ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ወንጌል ሉቃስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ወንጌል ሉቃስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ወንጌል ሉቃስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ወንጌል ማቴዎስ ብቐዳምነት ንኣይሁድ እያ ተጻሒፋ፣ ወንጌል ማርቆስ ድማ ኣይሁድ ንዘይኰኑ ኣንበብቲ እያ ተጻሒፋ። ወንጌል ሉቃስ ግን ንዅሎም ኣህዛብ ተባሂላ እያ ተጻሒፋ። እዛ ኣብ ከባቢ 56-58 ድ.ክ. እተጻሕፈት መጽሓፍ: እተማልአ ጸብጻብ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዝሓዘት እያ።

ሉቃስ ግዱስን ጥንቁቕን ሓኪም ከም ምዃኑ መጠን: ነቲ ኻብ 3 ቅ.ክ. ጀሚርካ ኽሳዕ 33 ድ.ክ. ዝነበረ ናይ 35 ዓመት ግዜ ንምሽፋን ‘ንዅሉ ኣዳላዲሉ ኻብ ጥንቲ ሰዓቦ።’ (ሉቃ. 1:3, 4) ካብቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ዚርከብ ፍጻመታት: እቲ 60 ሚእታዊት ኣብ ካልኦት ወንጌላት ዘይርከብ እዩ።

ናይ መጀመርታ ኣገልግሎት

(ሉቃ. 1:1–9:62)

ሉቃስ ብዛዕባ ውልደት ዮሃንስ መጥምቕን የሱስን ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጹ: ዮሃንስ ኣብ መበል 15 ዓመት ግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ: ማለት ኣብ ጽድያ 29 ድ.ክ. ኣገልግሎቱ ኸም ዝጀመረ ሓበረ። (ሉቃ. 3:1, 2) የሱስ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ እዋን ቀውዒ ብዮሃንስ ተጠምቀ። (ሉቃ. 3:21, 22) ብ30 ድ.ክ. ‘የሱስ ናብ ገሊላ ተመልሰ: ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪምህር ጀመረ።’ —ሉቃ. 4:14, 15

የሱስ ነቲ ናይ መጀመርታ ናይ ስብከት ዕዮኡ ኣብ ገሊላ ጀመሮ። ነቶም ህዝቢ: “ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” በሎም። (ሉቃ. 4:43) ነቲ ገፋፍ ዓሳ ዝነበረ ስምኦንን ንኻልኦትን ሒዝዎም ከደ። ‘ካብ ሕጂ ገፈፍቲ ሰብ ክትኰኑ ኢኹም’ ድማ በሎም። (ሉቃ. 5:1-11፣ ማቴ. 4:18, 19) ኣብቲ ኻልኣይ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ እቶም 12 ሃዋርያት ምስኡ ነበሩ። (ሉቃ. 8:1) ኣብቲ ሳልሳይ ጕዕዞ: ነቶም 12 “መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ንሕሙማት ኬሕውዩን” ለኣኾም።—ሉቃ. 9:1, 2

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:35—እንቋቝሖ ማርያም ኣብቲ ጥንሲ ገለ ኣበርክቶ ነይርዎዶ፧ ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ነቶም ኣቦሓጎታት ማርያም ዝዀኑ ኣብርሃም: ይሁዳ: ከምኡውን ዳዊት ዝኣተወሎም መብጽዓ: እቲ እትወልዶ ቘልዓ ናይ ሓቂ ዘርኦም ንኪኸውን: እንቋቝሖ ማርያም ኣብቲ ጥንሲ ኣበርክቶ ኺህልዎ ግቡእ እዩ። (ዘፍ. 22:15, 18፣ 49:10፣ 2 ሳሙ. 7:8, 16) ይኹን እምበር: ነቲ ፍጹም ህይወት ወዲ ኣምላኽ ኣብ ምትሕልላፍን ጥንሲ ኸም ዚፍጠር ኣብ ምግባርን ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ግደ ነይርዎ እዩ። (ማቴ. 1:18) በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ኣብ እንቋቝሖ ማርያም ዝነበረ ዘይፍጽምና ምሉእ ብምሉእ ኣወገዶ: ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ድማ ነቲ ዚዓቢ ዝነበረ ድቂ ኻብ ዝዀነ ይኹን ጕድኣት ተኸላኸለሉ።

1:62—ዘካርያስ ዓባስን ጽሙምን ኰይኑ ድዩ፧ ኣይኰነን። እቲ ናይ ምዝራብ ክእለቱ ጥራይ እዩ ተጸልዩ ነይሩ። እቶም ሰባት: እቲ ቘልዓ መን ተባሂሉ ኺስመ ኸም ዚደሊ “እናኣመልከቱ” ዝሓተትዎ: ጽሙም ስለ ዝነበረ ኣይኰነን። ነቲ ሰበይቱ ንስም ወዶም ብዚምልከት እተዛረበቶ ሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪኡ ምናልባት እቶም ሰባት ምልስ ኢሎም ንዘካርያስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብምልክት ወይ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ሓሳብ ኪህብ ኣጋጣሚ ኸፊቶምሉ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ናይ ምዝራብ ክእለቱ ኸም እተመልሰሉ ተገሊጹ ምህላዉ እውን: እቲ ናይ ምስማዕ ክእለቱ ኸም ዘይተጸልወ ዚሕብር እዩ።—ሉቃ. 1:13, 18-20, 60-64

2:1, 2—ብዛዕባ እታ “ቐዳመይቲ ጽሕፈት” ተጠቒሱ ምህላዉ: ነቲ የሱስ እተወልደሉ እዋን ንምፍላጥ ዚሕግዝ ብኸመይ እዩ፧ ቄሳር ኣውጉስጦስ ይገዝኣሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: ክልተ ጽሕፈት ወይ ምዝገባ እዩ ተገይሩ፣ እቲ ናይ መጀመርታ ነቲ ኣብ ዳንኤል 11:20 ዘሎ ትንቢት ንምፍጻም ብ2 ቅ.ክ. ተገብረ: እቲ ኻልኣይ ድማ ብ6 ወይ 7 ድ.ክ. ተገብረ። (ግብ. 5:37) ክልቲኡ እዚ ምዝገባታት ኣብ እተገብረሉ እዋን: ቀሬኔዎስ ኣመሓዳሪ ሶርያ ዀይኑ ዝዓየየ እዩ ዚመስል። ስለዚ: ሉቃስ ነታ ቐዳመይቲ ጽሕፈት ወይ ምዝገባ ምጥቃሱ: የሱስ ብ2 ቅ.ክ. ከም እተወልደ ዚሕብር እዩ።

2:35—“ሰይፊ” ናብ ነፍሲ ማርያም ዝኣተወ ብኸመይ እዩ፧ ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ከም መሲሕ መጠን ምቕባል ምስ ኣበይዎ ንእተሰምዓ ጓህን ብዜሳቒ መገዲ ኺመውት ከሎ ብምርኣይ ንእተሰምዓ ሓዘንን ዜመልክት እዩ።—ዮሃ. 19:25

9:27, 28—ማቴዎስን ማርቆስን እቲ ምልዋጥ ትርኢት የሱስ “ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ” ኸም ዘጋጠመ እኳ እንተ ሓበሩ: ሉቃስ ግን: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኻብ መንጎኦም ብመንግስቱ ኽሳዕ ዚመጽእ “ሞት ዘይጥዕሙ ኸም ዘለዉ” ምስ ገለጸ ኣብ “ሰሙኑ” ወይ ድሕሪ “ሸሞንተ መዓልቲ” (NW) ትርኢቱ ኸም እተለወጠ ዝገለጸ ስለምንታይ እዩ፧ (ማቴ. 17:1፣ ማር. 9:2) ሉቃስ ነታ የሱስ መብጽዓ ዝኣተወላ ኸምኡውን ነታ እዚ መብጽዓ እዚ እተፈጸመላ መዓልቲ ስለ ዝወሰኸ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

9:49, 50—የሱስ ነቲ ዘይስዕቦ ዝነበረ ሰብኣይ: ኣጋንንቲ ኸየውጽእ ዘይከልከሎ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ነቲ ሰብኣይ ዘይከልከሎ: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ገና ዘይተመስረተት ስለ ዝነበረት እዩ። ስለዚ: እቲ ሰብኣይ ኣብ የሱስ እምነት ንምሕዳርን ኣጋንንቲ ንምውጻእን ናይ ግድን ንየሱስ ኪስዕቦ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ።—ማር. 9:38-40

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:32, 33፣ 2:19, 51 ማርያም ነቲ ትንቢታት ዚፍጸመሉ ዝነበረ ፍጻመታትን ዘረባታትን ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት። ንሕናኸ ነቲ የሱስ ብዛዕባ “መወዳእታ ዓለም” እተዛረቦ ትንቢት ምስቲ ኣብዚ ግዜና ዜጋጥም ዘሎ ነገራት ብምውድዳር ኣብ ልብና ነዋህልሎ ዲና፧—ማቴ. 24:3

2:37 እቲ ሃና ዝሓደገቶ ኣብነት: ንየሆዋ ብቐጻሊ ኸነምልኾ: ‘ጸሎት ከነዘውትር:’ ከምኡውን ክርስትያናዊ “ኣኼባና” ኸይንሓድግ ዚምህር እዩ።—ሮሜ 12:12፣ እብ. 10:24, 25

2:41-50 ዮሴፍ ኣብ ህይወቱ ንመንፈሳዊ ጕዳያት ቀዳምነት ይህብ: ንኣካላውን መንፈሳውን ድሕንነት ስድራ ቤቱ ድማ ይሓሊ ነበረ። በዚ መዳይ እዚ ንርእስታት ስድራ ቤት ሰናይ ኣብነት ሓደገሎም።

4:4 መዓልታዊ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ክንሓስብ ኣሎና።

6:40 እቲ ቓል ኣምላኽ ዚምህር ሰብ: ነቶም ተመሃሮ ጽቡቕ ኣብነት ኪዀኖም ኣለዎ። ነቲ ዚሰብኮ ነገራት ድማ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ይግባእ።

8:15 ነቲ ቓል ‘ንኽንዓቝሮን ብትዕግስቲ ፍረ ንኽንፈርን:’ ንቓል ኣምላኽ ክንርድኦ: ኣኽቢርና ኽንርእዮ: ከምኡውን ክንፈልጦ ኣሎና። ንመጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተመስረተ ጽሑፋትን ከነንብብ ከለና: ብጸሎት ምስትንታን ኣገዳሲ እዩ።

ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት የሱስ

(ሉቃ. 10:1–24:53)

የሱስ ንኻልኦት 70 ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ኸተማታትን ቦታታትን ይሁዳ ኣቐዲሙ ለኣኾም። (ሉቃ. 10:1) “ኣብ ከተማታትን ኣብ ዓድታትን እናመሀረ ይመላለስ ነበረ።”—ሉቃ. 13:22

ካብ ፋስጋ 33 ድ.ክ. ሓሙሽተ መዓልቲ ኣቐዲሙ: የሱስ ኣብ ጻዕብ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኣተወ። እቲ ንደቀ መዛሙርቱ: “ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኺጸግብ: ብዓበይትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኪነዐቕን ኪቕተልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ” ዝበሎም ቃል ዚፍጸመሉ እዋን ድማ ኣኸለ።—ሉቃ. 9:22, 44

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

10:18—የሱስ ነቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ: “ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ” ኺብሎም ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ የሱስ: ሰይጣን ድሮ ኻብ ሰማይ ተደርብዩ ማለቱ ኣይኰነን። ከመይሲ: ሰይጣን ካብ ሰማይ እተደርበየ: ክርስቶስ ብ1914 ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ኻብ ዚነግስ ድሕሪ ሓጺር እዋን እዩ። (ራእ. 12:1-10) ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና: የሱስ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ነገራት ብሕሉፍ እዋን ገይሩ ብምዝራብ: እዚ ነገር እዚ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ዚገልጽ ዘሎ እዩ ዚመስል።

14:26—ሰዓብቲ ክርስቶስ ንኣዝማዶም ‘ዚጸልእዎም’ ብኸመይ እዮም፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ጽልኢ” እትብል ቃል: ንሓደ ሰብ ወይ ንሓደ ነገር ካብ ካልእ ኣትሒትካ ምፍታው እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። (ዘፍ. 29:30, 31) ስለዚ: ክርስትያናት ንኣዝማዶም ‘ይጸልእዎም’ ኪበሃል ከሎ: ንዓታቶም ካብ የሱስ ንታሕቲ የፍቅርዎም ማለት እዩ።—ማቴ. 10:37

17:34-37—እቶም “ኣሞራታት” ከምኡውን እቲ ዚእከቡሉ “ገምቢ” እንታይ እዩ፧ እቶም ‘ዚውሰዱ’ ወይ ዚድሕኑ ሰባት ምስቶም ኣርሒቖም ዚርእዩ ኣሞራታት ተመሳሲሎም ኣለዉ። እቲ ዚእከቡሉ “ገምቢ” ድማ ነቲ ብዘይርአ ህላወ ስልጣን ዝሓዘ ናይ ሓቂ ክርስቶስ ከምኡውን ነቲ የሆዋ ዚህቦም መንፈሳዊ ምግቢ ዜመልክት እዩ።—ማቴ. 24:28

22:44—የሱስ ክሳዕ ክንድዚ እተጨነቐ ስለምንታይ እዩ፧ ብዙሕ ምኽንያት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። የሱስ: እቲ ኸም ገበነኛ ዀይኑ ዚሞቶ ሞት ብኸመይ ንየሆዋ ኣምላኽን ንስሙን ከም ዚጸልዎ ኣጨኒቕዎ ነበረ። ብዘይካዚ ናይ ዘለኣለም ህይወቱን መጻኢ ዅሎም ደቂ ሰብን ኣብቲ ንሱ ዜርእዮ ተኣማንነት ከም ዚምርኰስ ይፈልጥ ነበረ።

23:44—እቲ ንሰለስተ ሰዓት ዘጋጠመ ጸልማት ብምኽንያት ግርደተ-ጸሓይ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ግርደተ-ጸሓይ ዜጋጥም: ሓዳስ ወርሒ ኽትወጽእ ከላ እዩ እምበር: ኣብ ከም ግዜ ፋስጋ ወርሒ ምልእቲ ኽትከውን ከላ ኣይኰነን። ስለዚ: እቲ ኣብ ግዜ ሞት የሱስ ዘጋጠመ ጸልማት: ብኣምላኽ እተገብረ ተኣምር እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

11:1-4 ገሊኡ ቓላት ኣብ ትርጕም 1990 ኣብ ሓጹር ምእታዉ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ ከም ዘይነበረ ዚሕብር እዩ። ስለዚ ነዚ መምርሒ እዚ ምስቲ ዓመትን መንፈቕን ይገብር ኣብ ከረን ኣብ እተዋህበ ስብከት ዚርከብ ኣብነት ዚዀነና ጸሎት ከነወዳድሮ ኸለና: ጸሎትና ቓላት ብምድግጋም ዝመልአ ኪኸውን ከም ዘይብሉ ብንጹር ዚሕብር እዩ።—ማቴ. 6:9-13

11:5, 13 የሆዋ ንጸሎትና ኺምልሶ ፍቓደኛ እኳ እንተ ዀነ: ብተደጋጋሚ ግን ክንጽሊ ኣሎና።—1 ዮሃ. 5:14

11:27, 28 ናይ ሓቂ ሓጐስ: ካብ ናይ ስድራ ቤት ዝምድና ወይ ካብ ስጋዊ ሃብቲ ዘይኰነስ: ንፍቓድ ኣምላኽ ብተኣማንነት ብምፍጻም እዩ ዚርከብ።

11:41 እቲ እንህቦ ምጽዋት ካብ ፍቕራውን ፍቓደኛን ልቢ ዝነቐለ ኪኸውን ኣለዎ።

12:47, 48 እቲ ኸቢድ ሓላፍነት እናሃለዎ ኽነሱ ብግቡእ ሓላፍነቱ ዘይፍጽም ሰብ: ካብቲ ሓላፍነቱ ዘይፈልጥ ወይ ብግቡእ ዘይተረድኦ ሰብ ንላዕሊ ተሓታቲ እዩ።

14:28, 29 ከከም ዓቕምኻ ምንባር ክሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ዀን እዩ!

22:36-38 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ርእሶም ንኺከላኸሉ ኢሎም ኣጽዋር ኪሕዙ ኣይነገሮምን። የግዳስ: ኣብታ እተኻሕደላ ምሸት ሰይፊ ምሓዞም: ነቲ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም” ዚብል ኣገዳሲ ትምህርቲ ንኺምህሮም መገዲ ኸፈተ።—ማቴ. 26:52

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ዮሴፍ ከም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ሰናይ ኣብነት ሓደገ

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ሉቃስ እተማልአ ጸብጻብ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ጸሓፈ