ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዋጋ ኸም ዘሎና ዚርኢ ተዓዛቢ ሉቃስ 12:6, 7

ዋጋ ኸም ዘሎና ዚርኢ ተዓዛቢ ሉቃስ 12:6, 7

ንኣምላኽ ቅረቦ

ዋጋ ኸም ዘሎና ዚርኢ ተዓዛቢ

ሉቃስ 12:6, 7

መጽሓፍ ቅዱስ: “ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና” ብምባል ልብና ሓድሓደ እዋን ንገዛእ ርእስና ኣመና ኸም እንነቕፋ ዚገብረና ምዃኑ ይእመን። እወ: ልብና ንፍቕርን ሓልዮትን ኣምላኽ ኣይንበቅዕን ኢና ኸም እንብል እዩ ዚገብረና። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን” እዩ ብምባል የጸናንዓና እዩ። (1 ዮሃንስ 3:19, 20) ኣምላኽ ካብቲ ንሕና ንገዛእ ርእስና እንፈልጣ ብዝበለጸ: ንሱ ይፈልጠና እዩ። ንዓና ዘለዎ ኣረኣእያ ምናልባት ካብቲ ንሕና ንገዛእ ርእስና ዘሎና ኣረኣእያ ኣዝዩ እተፈለየ እዩ። ከምዚ እንተ ደኣ ኰይኑ: ኣብ ቅድሚ እቲ ዋጋ ኸም ዘለና ገይሩ ዚርእየና የሆዋ ኣምላኽ: ክቡራት ኢና ማለት ድዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ: ኣብታ የሱስ ኣብ ክልተ እተፈላለየ እዋን እተጠቐመላ ልቢ እትትንክፍ ምሳሌ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና።

የሱስ ኣብ ሓደ እዋን: “ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧” ብምባል ተዛረበ። (ማቴዎስ 10:29, 31) ብመሰረት ሉቃስ 12:6, 7 ድማ “ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። . . . እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ” በለ። እዚ ቐሊል ግን ከኣ ሓያል ትምህርቲ እዚ: የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ኣምለኽቱ ብኸመይ ከም ዚርእዮም እዩ ዚምህረና።

እዘን ኣዕዋፍ እዚኣተን: ካብተን ኣብቲ እዋን እቲ ንምግቢ ዚዀና ዝነበራ ዅለን ኣዕዋፍ: ዝሓሰራ እየን ነይረን። የሱስ ንድኻታት ኣንስቲ ምናልባት እውን ንኣዲኡ: ስድራአን ንምዕንጋል ኢለን ነዘን ኣዝየን ንኣሽቱ ዝዀና ኣዕዋፍ ኣብ ዕዳጋ ኺዕድጋ ኸለዋ ርእዩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ብሓንቲ ኣሳርዮን: ማለት በታ ኣብ ግዜና ኻብ ሓሙሽተ ሳንቲም ዝዋሓደ ዋጋ ዘለዋ ሳንቲም ገይሩ ኽልተ ዑፍ ኪዕድግ ይኽእል ነበረ። እዘን ኣዕዋፍ እዚኣተን: ኣዝየን ሕሱራት እየን ነይረን፣ እቲ ዓዳጊ ብኽልተ ሳንቲም ኣርባዕተ ዘይኰነስ: ሓሙሽተ ዑፍ እዩ ዚዕድግ: እታ ሓምሸይቲ ኸም መቝሽሽ ትወሃቦ ነበረት።

የሱስ: ዋላ ሓንቲ ዑፍ እኳ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ . . . ኣይትርሳዕን” ወይ “ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን” ብምባል ገለጸ። (ማቴዎስ 10:29) የሆዋ ዅሉ ግዜ: ነታ እንተስ ተጐዲኣ ወይ ምግባ ኽትለቅም ኢላ ኣብ ባይታ ዝዓለበት ዑፍ ይርእያ እዩ። የሆዋ ነዘን ዋጋ ዘይብለን ዚመስላ ኣዕዋፍ እዚኣተን: ንኣሽቱ እየን ኢሉ ኻብ ምፍጣረን ዓዲ ዘይውዓለ ኻብ ኰነ: ንምዝካረን እሞ ኸኣ ኣዝየን ንኣሽቱ እየን ኢሉ ኣይገድፈንን እዩ። እወ: ክቡራት ህያዋን ፍጥረታት ስለ ዝዀና: የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየን። ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ኣስተብሂልካሉዶ፧

የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ እናኣነጻጸረ ይምህር ነበረ: ብዛዕባ ሓደ ንእሽቶ ነገር ምስ መሃረ: ደሓር ኣብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ የርኢ። ንኣብነት: “ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉ፤ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር: ኣይዘርኡ ኣይዐጽዱ: ማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ” እውን በለ። (ሉቃስ 12:24) ስለዚ: እቲ የሱስ ብዛዕባ ኣዕዋፍ ዝሀቦ ትምህርቲ ንጹር እዩ፣ የሆዋ ነዘን ኣዝየን ንኣሽቱ ዝዀና ኣዕዋፍ ዚሓሊ ኻብ ኰነ: ነቶም ዜፍቅርዎን ዜምልኽዎን ደቂ ሰብ ግዳ ኽንደይ ኣዚዩ ዘይሓሊ!

ነዘን ቃላት የሱስ ኣብ ግምት ብምእታው እምበኣር: እቲ “ኻብ ልብና ዚዐቢ” ኣምላኽ ኣየስተብህለልናን ከምኡውን ኣይሓልየልናን ዚብል ስምዒት ከይነሕድር ይገብራና እየን። እሞኸ ፈጣሪና እቲ ንሕና ብዛዕባ ንገዛእ ርእስና ኽንፈልጦ ዘይከኣላና ነገር ንሱ ዚፈልጥ ምዃኑ ምፍላጥሲ ኣየጸናንዓናንዶ፧

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Sparrows: © ARCO/D. Usher/age fotostock