ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ዘጋጠመ ባህርያዊ ዕንወት

ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ዘጋጠመ ባህርያዊ ዕንወት

ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ዘጋጠመ ባህርያዊ ዕንወት

ሰኑይ: 2 ሚያዝያ 2007 ንእተወሰነ ኽፋል እተን ኣብ ትሮፒክ ዚርከባ ደሴታት ሰሎሞን: 8.1 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣናወጸን። ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ 10 ሜተር ብራኸ ኸም ዝነበሮ ዚንገረሉ ብርቱዕ ማዕበል ንምዕራባዊ ኣውራጃ እተን ደሴታት ወቕዖ: በዚ ኸምዚ ድማ 52 ሰባት ኪሞቱ ኸለዉ 6,000 ሰባት ከኣ ብዘይ መዕቈቢ ተረፉ።

ካብ መንጎ እቲ ኸቢድ ዕንወት ዘጋጠሞም ከባቢታት: እታ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ጊዞ እትርከብ 7,000 ነበርቲ ዘለውዋን ካብቲ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝመነጨሉ ኸባቢ 45 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብን ከተማ ጊዞ እያ። ኣብ ጊዞ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብታ ምሸት እቲኣ ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ንኸተብዕል ብሃንቀውታ ትጽበ ነበረት። (1 ቈረንቶስ 11:23-26) ኣብ ወጋሕታ ኸም ልሙድ ባህ እተብል ጸሓይን ህዱእ ባሕርን ነበረ። ንግሆ ሰዓት 7:39 ምስ ኰነ ግን እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ጀመረ።

ምንቅጥቃጥ ምድሪ!

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኺጅምር ከሎ: ሮን ፓርኪንሰን ዚበሃል ሽማግለ ጉባኤን ብዓልቲ ቤቱ ዶሮቲን ቍርሲ የዳልዉ ነበሩ። ሮን ከምዚ በለ:- “እታ ዝኣረገት ገዛና ልክዕ ከም ኦም ኮኮናት እኳ እንተ ተነነወት: ኣይፈረሰትን። ኣዝዩ ብርቱዕ ድምጺ ነበረ። ከብሕታት: ኣቕሑ ገዛ: ኣቕሑ ካይላ: ፒያኖ: ከምኡውን ካልእ ተንቀሳቓሲ ነገራት ናብ መሬት ወደቐ። ብኽንደይ ጻዕሪ ናብ ደገ ኽንወጽእ ከኣልና። ዶረቲ ጥራይ እግራ ስለ ዝነበረት እተሰብረ ጥርሙዝ ሓረዳ።”

እቶም ኣብ ጥቓኦም ዚነብሩ ቶኒ ሾውን ክርስቲን ሾውን ዚበሃሉ ሚስዮናውያን እውን ተጓይዮም ናብ ደገ ወጹ። ክርስቲን ከምዚ በለት:- “እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝነበረ: ናብ መሬት ምስ ወደቕኩ ኽትንስእ ኣይከኣልኩን። ኣብቲ ባሕሪ ገዛውቲ የንሳፍፍ ነበረ። ብርቱዕ ማዕበል ካብ መሰረቱ መንቊስዎም ነበረ። ሰባት ብታንኳ እናቐዘፉ ኣብ መንጎ እቲ ፍርስራስ ብህይወት ዘለዉ ሰባት ይደልዩ ነበሩ። ድሕርዚ: ካልእ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጠመ: መሊሱ እውን ደገመ። እቲ ስዒቡ ዚኽሰት ዝነበረ ፍዅስ ዝበለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንሓሙሽተ መዓልቲ ቐጸለ። ኣዝዩ ዜሰምብድ ነበረ።”

ጸኒሑ ሱናሚ መጸ

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኺጅምር ከሎ: ፓትሶን ባኤ ኣብታ ኻብ ከተማ ጊዞ 6 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ሲፖ ሂተ እትበሃል ደሴት ነበረ። ፓትሶንን ስድራ ቤቱን ካብቲ ዕንወት ኪድሕኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

ፓትሶን ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍዎ ሕማቕ ተመክሮ ኸምዚ በለ:- “በቲ ገምገም ባሕሪ እናጐየኹ ናብ ሰበይተይ ናኦሚን ናብቶም ኣርባዕተ ደቀይን ከድኩ። ኣብ መሬት ወዲቖም እኳ እንተ ነበሩ: ምንም ኣይተጐድኡን። እቶም ቈልዑ ሰምቢዶም ነበሩ: ገሊኦም ከኣ ይበኽዩ ነበሩ። ኣነን ናኦሚን ከኣ ቀልጢፍና ኣጸናኒዕናዮም።

“እቲ ባሕሪ ዘይልሙድ ምንቅስቓስ ይገብር ከም ዘሎ ኣስተብሃልኩ። ሱናሚ ኸም ዚመጽእ ብግልጺ ይፍለጥ ነበረ። እታ ንእሽቶ ደሴትና ኻብ ምዕልቕላቕ ከም ዘይተምልጥ ተረዳእና። ጥቓና ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት እትነብር ዝነበረት ኢቫሊን ኣደይ እውን ኣብ ዜስግእ ኵነታት ነበረት። ንስድራ ቤትና ናብታ ብሞተር እትሰርሕ ታንኳና ንኺስቀሉ ብቕልጡፍ ብምንጋር ንዕኣ ኸነድሕን ከድና።

“ሓጺር ርሕቐት ምስ ተጐዓዝና: ብርቱዕ ማዕበል ብትሕቲ ታንኳና ሓለፈ። እቲ ባሕሪ ሓያል ምንቅስቓስ ይገብር ነበረ። ናብ ኣደይ ምስ በጻሕና: ተዓኒዳ ስለ ዝነበረት: ናብቲ ማይ ንምእታው ፈርሀት። ናኦሚን እቲ ወዲ 15 ዓመት ወድና ጀረሚን ናብቲ ብሓይሊ ዚንቀሳቐስ ዝነበረ ማይ ብምእታው: እናሓምበሰት ናብታ ታንኳ ኽትመጽእ ሓገዝዋ። ድሕርዚ: እታ ታንኳ ብምሉእ ሓይላ ኸም እትሕምበብ ብምግባር ናብ ማእከል ባሕሪ ኸድና።

“ሽዑ ጽፍሒ እቲ ባሕሪ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ምስ ነከየ: ንሓድሕዱ እተለጋገበ መርጀን ኣብ ዙርያ እተን ደሴታት ይርአ ነበረ። ብሃንደበት ዝመጸ ብርቱዕ ማዕበል ግን ንኽልቲአን ደሴታት ኣዕለቕለቐን። እቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚርከብ መዕረፍ ኣጋይሽና ኻብ መሰረቱ ተመንቈሰ: ከም ዘይጽገን ኰይኑ ድማ ተሓምሸሸ። ማይ ናብ ገዛና ኣትዩ ንመብዛሕትኡ ንብረትና ኣዕነዎ። እቲ ባሕሪ ምስ ሃድአ: ኣብቲ ዝዓነወ ገዛና ዝረኸብናዮ መጽሓፍ ቅዱሳትን ናይ መዝሙር መጻሕፍትን ሒዝና ናብ ጊዞ ኸድና።”

ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ብዙሓት ሰባት ሞቱ: ብዙሕ ዕንወት ድማ ኣጋጠመ። ብፍላይ ብምዕራባዊ ሸነኽ ደሴት ጊዞ ብዙሕ ዕንወት ኣጋጢሙ ነበረ። በቲ 5 ሜተር ብራኸ ኸም ዝነበሮ ዚንገርሉ ብርቱዕ ማዕበል: እንተ ወሓደ 13 ኣቝሻት ምሉእ ብምሉእ ዓነዋ!

ኣብታ ምሸት እቲኣ: ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ንምብዓል: 22 ሰባት ኣብቲ ኣብ ጊዞ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣኪቦም ነበሩ። እቲ ዜሐጕስ ከኣ ኵሎም በቲ ዘጋጠመ ዕንወት ከቢድ ጕድኣት ኣይወረዶምን። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሮን ከምዚ በለ:- “ኤለክትሪክ ኣይነበረን: ብላምባ እትዓዪ መብራህትና ኸኣ ተሰቢራ ነይራ። ስለዚ: ሓው ሾው ብላምባዲና ገይሩ ነቲ መደረ ኣቕረቦ። ኣብቲ ጸልማት እቲ: ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዓው ብዝበለ ድምጺ ዘመርና።”

ረዲኤት ንምሃብ እተገብረ ጻዕርታት

ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ዕንወት ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ሆንያራ ምስ ተሰምዐ: ኣብታ ሃገር ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜድሊ ህጹጽ ረድኤት ብቕልጡፍ ሰደደ። ተሌፎን ብምድዋል ኣብቲ ጕድኣት ዝወረደሉ ኸባቢ ዚነብሩ ዅሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደሓን ምዃኖም ኣረጋገጹ። እሙናት ውልቀ-ሰባት ነታ ኣብ ደሴት ሹዋዡል ተገሊላ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር ኬናድይዋ ተላእኩ። ኣብ መወዳእታ ብደሓን ረኸብዋ። ኣብ ህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ንምዕዳግ ዜኽእል ገንዘብ እውን ናብ ከተማ ጊዞ ተላኢኹ ነበረ።

ተወከልቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር: በታ መጀመርያ እትኸይድ ነፋሪት ኣቢሎም ሓሙስ ኣብ ከተማ ጊዞ በጽሑ። ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝዀነ ክሬግ ታከር ከምዚ በለ:- “ረድኤት ዝሓዘ ሰናዱቕ ሒዝና ነበርና። ካልኦት ተጓዓዝቲ ዝነበሮም ኣቕሑ እታ ነፋሪት ንዅሉ ኽትስከሞ ስለ ዘይትኽእል ሓዲጎምዎ እኳ እንተ ኸዱ: እቲ ሰናዱቕና ግን ኵሉ ብደሓን ምብጻሑ እፎይታ ተሰምዓና። ካብ መንጎ እቲ መጀመርያ ናብቲ ዕንወት ዝወረዶ ኸባቢ ዝበጽሐ ሓገዝ እዩ ነይሩ። ተወሳኺ ናውቲ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ብጃልባ መጸ።”

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ቶኒ ሾውን ፓትሶን ባኤን ምስ ካልኦት ኣብ ከተማ ጊዞ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም: ነቶም ኣብ ደሴት ራኖንጋ እተገለሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬናድዩ ንኽልተ ሰዓታት ብታንኳ ተጓዕዙ። እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝነበሮ ሓይሊ: ነዛ 32 ኪሎ ሜተር ዝምንዋሓን 8 ኪሎ ሜተር ዝምግፋሓን ደሴት ካብ ባሕሪ 2 ሜተር ከም እትልዕል ገበራ! ኣብ ከባቢ እታ ደሴት ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ምምዝባል: ብዙርያኣ ንዚርከባ ደሴታት ዝወቕዐ ሱናሚ ኣምጸአ።

ቶኒ ኸምዚ በለ:- “ኣባላት እታ ጉባኤ ምስ ረኣዩና ኣዝዮም ተሓጐሱ። ብደሓን ረኸብናዮም: ስዒቡ ንዚመጽእ ፍዅስ ዝበለ ምንቅጥቃጥ ስለ ዝፈርሁ ኸኣ ኣብ ደገ ይነብሩ ነበሩ። ንመጀመርያ ግዜ ረድኤት ዘምጽአት ናትና ጃልባ እያ ነይራ። ቅድሚ ምኻድና ሓቢርና ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ምስጋና ኣቕረብና።

ፓትሶን ከምዚ በለ:- “ድሕሪ ገለ መዓልትታት: ተወሳኺ ረድኤት ንምብጻሕን ኣብ ግሉል ጫፍ እታ ደሴት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ስድራ ቤት ንምንዳይን ናብ ራኖንጋ ተመለስና። ኣብ መወዳእታ: ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ጫካ ንዚነብር ማቲው ኢቱ ምስ ስድራ ቤቱ ረኸብናዮ። ከም ዘይረሳዕናዮም ምስ ፈለጡ: ናይ ሓጐስ ንብዓት ነብዑ! እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ንገዛኦም ኰነት ንመብዛሕትኡ ገዛውቲ እታ ቝሸት ኣዕኒዎ ነበረ። እቲ ቐንዲ ኣገዲስዎም ዝነበረ ግን: በቲ ዕንወት ንዝጠፍአ ናይ ስድራ ቤቶም መጽሓፍ ቅዱሳት ምትካእ ነበረ።”

ናእዳ ተዓዘብቲ

ነዛ ክርስትያናዊት ፍቕሪ እዚኣ ኻልኦት ሰባት ከየስተብሃሉላ ኣይሓለፉን። ክሬግ ታከር: “ነቲ ረድኤት ንምሃብ እንገብሮ ጻዕርና ብሓፈሻ ዚነቅፍ ዝነበረ ጋዜጠኛ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ነቶም ኣባላቶም ምግብን ቴንዳን ካልእ ዜድሊ ነገራትን ከም ዘቕረቡሎም ምስ ፈለጠ ኣዝዩ ተገረመ” በለ። ፓትሶን ኣስዕብ ኣቢሉ: “ነበርቲ ራኖንጋ ብዛዕባ እቲ ረድኤት ንምሃብ ዝገበርናዮ ቕልጡፍ ጻዕርታት ኣወንታዊ ርእይቶ ሃቡ: ካብ ቤተ-ክርስትያኖም ደገፍ ብምስኣኖም ከኣ ጓሂኦም ገለጹ” በለ። ሓንቲ ሰበይቲ: “ውድብኩም ቅልጡፍ ምላሽ እዩ ዚህብ!” ብምባል ተዛረበት።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጐረባብቶም እውን ሓጊዞም እዮም። ክርስቲን ሾው: “ኣብ ጊዞ ንዚርከብ ግዜያዊ ሆስፒታል ክንበጽሕ ከለና: ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ኣገልግሎት ዘዘራረብናዮም ሰብ ሓዳር ረኣናዮም። ነታ ሰበይቲ ወዲ ጓላ: ሱናሚ መንዚዑ ስለ ዝወሰዶ: ተጐዲኦምን ተዳሂሎምን ነበሩ። ናብ ገዛና ቐልጢፍና ተመሊስና ዜድልዮም ምግብን ክዳንን ወሰድናሎም። በዚ ኸኣ ኣዝዮም ኣመስገኑ” ብምባል ተዘንቱ።

ብርግጽ: ነቶም ግዳይ ባህርያዊ ዕንወት ዝዀኑ ሰባት ስጋዊ ረድኤት ጥራይ ኣይኰነን ኣድልይዎም። ብፍላይ ካብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኪርከብ ዚኽእል ምጽንናዕ የድልዮም እዩ። ሮን ከምዚ በለ:- “ገሊኦም ሃይማኖታውያን ኣገልገልቲ: ኣምላኽ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ከም ዝቐጽዖም ነቲ ህዝቢ ተዛረቡ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ከቶ ምንጪ እከይ ከም ዘይኰነ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣናዮም። ነዚ መንፈሳዊ ምጽንናዕ ስለ ዘካፈልናዮም ከኣ ብዙሓት ኣመስገኑና።”—2 ቈረንቶስ 1:3, 4፣ ያእቆብ 1:13 a

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ ሕዳር 2006 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 3-9 እትርከብ “‘ስለምንታይ፧’—ነታ ኸባድ ሕቶ ምምላሳ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተወከስ። ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ዕንወት: ብኣማእታት ዚቝጸር ቅዳሕ እዛ ሕታም እዚኣ ኣብ ከተማ ጊዞ ተዓዲሉ እዩ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሹዋዡል

ደሴት ጊዞ

ከተማ ጊዞ

ራኖንጋ

ሆንያራ

ኣውስትራልያ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ስድራ ቤት ባኤ ምስታ ብሞተር እትሰርሕ ታንኳኦም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ደሴት ራኖንጋ ኣብ እትርከብ ቍሸት ላለ ዘይፈረሰ ህንጻ እዚ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እዩ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሱናሚ ኣብ ጊዞ ዘስዓቦ ዕንወት