ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትመርጽ ትኽእል፧

ጽቡቕ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትመርጽ ትኽእል፧

ጽቡቕ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትመርጽ ትኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፈለማ ብጥንታዊ እብራይስጥን ኣረማይስጥን ግሪኽን እዩ ተጻሒፉ። ስለዚ: ኬንብብዎ ዚደልዩ መብዛሕትኦም ሰባት ትርጕም ኪረኽቡ ኣለዎም።

ሎሚ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓለም ብብዝሒ እቲ እተተርጐመሉ ቛንቋታት ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ኣሎ፣ እተወሰነ ኽፋሉ ብልዕሊ 2,400 ቋንቋታት ይርከብ። ገሊኡ ቛንቋታት ሓደ ትርጕም ጥራይ ዘይኰነስ: ብዙሕ ትርጕማት ኣለዎ። ኣብ ቋንቋኻ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣማራጺታት እንተ ኣልዩካ: ካብቲ ኽትረኽቦ እትኽእል እቲ ዝበለጸ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም ከም እትደሊ እተረጋገጸ እዩ።

ጥበባዊ ውሳነ ምእንቲ ኽትገብር ግን: መልሲ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትፈልጥ የድልየካ:- እንታይ እተፈላለየ ዓይነት ትርጕማት እዩ ዘሎ፧ ኣወንታውን ኣሉታውን ጐድኒ ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ትርጕም እንታይ እዩ፧ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ ኽትጥንቀቕ ዘሎካኸ ስለምንታይ ኢኻ፧

ካብ ሓደ ጫፍ ክሳዕ እቲ ኻልእ ጫፍ

ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ኣገባባት እኳ እንተ ኣለዎ: ኣብ ሰለስተ መሰረታዊ ምድባት ግን ኪከፋፈል ይኽእል እዩ። በይነ-መስመራዊ (ኢንተርሊንያር) ትርጕማት ብሓደ ጫፍ እዩ ዚስራዕ። እዚ ትርጕማት እዚ ኣብ በዅሪ ቛንቋ ዚርከብ ጽሑፍን ቃል ብቓሉ እተተርጐመ ቓላትን ዝሓዘ እዩ።

ለውጠ-ሓረጋዊ (ፓራፍሬዝ) ትርጕማት ኣብቲ ኻልእ ጫፍ እዩ ዚስራዕ። እዚ ዓይነት ትርጕማት እዚ: እቶም ተርጐምቱ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ኸምቲ እተረድእዎን ንሰማዕቶም ይስሕብ ኢሎም ዝሓሰብዎን ገይሮም ብናታቶም መገዲ ዚገልጹሉ እዩ።

ሳልሳይ ምድብ ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ጫፋት ሚዛናዊ ንምዃን ዚጽዕር ትርጕማት የጠቓልል። እዚ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ትርጕምን መቐረትን እቲ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ዚርከብ መግለጺታት ኬመሓላልፍ እናጸዓረ: ነቲ ጽሑፍ ንምንባቡ ቐሊል ከም ዚኸውን ይገብሮ።

ቃል ብቓል ዚግበር ትርጕማት ብሉጽ ድዩ፧

መብዛሕትኡ ግዜ: ከም ዘለዎ ቓል ብቓሉ ዚግበር ትርጕም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት ንምምሕልላፍ ዜኽእል ብሉጽ መገዲ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ነዚ ሓያሎ ምኽንያታት ኣሎ። ኣብዚ ኽልተ ምኽንያታት እስከ ንርአ:-

1. ብሰዋስውን ብቓላትን ብኣሰራርዓ ምሉእ ሓሳባትን ሕደ ዝዀነ ኽልተ ቛንቋታት የልቦን። ፕሮፌሰር እብራይስጢ ዝዀነ ሳሙኤል ሮልስ ድራይቨር: ቋንቋታት “ኣብ ሰዋስውን መበቈሉን ጥራይ ዘይኰነስ: . . . ኣብቲ እቲ ሓሳባት ኣብ ሓደ ምሉእ ሓሳብ ዚስርዓሉ መገዲ እውን ይፈላለ” ምዃኑ ገለጸ። እተፈላለየ ቛንቋታት ዚዛረቡ ሰባት: እተፈላለየ ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎም። ፕሮፌሰር ድራይቨር: “ስለዚ: ኣብ እተፈላለየ ቛንቋታት ዘሎ ኣሰራርዓ ምሉእ ሓሳባት ሕደ ኣይኰነን” በለ።

ዋላ ሓደ ቛንቋ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እብራይስጥን ግሪኽን ዝነበሮ ቓላትን ሰዋስውን ብልክዕ ስለ ዘየንጸባርቕ: ቃል ብቓል ዚግበር ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዘይንጹር ኪኸውን ወይ ጌጋ ሓሳባት እውን ኬመሓላልፍ ይኽእል እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ንርአ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ: ቃል ብቓሉ “ብዳይ ሰብ” ዚብል መግለጺ ተጠቒሙ ነይሩ። (ኤፌሶን 4:14 ዘ ኪንግደም ኢንተርሊንያር ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ግሪክ ስክሪፕቸርስ) a እዚ መግለጺ ንሰባት ብዳይ ጌርካ ናይ ምትላል ልማድ ዜመልክት እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቛንቋታት ግን: ነዚ ቓል ብቓሉ ምትርጓም ብዙሕ ርዱእ ኣይኰነን። ነዚ መግለጺ እዚ “ብምጥባር ሰብ” ኢልካ ምትርጓሙ ነቲ ሓሳባቱ ብዝነጸረ መገዲ የመሓላልፎ።

ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኺጽሕፈሎም ከሎ: ቃል ብቓሉ “ንመንፈስ ምፍላሕ” ዚብል ትርጕም ዘለዎ ናይ ግሪኽ መግለጺ ተጠቒሙ ነይሩ። (ሮሜ 12:11 ኪንግደም ኢንተርሊንያር) እዚ ቓላት እዚ ብቛንቋኻ ይርድኣካ ድዩ፧ ከም ሓቂ: እዚ መግለጺ እዚ “ብመንፈስ ተቓጸሉ” ማለት እዩ።

የሱስ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ውሩይ መደረታቱ: መብዛሕትኡ ግዜ “ብመንፈስ ድኻታት . . . ብጹኣን እዮም” ተባሂሉ ዚትርጐም መግለጺ ተጠቒሙ ነይሩ። (ማቴዎስ 5:3) ነዚ መግለጺ እዚ ቓል ብቓል ምትርጓሙ ግን ኣብ ሓያሎ ቛንቋታት ሓሳባቱ ዘይንጹር ገይርዎ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ መዳያት: ከም ዘለዎ ቓል ብቓሉ ኺትርጐም ከሎ: እቶም “ብመንፈስ ድኻታት” ንኣእምሮኣዊ ምምዝባል ዘለዎም ወይ ቈራጽነት ንዝጐድሎም ሰባት ዜመልክት እዩ ዚመስል። ይኹን እምበር: የሱስ: ሓጐስ ብስጋ ዜድሊ ነገራት ብምምላእ ዘይኰነስ: መምርሒ ኣምላኽ ከም ዜድልየካ ኣብ ምግንዛብ ከም ዚምርኰስ እዩ ዚምህር ነይሩ። (ሉቃስ 6:20) ስለዚ: “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ” ዚብል ኣተራጕማ ብዝነጸረ ነቲ ሓሳብ የመሓላልፎ እዩ።—ማቴዎስ 5:3 NW

2. ትርጕም ሓንቲ ቓል ወይ ሓደ መግለጺ ኸከም ኣሰዃዅዓኡ ኺቀያየር ይኽእል እዩ። ንኣብነት: እታ ኸም ንቡር ንኢድ ሰብ እተመልክት ናይ እብራይስጢ ቓል: እተፈላለየ ትርጕማት ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ከከም ኣሰዃዅዓኣ: “ኬምልስ:” “ልግስነቱ:” ወይ “ስልጣን” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። (2 ሳሙኤል 8:3፣ 1 ነገስት 10:13፣ ምሳሌ 18:21) አረ እዛ ቓል እዚኣስ ኣብቲ ናይ እንግሊዝኛ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብ40 እተፈላለየ መገድታት እያ ተተርጒማ ዘላ።

ሓንቲ ቓል እተሰዅዓትሉ ትሕዝቶ ነቲ እትትርጐመሉ መገዲ ስለ ዚጸልዎ: ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነቲ 5,500 ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ናይ ግሪኽ ቃላት ንምትርጓም ዳርጋ 16,000 ዚኸውን ቃላት እንግሊዝኛ: 8,500 ኣቢሉ ዚኸውን ቃላት እብራይስጢ ንምትርጓም ከኣ ልዕሊ 27,000 ቃላት እንግሊዝኛ ተጠቒሙ ኣሎ። b ገሊኡ ቓላት ብእተፈላለየ መገዲ እተተርጐመ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ኮሚተ ትርጕም ነቲ እቲ ቓላት ሒዝዎ ዘሎ ሓሳብ ምምሕልላፍ: ካብቲ ኸም ዘለዎ ቓል ብቓሉ ምትርጓሙ ንላዕሊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ስለ ዝወሰነ እዩ። ኰይኑ ግን: ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንቓላት እብራይስጥን ግሪኽን ኣብ ዚትርጕመሉ መገዲ ብእተኻእሎ መጠን ኣይቀያየርን እዩ።

ብንጹር እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ምትርጓም ኪበሃል ከሎ: ንሓንቲ ኣብ በዅሪ ቛንቋ እትርከብ ቃል ኣብ ኵሉ ቦታታት ብሓደ መገዲ ኻብ ምትርጓም ንላዕሊ የጠቓልል። ተርጐምቲ ነቲ ኣብ በዅሪ ቛንቋ ዘሎ ሓሳባት ብልክዕን ብርዱእን መገዲ ኼመሓላልፍዎ ዜኽእሎም ቃላት ምእንቲ ኺመርጹ: ኬመዛዝኑ ኣለዎም። ኣብ ልዕሊ እዚ: ኣብ ትርጕሞም ነቲ ቓላትን ምሉእ ሓሳባትን ምስቲ ሕጊ ሰዋስው ቋንቋኦም ብዚሰማማዕ መገዲ ኺሰርዕዎ ኣለዎም።

ናጻ ትርጕማት ደኣኸ፧

እቶም ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ለውጠ-ሓረጋዊ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ናጻ ትርጕማት ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዜዳልዉ ተርጐምቲ: ካብቲ ኣብ በዅሪ ቛንቋ ዘሎ ጽሑፍ ውጽእ ብዝበለ መገዲ እዮም ዚትርጕምዎ። ብኸመይ፧ እቲ በዅሪ ጽሑፍ እንታይ ማለት ኪኸውን ከም ዚኽእል ዚሕብር ርእይቶኦም ይውስኹሉ ወይ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ዚርከብ ሓበሬታ ይንክዩ። ለውጠ-ሓረጋዊ ትርጕማት ንምንባቡ ቐሊል ስለ ዝዀነ: ሰሓቢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ እቲ ናጽነቱ ንሓሳባት እቲ በዅሪ ጽሑፍ ይዓብጦ ወይ ይቕይሮ እዩ።

ንኣብነት: ሓደ ለውጠ-ሓረጋዊ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ የሱስ ዝሃበና ኣብነት እትዀነና ጸሎት: “ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና: መን ምዃንካ ግለጽ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። (ማቴዎስ 6:9 ዘ መሰጅ:- ዘ ባይብል ኢን ኮንተምፖራሪ ላንጐጅ) እቲ የሱስ እተዛረቦ ብዝሓሸ ልክዕነት ኪትርጐም ከሎ: “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ይንበብ። ዮሃንስ 17:26 ኣብ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ከም እተተርጐመት እውን ኣስተብህል። ብመሰረት ሓደ ናጻ ትርጕም: የሱስ ኣብታ እተታሕዘላ ምሸት ናብ ኣቦኡ: “ንዓኻ ኣፍለጥክዎም” ኢሉ ኸም ዝጸለየ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ይኹን እምበር: ብዝያዳ እሙን ዝዀነ ኣተራጕማ ምስ እንርኢ: “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” ይብል። ገሊኦም ተርጐምቲ: ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ: ነዚ ድማ ክንጥቀመሉን ከነኽብሮን ከም ዚግባእ ዚሕብር ሓሳብ ይሓብእዎ ኸም ዘለዉስ ኣስተብሂልካዶ፧

ስለምንታይ ጥንቃቐ የድሊ፧

ገሊኡ ናጻ ትርጕማት ነቲ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ዚርከብ ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ይዓባብጦ እዩ። ንኣብነት: ዘ መሰጅ:- ዘ ባይብል ኢን ኮንተምፖራሪ ላንጐጅ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10 ከምዚ ይብል:- “ከምዚ ዝኣመሰለ ኣነባብራ ቕኑዕ ዘይምዃኑስ ኣይተስተውዕሉን ዲኹም፧ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘይግደሱ ዘይፍትሓውያን ሰባት ኣብ መንግስቱ ኣይሓብሩን እዮም። እቶም ንሓድሕዶም ዚጠቓቐሙን ዚተሃሳሰዩን: ጾታዊ ርክብ ዚገብሩን ብዘይግቡእ ዚጥቀሙሉን: ንምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ዚጥቀሙሉን ብዘይግቡእ ዚጥቀሙሉን ዘበሉ: ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ኣይበቕዑን እዮም።”

ነዚ ትርጕም እዚ ምስዚ ዝያዳ ልክዕ ዝዀነ ትርጕም እስከ ኣነጻጽሮ:- “ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሓቱ፤ ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ: ሰረቕቲ: ወይ ስሱዓት: ወይ ሰካራት: ወይ ተጻረፍቲ: ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።” እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዝርዝር ዝጠቐሶ ኸነርሕቖ ዚግባእ ተግባራት: ኣብቲ ናጻ ትርጕም ፈጺሙ ኸም ዘይተጠቕሰ ኣስተብህል።

ሰረተ-እምነታዊ ጽልዋ እውን ንዕዮ ተርጓሚ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ጉድ ኒውስ ባይብል ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን: የሱስ ንሰዓብቱ: “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ እተዉ: ከመይሲ እታ ናብ ገሃነም እትወስድ ርሕብቲ: መገዳ እውን ቀሊል እዩ: እቶም ብእኣ ዚጐዓዙ ድማ ብዙሓት እዮም” ከም ዝበሎም ገይሩ ጠቒሱ ኣሎ። (ማቴዎስ 7:13, 14) ማቴዎስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ብንጹር “ጥፍኣት” ዚብል እኳ እንተ ዀነ: እቶም ተርጐምቲ ግን “ገሃነም” ዚብል ቃል ኣእትዮም ኣለዉ። ከምኡ ዝገበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ንእኩያት ጥፍኣት ዘይኰነስ: ዘለኣለማዊ ስቓይ ከም ዚጽበዮም ዚድግፍ ሓሳብ ንኼእትዉ ኢሎም እዮም ዚዀኑ። c

ብሉጽ ትርጕም ምርካብ

መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ኸም ሓረስቶትን ጓሶትን ገፈፍቲ ዓሳን ዝኣመሰሉ ትሑታት ሰባት ዚጥቀሙሉ ተራን ዝውቱርን ቋንቋ እዩ ተጻሒፉ። (ነህምያ 8:8, 12፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:13) ስለዚ: ሰባት ዘለዎም ድሕረ-ባይታ ብዘየገድስ: ሓደ ጽቡቕ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ንቕኑዓት ሰባት ከም ዚበጽሖም ይገብር እዩ። ሓደ ጽቡቕ ትርጕም ነዚ ዚስዕብ እውን ኬማልእ ኣለዎ:-

ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ በዅሪ መልእኽቲ ብልክዕ የመሓላልፍ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ዚርከብ ቃላትን ኣሰራርዓኡን ናብቲ ተቐባሊ ቛንቋ ቃል ብቓሉ ኺትርጐም ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ቃል ብቓሉ ይትርጕም።

ነቲ በዅሪ ጽሑፍ ቃል ብቓሉ ምትርጓሙ ንሓሳባቱ ዚጠውዮ ወይ ዚዓብጦ እንተ ዀይኑ: ነቲ ሓደ ቓል ወይ ሓረግ ሒዝዎ ዘሎ ቕኑዕ ሓሳብ የመሓላልፍ።

ንምንባቡ ዜተባብዕ ባህርያውን ንምርዳኡ ቐሊልን ቋንቋ ይጥቀም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ትርጕም ይርከብዶ፧ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣንበብቲ እዛ መጽሔት እዚኣ: ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኪጥቀሙ እዮም ዚመርጹ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ኮሚተ ትርጕም ንእተጠቕመሉ ሜላታት ይሰማምዑሉ እዮም፣ እዚ ድማ ኣብ መቕድም እቲ ብእንግሊዝኛ ዝወጸ ቐዳማይ ሕታም ተጠቒሱ ንረኽቦ:- “ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ለውጠ-ሓረግ ኣይገበርናን። ብእተኻእለና መጠን ኣብቲ ዘመናዊ ቛንቋ እንግሊዝኛ ዚፈቕዶን ቃል ብቓሉ ኺትርጐም ከሎ ነቲ ሓሳባት ኣብ ዘይሓብኦን ቦታታት ቃል ብቓሉ ኽንትርጕም ኢና ፈቲንና።”

ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 60 ቛንቋታት ተሓቲሙ ኣሎ: ብድምር ድማ ልዕሊ 145,000,000 ቅዳሓት ተሓቲሙ ኣሎ! ብእትፈልጦ ቛንቋ ዚርከብ እንተ ዀይኑ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንቲ ቕዳሕ ኪህቡኻ ስለምንታይ ዘይትሓቶም፧ ካብዚ ልክዕነቱ ዜተኣማምን ትርጕም እትረኽቦ ጥቕሚ ድማ ባዕልኻ ኽትምርምር ትኽእል።

ቅኑዓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣምላኽ ብመንፈሱ ዘጽሓፎ መልእኽቲ ብልክዕ ኪርድእዎን ኪዓዩሉን ይደልዩ እዮም። ከምዚ ዓይነት ሰብ እንተ ዄንካ: ልክዕ ዝዀነ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ የድልየካ። እወ: ከምዚ ዝኣመሰለ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ይግብኣካ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a በይነ-መስመራዊ ትርጕም ነቲ ቓል ብቓሉ ዚወሃብ ትርጕም ነፍሲ ወከፍ ቃል ምስቲ ኣብ በዅሪ ቛንቋ ዘሎ ጽሑፍ ብሓባር ንኽትርእዮ የኽእል።

b ገሊኡ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብዝያዳ እተፈላለየ ቓላት ከም ዚጥቀምን በዚ ምኽንያት እዚ ዝያዳ ኸም ዚቀያየርን ከነስተውዕል ኣሎና።

c ምስ ሞትና ናብ መሬት ከም እንምለስ: ነፍሲ ኸም እትመውት: ሓሳባት ኰነ ስምዒታት እውን ከም ዘይህልወና መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። (ዘፍጥረት 3:19፣ መክብብ 9:5, 6፣ ህዝቅኤል 18:4) ነፍሳት እኩያት ኣብ ገሃነም እሳት ንዘለኣለም ከም ዚሳቐያ ፈጺሙ ኣይምህርን እዩ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ለውጠ-ሓረጋዊ ትርጕማት ንምንባቡ ቐሊል ስለ ዝዀነ: ሰሓቢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ እቲ ናጽነቱ ንሓሳባት እቲ በዅሪ ጽሑፍ ይዓብጦ ወይ ይቕይሮ እዩ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 60 ቛንቋታት ተሓቲሙ ኣሎ: ብድምር ድማ ልዕሊ 145,000,000 ቅዳሓት ተሓቲሙ ኣሎ!

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ጥንታዊ ለውጠ-ሓረግ

ለውጠ-ሓረጋዊ ወይ ናጻ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ ኣይኰነን ተጀሚሩ። ብግዜ ጥንቲ እውን ኣይሁድ: እዚ ሕጂ ታርጉማት ኣረማይስጢ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ጽሑፍ ኣዳልዮም ነይሮም እዮም፣ እዚ ጽሑፍ እዚ ልቕቕ ዝበለ ለውጠ-ሓረጋዊ መግለጺ ቕዱሳት ጽሑፋት እዩ። ልክዕ ዝዀነ ትርጕማት እኳ እንተ ዘይኰነ: ኣይሁድ ንገሊኡ ጽሑፋት ብኸመይ ከም እተረድእዎ ይሕብር: ንተርጐምቲ ድማ ገሊኡ ኣጸጋሚ ኽፋል ሓሳቡ ንኺርድእዎ ይሕግዞም። ንኣብነት: ኣብ እዮብ 38:7 “ደቂ ኣምላኽ” ዚብል ዘሎ: “ጭፍራ መላእኽቲ” ማለት ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ዘፍጥረት 10:9 ንኒምሮድ ዚገልጽ ናይ እብራይስጢ መስተዋድድ: “ቅድሚ” ጥራይ ተባሂሉ ኣብ ክንዲ ዚትርጐም “ኣንጻር” ወይ “ብምጽራር” ዚብል ሓሳብ ከም ዘለዎ እቲ ታርጉማት ይሕብር። እዚ ለውጠ-ሓረጋት እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽሑፍ ዜሰንዮ እኳ እንተ ነበረ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪትክኦ ግን ኣይተሓለነን።

[ስእሊ]

ክፋል እቲ ብ1657 እተዛዘመ “ቢብሊያ ፖሊግሎታ” ዋልቶን: እዮብ 38:1-15

ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ (ምስ ኢንተርሊንያር ትርጕም ላቲን)

ጽሑፍ ታርጉም ኣረማይስጢ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ክፋል እቲ “ዘ ኪንግደም ኢንተርሊንያር ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ግሪክ ስክሪፕቸርስ:” ኤፌሶን 4:14

እቲ ጸጋማይ ዓምዲ ቓል ብቓል ትርጕም የርኢ። እቲ የማናይ ዓምዲ ትርጕም እቲ ሓሳቡ የርኢ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Background: Shrine of the Book, Israel Museum, Jerusalem