ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ድያ ዘላ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ድያ ዘላ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ድያ ዘላ፧

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት: መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ: ‘እወ’ ዚብል ምዃኑ ይኣምኑ። ንኣብነት: ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ: “መንግስቲ ኣምላኽ ማለት ኣምላኽ ንልብና ዚገዝኣሉ መገዲ እያ” ብምባል ትገልጽ። መብዛሕትኦም ኣቕሽሽቲ ኸኣ ከምኡ ኢሎም ይምህሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ዘላ ድዩ ዚምህር፧

ገሊኦም ሰባት: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰባት ከም እትርከብ ፈለማ እተዛረበ የሱስ ባዕሉ እዩ ኢሎም ይሓስቡ። የሱስ: “መንግሥቲ ኣምላኽ እንሃ ኣብ ማእከልኩም እያ ዘላ” ኢሉ ነበረ። (ሉቃስ 17:21 ትርጕም 1990 እግረ-ጽሑፍ) ኣብ ገሊኡ ትርጉማት ድማ: ንኣብነት: ኣብ ትርጕም 1956 ከምኡውን ኣብ ትርጕም 1990 ኣብ ውሽጢ እቲ ጽሑፍ: “መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ: ኣብ ውሽጥኹም አላ” ይብል። እዝስ ቅኑዕ ትርጕም እቲ የሱስ እተዛረቦ ሓሳብ ድዩ፧ ብርግጽ የሱስ: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ልቢ ሰባት ኣላ ድዩ ዝበለ፧

ቀዳማይ: ልቢ ሰብ እንታይ ምዃና እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ: ንምሳልያዊ ልቢ ውሽጣዊ እንታይነት ሓደ ሰብ: ምንጪ ሓሳባቱን ኣረኣእያኡን ስምዒታቱን ከም ዜመልክት ይገልጽ። ከም መንግስቲ ኣምላኽ ዝኣመሰለት ግሩም ነገር ኣብ ልቢ ሰብ ትነብር—ንኣብነት: ንሰባት ብምቕያርን ብምምሕያሽን—ዚብል ሓሳብ ሰሓቢ ይመስል ይኸውን: እንተዀነ ግን: እዚ ሓሳብ እዚ ርትዓዊ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ: “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ” ኢሉ ይነግረና። (ኤርምያስ 17:9) የሱስ ባዕሉ: “ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ: ምንዝር: ስርቂ: ቅትለት: ዝሙት: ስስዔ: ክፍኣት” በለ። (ማርቆስ 7:20-22) ሕስብ እሞ ኣብሎ: እዚ ሎሚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ እንርእዮ ዘለና ብዙሕ መከራ ኻብቲ ሓጢኣት ዝሰፈኖ ልቢ ወዲ ሰብ ደይኰነን ዚምንጭ፧ እሞ ደኣ ኸመይ ኢላ እያ እታ ፍጽምቲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ልቢ እትነብር፧ እወ: ከምቲ ኻብ ተዀርባ በለስ ዘይርከብ: ካብ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ክትፈሪ ኣይትኽእልን እያ።—ማቴዎስ 7:16

ካልኣይ: የሱስ ነተን ኣብ ሉቃስ 17:21 ተመዝጊበን ዘለዋ ቓላቱ: ንመን ከም እተዛረበን ኣብ ግምት ኣእቱ። እታ ጥቕሲ: “ፈሪሳውያን: መንግስቲ ኣምላኽ መኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሐተትዎ ኸኣ: ንሱ . . . ኢሉ መለሰሎም” ትብል። (ሉቃስ 17:20) ፈሪሳውያን ጸላእቲ የሱስ እዮም ነይሮም። የሱስ ነቶም ግቡዛት ዝነበሩ ፈሪሳውያን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይኣትዉ እውን ገሊጹ ነይሩ። (ማቴዎስ 23:13) ፈሪሳውያን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉ ዘይክእሉ ኽነሶም: ከመይ ኢላ እያ ደኣሞ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቦም እትነብር፧ ፈጺሙ ዘይከውን ነገር እዩ! እሞ ደኣ የሱስ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ነዘን ቃላት የሱስ እዚኣተን: ኣመልኪቱ ብጥንቃቐ እተተርጐመ ብዙሕ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ: ምስቲ ኣብ ትርጕም 1990 ኣብ እግረ-ጽሑፍ ዘሎ ሓሳብ ይሰማማዕ እዩ። ገሊኡ ትርጕማት: መንግስቲ ኣምላኽ “ኣብ መንጎኹም” ወይ “ኣብ ማእከልኩም” እያ ዘላ ይብል። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ ማእከል ፈሪሳውያን እውን ከይተረፈ ዝነበረት ደኣ ብኸመይ እያ፧ እቲ ንጉስ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኪኸውን ብየሆዋ ኣምላኽ እተሸመ: የሱስ እዩ ነይሩ። እዚ ንጉስ ኰይኑ እተመዘዘ ኸኣ ኣብ ማእከል እዞም ሰባት እዚኣቶም ነበረ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኹ: ተኣምራት እውን ገይሩ እዩ: እዚ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትፍጽም እዩ ዜርእዮም ነይሩ። ብሓቂ ኺርአ ኸሎ እምበኣር: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከሎም እያ ነይራ።

ስለዚ እምበኣር: ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰባት ኣላ ዚብል ሓሳብ ኣይድግፍን እዩ። የግዳስ: መንግስቲ ኣምላኽ: ከምቲ ነብያት እተነበይዎ እታ ኣብ ምድሪ ዓብዪ ለውጢ እተምጽእ ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ።—ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ዳንኤል 2:44