ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ዘይምሕር ሕማም ዘለዎም ምጽንናዖም

ነቶም ዘይምሕር ሕማም ዘለዎም ምጽንናዖም

ነቶም ዘይምሕር ሕማም ዘለዎም ምጽንናዖም

“ኣደይ ዘይምሕር ሕማም ከም ዝሓመመት ንፈለማ ግዜ ምስ ፈለጥኩ: ክኣምን ኣይከኣልኩን። ኣደይ ክትመውት ምዃና ድማ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን: በዚ ኸኣ ኣዝየ ሰምበድኩ።”—ግሬስ: ካናዳ

ኣባላት ስድራ ቤትን ፈተውትን ንሓደ ዜፍቅርዎ ሰብ ዘይምሕር ሕማም ከም ዘለዎ ምስ ፈለጡ: ኣዝዮም ይጭነቑ: እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም እውን ሕርብት ይብሎም ይኸውን። ገሊኦም ድማ ብዛዕባ እቲ ሕሙም ዘለዎ ዅነታት ኵሉ እቲ ሓቂ ኺነግርዎ ወይ ከይነግርዎ ምውሳን የጭንቖም ይኸውን። ገሊኦም ከኣ እቲ ዜፍቅርዎ ሰብ ኪሳቐ ኸሎ ምርኣይ ኪጻወርዎ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም የተሓሳስቦም: ምናልባት ብምኽንያት እቲ ሕማም ዜምጽኦ ሳዕቤን እቲ ሕሙም ክብረቱ ኸይስእን እውን ስግኣት ይሓድሮም ይኸውን። ብዙሓት ሰባት ኣብተን እቲ ሕሙም ዝተረፋኦ ናይ መወዳእታ ሰዓታት እንታይ ኪብሉን ኪገብሩን ከም ዘለዎም ስለ ዚሕርብቶም ዓቕሎም ጽብብ ይብሎም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ: ብዛዕባ ኽትገብሮ ዚግባእ ነገራት እንታይ ክትፈልጥ የድልየካ፧ ኣብዚ ኣዝዩ ዜጭንቕ እዋን ከመይ ጌርካ ኢኻ “ፈታዊ” እትኸውን፧ ምጽንናዕን ሓገዝን ክትህብ እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧—ምሳሌ 17:17

ባህርያዊ ስምዒት

ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ከቢድ ሕማም ኪሓምም ከሎ ምጭናቕ ባህርያዊ እዩ። ሓካይም እውን ከይተረፈ ዋላ እኳ ዚመውት ሰብ ወትሩ ዜጋጥሞም እንተ ዀነ: ነቲ ዘይምሕር ሕማም ዝሓዞ ሰብ ዜድልዮ ኣካላውን ስምዒታውን ነገራት ኪሓስቡ ኸለዉ: መብዛሕትኡ ግዜ ይጭነቑ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ዚገብርዎ ይሕርብቶም እዩ።

ንስኻ እውን እተፍቅሮ ሰብ ኪሳቐ ኸሎ ኽትርኢ ኸለኻ ስምዒትካ ምቍጽጻር የጸግመካ ይኸውን። ብዘይምሕር ሕማም እትሳቐ ሓብቲ ዝነበረታ: ኣብ ብራዚል እትነብር ሆዛ እትበሃል ሰበይቲ: “ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ብዘይምቍራጽ ኪሳቐ ኸሎ ምርኣይ ኣዝዩ ኸቢድ ነገር እዩ” በለት። እቲ እሙን ዝነበረ ሙሴ ሓብቱ ብለምጺ ተወቒዓ ምስ ረኣየ: “ዎ ኣምላኽ እልምነካ አሎኹ ኣሕውያ” ኢሉ ጨርሐ።—ዘሁልቍ 12:12, 13

ብመልክዕ እቲ ርሕሩሕ ኣምላኽና የሆዋ ስለ እተፈጠርና: እነፍቅሮ ሰብ ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥሞ ኸሎ ንጕሂ ኢና። (ዘፍጥረት 1:27፣ ኢሳይያስ 63:9) የሆዋ ብዛዕባ ስቓይ ደቂ ሰብ ከመይ ይስምዖ፧ ነቲ የሱስ እተሰምዖ እስከ ንርአ። ንሱ ንባህርያት ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቑ እዩ። (ዮሃንስ 14:9) የሱስ ሰባት ብሕማም ተጠቒዖም ምስ ረኣዮም ‘ደንገጸሎም።’ (ማቴዎስ 20:29-34፣ ማርቆስ 1:40, 41) ኣብዛ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቐጽ እዛ መጽሔት እዚኣ ኸም እተገልጸ: ፈታዊኡ ኣልኣዛር ምስ ሞተ: ነቲ ኣብ ስድራ ቤትን ፈተውትን ዜምጽኦ ሳዕቤን ኣስተውዓለ: በዚ ኣዝዩ ስለ ዝሓዘነ ድማ “ነብዔ።” (ዮሃንስ 11:32-35) እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ከም ጸላኢ ገይሩ እዩ ዚገልጾ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ሕማምን ሞትን ከም ዘይከውን ድማ ይመባጻዕ።—1 ቈረንቶስ 15:26፣ ራእይ 21:3, 4

ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ዘይምሕር ሕማም ምስ ሓመመ: እትወቕሶ ሰብ ከም እትደሊ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር: ዘይምሕር ሕማም ንዝሓዞ ሰብ ከመይ ጌርና ኸም እንከናኸኖ ሓደ ጽሑፍ ዘዳለወት ዶክተር ማርታ ኦሪቲዝ: ነዚ ዚስዕብ ምኽሪ ትህብ:- “ንዅነታት እቲ ሕሙም ብዚምልከት ንጕጅለ ሕክምና: ንኣለይቲ ሕሙማት: ወይ ንርስእኻ ኣይትውቀስ። ከምዚ ምግባር ነቲ ርክብ ካብ ምሕርፋፍን ነቲ ሕሙም ዜድልዮ ቐንዲ ዜተሓሳስበና ነገራት ገዲፍና ናብ ካልእ ከም እነስግል ካብ ምግባርን ሓሊፉ ኻልእ ዜፍርዮ ነገር የለን።” እቲ እተፍቅሮ ሰብ ነቲ ሕማሙ ምእንቲ ኺጻወሮን ንሞት ኪዳሎን ንምሕጋዝ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧

ኣብቲ ሰብ እምበር: ኣብቲ ሕማም ኣይተቕልብ

ሓደ ኽትገብሮ ዘሎካ ቐዳማይ ስጕምቲ: ኣብቲ እቲ ሕማም ዜምጽኦ ሳዕቤን ዘይኰነስ: ኣብቲ ሰብ ምቕላብ እዩ። ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧ ሓንቲ ሳራ እተባህለት ኣላዪት ሕሙማት: “እቲ ሕሙም ምስ ምሉእ ሓይሉ ዝነበረሉ ግዜ ዜርኢ ስእልታት እርኢ። ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኹ ኺነግረኒ ኸሎ ድማ ጽን ኢለ እሰምዖ። ከምዚ ምግባር ብዛዕባ ህይወትን ታሪኽን እቲ ውልቀ-ሰብ ንኽዝክርን ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ዅነታት ንኸየተኵርን ይሕግዘኒ” በለት።

ኣን-ካተሪን እትበሃል ኣላዪት ሕሙማት እውን ከመይ ገይራ ኽንዮ እቲ ሕማም ዜምጽኦ ኣካላዊ ምልክታት ከም እትርኢ ኽትገልጽ ከላ: “ነቲ ሰብ ትኵር ኢለ እጥምቶ፣ ኵነታት እቲ ሕሙም ንኺመሓየሽ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ድማ አተኩር” በለት። እታ ዘ ኒድስ ኦቭ ዘ ዳይንግ—ጋይድ ፎር ብሪንግንግ ሆፕ: ኮምፎርት: ኤንድ ላቭ ቱ ላይፍስ ፋይናል ቻፕተር ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ብሕማም ወይ ብሓደጋ ማሲኑ ኽንርኢ ኸለና ሕማቕ ስምዒት ኪስምዓና ዘይተርፍ እዩ። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ሓደ ኽንገብሮ ዘሎና ነገር ናብ ኣዒንቲ እቲ እነፍቅሮ ሰብ ኣተኵርና ብምጥማት: ነተን ዘይቅየራ ቡናዊ ወይ ቀጠልያ ወይ ሰማያዊ ኣዒንቱ ምርኣይ እዩ።”

ልክዕ እዩ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቀራርባ ርእስኻ ምግታእን ቈራጽነትን ኣድላዪ እዩ። ዘይምሕር ሕማም ንዝሓመሙ ሰባት ኣዘውቲሩ ዚበጽሕ ዦርዥ ዚበሃል ክርስትያን ሓላዊ: “እታ ንብጻይና እነርእያ ፍቕሪ ኻብቲ ሒዝዎ ዘሎ ሕማም ዝሓየለት ክትከውን ኣለዋ” በለ። ኣብቲ ሕማም ዘይኰነስ: ኣብቲ ሰብ እንተ ኣቕሊብካ: ንዓኻን ነቲ እተፍቅሮ ሰብን ረብሓ ኣለዎ። መንሽሮ ንዝሓመሙ ቘልዑ እትኣሊ ዪቮን እትበሃል ኣላዪት: “ንሕሙማት ክብረቶም ኪሕልዉ ትሕግዞም እንተ ደኣ ዄንካ: ነቲ ኣካላዊ ድኽመቶም ንኽትጻወሮ ዝቐለለ ይዀነልካ” በለት።

ንኽትሰምዕ ድሉው ኩን

ሰባት ዋላ እኳ ንሓደ ናብ ሞቱ ዝቐረበ ሰብ ኣዝዮም ዜፍቅርዎ እንተ ዀኑ: ናብኡ ንምቕራብ ግን የድሐርሕሩ ይዀኑ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እንታይ ኪብሉ ኸም ዘለዎም ስለ ዘይፈልጡ ይጨንቆም እዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዘይምሕር ሕማም ንዝሓመመት ፈታዊታ ዝኣለየት ኣን-ካተሪን: ስቕ ምባል ዘለዎ ጥቕሚ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል:- “ምጽንናዕ ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ: ብተግባርና እውን ይግለጽ እዩ። ኣብ ጥቓ እቲ ሕሙም ኮፍ ኢልና: ኢዱ ሒዝና: ስምዒቱ ኺገልጽ ኸሎ ንብዓትና ኽንዓግቶ ዘይምፍታንና: ከም እንሓሊ እዩ ዜርኢ።”

እቲ እተፍቅርዎ ሰብ ስምዒቱ ብግልጽን ብጋህድን ኪገልጽ ይደሊ ይኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝሓመመ ውልቀ-ሰብ: ፈተውቱ ኸም ዚጭነቑ ስለ ዚፈልጥ: ብዛዕባ ዜተሓሳስብ ጕዳያት ኣይዛረብን እዩ። ሕያዎት ፈተውትን ስድራ ቤትን ብዛዕባ ነቲ ሕሙም ዜገድሶ ጕዳያት ካብ ምዝራብ ስለ ዚቝጠቡ: ንጥዕና እቲ ሕሙም ዚምልከት ሓበሬታ ኸይተረፈ ይሓብኡ። እዚ ሓበሬታታት ዘይምትሕልላፉ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧ ሓንቲ ዘይምሕር ሕማም ንዝሓመሙ እትሕክም ሓኪም: ነቲ ሓቂ ኽትሓብኦ ምፍታን: “እቲ ሕሙም ብዛዕባ እቲ ሕማም ዚስምዖ ንኻልኦት ንኸይነግርን ነቲ ሕማም ንምጽዋር ዓቕሚ ኸም ዚስእንን ይገብሮ” ብምባል ትገልጽ። ስለዚ: እቲ ሕሙም እንተ ደኣ ደልዩ: ብዛዕባ ህሉው ኵነታቱን ብዛዕባ ሞቱን ብግልጺ ኺዛረብ ኪፍቀደሉ ኣለዎ።

ቀደም ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናብ ሞት ኣብ ዚቐርቡሉ እዋን: ስግኣቶም ንየሆዋ ኻብ ምግላጽ ድሕር ኣይብሉን ነይሮም። ንኣብነት: እቲ ወዲ 39 ዓመት ዝነበረ ህዝቅያስ ኪመውት ምዃኑ ምስ ፈለጠ: ጓሂኡ ገለጸ። (ኢሳይያስ 38:9-12, 18-20) ብተመሳሳሊ: ዘይምሕር ሕማም ዝሓመሙ ሰባት ህይወቶም ኣብ ዘይግዜኣ ትቝጸ ስለ ዘላ: ሓዘኖም ኪገልጹ ኣጋጣሚ ኺወሃቦም ኣለዎ። ከም መገሻ: ውሉዳት ምውላድ: ደቂ ደቆም ኪዓብዩ ምርኣይ: ወይ ድማ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምግልጋል ዝኣመሰለ ዝነበሮም ብሕታዊ ሸቶታት ኪበጽሕዎ ዘይክእሉ ስለ ዝዀነ: ብስጭትን ተስፋ ምቝራጽን ይስምዖም ይኸውን። ፈተውቶምን ስድራ ቤቶምን እንታይ ከም ዚብሉ ብዘይምፍላጦም ከይርሕቕዎም ይፈርሁ ይዀኑ። (እዮብ 19:16-18) ከይሳቐዩ: ኣካላቶም ምቍጽጻር ከይስእኑ: ወይ በይኖም ከለዉ ኸይሞቱ ብምፍራሆም ንጭንቀቶም ይውስኸሉ ይኸውን።

ኣን-ካተሪን ከምዚ ትብል:- “ፈታዊኹም ኪዛረብ ከሎ ብዘይምዅላፍ: ብዘይምፍራድ: ወይ ፍርሁ ብዘይምንእኣስ ስምዒቱ ኺገልጽ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ምግባር ብሓቂ እንታይ ይስምዖ ኸም ዘሎን ባህጉን ፍርሁን ትጽቢታቱን ክንርድኣሉ እንኽእል መገዲ እዩ።”

ነቲ መሰረታዊ ዜድሊ ነገራት ምርዳኡ

ምናልባት እቲ በቲ ኸቢድ ሕክምናታትን ሳዕቤናቱን እተጋደደ ዅነታት ፈታዊኹም ኣዝዩ ስለ ዚርብሸኩም: ነቲ ሕሙም ዜድልዮ ሓደ መሰረታዊ ነገር ክትርስዕዎ ትኽእሉ ትዀኑ። እዚ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ምርጫ ኺገብር ምሕዳጉ እዩ።

ኣብ ገለ ባህልታት: ስድራ ቤታት ነቲ ሓቂ ብምሕባእ ነቲ ሕሙም ብዛዕባ ዅነታቱ ኣይነግርዎን: ሕሉፍ ሓሊፎምሲ ብዛዕባ ሕክምና ነቲ ሕሙም ከይሓበሩ ባዕሎም ውሳነ ኽሳዕ ምግባር ይበጽሑ እዮም። ኣብ ካልእ ባህልታት ድማ ካልእ እተፈልየ ጸገም የጋጥም ይኸውን። ንኣብነት: ዠሪ ዚበሃል ኣላዪ ሕሙማት: “ሓድሓደ ግዜ በጻሕቲ ኣብ ጥቓ እቲ ሕሙም ደቂሱሉ ዘሎ ዓራት ደው ኢሎም: እቲ ሕሙም ከም ዘየሎ ገይሮም ብዛዕባኡ ናይ ምዝራብ ልማድ ኣለዎም።” ከምዚ ምግባር ክብረት እቲ ሕሙም ምጥሓስ እዩ።

ተስፋ: ካልእ መሰረታዊ ዜድሊ ነገር እዩ። ኣብተን ብሉጽ ሕክምና ዚርከበለን ሃገራት: ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ምስ ውጽኢታዊ ሕክምና ኣዝያ እተኣሳሰረት እያ። ሚሸል: ኣዲኣ ሰለስተ ግዜ መንሽሮ ምስ ኣጥቕዓ ሓጊዛታ እያ: ከምዚ ድማ ትብል:- “ኣደይ ካልእ ሕክምና ኽትፍትን ወይ ካልእ ክኢላ ብዓል ሞያ ኸተማኽር እንተ ደኣ ደልያ: ነቲ ዝሓሰበቶ ኣብ ምንዳይ እሕግዛ። ኣብ ክውንነት ክኣምን ከም ዘሎኒ: ጐድኒ ጐድኒ እዚ ግን ቃላተይ ኣወንታዊ ኪኸውን ከም ዘለዎ ኣስተውዒለ እየ።”

ናይ ምሕዋይ ተስፋ እንተ ዘየሎኸ፧ እቲ ዘይምሕር ሕማም ዝሓመመ ብዛዕባ ሞት ብግልጺ ኺመያየጥ ከም ዚደሊ ኣይትረስዕ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ክርስትያን ሓላዊ ዝዀነ ዦርዥ: “ሞቱ ኸም ዝቐረበ ኽንሓብኦ ኽንፍትን የብልናን። ከምዚ ምግባር ነቲ ውልቀ-ሰብ ኣድላዪ ምድላዋት ኪገብርን ንሞቱ ኺዳሎን ይሕግዞ” በለ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምድላዋት ነቲ ሕሙም ቅድሚ ሙማቱ ዚደልዮ ዅሉ ንኺገብር ኣጋጣሚ ይኸፍተሉ: ንኻልኦት ሰኸም ከይኸውን ካብ ዚብል ሻቕሎት ድማ ናጻ ይገብሮ።

ሓቂ እዩ: ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ምምይያጥ ከም ዜጸግም ፍሉጥ እዩ። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ብግልጺ ዚግበር ዝርርብ: ነቲ ውሽጣዊ ስምዒትካ ብቕሉዕ ንኽትገልጽ ፍሉይ ኣጋጣሚ ይኸፍት። እቲ ናብ ሞቱ ዝቐረበ ሰብ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ዘይምስምማዕ ኬደቅስ: ጣዕሳኡ ኺገልጽ: ወይ ድማ ይቕረታ ኺሓትት ይደሊ ይኸውን። እዚ ምይይጥ እዚ ምስቲ ናብ ሞቱ ዝቐረበ ሰብ ንዝነበረካ ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኽብ የብሎ ይኸውን።

ኣብተን ናይ መወዳእታ መዓልትታት መጸናንዒ ምሃብ

ንሓደ ሞቱ ዝቐረበ ሰብ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኸተጸናንዖ እትኽእል፧ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዶክተር ኦርቲዝ: “እቲ ሕሙም ናይ መወዳእታ ሕቶኡ ኸም ዜቕርብ ግበሮ። ጽን ኢልካ ስምዓዮ። ዚከኣል እንተ ደኣ ዀይኑ: ዚደልዮ ዘበለ ኽትገብረሉ ፈትን። እቲ ሕሙም ዝጠለቦ ነገራት ምምላእ ዘይከኣል እንተ ደኣ ዀይኑ ግን ሓቀኛ ኹን” ይብል።

እቲ ናብ ሞቱ ዝቐረበ ሰብ ምስቶም ኣብ ህይወቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ ዘለዎም ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ናይ ምርኻብ ድሌት ይህልዎ ይኸውን። ዦርዥ: “እቲ ዝርርብ ብምኽንያት እቲ ሕሙም ዘለዎ ዓቕሚ ዋላ እውን ይሕጸር ምስቶም ዚደልዮም ንኺራኸብ ሓግዞ” በለ። እዚ ርክብ እዚ ዋላ እውን ብተሌፎን ጥራይ ይኹን: ሓድሕዳዊ ምትብባዕን ብሓባር ናይ ምጽላይን ኣጋጣሚ ኪኸፍት ይኽእል እዩ። ክርስቲና እትበሃል ሰለስተ እተፍቅሮም ሰባት ብተኸታታሊ ዝሞትዋ ካናዳዊት ሰበይቲ: “እታ ህይወቶም እተብቅዓላ ናይ መወዳእታ ህሞት እናቐረበት ብዝኸደት መጠን: ኣብቲ እቶም ክርስትያናት ፈተውቶም ዚጽልይዎ ጸሎት ዝያዳ ይምርኰሱ” ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ።

ኣብ ቅድሚ እቲ እተፍቅሮ ሰብ ምብካይ ኬፍርሃካ ኣለዎዶ፧ ኣይፋልን። እንተ ነቢዕኻ: ነቲ ናብ ሞቱ ዝቐረበ ፈታዊኻ: መጸናንዒ ንኪኸውን ኣጋጣሚ ትኸፍተሉ ኢኻ ዘለኻ። እታ ዘ ኒድስ ኦቭ ዘ ዳይንግ ዘርእስታ መጽሓፍ: “ካብ ሓደ ናብ ሞቱ ዝቐረበ ሰብ ምጽንናዕ ምርካብ ውሽጥኻ ዚትንክፍ ነገር እዩ: መጸናንዒ ምዃን ከኣ ነቲ ናብ ሞቱ ዝቐረበ ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ትብል። እቲ ብዙሕ ክንክን እተገብረሉ ንኻልኦት ኬጸናንዕ ብምኽኣሉ: ከም ሓላዪ ዓርኪ: ኣቦ: ወይ ኣደ መጠን ዘለዎ ግደ ኺዝክር ይኽእል እዩ።

ኣብተን እቲ እተፍቅሮ ሰብ ዜሕልፈን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ምስኡ ኽትከውን ኵነታትካ ኣይፈቕደልካን ይኸውን። ይኹን እምበር: ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ሆስፒታል ምስቲ ፈታዊኻ ኽትከውን እንተ ኽኢልካ: ክሳዕ እታ ዝሞተላ ሰዓት ኢዱ ንምሓዝ ፈትን። እተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ቅድሚ ሕጂ ኽትገልጸሉ ዘይከኣልካ ስምዒታት ንምግላጽ ኣጋጣሚ ኪኸፍታልካ ይኽእላ እየን። እቲ ፈታዊኻ ምላሽ ኪህበካ ዋላ እንተ ዘይከኣለ: ምስንባትን ፍቕርኻ ምግላጽን ኣብ ትንሳኤ እንደገና ኽትረኽቦ ምዃንካ ተስፋኻ ምግላጽን ኣይትረስዕ።—እዮብ 14:14, 15፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ነተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ብግቡእ እንተ ደኣ ተጠቒምካለን: ደሓር ኣይክትጠዓስን ኢኻ። ርግጽ እዩ: እዘን ሓያል ስምዒት ዘለወን እዋናት ኣብ መጻኢ ኼጸናንዓኻ ይኽእላ እየን። ኣብ ግዜ “ጸገማ” ንርእስኻ ፈታዊ ምዃንካ ኸተርኢ ኢኻ።—ምሳሌ 17:17

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣብቲ ሕማም ዘይኰነስ: ኣብቲ ሰብ ምቕላብ ንዓኻን ንፈታዊኻን ረብሓ ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንዝሓመመ ኽብረቱ እንሕልወሉ መገዲ

ኣብ ብዙሓት ሃገራት: ዘይምሕር ሕማም ንዝሓመመ ሰብ ብሰላምን ብኽብረቱን ኪመውት ዘለዎ መሰል ኣፍልጦ ንምሃብ ጻዕርታት ተገይሩ እዩ። ብዛዕባ ድሌት እቶም ሕሙማት ዚገልጽ ኣቐዲሙ እተዳለወ መምርሒ: ነዚ መሰላት እዚ ንምኽባርን ነቶም ሕሙማት ኣብ ገዛኦም ወይ ኣብ መዕረፊ ሕሙማት ንኺሞቱ የኽእሎም።

እቲ ኣቐዲሙ እተዳለወ መምርሒ እዚ ዚስዕብ ጥቕሚ ኣለዎ:-

• ምስ ሓካይምን ኣዝማድን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ኣጋጣሚ ይኸፍት

• ነቶም ስድራ ቤት ባዕሎም ውሳነ ኻብ ምግባር ይገላግሎም

• ዘየድሊ: ዘይጠቅም: ከቢድ: ከምኡውን ክቡር ሕክምና ንምቕናስ ይሕግዝ

ኣቐዲሙ እተዳለወ መምርሒ እንተ ወሓደ እዚ ዚስዕብ ሓበሬታ የጠቓልል:-

• ስም እቲ ወኪል ክንክን ጥዕናኻ ኪኸውን ዝመረጽካዮ ሰብ

• ኵነታትካ ዘይመሓየሽ እንተ ደኣ መሲሉ: እቲ ኽትቕበሎ ወይ ክትነጽጎ እተደሊ ዓይነት ሕክምና

• ዚከኣል እንተ ደኣ ዀይኑ: ስም እቲ ብዛዕባ ምርጫታትካ ዚፈልጥ ሓኪም

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ህይወትን ታሪኽን እቲ ውልቀ-ሰብ እምበር: ኣብ ኵነታት እቲ ሕሙም ኣይተተኵር