ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ የሆዋ እተነበዮ ይፍጸም

እቲ የሆዋ እተነበዮ ይፍጸም

እቲ የሆዋ እተነበዮ ይፍጸም

“ኣነ ኣምላኽ እየ: ብጀካይ ከቶ የልቦን . . . ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን። ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ: ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ . . . ኣነ እየ።” (ኢሳይያስ 46:9, 10) እዚ እተዛረበ: እቲ ብዛዕባ መጻኢ ብዘይ ገለ ጌጋ ኺንበ ዚኽእል የሆዋ እዩ።

ደቂ ሰብ ብዛዕባ መጻኢ ብልክዕ ኪንበዩ ኸም ዘይክእሉ ፍሉጥ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ትንቢት መጽሓፍ ብምዃኑ: ኵሎም እቶም ደለይቲ ሓቂ መለኮታዊ ምንጪ ዘለዎ እንተ ዀይኑ ኺምርምርዎ ይግባእ። ገለ ኻብቲ ዛጊት እተፈጸመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ።

ጥንታዊ ስልጣነታት

ባቢሎን ነባሪ ጥፍኣት ከም ዜጋጥማ: እኒ ኤዶም: ሞኣብ: ዓሞን እውን ንዘለኣለም ከም ዚጠፍኣ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ነገረ። (ኤርምያስ 48:42፣ 49:17, 18፣ 51:24-26፣ ኦብድያ 8, 18፣ ጸፎንያስ 2:8, 9) እዚኣቶም ከም ሓደ ርእሶም ዝኸኣሉ እተፈልዩ ህዝቢ ኻብ ምዃን ስለ ዝጠፍኡ: ንሓቅነት ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቓላት የረጋግጸልና።

ርግጽ እዩ: ‘ዝዀነ ይኹን ሰብ ሓንቲ ሓያል ሃገር ድሕሪ ግዜ ኸም እትጠፍእ ኪንበ ይኽእል እዩ’ ኢሉ ዚማጐት ኣይሰኣንን ይኸውን። እንተዀነ ግን: እዚ መርትዖ እዚ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህበና ሓለፍ ዝበለ ኣገዳሲ ዝርዝር ነገራት ኣብ ግምት ዜእቱ ኣይኰነን። ንኣብነት: ባቢሎን ብኸመይ ከም እትግልበጥ ብዝርዝር ይነግረና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: እታ ኸተማ ኣብ ትሕቲ ቂሮስ ብዚምራሕ ሰራዊት ሜዶናውያን ከም እትውረርን እቲ ዕርዲ ዀይንዋ ዝነበረ ሩባታት ከም ዚነጽፍን ተነበየ።—ኢሳይያስ 13:17-19፣ 44:27–45:1

መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን እቶም ዚሰዓሩ ህዝቢ ንዘለኣለም ከም ዚጠፍኡ ዚንበ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ኣምላኽ ብዛዕባ የሩሳሌም ብባቢሎናውያን ክትወድቕ ምዃና ኺንበ ኸሎ: ፖሊሲ ባቢሎናውያን ንምሩኻት ሓራ ዘየውጽእ ክነሱ: እታ ኸተማ ኸም እትሕደስ ኣቐዲሙ ነገረ። (ኤርምያስ 24:4-7፣ 29:10፣ 30:18, 19) እዚ ስለ እተፈጸመ ኸኣ ዘርኢ ኣይሁድ ከም ሓደ ህዝቢ ዀይኖም ክሳዕ ሎሚ ምንባር ቀጺሎም ኣለዉ።

ኣብ ርእሲ እዚ የሆዋ: ግብጺ ሓይሊ ዓለም ካብ ምዃን ከም እትወድቕ: “ድሕርዚ ግና ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረ ኺነብሩላ” ምዃኖም ተነበየ። ድሕሪ ግዜ: እዛ ጥንታዊት ሓይሊ ዓለም ካብ “ካልኦት መንግስትታት ለጠቕ” ዝበለት ኰነት። (ኤርምያስ 46:25, 26፣ ህዝቅኤል 29:14, 15) እዚ ሓቂ ምዃኑ ብዚግባእ ተረጋጊጹ እዩ። ብተወሳኺ እውን የሆዋ: ግሪኽ ሓይሊ ዓለም ካብ ምዃን ከም እትወድቕ እኳ እንተ ተነበየ: እቶም ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚጠፍኡ ግን ኣይተዛረበን። እተን የሆዋ ጥፍኣት እተነበየለን ስልጣነታት ምጥፍአን ከምኡውን እተን ምሉእ ብምሉእ ከም ዚጠፍኣ ዘይተነበየለን ከኣ ክሳዕ ሕጂ ምህላወን እንታይ ትምህርቲ ይህበና፧ እዚ ቓል ኣምላኽ ናይ ሓቅን ትውክልቲ ዚግበሮን ትንቢት ዝሓዘ ምዃኑ የረጋግጸልና።

ዜደንቕ ዝርዝር

ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ: የሆዋ ምውዳቕ ባቢሎን ብኸመይ ከም ዚፍጸም ብዙሕ ዝርዝር ነገራት ገሊጹ ነበረ። ብተመሳሳሊ: ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ብዛዕባ ምውዳቕ ጢሮስ ኪንበ ኸሎ: ኣእማናን ኣዕጻዋን ሓመዳን “ኣብ ማእከል ማይ” ኪድርብዩ ምዃኖም ተዛረበ። (ህዝቅኤል 26:4, 5, 12) ብ332  ቅ.ክ. ሰራዊት እስክንድር እቲ ዓብዪ: ፍርስራስ እታ ኣቐዲሞም ዝሰዓርዋ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነበረት ከተማ ጢሮስ: ነታ ደሴት ዝዀነት ክፋል ጢሮስ ንምስዓር ዜኽእል መእተዊ መገዲ ንምስራሕ ምስ ተጠቐምሉ: እቲ ትንቢት ፍጻሜኡ ረኸበ።

እቲ ኣብ ዳንኤል 8:5-8, 21, 22፣ 11:3, 4 እተመዝገበ ትንቢት ድማ: ብዛዕባ እቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕቤት ዝነበሮ “ንጉስ ዮናኒ [“ግሪኽ:” ትርጕም 1990]” ዜደንቕ ዝርዝር ነገራት ይህበና። ስልጣን እዚ ገዛኢ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ምስ በጽሐ: ኪመውትን መንግስቱ ኣብ ኣርባዕተ ኽትመቓቐልን ምዃና: ንዘርኡ ግን ከም ዘይትኸውን ብትንቢት ተገሊጹ ነይሩ። እዚ ትንቢት እዚ ድሕሪ ምምዝጋቡ 200 ዓመት ጸኒሑ: እስክንድር እቲ ዓብዪ ሓያል ንጉስ ምዃኑ ኣረጋገጸ። ብሃንደበት ምስ ሞተ እቶም ካብ ዘርኡ ዘይኰኑ ኣርባዕተ ጀነራላቱ: ነቲ ሃጸያዊ ግዝኣቱ ኸም እተመቓቐልዎ ታሪኽ ዓለም ይነግረና።

ሓያስያን እዚ ትንቢት ድሕሪ ምፍጻም ናይቲ ዅነታት ከም እተጻሕፈ ይዛረቡ እዮም። እንተዀነ ግን: ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዚርከብ ጸብጻብ ደጊምና እስከ ንርአዮ። እዚ ብዓይኒ ትንቢት እንተ ደኣ ርኢናዮ: ብዙሕ ዝርዝር ነገራት ከም ዝሓዘ ጌርካ እዩ ዚርአ። ይኹን እምበር: ከም ትንቢት ኣምሲልካ እተጻሕፈ ታሪኽ ጌርና እንተ ርኢናዮ: ርኡይ ዝዀነ ሕጽረት ዝርዝር ነገራት ዘለዎ ኣይመስልንዶ፧ ድሕሪ እስክንድር ዝነበረ ንኣንበብቲ ትንቢት ከም ዝጸሓፈ ኣምሲሉ ኺምስጦም ዚፍትን ሰብ እንተ ዚኸውን ነይሩ: ድሕሪ ሞት እስክንድር ክልተ ደቁ ኺነግሱ ፈቲኖም ከም እተቐትሉ ንምንታይ ዘይገለጸ፧ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ ጀነራላት ኣብ ልዕሊ እቲ እስክንድር ዝሃነጾ ሃጸያዊ ግዝኣት ኪገዝኡ ምጅማሮም: ዓሰርተታት ዓመታት ከም ዝሓለፈ ስለምንታይ ዘይጠቐሰ፧ ስማት እቲ ዓብዪ ንጉስን ኣርባዕተ ጀነራላቱንከ ስለምንታይ ዘይጠቐሰ፧

ንነዊሕ እዋን ዚኸውን እቶም መርትዖታት ቅድሚ ምምርማሮም ብዛዕባ መጻኢ ፍጻመታት ምንባይ ዘይከውን እዩ ኢሎም ዝወሰኑ ሰባት: ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምፍጻም እቲ ዅነታት እተጻሕፈ እዩ እኳ እንተ በሉ: እዚ ግን እተረጋገጸ ኣይኰነን። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርካ ምቕባል ስለ ዝኣበዩ: ኵሉ ነገር ምሉእ ብምሉእ ብሰብኣዊ መገዲ ኺገልጽዎ እዮም ዚግደዱ። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ምንጪ ናይ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ንምርግጋጽ: እኹል ትንቢታዊ ዝርዝር ነገራት ብጥበብ ገሊጹልና ኣሎ። a

ግዜ ወሲድካ ንእተወሰኑ ትንቢታትን ፍጻሜኦምን እንተ መርሚርካ: ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ንእምነትካ ኼደልድሎ እዩ። እሞ ደኣ ኣብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምንታይ መጽናዕቲ ዘይትገብር፧ ኣብታ ኦል ስክሪፕቸር ኢዝ ኢንስፓይርድ ኦቭ ጎድ ኤንድ በነፊሻል” ዘርእስታ መጽሓፍ ካብ ገጽ 343 ክሳዕ 346 ዚርከብ ሰሌዳታት ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። b ነዚ ሓሳብ እዚ እንተ ስዒብካዮ: እምነትካ ንምህናጽ ሸቶ ብምሓዝ ነቲ ዕዮ ጀምሮ። ነቲ ጽሑፍ ኣንቢብካ ንምውዳእ ኣይትተሃወኽ። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ የሆዋ ብዘይ ገለ ጌጋ እተነበዮ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢታት ኣስተንትነሉ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምፍጻም እቲ ዅነታት እተጻሕፈ እዩ ዚብል ሓሳብ ጌጋ ምዃኑ ዜረጋግጽ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ ኢዝ ዘር ኤ ክርኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ: ኣብ ገጽ 106-11 ርአ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንናብራ ዚኸውን መሰረታዊ ስርዓታት

ኣዕሚቝካ ኽትሓስበሉ እትኽእል ካልእ ነጥብታት እንሆ። እቲ ብዛዕባ ምትንሳእን ምውዳቕን ሓይልታት ዓለም ብልክዕ እተነበየ ኣምላኽ: ምንጪ እቲ ንናብራ ዚኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት እውን እዩ። ገለ ኻብዚ ኸኣ:-

ዝዘራእኻዮ ኢኻ እትዓጽድ።ገላትያ 6:7

ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ።ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ሓጐስ ብመንፈሳዊ ዜድልየካ ነገራት ኣብ ምምላእ እተመርኰሰ እዩ።ማቴዎስ 5:3 NW

ነዚ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ እንተ ደኣ ኣውዒልካዮ: ናይ ሓቂ ሓጐስን ዓወትን ኬምጽኣልካ እዩ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ ነባሪ ጥፍኣት እዘን ስልጣነታት እዚኣተን ተነበየ . . .

ኤዶም

ባቢሎን

. . . ነዚኣተን ግን ነባሪ ጥፍኣት ኣይተነበየለንን

ግሪኽ

ግብጺ

[ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

WHO photo by Edouard Boubat

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እስክንድር እቲ ዓብዪ