ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ባህ ዜብል ቃላት” ጌርካ ስድራ ቤትካ ህነጽ

“ባህ ዜብል ቃላት” ጌርካ ስድራ ቤትካ ህነጽ

“ባህ ዜብል ቃላት” ጌርካ ስድራ ቤትካ ህነጽ

ዴቪድ ደቒቕ ብዝሓለፈት መጠን: እናተበሳጨወ ኸደ። ንሰበይቱ ኣብ ማኪና ዀይኑ ኺጽበያ ኸሎ: ሰዓቱ ዓሰርተ ሳዕ ይርኢ ነበረ። ዳያን ሰበይቱ ኻብ ቤት ኣብ ዝወጸትሉ ግዜ: ቍጥዓኡ ገንፊሉ ነበረ።

“ስለምንታይ ቀንፈዘው ተብልኒ፧ ኵሉ ሳዕ ምስ ደንጐኺ ኢኺ! ሓንሳእ እኳ ብሰዓቱ ኽትዳለዊ ኣይትኽእልን፧” ኢሉ ጨደረላ።

ዳያን በቲ ዘረባኡ ተደቝሰት። ንብዓት ስዒርዋ እናጐየየት ናብ ገዛ ተመልሰት። ኣብታ ህሞት እቲኣ: ዴቪድ ከም እተጋገየ ተረድኦ። ቍጥዓኡ ብዘይምቍጽጻሩ ነቲ ዅነታት መሊሱ እዩ ኣጋዲድዎ። እሞኸ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧ ሞተር ማኪናኡ ኣጥፊኡ: ኣዕሚቝ ኣተንፈሰ: ቀስ ኢሉ ድማ ደድሕሪኣ ናብ ገዛ ኣተወ።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዅነታት: ንብዙሓት ዜጋጥሞምዶ ኣይኰነን፧ ብዘረባኻ እተጠዓስካሉ እዋን ኣሎዶ፧ ከይሓሰብና እንተ ተዛሪብና: ብዙሕ ግዜ ጸኒሑ የጣዕሰና እዩ። እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ: “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ” ኪብል ሓቁ እዩ።—ምሳሌ 15:28

ቅድሚ ምዝራብካ ብንጹር ምሕሳብ: ብሕልፊ ድማ እንተ ተቘጢዕካ: ፈሪህካ: ወይ ተጐዲእካ: ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናዳ ንናይ ቀረባ ኣባላት ስድራ ቤትና ስምዒትና ኽንገልጽ እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ፈተነ: ብቐሊሉ ናብ ወቐሳ ወይ ነቐፋ ኪቕየር ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብግዲኡ ስምዒት ኪጐድእ ወይ ቈየቛ ኼበግስ ይኽእል።

እሞኸ ዝሓሸ ውጽኢት ንኽንረክብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ከመይ ጌርና ንስምዒትና ኽንቈጻጸሮ ንኽእል፧ ካብቲ ሰሎሞን ዚበሃል ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ሓጋዚ ምዕዶ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

እንታይ ከም እትብልን ብኸመይ ከም እትብሎን ሕሰብ

እቲ ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ መክብብ ዝጸሓፋ ሰሎሞን ብዛዕባ ኸንቱነት ህይወት ዜተሓሳስብ ጽሑፍ ኪጽሕፍ ከሎ: ሓያል ስምዒት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። “ህይወት ጸላእኩ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብ ሓደ እዋን ድማ ንህይወት “ናይ ከንቱነታት ከንቱነት” ኢሉ ገለጾ። (መክብብ 2:17፣ 12:8) ኰይኑ ግን: መክብብ ብዛዕባ ብስጭት ሰሎሞን እትዝርዝር መጽሓፍ ኣይኰነትን። ብዛዕባ ሕማቕ መዳያት ህይወት ጥራይ ምዝራብ ግቡእ ኰይኑ ኣይተሰምዖን። ኣብ መደምደምታ እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ርእሱ: “እቲ ሰባኺ ባህ ዜብል ቃላት ኪረክብ ደለየ: እቲ ጽሑፍ ከኣ ቅኑዕን ቃላት ሓቅን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—መክብብ 12:10

ሰሎሞን ንስምዒታቱ ኺቈጻጸር ከም ዘለዎ ኣስተውዒሉ ኪኸውን ኣለዎ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ‘እዚ ኽብሎ ዝሓስብ ዘለኹ እምበርዶ ሓቂ ወይ ልክዕ እዩ፧ እዚ ቓላት እዚ እንተ ተጠቒመ: ካልኦት ባህ ይብሎምን ይቕበልዎን ድዮም፧’ ኢሉ ይሓትት ነበረ። “ባህ ዜብል ቃላት” ሓቂ ብምድላዩ: ስምዒታቱ ንሓሳባቱ ኸይጋርዶ ተቘጻጸሮ።

ከም ውጽኢቱ ብስነ-ጽሑፋዊ መዳይ ብሉጽ ጽሑፍ ኣዳልዩ ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ትርጕም ህይወት ዚገልጽ መንፈስ ዝነፈሶ ኣኺሉ ዚተርፍ ጥበብ እውን ኣቕሪቡ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) እቲ ሰሎሞን ነቲ ስምዒታዊ ጕዳይ ዝሓዘሉ መገዲ: ምስ እነፍቅሮም ሰባት ብዝሓሸ መገዲ ሓሳብ ንሓሳብ ንኽንለዋወጥ ኪሕግዘና ይኽእልዶ፧ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

ስምዒታትካ ምቍጽጻር ተምሃር

ንኣብነት: ሓደ ውሉድ ካብ ቤት ትምህርቱ ብዛዕባ ነጥቡ ዚገልጽ ካርድ ሒዙ: ተደቚሱ መጺኡ ንበል። ኣቦኡ ዝርዝር እቲ ዓይነት ትምህርቲ ይርኢ: ኣብ ሓዲኡ ኸም ዝተረፈ ድማ የስተውዕል። እቲ ኣቦ: ውሉዱ ብዙሕ ግዜ ዕዮ ቤት ዘይዓዪ ኸም ዝነበረ ዘኪሩ: ብኡንብኡ ይቝጣዕ። “ሰነፍ! ከምዚ እንተ ቐጺልካ: ድርባይ ክትከውን ኢኻ!” ኢሉ ኺዛረቦ ይሓስብ።

ኣሉታዊ ስምዒታቱ ንኺዕብልሎ ቕድሚ ምፍቃዱ ግን: ‘እዚ ዝሓስቦ ዘለኹ እምበርዶ ሓቂ ወይ ልክዕ እዩ፧’ ኢሉ ንርእሱ ይሓትት። እዛ ሕቶ እዚኣ: ስምዒታቱ ነቲ ጭቡጥ ሓቅታት ንኸይጋርዶ ኽትሕግዞ ትኽእል እያ። (ምሳሌ 17:27) እቲ ወዲ ብሓንቲ ኻብተን ዓይነት ትምህርትታት ተጸጊሙ ብምህላዉ ብሓቅዶ ድርባይ ኪኸውን እዩ፧ ብባህርዩ ሰነፍ ድዩ ወይስ ገሊኡ ኻብቲ ትምህርቲ ኺርድኦ ስለ ዘይከኣለ እዩ ዕዮ ቤት ዘይዓየየ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ጕዳይ ብልእመትን ብኽውንነታውን መገዲ ምሓዙ ዘለዎ ኣገዳስነት ብተደጋጋሚ የጕልሓልና እዩ። (ቲቶስ 3:2፣ ያእቆብ 3:17) ሓደ ወላዲ ንውሉዱ ንምትብባዕ: “ቅኑዕን ቃላት ሓቅን” ኪዛረብ ኣለዎ።

ቅኑዕ ቃላት ድለ

እቲ ኣቦ እንታይ ኪብል ከም ዘለዎ ምስ ወሰነ: ‘እዚ ሓሳብ እዚ ኸመይ ገይረ ወደይ ባህ ብዚብሎን ብዚቕበሎን ቃላት ክገልጾ እኽእል፧’ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትት ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ: ቅኑዕ ቃላት ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: መንእሰያት ንእሽቶ ጕድለት እንተ ኣልይዎም: ንርእሶም ድርባይ ከም ዝዀነት ጌርካ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ኸም ዘለዎም ወለዲ ኺዝክሩ ኣለዎም። ኣብ ሓደ ጕድለት ወይ ድኽመት ብምትኳር ነቲ ነገር ኣጋኒኖም ይርእይዎ: ብዛዕባ ርእሶም ዘለዎም ኣረኣእያ ድማ ኣብኡ ጥራይ እተመርኰሰ ይኸውን። ሓደ ወላዲ ብምግናን እንተ ተዛሪቡ: ነቲ ውሉዱ ዘለዎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እዩ ዜራጕዶ። ቈሎሴ 3:21: “ኣቱም ኣቦታት: ሕሊናኦም ከይዐርብ: ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም” ትብል።

ከም “ኵሉ ሳዕ” ከምኡውን “ከቶ” ዝኣመሰለ ቓላት መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ነገር የጋንኖ። ሓደ ወላዲ: “ከቶ ኣይትረብሕን ኢኻ” ኢሉ እንተ ተዛሪቡ: ነቲ ውሉድ ክብረቱ ንኺሕሉ እንታይ ገዲፉሉ፧ ሓደ ውሉድ ኣብ ሓያሎ ዅነታት ኸምዚ ዝኣመሰለ ዚዅንን ቃላት እንተ ተዘሪብዎ: ንርእሱ ድርባይ ከም ዝዀነት ገይሩ ኺርእያ ይጅምር። እዚ ኸኣ ዚደቍስ ጥራይ ዘይኰነስ: ሓቅነት እውን የብሉን።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ነቲ ኣወንታዊ መዳይ ምጕላሕ ይሓይሽ። እቲ ኣብ ኣብነትና ዝገለጽናዮ ኣቦ: “ዝወደይ: በዚ ትምህርቲ እዚ ብምትራፍካ ጕሂኻ ኸም ዘለኻ ኣስተብሂለ ኣለኹ። ብሓፈሻኡ ኣብ ዚወሃበካ ዕዮ ቤት ኣበርቲዕካ ኸም እትዓዪ ግን እፈልጥ እየ። ስለዚ: ብዛዕባ እዛ ዓይነት ትምህርቲ እዚኣ እሞ ንመያየጥ: ነቲ ብሕጂ ዜጋጥመካ ዝዀነ ይኹን ጸገም ብኸመይ ከም እትሰግሮ ድማ መገዲ ነናዲ” ኺብል ይኽእል እዩ። ንወዱ ዚሕግዘሉ ዝበለጸ መገዲ ንኺፈልጥ ኢሉ ድማ: ገለ መሰረታዊ ጸገማት እንተ ኣልይዎ ብንጹር ኪሓቶ ይኽእል እዩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ሕያውነት ዝመልኦን ብግቡእ እተሓስበሉን ኣቀራርባ: ካብቲ ብስምዒት ተደፊእካ ዚዝረብ ቃላት ዝያዳ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ: ንነፍሲ ጥዑም: ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ” ኢሉ የረጋግጸልና። (ምሳሌ 16:24) ውሉዳት ኰኑ ዅሎም ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤት: ሰላማውን ፍቕራውን ሃዋህው ኪሰፍን ከሎ እዮም ዚነፍዑ።

“ካብ ምልኣት ልቢ”

ብዛዕባ እቲ ኣብ መእተዊና ዝጠቐስናዮ ሰብኣይ እሞ ምልስ ኢልካ ሕሰብ። ብስጭቱ ንሰበይቱ ኣብ ክንዲ ዚድርጕሓላ: ግዜ ወሲዱ “ባህ ዜብል ቃላት” ሓቂ እንተ ዜናዲዶ ኣይምሓሸን፧ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ዘሎ ሰብኣይ: ‘ሰበይተይ ሰዓት ብምሕላው ዝመጸ ኽትመሓየሽ ዜድልያ እኳ እንተ ዀነ: ኵሉ ሳዕ ትድንጒ ዚብልዎ ሓሳብ ግን ሓቂ ድዩ፧ ነዚ ጕዳይ እዚ ንኸበግሶ ዝበለጸ ግዜ ሕጂ ድዩ፧ ቍጥዓን ነቐፋን ዝሓዘለ ቓላት ንኽትመሓየሽ ይድርኻ ድዩ፧’ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትት ኣለዎ። ሓንሳእ ደው ኢልና: ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ንርእስና ምሕታትና: ነቶም እነፍቅሮም ብዘይፍላጥ ከይንጐድኦም ይሕግዘና።—ምሳሌ 29:11

ብስድራ ቤት እንገብሮ ምይይጥ ብተደጋጋሚ ግዜ ብቘየቛ ዚዛዘም እንተ ዀይኑ እንታይ ኢና ኽንገብር ዚግባእ፧ ነቲ ንምርጫ ቓላትና ዚድርኽ ስምዒታትና ኽንምርምሮ ኣሎና። ብፍላይ ኪጨንቀና ወይ ጸቕጢ ኺወርደና ኸሎ እንዛረቦ ዘረባ: ብዛዕባ ውሽጣዊ እንታይነትና ብዙሕ ኪገልጸልና ይኽእል እዩ። የሱስ: “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ” በለ። (ማቴዎስ 12:34) ብኻልእ ኣበሃህላ: ዘረባና መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ውሽጣዊ ሓሳባትናን ባህግናን ኣረኣእያናን እዩ ዚገልጽ።

ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ኣመለኻኽታ ኽውንነታውን ኣወንታውን ትስፉውን ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ቃናን ትሕዝቶን ዘረባና ነዚ ኼንጸባርቖ ኪኽእል እዩ። ነቓጻት: ኣሉታውያን: ወይ ነቐፍቲ ዲና፧ ከምኡ እንተ ዄንና: በቲ እንብሎ ወይ በቲ ኣበሃህላና ንኻልኦት ክንድህል ንኽእል ኢና። ኣተሓሳስባና ወይ ኣዘራርባና ኽሳዕ ክንደይ ኣሉታዊ ኸም ዝዀነ ኣይነስተውዕሎን ንኸውን። ኣመለኻኽታና ቕኑዕ ይመስለና ይኸውን። ርእስና ኸይነታልል ግን ክንጥንቀቕ ኣሎና።—ምሳሌ 14:12

ቃል ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል ምፍላጥና ብዙሕ ይጠቕመና እዩ። ንሓሳባትና ንኽንምርምር: ከምኡውን ኣየናዩ ቕኑዕ: ኣየናዩ ምትዕርራይ ዜድልዮ ምዃኑ ንኽንግምግም: መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (እብራውያን 4:12፣ ያእቆብ 1:25) ካብ ጂንና ዝወረስናዮ ዝንባለ ወይ ኣተዓባብያና ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ብሓቂ ኽንልወጥ እንተ ደሊና: ኣተሓሳስባናን ተግባራትናን ክንቅይር ንኽእል ኢና።—ኤፌሶን 4:23, 24

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ምጥቃምና: ንኻልኦት ሓሳባትና እንገልጸሉ መገዲ ንምግምጋም ካልእ ነገራት እውን ክንገብር ንኽእል ኢና። ንኻልኦት ርእይቶኦም ክንሓቶም ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ንመጻምድትኻ ወይ ንውሉድካ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸመይ ከም ዘለኻ ብቕንዕና ኺነግረካ ሕተቶ። ኣጸቢቑ ንዚፈልጠካ ብሱል ሰብ ሕተት። ነቲ ዚብሉኻ ንኽትቅበልን ዜድሊ ምትዕርራያት ንኽትገብርን ትሕትና ኼድልየካ እዩ።

ቅድሚ ምዝራብካ ሕሰብ!

ንኻልኦት ሰባት ብዘረባና ኽንጐድኦም ብሓቂ ዘይንደሊ እንተ ዄንና: ነቲ ኣብ ምሳሌ 16:23 ዚርከብ: “ለባም ሰብ ብምስትውዓል ይዛረብ፥ ዘረባኡ ድማ ይመስጠካ” ዚብል ቃላት ክንዓየሉ ኣሎና። (ትርጕም 1990) ስምዒታትና ምቍጽጻር ቀሊል ከይኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ንኻልኦት ሰባት ክንከሶም ወይ ከነቈናጽቦም ዘይኰነስ: ክንርድኦም እንተ ፈቲንና: ሓሳብና ንምግላጽ ቅኑዕ ቃላት ምርካብ ቀሊል ኪዀነልና እዩ።

ልክዕ እዩ: ዋላ ሓደ ኻባና ፍጹም የልቦን። (ያእቆብ 3:2) ኵላትና ዚጐድእ ዘረባ እተዛረብናሉ እዋን ኣሎ። (ምሳሌ 12:18) ብሓገዝ ቃል ኣምላኽ ግን: ቅድሚ ምዝራብና ምሕሳብን ስምዒታትን ጥቕምን ካልኦት ቅድሚ ናትና ምስራዕን ክንመሃር ንኽእል ኢና። (ፊልጲ 2:4) ምናዳ ምስ ኣባላት ስድራ ቤትና ኽንዛረብ ከለና: “ባህ ዜብል ቃላት” ሓቂ ኽንደሊ ቘራጽነት ንግበር። ድሕሪኡ ዘረባና ነቶም እነፍቅሮም ዚጐድእን ዜፍርስን ዘይኰነስ: ዜጥዕን ዚሃንጽን ኪኸውን እዩ።—ሮሜ 14:19

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ጸኒሑ ዜጣዕሰካ ነገር ካብ ምዝራብ ብኸመይ ክትቍጠብ ትኽእል፧