ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ዚጽበየና፧

ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ዚጽበየና፧

ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ዚጽበየና፧

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ሰብ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎ ኣረኣእያ: ነቲ ሎሚ ዚገብሮ ነገራት ይጸልዎ እዩ። ንኣብነት: እቶም ተስፋ ዘይብሎም ሰባት ነቲ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ: ንብላዕን ንስተን” ዚብል ኣረኣእያ ይስዕቡ ይዀኑ። (1 ቈረንቶስ 15:32) እዚ ኣረኣእያ እዚ ግን: ናብ ናይ ሓቂ ኣእምሮኣዊ ሰላም ዘይኰነስ: ናብ ህርፋንን ስኽራንን ጭንቀትን እዩ ዚመርሕ።

ሓቂ እዩ: መጻኢ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ደቂ ሰብ እተመርኰሰ እንተ ዚኸውን: ተስፋ ዜቝርጽ ምዀነ ነይሩ። እቲ ኣብዛ ምድርና ዚርከብ ኣየር: ማይ: ከምኡውን መሬት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ይብከል ኣሎ። ኑክልየሳዊ ውግእ ኬጋጥም ዘለዎ ተኽእሎን ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕትታትን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ሕማምን ድኽነትን ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት የጥቅዖም ኣሎ። ይኹን እምበር: ተስፋ ኸም ዚህልወና ዚገብር እኹል ምኽንያታት ኣሎ።

ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ብትኽክል ኪንበዩ እኳ እንተ ዘይከኣሉ: የሆዋ ኣምላኽ ግን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ: “ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ: ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። (ኢሳይያስ 46:10) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚጽበየና እንታይ ኢሉ እዩ ተነብዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

የሆዋ: እዛ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ህይወትን ኪጠፍእ ኣይፈቅድን እዩ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ ኣምላኽ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ዜጥፍኣሉ’ እዋን ከም ዚመጽእ ይመባጻዕ እዩ። (ራእይ 11:18) የሆዋ በታ ሰማያዊት መንግስቱ ገይሩ ንእከይ ብምጥፋእ: ንምድሪ ናብቲ ፈለማ ዝሓሰቦ ዅነታት ኪመልሳ እዩ። (ዘፍጥረት 1:26-31፣ 2:8, 9፣ ማቴዎስ 6:9, 10) እዚ ስዒቡ ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ መጻኢ ንዅሉ ሰብ ዚጸሉ ፍጻመታት ብምግላጽ ብዛዕባ መጻኢ ይሕብር።

መዝሙር 46:8, 9 “ንዑ: ንግብርታት እግዚኣብሄር: ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ: ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ: ንቐስቲ ይሰብሮ: ንዂናት ይቐራስሞ: ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ።”

ኢሳይያስ 35:5, 6 “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል: ማያት ኣብ በረኻ: ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ።”

ኢሳይያስ 65:21, 22 “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። . . . ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።”

ዳንኤል 2:44 “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”

ዮሃንስ 5:28, 29 “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ።”

ራእይ 21:3, 4 “ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልሲ ናይ ሓቂ ኣእምሮኣዊ ሰላም ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቕስታት ላዕለ ላዕሉ ኽትርእዮ ኸለኻ: ኪእመን ዘይከኣል ይመስል ይኸውን። ይኹን እምበር: ሰብ ዝኣተዎ መብጽዓታት ዘይኰነስ: ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ‘ኣይሕሱን’ እዩ።—ቲቶስ 1:2

ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ክትውከልን ንሕግታቱ ሓሊኻ ኽትነብርን ዜኽእለካ ትምህርቲ እንተ ተማሂርካ: ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ዅነታት እውን እንተ ዀነ: ነቲ ናይ ኣእምሮ ሰላምካ ኽትዕቅብ ኢኻ። ውግእ: ድኽነት: ሕማም: እርጋን: ከምኡውን ሞት ምሉእ ብምሉእ ሰላምካ ኣይኪዘርገልካን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እዚ ጸገማት ከተወግዶ ምዃና ርግጸኛ ክትኸውን ኢኻ።

ነዚ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ ተስፋ ብኸመይ ኢኻ ኽትረኽቦ እትኽእል፧ ‘ብምሕዳስ ሓሳብካ ኽትልወጥ’ ከምኡውን “ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ” እንታይ ምዃኑ ንርእስኻ ኸተረጋግጽ ኣሎካ። (ሮሜ 12:2) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መብጽዓታት ትውክልቲ ዚግበረሉ ምዃኑ ንምፍላጥ ዝያዳ መርትዖ የድልየካ ይኸውን። ነዚ ኢልካ እትገብሮ ምርምር ከኣ ረብሓ ኣለዎ። ከመይሲ: ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ሒደት ነገራት: ዝዓበየ ኣእምሮኣዊ ሰላም የምጽኣልካ እዩ።

[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ይብል፧

ኢሳይያስ 35:5

ኢሳይያስ 35:6

ዮሃንስ 5:28, 29