ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንውዳሰ የሆዋ ዚግበር ህንጸት

ንውዳሰ የሆዋ ዚግበር ህንጸት

ንውዳሰ የሆዋ ዚግበር ህንጸት

“ዜገርም እዩ። ከምዚ ዓይነት እንእከበሉን ንየሆዋ እንውድሰሉን ምልኩዕ ቦታ ኺህልወና እዩ ኢለ ፈጺመ ሓሲበ ኣይፈልጥን። እቲ ዝረኸብክዎ ሓጐስ ብገንዘብ ዚትመን ኣይኰነን!”—ማርያ ኻብ መክሲኮ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብሓባር ተኣኪቦም ብዛዕባ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃሩ ይብህጉ እዮም። (መዝሙር 27:4፣ እብራውያን 10:23-25) ብፍላይ ኣብ ምዕሩግ ናይ ኣምልኾ ቦታ ብሓባር ተኣኪቦም ከምዚ ምግባሮም የሐጕሶም እዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት: ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሓያሎ ሃገራት: ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚፍለጥ ብኣሽሓት ዚቝጸር ሓደስቲ ቦታታት ኣምልኾ ሃኒጾም እዮም።

እዚ ዅሉ ህንጸት ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ መንከ እዩ ሰሪሕዎ፧ ኣብዚ ዕዮ ህንጸት ንእተኻፈሉ ሰባትከ እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት ንምርካብ: ኣብ መክሲኮን በሊዝን እንታይ ይግበር ከም ዘሎ እስከ ንርአ።

ብኣሽሓት ዚቝጸር ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣድለየ!

ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት: ኣብ መክሲኮ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ውሽጢ ቐጽሪ ቤት: ኣብ ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ መኽዘናት: ኣብ ጋራጃት: ኣብ እተኻረይዎ ኣዳራሻት: ኰታስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኪረኽብዎ ዝኸኣሉ ቦታ ንኣምልኾ ይእከቡ ነበሩ። ኣብቲ እዋን እቲ: እዞም እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ገዛእ ርእሶም ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ደኣ ሃኒጾም: ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ኸም ዚኸውን ኵሉ ግዜ ይሓስቡ ነበሩ።

ብ1994 ኣብ መክሲኮ 388,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ: ኵሎም ናይ ርእሶም ቦታታት ኣምልኾ ንኺህልዎም: 3,300 ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽ የድሊ ነበረ። ከመይ ዝበለ ዓብዪ ዕማም ኰን እዩ ነይሩ!

ገሊአን ጉባኤታት ብእተኻእለን መጠን ናይ ርእሰን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ሃኒጸን ነበራ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመት: ምስቲ ጠለብ ንምስጓም: ዝያዳ ኣዳራሻት ብቕልጡፍ ክንሃንጽ ከም ዜድልየና ንጹር ኰነ። እዚ ጠለብ ብኸመይ እዩ ዚማላእ ዘሎ፧

ክኢላታት ወለንተኛታት ዝዀኑ ተጓዓዝቲ ጕጅለታት

ብ1999 ሓድሽ መደብ ህንጸት ተጀመረ። ኣብ መላእ መክሲኮ ጕጅለታት ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪምስረታ ተጀመራ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ዚርከቡ ኽእለት ህንጸት ዘለዎም ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብዚ ባህ ዜብል መደብ ዕዮ ንኺካፈሉ ወለንተኛታት ኰኑ። ኣብዚ እዋን እዚ: ኣብ መክሲኮ 35 ጕጅለታት ኣለዋ: ኣብ በሊዝ ከኣ ሓንቲ ጕጅለ ኣላ።

እዘን ጕጅለታት ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ: መብዛሕትኡ ግዜ ሸሞንተ ዝዀኑ ብዘይ ክፍሊት ምሉእ ግዜኦም ዚሰርሑ ወለንተኛታት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝሓቘፋ እየን። እዞም ሕጉሳት ወለንተኛታት: ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክትታት ህንጸት ንኼሰልጥኑ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ይንቀሳቐሱ። ነፍሲ ወከፎም ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ ሰዓት ከምኡውን ኣብ ከክልተ ሰሙን ቀዳም ቀዳም ይሰርሑ። ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሰዓት 7:00 ቅ.ቀ. ቝርሲ ምስ ቀረበ: ናይ ዕለት ጥቕሲ ምይይጥ ብምግባር እዮም ዚጅምርዋ። ኵሎም ከኣ እተሓተትዎ ዅሉ ንኺገብሩ ህንጡያት እዮም። ንኣብነት: ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጐድኒ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ዀይነን ይልስና: ነቲ ባይታ ብማቶኔላ ይሽፍና: ከምኡውን ቀለም ይለኽያ እየን።

እታ ጉባኤ ነቶም ወለንተኛታት ተጓዓዝቲ መሕደሪ ብምድላው: ክዳውንቶም ብምሕጻብ: ምግቢ ብምድላው ትሕግዞም። እዞም ወለንተኛታት እዚኣቶም ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ ሓቢሮም ኣብ ርእሲ ምስራሖም: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ዕዮ ስብከትን ብሓባር ይካፈሉ እዮም።

ወለንተኛ ብምዃን ዚርከብ ዓስቢ

እዞም ወለንተኛታት እዚኣቶም ብዛዕባ እቲ ዚሰርሕዎ ስራሕ ከመይ ይስምዖም፧ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ወለንተኛ ዀይኑ ዝሰርሐ ዳንኤል: “ሓቂ እዩ: ኣብ እዋን ዋዕን ቍርን ንሰርሕ: ዘይለመድናዮ ምግቢ ንበልዕ: ብቐጻሊ ንጓዓዝ: ካብ ስድራ ቤትና ርሒቕና ንነብር: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ዘመናዊ ምሾት ኣይንረክብን ኢና” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ: “እንተዀነ ግን: እቲ ዜጋጥመና ጸገማት ምስቲ እንረኽቦ በረኸት ኪነጻጸር ከሎ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን” በለ።

ገለ ኻብቲ ዝረኸብዎ በረኸታት እንታይ እዩ፧ ብዙሓት ወለንተኛታት ሓድሽ ክእለት ህንጸት ተማሂሮም እዮም። ሓንቲ ኻብተን ዓበይቲ ጕጅለታት ብሓላፍነት ዚመርሕ ካርሎስ ዚበሃል ወለንተኛ: ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ጥቕሚ ዝበሎ ኸምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “ከም ሓንቲ 20 ኣባላት ዘለዋ ስድራ ቤት ኢና ዄንና። ብሓባር ንበልዕ: ብሓባር ንሰርሕ: ብሓባር ነጽንዕ: ብሓባር ከኣ ንጽሊ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣዝዩ ድልዱል ማእሰር ዕርክነት መስረትና።”

እቶም ጕጅለታት ህንጸት ምስታ ዚሕግዝዋ ጉባኤ እውን ድልዱል ማእሰር ዕርክነት ይምስርቱ እዮም። ኣብ ልዕሊ 100 ፕሮጀክትታት እተኻፈለ ሆሴ: “እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምርካብ ዝነበሮም ሕልሚ ጋህዲ ምስ ኰነ: ናይ ሓጐስ ንብዓት ኪነብዑን ብፍሽኽታ ሞሳኦም ኪገልጹን ምርኣይ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ: “ኣብ ምዕዋት ህንጸት ተወሳኺ ኣባይቲ ንጹህ ኣምልኾ ብዝነበረና ንእሽቶ ግደ እውን ከይተረፈ: እምነት ካልኦት ከም ዝደልደልት ምፍላጥና የሐጕስና እዩ” በለ።

ዜስደምም ዕማም!

እዚ ቦታታት ኣምልኾ እተሰላለመ ወይ ከኣ ንረኣዩለይ እተሃንጸ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ንኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚኸውን ንድፊ ቐሊል ብምዃኑ: ብቕልጡፍን ብሕስር ዝበለ ዋጋን ኪስራሕ ይኽእል። ብእተኻእለ መጠን በቲ ኣብቲ ዓዲ ዚርከብ ናውቲ ህንጸትን ኣገባብ ኣሰራርሓን ጌርካ እዩ ዚህነጽ። በዚ ኸምዚ ኸኣ: ሽዱሽተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን ሓድሽ ኣዳራሽ ኪህነጽ ይከኣል!

ክሳዕ 2007 ኣብ ዘሎ እዋን: ኣብ በሊዝ ዚርከባ ዅለን ጉባኤታት ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ረኺበን እየን፣ ኣብታ ዓዲ ብጠቕላላ 17 ኣዳራሽ ኣሎ። ኣብ መክሲኮ ኸኣ: ካብ 1999 ኣትሒዙ ጥራይ ልዕሊ 1,400 ኣዳራሻት ተሃንጸ!

ብዙሕ ጽቡቕ ዕማም እኳ እንተ ተዓምመ: ገና ግን ኣዝዩ ብዙሕ ኪስራሕ የድሊ ኣሎ። (ማቴዎስ 9:37) ቍጽሪ እቶም ኣብ መክሲኮ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናብ ልዕሊ 600,000 ክብ ኢሉ ኣሎ፣ ኵሎም ከኣ ካብ ቃል ኣምላኽ መምርሒ ንምርካብ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ይእከቡ እዮም። ስለዚ: ገና ዳርጋ 2,000 ዚኣክል ሓደስቲ ኣዳራሻት የድሊ ኣሎ። እዚ ብወለንታ ዚዕየ ዕዮ ህንጸት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሰብኣዊ ጻዕሪ እተመርኰሰ እንተ ዚኸውን: ከምዚ ዝኣመሰለ ሸቶ ዕላማኡ ኺወቅዕ ኣይምኸኣለን ነይሩ። ይኹን እምበር: እቲ እተረኽበ ውጽኢት ከም ዜርእዮ: ብደገፍ የሆዋ ኣምላኽ “ኵሉ ይከኣል እዩ።”—ማቴዎስ 19:26 ትርጕም 1990

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

“ዝበልዎ ኸኣ ይገብሩ”

ብህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እተጸልዉ: እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኣይኰኑን። ንኣብነት: ኣብ በሊዝ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽ ከሎ: ሓደ ሰብኣይ ነታ ሃይማኖታ ጴንጠቆስጠ ዝዀነት ሰበይቱ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ቤተ-ክርስትያኖም” ምህናጽ ምስ ወድኡ ምስኦም ኪእከብ ከም ዚደሊ ነገራ። ከምዚ ኺብል ዘለዓዓሎ እንታይ እዩ፧ “ኣምላኽ ምስኦም ከም ዝዀነ ኽርኢ ኽኢለ እየ። ሓቢሮም ኪሰርሑ ኸለዉ ኣይበኣሱን እዮም። ዝበልዎ ኸኣ ይገብሩ” በለ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኦሬንጅ ዎክ: በሊዝ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ዓለምለኻዊ ጻዕሪ

ጕጅለታት ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ 120 ሃገራት ተወዲበን ይርከባ። ገለ ኻብተን ነዚ ዕዮ ብሓጐስ ርእሶም ዝወፈዩ ወለንተኛታት ዘለውወን ሃገራት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ኣለዋ:-

ህንዲ: ሆንግ ኮንግ: ላይበርያ: ሞልዶቫ: ሩዋንዳ: ቦሊቭያ: ቨነዝወላ: ቱቫሉ: ናይጀርያ: ኢትዮጵያ: ኣንጎላ: ካዛክስታን: ክሮአሽያ: ዛምብያ: ዩክረይን: ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ: ጃማይካ: ጋና: ፊጂ: ፓፕዋ ኒው ጊኒ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ትላክስካላ: መክሲኮ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

ኣብ ኣካፑልኮ: መክሲኮ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መክሲኮ ዚርከቡ ኣባላት ጕጅለ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ