግባርካ ነቲ ኸም ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት ኣብ ምርካብን ኣብ ምሕጋዞምን ዘሎካ ኽእለት ኪስሕሎ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:48 NW) ምናልባት ኣብታ ጉባኤ ብኻልእ መገድታት እውን ብዝያዳ ኽትነጥፍ ትኽእል ትኸውን፣ ንኣብነት: ንኣረጋውያን ክትሕግዝን ንንኣሽቱ ኸተተባብዕን ትኽእል ኢኻ። እዚ ጻዕርታት እዚ ኣዝዩ ዜሐጕስ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ

13. ሓድሽ ሰብ ብዛዕባ ምልባስ እንታይ ሕቶታት ኢና ንርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧

13 መዓልቲ የሆዋ ኣዝያ ቐሪባ ስለ ዘላ: “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ” ኣብ ምልባስ ዝያዳ ጻዕሪ ኽትገብር የድልየካዶ፧ (ኤፌሶን 4:20-24) ባህርያት ኣምላኽ ከተማዕብል ከለኻ: ካልኦት ሰባት ‘ምስ መንፈስ ኣምላኽ ትመላለስን’ ፍሪኡ ተፍርን ከም ዘለኻ ኺርእዩ እዮም። (ገላትያ 5:16, 22-25) ንስኻን ስድራቤትካን ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩምሉ ተግባር ፈሊኻ ኽትጠቅስ ትኽእልዶ፧ (ቈሎሴ 3:9, 10) ንኣብነት: ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትን ንኻልኦትን ሕያውነት ብምግባር ትፍለጥ ዲኻ፧ (ገላትያ 6:10) ስሩዕ መጽናዕቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ንመዓልቲ የሆዋ ዜዳልወካ ባህርያት ኣምላኽ ንኸተማዕብል ኪሕግዘካ እዩ።

14. ሓደ ሰብ ርእሰ-ግትኣት ኬማዕብል እንተ ደልዩ: መንፈስ ቅዱስ ኪወሃቦ ኺጽሊ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

14 ብቐሊሉ እትቝጣዕን ብዝያዳ ርእስኻ ኽትገትእ ዜድልየካን ምዃንካ እንተ ኣስተውዒልካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ርእሰ-ግትኣት ክፍሊ እቲ ቕዱስ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻ ኼፍርዮ ዚኽእል ፍረ እዩ። ስለዚ: መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበካ ጸሊ፣ ከመይሲ: የሱስ ከምዚ በለ:- “ለምኑ ኺውሀበኩም: ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም: ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ: ኪኽፈተልኩም እዩ: . . . ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም: ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧”—ሉቃስ 11:9-13

15. ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካን ሓርፋፍ ርክብ እንተ ደኣ ኣልዩ እንታይ እዩ ኺግበር ዚግባእ፧

15 ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካን ሓርፋፍ ርክብ ኣሎ ንበል። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ኣልዩ: ነቲ ርክብ ንምዕራይ ዚከኣለካ ዅሉ ጻዕሪ ግበር: በዚ ኸምዚ ድማ ኣብታ ጉባኤ ሰላምን ሓድነትን ይሰፍን። (መዝሙር 133:1-3) ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:23, 24 ወይ ማቴዎስ 18:15-17 ዚርከብ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ዕየየሉ። ኰሪኻ ኸለኻ ጸሓይ ክትዓርብ ተፍቅድ እንተ ኣሊኻ: ነቲ ጕዳይ ንምዕራይ ቅልጡፍ ስጕምቲ ውሰድ። መብዛሕትኡ ግዜ ይቕረ ንምባል ፍቓደኛ ምዃን ጥራይ እዩ ዜድሊ። ጳውሎስ: “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ” ኢሉ ጸሓፈ።—ኤፌሶን 4:25, 26, 32

16. ኣብ ሓዳር ድንጋጽ ዜድሊ ብኸመይ እዩ፧

16 ኣብ ሓዳር: ድንጋጽ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ይቕረ ምብህሃል የድሊ እዩ። ንብዓልቲ ሓዳርካ ዝያዳ ፈቃርን ደንጋጽን ክትከውን ዜድልየካ እንተ ዀይኑ: ብሓገዝ ኣምላኽን ቃሉን ነዚ ሸቶ እዚ ዕየየሉ። ውጥረት ንምንካይን ካብ ጥልመት ንምርሓቕን ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:1-5 ዘሎ ኽትዓየሉ የድሊ ድዩ፧ እዚ ብርግጽ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን “ተዳናገጽቲ” ምዃን ዜድልየሉ መዳይ ህይወት እዩ።

17. ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺሙ: እንታይ ስጕምቲ ኺወስድ ኣለዎ፧

17 ብገለ መገዲ ኸቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምካኸ፧ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ነቲ ዅነታት ንምዕራይ ስጕምቲ ውሰድ። ዝገበርካ ጌርካ ኻብ ክርስትያን ሽማግለታት ሓገዝ ርኸብ። ጸሎቶምን ምኽሮምን መንፈሳዊ ጥዕናኻ ንኺምለሰልካ ኺሕግዘካ እዩ። (ያእቆብ 5:13-16) ብንስሓ ናብ የሆዋ ጸሊ። ከምኡ እንተ ዘይጌርካ: ናይ ገበነኛ ስምዒት ኪስምዓካን ሕልናኻ ኺርበሽን እዩ። ዳዊት ከምኡ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ: ንየሆዋ ምስ ተናዘዘ ግን እፎይታ ረኸበ። ብዛዕባኡ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣበሳኡ እተሐድገሉ: ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ: ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ።” (መዝሙር 32:1-5) የሆዋ ነቶም ዝሓጥኡ እሞ ብሓቂ ዚንስሑ ሰባት ይቕረ ይብል እዩ።—መዝሙር 103:8-14፣ ምሳሌ 28:13

ካብ ዓለም ከይትኸውን ተጠንቀቕ

18. ንዓለም ብኸመይ ክትርእያ ኣሎካ፧

18 ነታ ሰማያዊ ኣቦና እተመባጽዓልና እተደንቕ ሓዳስ ዓለም ብሃንቀውታ ኸም እትጽበያ ኣየጠራጥርን እዩ። ነታ ኻብ ኣምላኽ ብዝረሓቑ ሓጥኣን ሰባት ዝመልአት ዓለም ደኣ እሞ ብኸመይ ኢኻ እትርእያ፧ እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን: ኣብ የሱስ ክርስቶስ ሓንቲ እኳ ኣይነበሮን። (ዮሃንስ 12:31፣ 14:30) ድያብሎስን ዓለሙን ኣባኻ ሓንቲ እኳ ኺህልዎም ኣይትደልን ኢኻ፣ ስለዚ ነቲ “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ” ዚብል ሃዋርያ ዮሃንስ እተዛረቦ ቓላት ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ። “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ስለ እተባህለ: ንዓለም ዘይምፍታው ጥበባዊ እዩ።—1 ዮሃንስ 2:15-17

19. ክርስትያን መንእሰያት እንታይ ዓይነት ሸቶታት እዩ ኺህልዎም ምሕጽንታ ተዋሂብዎም፧

19 ንደቅኻ ‘ኻብ ርኽሰት ዓለም ንምሕላው’ ትሕግዞምዶ ኣለኻ፧ (ያእቆብ 1:27) ሰይጣን ከምቲ ሰብ ንዓሳ ዚቘልብ ገይሩ: ንደቅኻ ኪቘልቦም ይደሊ እዩ። ንመንእሰያት ምስዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ከም ዚሰማምዑ ንምግባር እተዳለወ እተፈላለየ ኽበባትን ካልእ ውድባትን ኣሎ። ኣገልገልቲ የሆዋ ግን ኣባላት እቲ ኻብ ጥፍኣት እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ዚድሕን እንኮ ውድብ እዮም። ስለዚ: ክርስትያን መንእሰያት “ብዕዮ ጐይታ . . . ዕዙዛት” ንኪዀኑ ኺተባብዑ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 15:58) ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ንደቆም ዜሐጕስን ዓስቢ ዘለዎ ህይወትን ዜምጽኣሎም ከምኡውን ንኣምላኽ ዜኽብሮን ንመዓልቲ የሆዋ ዜዳልዎምን ሸቶ ንኼውጽኡ ኺሕግዝዎም ኣለዎም።

ክንየው እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ጠምት

20. ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትጥምት ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

20 ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ትጥምት እንተ ደኣ ዄንካ: ንመዓልቲ የሆዋ ብህዱእ ልቢ ኽትጽበያ ኽትክእል ኢኻ። (ይሁዳ 20, 21) ኣብ ገነት እትረኽቦ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣማዕዲኻ እንተ ጠሚትካ: ናብ ንእስነትካ ተመሊስካ ሓይልኻ ኺሕደስ ምዃኑ: ከምኡውን ጥዑይ ሸቶታት ንኽትስዕብን ብዛዕባ የሆዋ ንኽትመሃርን ደረት ዘይብሉ ግዜ ኺህልወካ ምዃኑ ተስፋ ትገብር። ከም ሓቂ እኳ: ኣብዚ ሕጂ ግዜ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ “ሓደ ጫፍ ጥራይ” ስለ ዚፈልጡ: ብዛዕባኡ ንዘለኣለም ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። (እዮብ 26:14) ከመይ ዝበለ ባህ ዜብል ተስፋ ዀን እዩ!

21, 22. ምስቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ እንታይ ምልውዋጥ ሓበሬታ ኺህሉ ይኽእል፧

21 ኣብ ገነት ካብ ሞት ዝተንስኡ ሰባት ነቲ ብዛዕባ ሕሉፍ እዋን ዝነበረና ፍልጠት ኬስፍሑልና እዮም። ሄኖክ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ንኺሰብኽ ብኸመይ ትብዓት ከም ዘጥረየ ኺገልጸልና እዩ። (ይሁዳ 14, 15) ኖህ ድማ መርከብ ምስራሕ ከመይ ከም ዝነበረ ኼዘንትወልና እዩ። ኣብርሃምን ሳራን ካብቲ ኣብ ኡር ዝነበረ ምሾት ወጺኦም ኣብ ድንኳን ምንባር ከመይ ከም እተሰምዖም ኪገልጹልና እዮም። ኣስቴር ንጥቕሚ ህዝባ ብኸመይ ከም እተጣበቐትን ንውዲት ሃማን ብኸመይ ከም ዘፍሸለቶን ብዝርዝር ክትነግረና ኸላ እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ኣስቴር 7:1-6) ዮናስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሓሉ እዋን ወይ ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ ኬጠምቖ ኸሎ ብዛዕባ እተሰምዖ ስምዒት ኪገልጽ ከሎ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። (ሉቃስ 3:21, 22፣ 7:28) ኣዝዩ ብዙሕ ኣገዳሲ ነገራት ክንፈልጥ ኢና!

22 ኣብቲ ክርስቶስ ንሽሕ ዓመት ዚነግሰሉ እዋን: ነቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ ሰባት “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ኪረኽብዎ ናይ ምሕጋዝ ኣጋጣሚ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 2:1-6) ሎሚ: ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ፍልጠት ረኺቦም ስጕምቲ ኺወስዱ ምርኣይ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ። ኣብ መጻኢ ድማ ጥንቲ ንዝነበሩ ሰባት ንምምሃር እትገብሮ ጻዕሪ የሆዋ ኺባርኾ ኸሎ: ንሳቶም ከኣ ብሞሳ ስጕምቲ ኺወስዱ ኸለዉ ዚስምዓካ ሓጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ!

23. እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧

23 ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን ሕጂ ረኺብናዮ ዘለና ረብሓታት: ካብ ብዝሑ እተላዕለ ኽንዝርዝሮ ወይ ክንግምግሞ ኣይንኽእልን ኢና። (መዝሙር 40:5) ብፍላይ ነቲ ኣምላኽ ዝገበረልና መንፈሳዊ መሰናድዎታት ነመስግነሉ ኢና። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ኵነታትና ብዘየገድስ: ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ እናተጸበና ብምሉእ ልብና ቕዱስ ኣገልግሎት ነቕርብ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• “መዓልቲ የሆዋ” እንታይ እያ፧

• ንመዓልቲ የሆዋ እተዳሎና እንኸውን ብኸመይ ኢና፧

• እታ ዓባይ መዓልቲ ኣምላኽ ኣዝያ ቐሪባ ስለ ዘላ: እንታይ ለውጥታት ክንገብር የድልየና፧

• ክንየው መዓልቲ የሆዋ እንታይ ክትገብር ኢኻ ብሃንቀውታ እትጥምት፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንፈተናታት ተዳለወ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ሞት ዚትንስኡ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንኺፈልጡ ምሕጋዝሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዀን እዩ!