ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማርቆስ ኣይተሓለለን

ማርቆስ ኣይተሓለለን

ንደቅኻ ምሃሮም

ማርቆስ ኣይተሓለለን

ማርቆስ ሓንቲ ኻብተን ብዛዕባ ህይወት የሱስ ዚገልጻ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፈ እዩ። ወንጌል ማርቆስ ንኸተንብባ ኣዝያ ዝሓጸረትን ዝቐለለትን እያ። ማርቆስ መን እዩ ነይሩ፧ ንየሱስ ይፈልጦ ነይሩ ኢልካ ትሓስብዶ፧— a እምበኣር እንታይ ዓይነት ከቢድ ፈተና ኸም ዘጋጠሞን ከም ክርስትያን መጠን ድማ ስለምንታይ ከም ዘይተሓለለን ንርአ።

ማርቆስ ንፈለማ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ: ንጉስ ሄሮድስ ኣግሪጳ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዳጎኖ እዩ። ሓደ ምሸት ሓደ መልኣኽ ንጴጥሮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ኣውጸኦ: ንሱ ድማ ሽዑ ንሽዑ ናብ ቤት እታ ኣብ የሩሳሌም ትነብር ዝነበረት ኣደ ማርቆስ ዝዀነት ማርያም ከደ። ጴጥሮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸ: የሱስ ኣብ ፋስጋ 33 ድ.ክ ካብ ዝቕተል ዓሰርተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 12:1-5, 11-17

ጴጥሮስ ስለምንታይ ናብ ቤት ማርያም ከም ዝኸደ ትፈልጥዶ፧— ንኣባላት ስድራ ቤታ ይፈልጦም ብምንባሩ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ቤታ ይእከቡ ምንባሮም ከኣ ብምፍላጡ እዩ ዚኸውን። በርናባስ ወዲ ሓው ኣቦኡ ንማርቆስ: ወደ መዝሙር ዝዀነ እንተ ወሓደ ኻብ በዓል ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ጀሚሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ዝገበረሎም ልግሲ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ይርከብ። ስለዚ: የሱስ ንበርናባስን ነቶም ንዕኡ ኣዝማዱ ዝዀኑ ማርያምን ወዳ ማርቆስን ይፈልጦም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:36, 37፣ ቈሎሴ 4:10

ኣብቲ ማርቆስ ዝጸሓፎ ወንጌል: በታ የሱስ እተታሕዘላ ምሸት: ሓደ ነጸላ ጥራይ እተኸድነ ጐበዝ ኣብኡ ምንባሩ ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ጸላእቲ ንየሱስ ምስ ሓዝዎ: እቲ ጐበዝ ሃደመ። እቲ ጐበዝ እቲ መን ኪኸውን ይኽእል ኢልካ ትሓስብ፧— እወ: ምናልባት ማርቆስ እዩ ነይሩ ዚኸውን። ስለዚ: የሱስን ደቀ መዛሙርቱን በታ ምሸት እቲኣ ኻብ ቤት ምስ ወጹ: ማርቆስ ነጸላኡ ተኸዲኑ ሰዓቦም።—ማርቆስ 14:51, 52

ማርቆስ ብርግጽ ጽቡቕ መንፈሳዊ ኣተዓባብያ ነበሮ። መንፈስ ቅዱስ ብ33 ድ.ክ. ኪፈስስ ከሎ ኣብኡ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ: ምስቶም ከም ጴጥሮስ ዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድማ ጥብቂ ርክብ ነበሮ። ነቲ ወዲ ሓው ኣቦኡ ዝዀነ በርናባስ እውን የሰንዮ ነይሩ: የሱስ ንሳውል ብራእይ ምስ ተራእዮ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንሳውል ምስ ጴጥሮስ ብምፍላጥ ዝሓገዞ እውን እዚ በርናባስ እዚ እዩ። ድሕሪ ዓመታት በርናባስ ንሳውል ኪድልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:1-15, 27፣ 11:22-26 12:25፣ ገላትያ 1:18, 19

ብ47 ድ.ክ. በርናባስን ሳውልን ንዕዮ ሚስዮናውነት ተመርጹ። ንሳቶም ድማ ንማርቆስ ምሳታቶም ወሰድዎ: ይኹን እምበር ብገለ ዘይተገልጸ ምኽንያት ደሓር ሓዲግዎም ናብ ዓዱ የሩሳሌም ተመልሰ። በዚ ድማ እቲ ብሮማዊ ስሙ ጳውሎስ ተባሂሉ ዚፍለጥ ሳውል ሓረቐ። ነቲ ማርቆስ ገይርዎ ኢሉ ዝሓሰቦ ዓብዪ ጌጋ ድማ ዕሽሽ ኣይበሎን።—ግብሪ ሃዋርያት 13:1-3, 9, 13

ጳውሎስን በርናባስን ካብ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ኪምለሱ ኸለዉ: ዜገርም ኣሳልጦ ኸም ዝረኸቡ ጸብጻብ ኣቕረቡ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:24-28) ኣዋርሕ ጸኒሖም ክልቲኦም ናብቲ ዝሰበኹሉ ቦታ ተመሊሶም ነቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኺበጽሕዎም መደብ ኣውጽኡ። በርናባስ ንማርቆስ ምሳታቶም ኪማልእዎ ደለየ: እንተዀነ ግን ጳውሎስ እንታይ ከም ዝሓሰበ ትፈልጥዶ፧— ኣቐዲሙ ማርቆስ ሓዲግዎም ናብ ዓዱ ስለ ዝኸደ: “ምሳታቶም ኪማልእዎ ኣይፈተወን።” እቲ ቐጺሉ ዝዀነ ነገር ድማ ንማርቆስ ኣጕህይዎ ኪኸውን ኣለዎ።

ሓያል ቈይቂ ተጀመረ: ድሕሪኡ “ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ:” በዚ ድማ ጳውሎስን በርናባስን ተፈላለዩ። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ንስብከት ናብ ቆጵሮስ ከደ፣ ጳውሎስ ድማ ንሲላስ ሓረየ: ከምቲ ኣቐዲምካ ዝወጸ መደብ ከኣ ነቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ እንደገና በጽሕዎም። ማርቆስ ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ሽግር ንኺፍጠር ጠንቂ ብምዃኑ ኽሳዕ ክንደይ ጕህዩ ኪኸውን ኣለዎ!—ግብሪ ሃዋርያት 15:36-41

ማርቆስ ኣቐዲሙ ስለምንታይ ናብ ዓዱ ኸም እተመልሰ እንፈልጦ ነገር የለን። ከምዚ ምግባሩ ምናልባት ብቑዕ ምኽንያት ከም ዝነበሮ ተሰሚዕዎ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ: በርናባስ እዚ ነገር እዚ ፈጺሙ ኸም ዘይድገም ኣሚኑሉ እዩ። ሓቁ ድማ እዩ ነይሩ። ማርቆስ ኣይተሓለለን! ጸኒሑ ምስ ጴጥሮስ ኰይኑ ኻብ ባቢሎን ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ቦታታት ሚስዮናዊ ዀይኑ ዓይዩ እዩ። ጴጥሮስ ኣብኡ ዀይኑ ሰላምታ ልኢኹ ነይሩ: ወሲኹ ድማ ‘ማርቆስ ወደይ እውን ሰላም ይብለኩም ኣሎ’ በለ።—1 ጴጥሮስ 5:13

ጴጥሮስን ማርቆስንሲ ኸመይ ዝበለ ጥብቂ መንፈሳዊ ርክብ ኰን እዩ ነይርዎም! እዚ ድማ ወንጌል ማርቆስ ከነንብብ ከለና ንጹር ይዀነልና። ኣብኡ ማርቆስ ነቲ ጴጥሮስ እተዓዘቦ ነገራት ብቐጥታ ኣንጸባሪቕዎ ኣሎ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዘጋጠመ ማዕበል ዚገልጽ ጸብጻባት እሞ ኣነጻጽሮ። ማርቆስ: የሱስ ኣብታ ጃልባ ኣበይ ወገን ደቂሱ ኸም ዝነበረን ኣብ ምንታይ ደቂሱ ኸም ዝነበረን ዚገልጽ ዝርዝር ነጥብታት ጽሒፉ ኣሎ፣ እዚ ድማ ሓደ ኸም ጴጥሮስ ዝበለ ገፋፍ ዓሳ ኼስተብህለሉ ዘለዎ ነገር እዩ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 8:24፣ ማርቆስ 4:37, 38፣ ከምኡውን ሉቃስ 8:23 ዚርከብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ብምንባብን ብምንጽጻርን ስለምንታይ ነዚ ባዕልና ዘይንምርምሮ፧

ጸኒሑ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ምስ ተኣስረ: ነቲ ማርቆስ ብተኣማንነት ዝገበረሉ ሓገዝ ነኣዶ። (ቈሎሴ 4:10, 11) ጳውሎስ ኣብኡ እንደገና ምስ ተኣስረ: ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ: “ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ” ኢሉ ብምግላጽ ንማርቆስ ኪማልኦ ሓተቶ። (2 ጢሞቴዎስ 4:11) እምበኣር: ማርቆስ ስለ ዘይተሓለለ: ከመይ ዝበለ ዓብዪ መሰላት ኣገልግሎት ኰን እዩ ኺረክብ ክኢሉ!

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ: እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ: ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

እዚ መንእሰይ እዚ መን ኪኸውን ይኽእል፧ እንታይ እዩ ዜጋጥሞ ዘሎ፧ ስለምንታይከ፧

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ማርቆስ ስለ ዘይተሓለለ እንታይ በረኸት እዩ ረኺቡ፧