ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ እትመጽእ፧

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ እትመጽእ፧

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ እትመጽእ፧

“ጐይታይ: በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧” (ግብሪ ሃዋርያት 1:6) እቶም ሃዋርያት: የሱስ ንመንግስቱ መዓስ ከም ዚምስርታ ንምፍላጥ ተሃንጥዮም ነበሩ። ሎሚ እውን ድሕሪ 2,000 ዓመት: መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ከም እትመጽእ ኪፈልጡ ዚደልዩ ህንጡያት ሰባት ኣለዉ።

ቀንዲ መልእኽቲ የሱስ: መንግስቲ ኣምላኽ ብምንባራ: እዛ መንግስቲ እዚኣ መዓስ ከም እትመጽእ ተዛሪቡ ኪኸውን ኣለዎ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ብርግጽ ድማ ተዛሪቡ እዩ። ብዛዕባ እቲ ‘ንህላወኡ’ ዚሕብር እዋን ብተደጋጋሚ ሓቢሩ ነበረ። (ማቴዎስ 24:37 NW) እዚ ህላወ እዚ ምስ ምምስራት እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ እዩ። እዚ ህላወ እንታይ እዩ፧ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህላወ: ማለት ብዛዕባ ክርስቶስ ኣብ ስልጣን ዚህልወሉ እዋን ዚገልጾ ኣርባዕተ ሓቅታት እስከ ንርአ።

1. ህላወ ክርስቶስ ድሕሪ ሞቱ ነዊሕ ጸኒሑ ይጅምር። የሱስ ንርእሱ ምስ ሓደ “መንግስቲ ተቐቢሉ ኺምለስ: ናብ ርሑቕ ሃገር” ዝኸደ ሰብኣይ ብምምስሳል ምሳሌ ሃበ። (ሉቃስ 19:12) እዚ ትንቢታዊ ምሳሌ እዚ እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧ የሱስ ሞይቱ ምስ ተንስአ ናብ “ርሑቕ ሃገር:” ማለት ናብ ሰማይ ከደ። ኣብታ ምሳሌ ኸም ዝገለጾ ድማ “ድሕሪ ብዙሕ ዘመን” እዩ ናብ ስልጣን ዚምለስ።—ማቴዎስ 25:19

የሱስ ናብ ሰማይ ድሕሪ ምዕራጉ ድሕሪ ገለ ዓመታት: ሃዋርያ ጳውሎስ: “ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ: እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ: ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 10:12-14) ስለዚ: የሱስ ኣብ ሰማይ ምስ በጽሐ ንነዊሕ እዋን ተጸብዩ እዩ። እዚ ግዜ እዚ ግን: የሆዋ ኣምላኽ ንወዱ ንጉስ እታ ነዊሕ ትጽቢት እተገብረላ መሲሓዊት መንግስቲ ምስ ገበሮ ኣብቅዐ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ እዩ ህላወ ክርስቶስ ጀሚሩ። ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ሰባት ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ ርእዮምዎዶ፧

2. እቲ ህላወ ብዓይኒ ሰባት ዚርአ ኣይኰነን። የሱስ ብዛዕባ ‘ትእምርቲ ህላወኡ’ ኸም እተዛረበ ትዝክር ትኸውን። (ማቴዎስ 24:3 NW) እቲ ህላወኡ ብዓይኒ ሰባት ኪርአ ይኽእል እንተ ዀይኑ: ትእምርቲ ወይ ምልክት ምሃበዶ ነይሩ፧ ነዚ ንምብራህ:- ውቅያኖስ ክትርኢ ትጐዓዝ ኣለኻ ንበል። ክትጐዓዝ ከለኻ: ዚመርሓካ ምልክት ትርኢ ትኸውን፣ ኣብቲ ገምገም በጺሕካ: ነቲ ኽሳዕ ደረት ትርኢት ተዘርጊሑ ዘሎ ውቅያኖስ እናረኣኻዮ ኽነስኻ ግን: “ውቅያኖስ” ዚብል ቃል ዘለዎ ብዓል ዓብዪ ቐስቲ ምልክት ክትርኢ ትጽበዶ፧ ኣይትጽበን ኢኻ። ከመይሲ: እቲ ብቐሊሉ ብዓይንኻ ኽትርእዮ እትኽእል ውቅያኖስ ኣብ ቅድሜኻ ኸሎ: ምልክት ኣየድልየካን እዩ።

የሱስ ብዛዕባ ህላወኡ ኺዛረብ ከሎ: ሰባት ብዓይኖም ዚርእይዎ ዘይኰነስ: ነቲ ኣብ ሰማይ ዜጋጥም ነገር ንኼስተውዕሉ ዚሕግዞም ምልክት እዩ ዚህብ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ “መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ” ዝበለ። (ሉቃስ 17:20) እቲ ምልክት ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ህላወ ክርስቶስ ከም ዝጀመረ ዚሕብሮም ብኸመይ እዩ፧

3. እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ኸቢድ ጸገማት ንህላወ የሱስ ዚሕብር ምልክት እዩ። የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ብምዃን ህላወ ዚጅምረሉ እዋን: ብውግእ: ብጥሜት: ብምንቅጥቃጥ ምድሪ: ብፌራ: ከምኡውን ብዓመጻ ኸም ዚፍለጥ ሓበረ። (ማቴዎስ 24:7-12፣ ሉቃስ 21:10, 11) ጠንቂ እዚ ዅሉ ሕሰም እንታይ እዩ፧ እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን: ብምኽንያት ምጅማር ህላወ ክርስቶስ ቍሩብ ዘመን ከም ዝተረፎ ስለ ዚፈልጥ: ኣዝዩ ኸም እተቘጥዐ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዮሃንስ 12:31፣ ራእይ 12:9, 12) ኣብዚ ግዜና: ሰይጣን ኣዝዩ ኸም እተቘጥዐን ክርስቶስ ህላወኡ ኸም ዝጀመረን ዚሕብር መርትዖታት ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ። ብሕልፊ ኻብታ ናይ ታሪኽ ምሁራት ከም ነጥበ-መቐይሮ ገይሮም ዚርእይዋ 1914 ኣትሒዙ: እዚ መርትዖታት እዚ ብዜገርምን ብዓለምለኻውን ደረጃ ተራእዩ እዩ።

እዚ ዅሉ ሕማቕ ዜና ጥራይ ኪመስል ይኽእል እኳ እንተ ዀነ: ከምኡ ግን ኣይኰነን። የግዳስ: እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣብ ሰማይ ትገዝእ ከም ዘላ ዚሕብር እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን: እዛ መንግስቲ እዚኣ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ኽትገዝእ እያ። ሰባት ግን ነቲ ግዝኣታ ተቐቢሎም ተገዛእታ ንኪዀኑ ብዛዕባኣ ዚፈልጡ ብኸመይ እዮም፧

4. እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚግበር ስብከት: ሓደ ምልክት ህላወ ክርስቶስ እዩ። የሱስ: ህላወኡ ምስ “ዘመን ኖህ” ዚመሳሰል ምዃኑ ገሊጹ ነበረ። a (ማቴዎስ 24:37-39) ኖህ ሃናጺ መርከብ ጥራይ ዘይኰነስ: “ሰባኽ ጽድቂ” እውን ነይሩ እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ነቶም ሰባት ድማ ፍርዲ ኣምላኽ ይመጽእ ከም ዘሎ የጠንቅቖም ነበረ። የሱስ ኣብ እዋን ህላወኡ ኣብ ምድሪ ዚህልዉ ሰዓብቱ ምስዚ ዚመሳሰል ዕዮ ኸም ዚዓዪ ተዛሪቡ ነበረ። “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ኢሉ ተነበየ።—ማቴዎስ 24:14

ከምቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ: መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን መንግስትታት እዛ ዓለም እዚኣ ኸተጥፍአን እያ። እቲ ዕዮ ስብከት: እዛ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ስጕምቲ እትወስደሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ፣ ተገዛእታ ብምዃን ካብቲ ዚመጽእ ዘሎ ጥፍኣት ኪድሕኑ ድማ ኣጋጣሚ ይህብ። እታ ኣገዳሲት ሕቶ: ‘ንስኻ እንታይ ምላሽ ኢኻ ኽትህብ፧’ እትብል እያ።

መንግስቲ ኣምላኽ ንዓኻ ብስራት ድያ፧

እቲ የሱስ ዚሰብኮ ዝነበረ መልእኽቲ: መወዳድርቲ ዘይብሉ ተስፋ ዝሓዘ ነበረ። ድሕሪ እቲ ኣብ ኤድን እተገብረ ዕልወት ኣሽሓት ዓመታት ጸኒሑ: የሆዋ ኣምላኽ ንእሙናት ሰባት ናብቲ ብመጀመርታ ዓሊምሎም ዝነበረ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እትመልስ: ኰታስ ንዅሉ ነገራት እተዕሪ መንግስቲ ኺምስርት መደብ ኣውጽአ። እዛ ንነዊሕ እዋን መብጽዓ ተገይሩላ ዝነበረ መንግስቲ ኣብ ሰማይ ትገዝእ ከም ዘላ ኻብ ምፍላጥ ንላዕሊ ባህ ዜብል እንታይ ኣሎ፧ እዛ መንግስቲ እዚኣ ዘይንጽርትን ዘይትጭበጥን ዘይኰነትስ: ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ!

ኣብዚ እዋን እዚ: እቲ ኣምላኽ ዝቐብኦ ንጉስ ኣብ ማእከል ጸላእቱ ይገዝእ ኣሎ። (መዝሙር 110:2) ኣብዛ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቐት ብልሽውቲ ዓለም: እቲ መሲህ ነቶም ንኣምላኽ ኪፈልጥዎን “ብመንፈስን ብሓቅን” ኬምልኽዎን ዚደልዩ ሰባት ብምንዳይ ንድሌት ኣቦኡ ይፍጽም ኣሎ። (ዮሃንስ 4:24) እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ: ነቶም ካብ ኵሉ ዓሌትን ዕድመን ማሕበራዊ ድሕረ-ባይታን ዝመጹ ሰባት ክፉት እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ነዚ ተዘርጊሑልካ ዘሎ ዜደንቕ ኣጋጣሚ ኽትቅበሎ ንምሕጸነካ። ኣብ ትሕቲ ጽድቃዊ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትነብር: ብዛዕባኣ ሕጂ ተምሃር!—1 ዮሃንስ 2:17

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ የሱስ ኣብዚ ዝሃቦ ሓሳብ: ነቲ ብዙሕ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ህላወ” እትብል ቃል ኪትርጕሙ ኸለዉ ብምግጋዮም ዘመሓላልፍዎ ግጉይ ሓሳባት ብትኽክል ንኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ። ኣብ ገሊኡ ትርጕማት እታ ቓል “ምጽኣት” ወይ “ምምላስ” ተባሂላ ትትርጐም: እዚ ኸኣ ንሓደ ሓጺር ኣጋጣሚ ዜመልክት እዩ። የሱስ ግን ንህላወኡ ምስቲ ብግዜ ኖህ ንሓጺር ህሞት ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ኣይኰነን ኣመሳሲልዎ፣ የግዳስ: ምስቲ ነዊሕ እዋን ዜመልክት “ዘመን ኖህ” እዩ ኣመሳሲልዎ። ልክዕ ከምቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ: ክርስቶስ ኣብ ስልጣን ኣብ ዚህልወሉ እዋን እውን: ሰባት ብመዓልታዊ ጕዳያቶም ስለ ዚተሓዙ ነቲ ዚወሃብ መጠንቀቕታ ኣየቕልቡሉን እዮም።

[ኣብ ገጽ 8,9 ዘሎ ስእሊ]

እቲ መዓልታዊ እንሰምዖ ሕማቅ ዜና: ጽቡቕ ነገራት ከም ዝቐረበ ይሕብር

[ምንጪ ስእሊ]

Antiaircraft gun: U.S. Army photo