ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መላእ ዓለም ዚቐርብ ለመና

ኣብ መላእ ዓለም ዚቐርብ ለመና

ኣብ መላእ ዓለም ዚቐርብ ለመና

ብኣማእታት ሚልዮናት: ምናልባት እውን ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ተመሳሳሊ ነገር ይሓቱ ኣለዉ እስከ ንበል። እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ኣካል: ሓደ ነገር ኪገብረሎም ንጹር ለመና የቕርቡ ኣለዉ። ይኹን እምበር: እንታይ ይልምኑ ኸም ዘለዉ ዚፈልጡ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም። ከምዝስ ኬጋጥም ይኽእልዶ፧ እቲ ዜገርም: መዓልቲ መዓልቲ እዩ ኸምዚ ዜጋጥም። እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ኪግበረሎም እዮም ዚሓቱ ዘለዉ፧ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ እዮም ለመና ዜቕርቡ ዘለዉ።

ብመሰረት ሓደ ገምጋም: ዳርጋ 37,000 ዚዀና ክርስትያን ኢና ዚብላን የሱስ ክርስቶስ መራሒአን ከም ዝዀነ ዚዛረባን ሃይማኖታት ኣለዋ። ቍጽሪ ኣባላተን ድማ ልዕሊ ኽልተ ቢልዮን ይኸውን። መብዛሕትኦም ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂላ እትፍለጥ ጸሎት ይጽልዩ እዮም። ነዛ ጸሎት እዚኣ ትፈልጣዶ፧ የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ እዛ ጸሎት እዚኣ ኺምህሮም ከሎ: “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” በለ።—ማቴዎስ 6:9, 10

ንብዙሕ ዘመናት: ሃይማኖተኛታት ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ኰይኖም ብኣኽብሮት ደጊሞምወን እዮም። ኣብ ጽቡቕ ይኹን ኣብ ሕማቕ ግዜ ምስ ስድራ ቤቶምን ብብሕቶምን እውን ይደግምወን እዮም። ነዘን ቃላት እዚኣተን ጠቒሶም ካብ ልቦምን ኣምሪሮምን ይጽልዩ እዮም። ገሊኦም ሰባት ነታ ጸሎት ብቓሎም ስለ ዚወጽዋ: ብዛዕባ ትርጕማ ብዙሕ ከይተጨነቑ ይጽልዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ተስፋ ብምግባር ዚጽልዩ ግን ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን ጥራይ ኣይኰኑን።

ኣብ ሓያሎ ሃይማኖታት ዚዝውተር ለመና

ኣብ እምነት ኣይሁድ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ቃዲሽ ዚበሃል ሓዘንተኛታት ዚጽልይዎ ጸሎት ኣሎ። እዚ ጸሎት እዚ ብዛዕባ ሞትን ሓዘንን ዚገልጽ እኳ እንተ ዘይኰነ: ኣብ ግዜ ሞት እተፍቅሮ ሰብ ግን ይጽለ እዩ። እቲ ጸሎት: “[ኣምላኽ] ነታ መንግስቱ ኣብ ህይወትካ . . . ብቕልጡፍ ይመስርታ” ዚብል ሓሳብ ዝሓዘ እዩ። a ካልእ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ዚጽለ ዝነበረ ጥንታዊ ጸሎት ድማ: ብዛዕባ ተስፋ እታ በቲ ኻብ ቤት ዳዊት ዚመጽእ መሲህ እትምራሕ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ነበረ።

ገሊኦም ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት: እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓሳብ ይስሕቦም እዩ። ብመሰረት ዘ ታይምስ ኦቭ ኢንድያ: ሓደ ኣብ መበል 19 ዘመን ነቲ ኣብ መንጎ ሂንዱነትን ምስልምናን ክርስትናን ዘሎ ሓባራዊ ባይታ ኺረክብ ዚደሊ ዝነበረ ህቡብ ህንዳዊ መራሕ ሃይማኖት: “ምዕራብን ምብራቕን ክሳዕ ዘይሓበረ: እታ ናይ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይክትመጽእን እያ” በለ። ናይ ሓደ ኣብ ስትራዝፊልድ: ኣውስትራልያ ዚርከብ ኮለጅ ምስልምና ርእሰ-መምህር: “ልክዕ ከምቲ ዅሎም እስላም ዚኣምንዎ: ኣነ እውን የሱስ ተመሊሱ ነታ ናይ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚምስርት እኣምን እየ” ኢሉ ኣብ ጋዜጣ ጸሓፈ።

ኣብዚ እዋን እዚ: ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ተስፋ ብምግባር ከም ዚጽልዩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሓደ ዜገርም ሓቂ ግን ኣሎ።

እቶም ነዛ መጽሔት እዚኣ እንሓትማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብቲ ማሕበረሰብካ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነዘራርቦም ትፈልጥ ትኸውን። ነዚ ዕዮ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም: ማለት ኣብ 236 ሃገራት ብልዕሊ 400 ቛንቋታት ኢና እንዓዮ። ቀንዲ መልእኽቲ ስብከትና መንግስቲ ኣምላኽ እያ። ምሉእ ኣርእስቲ እዛ መጽሔት እዚኣ እንተ ርኢኻ እውን: መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ እዩ ዚብል። መብዛሕትኡ እዋን: ሰባት ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ይጽልዩ እንተ ዀይኖም ንሓቶም ኢና። ብዙሓት ድማ እወ ኢሎም ይምልሱ። እዛ መንግስቲ እዚኣ እንታይ ምዃና ምስ እንሓቶም ግን: “እንድዒ” ኢሎም ይምልሱ: ወይ ዘይንጹርን ዜማትእን መልሲ ይህቡ።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሓደ ኺገልጽዎ ዘይክእሉ ነገር ዚጽልዩ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዮም፧ መንግስቲ ኣምላኽ እተሓላለኸትን ዘይንጽርትን ስለ ዝዀነት ድያ፧ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ: እዛ መንግስቲ እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእን ብንጹር መገድን ተገሊጻ ኣላ። ብዘይካዚ እውን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ዚገልጽ መልእኽቲ: ኣብዚ ጽንኩር ግዜ እዚ ተስፋ ኺህበካ ይኽእል እዩ። ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ: መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ተስፋ እዚ ብኸመይ ከም ዚገልጾ ኽንምርምር ኢና። ብድሕሪኡ: እቲ የሱስ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ዝጸለዮ ጸሎት መዓስ ከም ዚፍጸም ክንርኢ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ልክዕ ከምቲ ኣብታ የሱስ ዝሃባ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ዘሎ: እዚ ብሓዘንተኛታት ዚጽለ ቃዲሽ እውን ስም ኣምላኽ ኪቕደስ ይሓትት እዩ። ነዚ ጸሎት እዚ ብግዜ ክርስቶስ ወይ ቅድሚኡ ይጥቀሙሉ ብዛዕባ ምንባሮም ዜተሓታትት እኳ እንተ ዀነ: ምስቲ የሱስ ዝሃቦ ኣብነት ዚዀነና ጸሎት እንተ ተመሳሰለ ግን ኬገርመና የብሉን። እቲ የሱስ ዝመሃረና ጸሎት: ሓድሽን ሱር-በተኻውን ኪኸውን ዕላማ ኣይነበሮን። ነፍሲ ወከፍ ለመና ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ኣይሁድ ሽዑ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ቕዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ እዩ ነይሩ። የሱስ: ኣይሁድ ነቲ ነዊሕ ይገብር ኪጽልይዎ ዚግብኦም ነገራት ኪጽልዩ እዩ ዜተባብዖም ነይሩ።