ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንእስነት ካብ ዘምጸኦ ቕብጸት: ዕረፍቲ ምርካብ

ንእስነት ካብ ዘምጸኦ ቕብጸት: ዕረፍቲ ምርካብ

ንእስነት ካብ ዘምጸኦ ቕብጸት: ዕረፍቲ ምርካብ

ኤዩሴብዮ ሞርሲዮ ዘዘንተዎ

ኣብ መስከረም 1993 ናብ ሓደ ጽኑዕ ሓለዋ ዚግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ኸድኩ። ሓንቲ ኻብቶም ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ እሱራት ዝዀነት ማሪቪ ሓብተይ ኣብታ ዕለት እቲኣ ስለ እትጥመቕ እየ ናብኡ ኸይደ። ነቲ ስነ-ስርዓት ጥምቀት ክመርሖ ኸለኹ: ገሊኦም እሱራትን ሰበ-ስልጣን እቲ ቤት ማእሰርትን ብኣኽብሮት ይዕዘቡ ነበሩ። ሓብተይ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብኸመይ ከም እተኣስረት ቅድሚ ምግላጸይ: እስከ ንግዜ ንእስነትና ኸዘንትወልኩም።

ብ5 ግንቦት 1954 ኣብ ስጳኛ ተወለድኩ: ካብቶም ሸሞንተ ቘልዑ ድማ በዅሪ ነበርኩ። ማሪቪ ሳልሰይቲ ውላድ እያ ነይራ። ዓባየይ ውፉያት ካቶሊክ ገይራ እያ ኣዕብያትና: ነቲ ምስኣ ኸለኹ ንኣምላኽ ውፉይ ኰይነ ዘሕለፍክዎ ባህ ዜብል ቍልዕነት ድማ ኣይርስዖን እየ። እቲ ኣብ ቤት ወለደይ ዝነበረ ዅነታት ግን ብመንፈሳዊ መዳይ ጽቡቕ ኣይነበረን። ኣቦይ ንኣደይን ንዓና ንውሉዳትን ብተደጋጋሚ ይቕጥቅጠና ነበረ። ብፍርሂ ኢና ንነብር ኔርና: ኣደይ ክትሳቐ ኸላ ምርኣየይ ድማ የጕህየኒ ነበረ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ እውን ዚድህል ነገራት የጋጥመኒ ነበረ። ሓደ ኻብቶም መምህራን ዝዀነ ኻህን: እቲ ዝመለስናዮ መልሲ ጌጋ እንተ ዀይኑ: ምስቲ መንደቕ የላግዓና ነበረ። ካልእ ካህን ድማ ነቲ ዕዮ ገዛ ኺርእዮ ኸሎ: ነቶም ተመሃሮ ብጾታ ይሃስዮም ነበረ። ብዘይካዚ: እቲ ኸም ሲኦል ዝኣመሰለ ትምህርቲ ካቶሊክ ምድንጋርን ፍርህን ፈጢሩለይ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ ንኣምላኽ ዝነበረኒ ተወፋይነት ቀልጢፉ ቐሃመ።

ትርጕም ኣብ ዘይብሉ ህይወት ጠሓልኩ

ብመንፈሳዊ መዳይ ዚመርሓኒ ስለ ዘይነበረኒ: ንግዜይ ምስቶም ብዕሉጋትን ዓመጸኛታትን ሰባት ኰይነ ኣብ ለይታዊ ትልሂት አሕልፎ ነበርኩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብኻራን ሰንሰለትን ጠራሙዝን መናብርን ገይሮም ይበኣሱ ነበሩ። ኣብቲ ባእሲ እካፈል እኳ እንተ ዘይነበርኩ: ሓደ ግዜ ግን ሃለዋተይ ክሳዕ ዘጥፍእ ተዘበጥኩ።

ውዒሉ ሓዲሩ ግን: ከምዚ ዝዓይነቱ ሃዋህው ተመነወኒ፣ ኣብቲ ህዱእ ለይታዊ ትልሂት ዚግበረሉ ቦታ ድማ ክኸይድ ጀመርኩ። ኣብዚ ቦታ እዚ እውን እንተ ዀነ: ሓሽሽ ልሙድ ነበረ። ሓሽሽ ምውሳደይ ግን: ዕግበትን ሰላምን ዘይኰነስ: ምህትፍታፍን ጭንቀትን ኣስዓበለይ።

ኣነ ንባዕለይ ዘይሕጉስ ክነሰይ: ነቲ ሆሴ ሉዊስ ዝስሙ ንእሽቶ ሓወይን ነቲ ሚጌል ዝስሙ ዓርከይን ከምቲ ናተይ ዓይነት ኣነባብራ ንኺነብሩ ሰሓብክዎም። ልክዕ ከምቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ስጳኛ ዝነበሩ መንእሰያት: ኣብ መጻወድያ እታ ብልሽውቲ ዓለም ኣተና። ንሓሽሽ ዚኸውን ገንዘብ ንምርካብ ዝዀነ ይኹን ነገር እገብር ነበርኩ። በዚ ኸምዚ ድማ ዋጋ ዘይብለይ ኰንኩ።

የሆዋ ኣድሓነኒ

ኣብቲ ግዜ እቲ: ምስቶም ኣዕሩኸይ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽን ዕላማ ህይወትን ንመያየጥ ነበርና። ንሓደ ስምዒተይ ዘካፍሎ ሰብ እናደለኹ ድማ ንኣምላኽ ከናድዮ ጀመርኩ። ፍራንሲስኮ ዝስሙ መሳርሕተይ ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበለ ኸም ዝዀነ ኣስተውዓልኩ። ሕጉስን ሓቀኛን ሕያዋይን ስለ ዝዀነ: ናይ ልበይ ክነግሮ ወሰንኩ። ፍራንሲስኮ ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ነይሩ: ብዛዕባ ሓሽሽ ዚዛረብ ዓንቀጽ ዘለዋ ግምቢ ዘብዐኛ ድማ ሃበኒ።

ነታ ዓንቀጽ ምስ ኣንበብክዋ: “ጐይታ: ህያው ምዃንካ እፈልጥ እየ: ብዝያዳ ኽፈልጠካን ፍቓድካ ኽገብርን ድማ እደሊ እየ። በጃኻ ሓግዘኒ!” ኢለ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ። ፍራንሲስኮን ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ኣተባብዑኒ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ድማ ሃቡኒ። ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝሓተትክዎ ሓገዝ እረክብ ከም ዘለኹ ኣስተውዓልኩ። ብዙሕ ከይጸንሐ: ንኣዕሩኸይን ንሆሴ ሉዊስን ብዛዕባ እቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ነገራት ክነግሮም ጀመርኩ።

ሓደ መዓልቲ ብጕጅለ ዄንና ኻብ ሙዚቃዊ ትርኢት ክንወጽእ ከለና: ንበይነይ ፍልይ በልኩ። ነቶም ጕጅለና ርእሰይ ፈልየ ኽዕዘቦም ከለኹ ድማ: ወልፊ ሓሽሽ ንጠባይና ኽሳዕ ክንደይ ዜፈንፍን ከም ዝገበሮ ኣስተውዓልኩ። ኣብታ ህሞት እቲኣ: ነዚ ኸምዚ ዝዓይነቱ ኣነባብራ ሓዲገ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ወሰንኩ።

ንፍራንሲስኮ መጽሓፍ ቅዱስ ኪህበኒ ሓተትክዎ: ንሱ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስን ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ ዘርእስታ መጽሓፍን ሃበኒ። a ነቲ ኣምላኽ ንንብዓት ካብ ኣዒንቲ ሰባት ኪደርዞ: ንሞት እውን ኬጥፍኦ ምዃኑ ዚገልጽ መብጽዓ ምስ ኣንበብኩ: ነታ ንደቂ ሰብ ሓራ እተውጽኦም ሓቂ ኸም ዝረኸብክዋ ርግጸኛ ነበርኩ። (ዮሃንስ 8:32፣ ራእይ 21:4) ድሕሪኡ: ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ኣኼባ ተኻፈልኩ። እቲ ኣብኡ ዝረኣኽዎ ምሕዝነትን ምዉቕ ምቅርራብን ድማ ኣዝዩ ተንከፈኒ።

ነቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝረኣኽዎ ንኻልኦት ንምክፋል ኣዝየ ስለ እተሃንጠኹ: ንሆሴ ሉዊስን ንኣዕሩኸይን ኣኪበ ነገርክዎም። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት: ኵልና ኣብቲ ኣኼባ ተኻፈልና። ኣብ ቅድሜና ዝነበረት ሓንቲ ጓል ድማ ግልጽ ኢላ ረኣየትና። ነዊሕ ዝጸጕሮም ስግንጢር ዓይነት ናብራ ዚነብሩ ሰባት ምዃንና ምስ ረኣየት ሰምቢዳ ኽትከውን ኣለዋ: ዳግማይ ግልጽ ኢላ ድማ ኣይረኣየትናን። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ሰሙን: ጁባን ክራባታን ጌርና ምስ መጻእና ኣዝያ ተገሪማ ኽትከውን ኣለዋ።

ብድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ: ኣነን ሚጌልን ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኣኼባ ወረዳ ተኻፈልና። ቅድሚኡ ኸምዚ ዓይነት ኣኼባ: ማለት ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዘለዉ ሰባት ዜርእይዎ ናይ ሓቂ ሕውነት ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና። እቲ ዜገርም ድማ እቲ ኣኼባ ኣብቲ ኣቐድም ኣቢልና ሙዚቃዊ ትርኢት ዝረኣናሉ ኣዳራሽ እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ወረዳ ግን: እቲ ሃዋህውን እቲ እንሰምዖ ዝነበርና ሙዚቃን ባህ ዜብል እዩ ነይሩ።

እታ ጕጅለና ብምልእታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ: ማለት ብ26 ሓምለ 1974 ኣነን ሚጌልን ተጠመቕና። ክልቴና ድማ ደቂ 20 ዓመት ነበርና። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ካብታ ጕጅለና እቶም ኣርባዕተ ተጠመቑ። እቲ ዝረኸብክዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስልጠና: ነታ ብተደጋጋሚ እትሓምም ዝነበረት ኣደይ ኣብ ዕዮ ገዛ ንኽሕግዛን ነቲ ሓድሽ እምነተይ ከካፍላን ደረኸኒ። ኣዚና ድማ ተቐራረብና። ነቶም ንኣሽቱ ኣሕዋተይን ኣሓተይን እውን ዝያዳ ግዜ እህቦም ነበርኩ።

ድሕሪ ግዜ: ኣደይን ንሓደ ገዲፍካ ዅሎም ኣሕዋተይን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ተማሂሮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ተጠምቁ። ብ1977 ንሶለዳድ ተመርዓኽዋ። ንሳ ናብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን ምስ ረኣየትና ዝሰንበደት ጓል እያ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ: ክልቴና ኻብቶም ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈለምቲ ተባሂሎም ዚጽውዑ ናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ እቲ ብስራት ኰንና።

እታ ፍትውቲ ሓብተይ ተናገፈት

እታ ማሪቪ ዝስማ ንእሽቶ ሓብተይ: ቈልዓ ኸላ ብጾታ ስለ እተዓመጸት: ኣዝያ ተጐድአት። ጐርዞ ኸላ ስነ-ምግባር ዝጐደሎ ናብራ ትነብር ነበረት: እዚ ኸኣ ሓሽሽን ስርቅን ምንዝርናን ዜጠቓልል ነበረ። ጓል 23 ዓመት ምስ ኰነት ተኣስረት: ነቲ ፋሉል ህይወታ ኸኣ ኣብኡ እውን ቀጸለቶ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ሓላው ወረዳ: ማለት ገያሺ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ አገልግል ነበርኩ። ብ1989 ኣነን ሶለዳድን ናብቲ ማሪቪ ተኣሲራትሉ ዝነበረት ከባቢ ተመደብና። ቅድሚኡ: እቶም ሰበ-ስልጣን ንወዳ ስለ ዝወሰዱላ: ምድረ-ሰማይ ጽልምት ኢልዋ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኽበጽሓ ኸይደ: ብሓባር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ሓሳብ ኣቕረብኩላ: ነቲ ሓሳብ ከኣ ተቐበለቶ። ንሓደ ወርሒ ዚኸውን መጽናዕቲ ምስ ገበርና: ሓሽሽን ትንባኾን ምውሳድ ሓደገቶ። የሆዋ ኸምዚ ዝበለ ለውጢ ንኽትገብር ዜኽእላ ብርታዐ ስለ ዝሃባ: ኣዝየ ተሓጐስኩ።—እብራውያን 4:12

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እንጅምር ድሕሪ ሒደት እዋን: ማሪቪ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንመተኣስርታን ነቶም ሰበ-ስልጣን ቤት ማእሰርትን ከተካፍሎም ጀመረት። ካብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ይቐያይርዋ እኳ እንተ ነበሩ: ምስባኻ ግን ኣየቋረጸትን። ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ እሞ ኸኣ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ እናኸደት መስከረት። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት: ማሪቪ ኣብ እተፈላለየ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት።

ሓደ መዓልቲ ማሪቪ: ህይወታ ንየሆዋ ወፍያ ኽትጥመቕ ከም እትደሊ ነገረትኒ። ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ኽትወጽእ ግን ኣይትኽእልን ነበረት: ናብኡ ኣትዩ ኼጠምቓ ፍቓድ እተዋህቦ ሰብ እውን ኣይነበረን። ስለዚ: ኣብቲ ብልሹው ሃዋህው እቲ ቤት ማእሰርቲ ጸኒዓ ቐጸለት። እምነታ ሓልያ ንኽትቅጽል ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ: ኣኼባ ኽትጅምር ከላ: ንሳ እውን ኣብታ ኽፍላ ዀይና ነቲ ትምህርትታት ተጽንዖ ነበረት። ኣዘውቲራ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትገብርን ትጽልን ድማ ነበረት።

ድሕሪ ግዜ: ማሪቪ ናብ ሓደ መሐንበሲ ዘለዎ ጽኑዕ ሓለዋ ዚግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ገዓዘት። እዚ ኸኣ ንኽትጥመቕ ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተላ ተረድአት። ከምቲ ዝሓሰበቶ ድማ ፍቓድ ተዋህባ። በዚ ኸምዚ ድማ እየ ነቲ ናይ ጥምቀት መደረ ኣነ ከቕርቦ ዝኸኣልኩ። ኣብቲ ኣብ ህይወታ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ህሞት ምስኣ ነበርኩ።

ብሰንኪ እቲ ናይ ቀደም ኣነባብራኣ: ማሪቪ አይድስ ሓዛ። ይኹን እምበር: ሳላ እቲ ጽቡቕ ጠባያ ኻብቲ እተበየነላ ዕለት ኣቐዲማ ኣብ መጋቢት 1994 ተፈትሐት። ድሕሪኡ ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ክሳዕ ግዜ ሞታ ድማ ምስ ኣደይ ኰይና ንጡፍ ክርስትያናዊ ህይወት ትነብር ነበረት።

ንጐዳኢ ስምዒታት ምስናፍ

ኣነ እውን እንተ ዀንኩ ኻብ ሳዕቤን እቲ ናይ ቅደም ኣነባብራይ ምሉእ ብምሉእ ኣየምለጥኩን። እቲ ኣቦይ ዜውርደለይ ዝነበረ ህስያን ኰተቴ ኸለኹ ዝመርሖ ዝነበርኩ ናብራን ኣብ ባህርየይ በሰላ ሓደገለይ። በጽሒ ኸለኹ: ብጣዕሳን ዋጋ የብለይን ብዚብል ሓሳብን እሳቐ ነበርኩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ ሕልናይ ይዓርበኒ። ቃል ኣምላኽ ግን ምስዚ ዚርብሽ ስምዒታት ንኽቃለስ ሓጊዙኒ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: ንኸም ኢሳይያስ 1:18 ኸምኡውን መዝሙር 103:8-13 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ብተደጋጋሚ አስተንትነሉ ነበርኩ: እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ጣዕሳ ስምዒት ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ እዩ።

ጸሎት እውን ነቲ ናይ ባዶነት ስምዒት ንኽቃለሶ ዝሓገዘኒ ኻልእ መንፈሳዊ ኣጽዋር እዩ። ኣብ ኣዒንተይ ንብዓት ቅጽርጽር እናበለኒ ናብ የሆዋ ዝጸለኹሉ እዋን ነይሩ እዩ። እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 3:19, 20 ዘሎ ቓላት ግን ኣበራትዓኒ:- “ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና: ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ: ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ እሞ: ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ።”

ንኣምላኽ “ስቡርን ቅጥቁጥን” ልቢ ሒዘ ብቕንዕና ስለ ዝቐርቦ: ከምቲ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ዘይረብሕ ከም ዘይኰንኩ ተረድኣኒ። መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ነቶም ብዝሓለፈ ኣካይዳኦም ካብ ልቦም ዚጠዓሱን ፍቓዱ ንምግባር ንዕኡ ዚደልይዎን ሰባት ከም ዘይንዕቆም የረጋግጸልና።—መዝሙር 51:17

ሓድሓደ ግዜ ርእሰ-ምትእምማን ከጥፍእ ከለኹ: ንኣእምሮይ በቲ ኣብ ፊልጲ 4:8 ተጠቒሱ ዘሎ ኣወንታዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት ክመልኦ እጽዕር። ንመዝሙር ምዕራፍ 23 ከምኡውን ነቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ብቓለይ እየ ዝፈልጦ። ኣሉታዊ ሓሳብ ኪመጸኒ ኸሎ ድማ ነዚ ምዕራፋት እዚ እደግሞ። እዚ ብፍላይ ድቃስ ዘይብለይ ኣብ ዝሓድረሉ እዋን ኣእምሮይ ካብ ሕማቕ ንምጽራይ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።

ሰበይተይን ካልኦት ብሱላት ክርስትያናትን ዚህቡኒ ናእዳ እውን ካልእ ምንጪ ሓገዝ እዩ ዀይኑኒ። ኣብ ፈለማ: ነቲ ምትብባዖም ክቕበሎ ኸቢዱኒ እኳ እንተ ነበረ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ፍቕሪ “ዅሉ ትአምን” ምዃና ንኽርዳእ ሓገዘኒ። (1 ቈረንቶስ 13:7) ኣብ ርእሲ እዚ እውን: ንድኽመታተይን ድሩት ዓቕመይን ብትሕትና ክቕበል ከም ዘሎኒ ቐስ ብቐስ ተመሃርኩ።

እቲ ንኣሉታዊ ስምዒታት ንምቅላስ ዝገብሮ ዝነበረኩ ጻዕሪ ብኣወንታዊ መዳይ: ማለት ዝድንግጽ ገያሺ ሓላዊ ንክኸውን ሓጊዙኒ እዩ። ኣነን ሰበይተይን ነፍሲ ወከፍና ን30 ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እቲ ብስራት ኴንና ኣገልጊልና ኢና። እቲ ንኻልኦት ብምግልጋል ዝረኸብክዎ ሓጐስ: ነቲ ኣሉታዊ ስምዒታትን ነቲ ዘሕለፍክዎ ዜጨንቕ ተመክሮን ንኸወግዶ ሓገዘኒ።

ሕጂ ንድሕሪት ምልስ ኢለ ነቲ የሆዋ ዝሃበኒ በረኸት ክሓስቦ ኸለኹ: ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ ንኽብል እድረኽ እየ:- “ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ባርኺ . . . ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ: ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ: ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ: ብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ።”—መዝሙር 103:1-4

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፣ ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ብጣዕሳን ዋጋ የብለይን ብዚብል ሓሳብን እሳቐ ነበርኩ። ቃል ኣምላኽ ግን ምስዚ ዚርብሽ ስምዒታት ንኽቃለስ ሓጊዙኒ እዩ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ሆሴ ሉዊስ ሓወይን ሚጌል ዓርከይን ነቲ ሕማቕን ጽቡቕን ኣብነተይ ሰዓቡ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ስድራ ቤት ሞርሲዮ ብ1973

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ማሪቪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸላ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ሶለዳድ ሰበይተይ