ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ፍቕሪ ኣደ ይገሃድ

ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ፍቕሪ ኣደ ይገሃድ

ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ፍቕሪ ኣደ ይገሃድ

“ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ: ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከአላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ: ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ።”—ኢሳይያስ 49:15

ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ ዀይኑ ዚጠቡ ሕጻን እሞ ሕስብ ኣብል። እዚ ትርኢት እዚ ለውሃትን ፍቕርን ዚገልጽ እዩ። ሓንቲ ፓም ዝስማ ኣደ: “መጀመርያ ንውላደይ ምስ ሓቘፍኩ: ነቲ ሕጻን ብርቱዕ ፍቕርን ሓላፍነትን ተሰምዓኒ” በለት።

ተመራመርቲ: ፍቕሪ ኣደ ኣብ ዕቤት ውላዳ ዓብዪ ጽልዋ ኸም ዘለዎ ኣረጋጊጾም እዮም። ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣመልኪቱ ብፕሮግራም ዓለማዊ ውድብ ጥዕና እተሓትመ ሰነድ: “ኣዴታቶም ዝራሕራሓኦም ሕጻናት: ሓጐስ ዘይብሎምን ጭኑቓትን: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ፈራሃት እዮም ዚዀኑ” ይብል። እቲ ሰነድ ከም ዚጠቕሶ: እቶም ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ፍቕርን ቈላሕታን ዝረኸቡ ቘልዑ ኻብቶም ዕሽሽ እተባህሉ ቘልዑ ዝሓሸ ናይ ምርዳእ ክእለት ኣለዎም።

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና: ፕሮፌሰር ሳይክያትሪ ዀይኑ ዚዓዪ ኣለን ሾር: ንኣገዳስነት ፍቕሪ ኣደ ብዚምልከት: “እቲ ውላድ ምስ ኣዲኡ ዘለዎ ናይ መጀመርያ ርክብ: ኣብቲ ደሓር ምስ ካልኦት ዚህልዎ ስምዒታዊ ርክባት ከም ኣብነት ኰይኑ ንሓዋሩ ይቐርጾ እዩ” በለ።

ሓዘን: ጭንቀት: ሕማም: ወይ ካልእ ዓይነት ጸቕጥታት: ሓንቲ ኣደ ንውላዳ ዕሽሽ ክትብል ወይ “ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ” ኪገብራ ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 49:15) እዚ ግን ዘይልሙድ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ: ኣዴታት ንደቀን ኬፍቅራ እተፈጥራ እየን ዚመስላ። ተመራመርቲ: ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ ልዑል መጠን እቲ ማሕጸን ከም ዚጭበጥን ጸባ ጡብ ኣደ ኸም ዚህሉን ዚገብር ሆርሞን ኦክሲቶሲን ከም ዘለወን ፈሊጦም እዮም። እዚ ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዚፈሪ ሆርሞን: ኣደ ፍቕርን ተገዳስነትን ንኸተርኢ ኸም ዚገብር እዩ ዚእመነሉ።

ምንጪ ፍቕሪ እንታይ እዩ፧

ኣብ ፍልቀት ምእማን ዜተባብዑ ሰባት: ከምታ ኣብ መንጎ ኣደን ውላዳን እትርአ ፍቕሪ ዝኣመሰለት ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ: ብኣጋጣሚ ዝጀመረትን ተፈጥሮ ዘዝበለጸ ስለ ዚመርጽ ክትቅጽል ዝኸኣለትን ከም ዝዀነት እዮም ዚምህሩ። ንኣብነት: ኣብ ኢንተርነት እትርከብ ማዘርስ መጋዚን እትበሃል መጽሔት: “ለመምቲ ኻብ ዝዀኑ እንስሳታት ተወሪሱ እተመሓየሸ ናይ መጀመርያ ኽፋል ኣእምሮና: እቲ እተፈላለየ ስምዒታት ዜመንጩ ሊምቢክ ሲስተም ዚበሃል እዩ። እዚ ኸኣ እዩ ኣዴታት ምስ ውላደን ጥብቂ ርክብ ከም ዚህልወን ዚገብር” በለት።

ሊምቢክ ሲስተም ኣብ ስምዒታትና ጽልዋ ኸም ዜሕድር እተገብረ ምርምር ከም ዝሓበረ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: እቲ ኣደ ንውላዳ ዘለዋ ፍቕሪ ኻብ ኣእምሮ ለመምቲ እንስሳታት ብሃንደበት ዝመጸ እዩ ኺበሃልሲ ርትዓዊ ድዩ፧

ካልእ ኣማራጺ መብርሂ እስከ ንመርምር። መጽሓፍ ቅዱስ: ደቂ ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ ከም እተፈጥሩ: ማለት ባህርያት ኣምላኽ ኬንጸባርቑ ኽእለት ከም ዘለዎም ይነግረና። (ዘፍጥረት 1:27) ፍቕሪ ዓብላሊት ባህርይ ኣምላኽ እያ። ሃዋርያ ዮሃንስ: “እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:8) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣምላኽ ፍቕሪ ኣለዎ ኸም ዘይትብል ኣስተብህል። ኣብ ክንዳኡስ: ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ ብምባል ትገልጽ። ንሱ ምንጪ ፍቕሪ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንፍቕሪ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ይገልጻ:- “ፍቕሪ ዓቃል እያ: ፍቕሪ ለዋህ እያ: ፍቕሪ ኣይትቐንእን: ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን: ኣይተስተሐፍርን: ናታ ኣይትደልን: ኣይትምረርን: ኣይትቕየምን እያ: ብሓቂ ትሕጐስ እምበር: ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኵሉ ትጸውር: ኵሉ ትአምን: ኵሉ ተስፋ ትገብር: ኵሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ።” (1 ቈረንቶስ 13:4-8) እዚ ዚነኣድ ባህርያት እዚ ብኣጋጣሚ ኸም ዝመጸ ምእማንሲ ርትዓዊዶ ይመስለካ፧

ብኸመይ ተተንኪፍካ፧

ኣብዛ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ መግለጺ ፍቕሪ ምስ ኣንበብካ: ካልኦት ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ኼርእዩኻ ሃረርዶ ኢልካ፧ ከምዚ ዓይነት ባህጊ ኺስምዓካ ንቡር እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: ንሕና “ዓሌት ኣምላኽ” ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:29) ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ኸም እንቕበልን እነርእን ኴንና ኢና ተፈጢርና። ኣምላኽ ንዓና ዓሚቝ ፍቕሪ ኸም ዘለዎ ኸኣ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 3:16፣ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7) እታ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተቕሰት ጥቕሲ: ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ኻብቲ ኣደ ንውላዳ ዘለዋ ፍቕሪ ዝሓየልን ዝያዳ ነባርን ምዃኑ ትገልጽ!

ይኹን እምበር: ‘ኣምላኽ ጥበበኛን ሓያልን ፈቃርን እንተ ዀይኑ: ንመከራ ዘየወገዶ ስለምንታይ እዩ፧ ቈልዑ ኺሞቱ: ጭቈና ኪቕጽል: ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ስስዐን ምድሪ ኽትዓኑ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እዚ ርትዓዊ ዝዀነ መልሲ ዜድልዮ ጽቡቕ ሕቶታት እዩ።

ኢፈሊጣውያን ማለት ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዋላ ሓደ ኺፈልጥ ኣይክእልን ኢሎም ዚኣምኑ ሰባት ዚብልዎ ብዘየገድስ: ዜዕግብ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኪርከብ ይከኣል እዩ። ኣብ ኣማእታት ሃገራት ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢሮም መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ መልሲ እዘን ሕቶታት ረኺቦም እዮም። ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ኸምዚ ኽትገብር ይዕድሙኻ ኣለዉ። ንቓሉን ንፍጥረታቱን ብምጽናዕ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠት እናዓበየ ምስ ከደ: ካባና ዝረሓቐን ዘይፍለጥን ከም ዘይኰነ ኸተስተውዕል ኢኻ። ኣብ ክንዳኡስ: ኣምላኽ “ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ምዃኑ ኽትኣምን ኢኻ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:27

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ኻብቲ ኣደ ንውላዳ ዘለዋ ፍቕሪ ዝሓየለ እዩ