ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ

ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ንምልእቲ ምድሪ ንኸተመሓድር ብኣምላኽ ዝቘመት መንግስቲ እያ። የሱስ: “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ . . . መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” በለ።—ማቴዎስ 6:9, 10፣ ዳንኤል 2:44

ገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚዀኑ መን እዮም፧

የሱስ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን እዩ ተወሊዱ። ሓደ መልኣኽ ንኣደ የሱስ: “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ . . . ኪነግስ እዩ” በላ። (ሉቃስ 1:30-33) ካብቶም ሰዓብቱ እውን ምስኡ ንኺገዝኡ መሪጹ እዩ። የሱስ ንሃዋርያቱ: “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። . . . ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” በሎም። (ሉቃስ 22:28, 29፣ ዳንኤል 7:27) ብድምር 144,000 ዝቝጽሮም ሰዓብቲ የሱስ ምስኡ ብሓባር ኪገዝኡ እዮም።—ራእይ 5:9, 10፣ 14:1

እዛ መንግስቲ እዚኣ: ኣበይ ኰይና እያ ኽትገዝእ፧

መንግስቲ ኣምልኽ ኣብ ሰማይ ኰይና እያ ኽትገዝእ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “[ናብ ሰማይ] ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም: ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ: ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ” በሎም።—ዮሃንስ 14:2, 3, 12፣ ዳንኤል 7:13, 14

መንግስቲ ኣምላኽ ንእከይ እንታይ ክትገብሮ እያ፧

የሱስ ነቶም ኣብዛ ምድሪ ዘለዉ እኩያት ሰባት ኬጥፍኦም እዩ። ንሱ: “ወዲ ሰብ [የሱስ] ብኽብሩ ምስ መጸ: ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ: ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ: ንሱ ኸኣ . . . ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። . . . እዚኣቶም [ረሲኣን] ናብ ናይ ዘለኣለም [“ቅጽዓት:” ትርጕም 1990]: ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም” በለ።—ማቴዎስ 25:31-34, 46

ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ መን እዮም፧

የሱስ: “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:5፣ መዝሙር 37:29፣ 72:8) ምድሪ በቶም ሕጂ እውን ከይተረፈ ንሓድሕዶም ምፍቓር ዚመሃሩ ዘለዉ ሰባት ክትመልእ እያ። የሱስ ንሰዓብቱ: “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም።—ዮሃንስ 13:34, 35

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንዚነብሩ ሰባት እንታይ ክትገብር እያ፧

የሱስ: ሕማም ደቂ ሰብ ኬሕዊ እዩ። ኣብ ምድሪ ኸሎ ነቶም ህዝቢ: ብዛዕባ “መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ነገሮም: ምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮም።” (ሉቃስ 9:11) ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ዝተንስአ የሱስ ብራእይ ድሕሪ ምርኣዩ: “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ . . . ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፤ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ . . . ኪነብር እዩ: . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን [እዩ]” በለ።—ራእይ 21:1-4

መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ገነት ክትቅይራ እያ። እቲ ምስ የሱስ ተሰቒሉ ዝነበረ ገበነኛ ሰብኣይ ንየሱስ: “ጐይታይ: ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” በሎ። የሱስ ድማ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን: ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ብምባል መለሰሉ።—ሉቃስ 23:42, 43፣ ኢሳይያስ 11:4-9

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 8 ተወከስ። a

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።