ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ዝነበረ ፍሲ ባሕሪ ዓቐኑ ኽንደይ ዚኣክል እዩ ነይሩ፧

እቲ ኣብ 1 ነገስት 7:26 ዘሎ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ እቶም ካህናት ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ፍሲ ባሕሪ ኺዛረብ ከሎ: “ክልተ ሽሕ ባት” ይሕዝ ከም ዝነበረ ይገልጽ: እቲ ኣብ 2 ዜና መዋእል 4:5 ዘሎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ግን “ሰለስተ ሽሕ ባት” ይሕዝ ምንባሩ ይዛረብ። እዚ ድማ: ንገሊኦም ሰባት እዚ ፍልልይ እዚ ኺመጽእ ዝኸኣለ ጸሓፍቲ ኣብ ዜና መዋእል ብዝገበርዎ ጌጋ እዩ ናብ ምባል መርሖም።

እንተዀነ ግን: ትርጕም ሓዳስ ዓለም እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ከም ዚሳነያ ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። ቀዳማይ ነገስት 7:26 “ክልተ ሽሕ ባት ይሕዝ ነበረ” ትንበብ። ካልኣይ ዜና መዋእል 4:5 ግን: “ሰለስተ ሽሕ ባት ኪሕዝ ይኽእል ነበረ” ኸም እትብል ኣስተብህል። ስለዚ: 2 ዜና መዋእል 4:5 ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ፍሲ ባሕሪ ኣፍ ንኣፍ እንተ መሊኡ ኺሕዞ ዚኽእል ዓቐን ክትሕብር ከላ: 1 ነገስት 7:26 ግን ብዛዕባ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ፍሲ ባሕሪ ዚግበር ዝነበረ መጠን ማይ እያ እትገልጽ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ኣፍ ንኣፍ ኣይመልእን እዩ ነይሩ። እቲ ፍሲ ባሕሪ ብልምዲ ኽልተ ሲሶ ጥራይ ዚሕዝ ዝነበረ እዩ ዚመስል።

የሱስን ጴጥሮስን ንቤተ መቕደስ ሓንቲ ሳንቲም ጥራይ ግብሪ ዝኸፈሉ ስለምንታይ እዮም፧

ብግዜ የሱስ: ልዕሊ 20 ዓመት ዝዕድሚኡ ዝዀነ ይኹን ኣይሁዳዊ ወዲ ተባዕታይ: ዓመታዊ ግብሪ ቤተ መቕደስ ክልተ ድሪም ወይ ክልተ ድሪም ዝዋግኣ ሓንቲ ሳንቲም ናይ ምኽፋል ግዴታ ነበሮ። እዚ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ክልተ መዓልቲ መሃያ ነበረ። የሱስ ብዛዕባ ግብሪ ምኽፋል ምስ ተሓተተ ንጴጥሮስ: “ናብ ባሕሪ ኼድካ መቓጥን ደርቢ: ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ: ኣፉ ምስ ከፈትካ: ኣብኡ ሓደ ኣስታቴር ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ: ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሀቦም” በሎ።—ማቴዎስ 17:24-27

ብዙሓት ምሁራት ብዛዕባ እዛ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ኣስታቴር እዚኣ: ኣርባዕተ ድሪም ዋጋ ኸም ዘለዋ ወይ ማዕረ እቲ ኽልተ ሰባት ንቤተ መቕደስ ዚኸፍልዎ ግብሪ ምዃና ይኣምኑ። እዛ ኣርባዕተ ድሪም ዝዋግኣ ሓንቲ ሳንቲም እዚኣ: ካብታ ኽልተ ድሪም ዝዋግኣ ሓንቲ ሳንቲም ንላዕሊ ልምድትን ብቐሊሉ እትርከብን እያ ነይራ። ዘ ኒው ባይብል ዲክሽነሪ ብዛዕባ እዚ: “መብዛሕትኡ ግዜ ኣይሁዳውያን ንቤተ መቕደስ ግብሪ ክኸፍሉ ኸለዉ ጽምዲ ዀይኖም ዚኸፍሉ ዝነበሩ እዩ ዚመስል” ትብል።

ኣብ ርእሲ እዚ: ሓደ ንበይኑ ግብሪ ኪኸፍል ዝደለየ ውልቀ-ሰብ ናይ ሸርፊ ኽፍሊት ኪኸፍል ግዴታ ነበሮ። እዚ ኽፍሊት እዚ ድማ ክሳዕ 8 ሚእታዊት ኪበጽሕ ይኽእል እዩ። እቶም ናይ ክልተ ሰብ ብሓንሳእ ዚኸፍሉ ሰባት ግን: ካብዚ ኽፍሊት እዚ ናጻ እዮም። ስለዚ: ኣብዛ ሓጻር ሓሳብ እዚኣ እውን ከይተረፈ: እቲ ማቴዎስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ ምስቲ ብግዜ የሱስ ዝነበረ ልሙድ ተግባር ዚቃዶ እዩ።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣርባዕተ ድሪም ዝዋግኣ ሳንቲም