ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብግዜ ንእስነትካ ንየሆዋ ምግልጋል ሕረ

ብግዜ ንእስነትካ ንየሆዋ ምግልጋል ሕረ

ብግዜ ንእስነትካ ንየሆዋ ምግልጋል ሕረ

“በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ።”—2 ጢሞ. 3:14

1. የሆዋ ነቲ መንእሰያት መሰኻኽሩ ዜቕርቡሉ ኣገልግሎት ብኸመይ ይርእዮ፧

 የሆዋ ነቲ መንእሰያት ዜቕርብዎ ቕዱስ ኣገልግሎት ኣዝዩ ኣኽቢሩ ስለ ዚርእዮ: ብዛዕባኦም ብመንፈሱ ኣቢሉ ትንቢት ከም ዚጸሓፍ ገይሩ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ: ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 110:3) እወ: የሆዋ ነቶም ንኼገልግልዎ ብፍታው ዚመጹ መንእሰያት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም።

2. ሎሚ መንእሰያት ብዛዕባ መጻኢኦም እንታይ ዓለማዊ ጽልዋ እዩ ዜጋጥሞም፧

2 ኣቱም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለኹም መንእሰያት: ርእስኹም ንየሆዋ ወፊኹም ዲኹም፧ ብዙሓት መንእሰያት ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምግልጋል ውሳነ ምግባር የጸግሞም እዩ። ውሩያት ነጋዶ: መምህራን: ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣባላት ስድራ ቤትን ፈተውትን ንመንእሰያት ፍቕረ-ንዋያዊ ሸቶታት ንኼውጽኡ እዮም ዜተባብዕዎም። መንእሰያት መንፈሳዊ ሸቶታት ኪስዕቡ ኸለዉ: መብዛሕትኡ ግዜ ዓለም ተስተናዕቖም እያ። ከም ሓቂ ግን: ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ምግልጋል: ካብቲ ኽትስዕቦ እትኽእል ብሉጽ ዝዀነ መገዲ ህይወት እዩ። (መዝ. 27:4) ኣብዚ መዳይ እዚ: ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ሕቶታት እሞ ርአ:- ስለምንታይ ኢኻ ንኣምላኽ ከተገልግሎ ዘሎካ፧ ካልኦት ዚብልዎ ወይ ዚገብርዎ ብዘየገድስ: ንኣምላኽ ርእስኻ ዝወፈኻ ዄንካ ኣብ እትመርሖ ህይወት ብኸመይ ዓወት ክትረክብ ትኽእል፧ እንታይ ዜደንቕ ኣጋጣሚታት ቅዱስ ኣገልግሎት እዩ ኪኽፈተልካ ዚኽእል፧

ንየሆዋ ምግልጋል ቅኑዕ ምርጫ እዩ

3. የሆዋ ዝፈጠሮ ፍጥረት ብኸመይ ኪጸልወና ይግባእ፧

3 ስለምንታይ ኢኻ ነቲ ናይ ሓቅን ህያውን ኣምላኽ ከተገልግሎ ዘሎካ፧ ራእይ 4:11 “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ብምባል ቀንዲ ምኽንያት ትነግረና። የሆዋ ንዅሉ ዝፈጠረ ግሩም ፈጣሪ እዩ። ምድሪ ብጽባቐኣ እተደንቕ እያ! ኣእዋም: ዕምባባታት: እንስሳታት: ውቅያኖሳት: ኣኽራን: መንጫዕጫዕታታት ብየሆዋ እዩ ተፈጢሩ። መዝሙር 104:24 ብዛዕባ የሆዋ: “ንምድሪ ኸኣ ብፍጡራትካ መላእካያ” ትብል። (ትርጕም 1990) የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንምድርን ኣብኣ ንዘሎ ጽቡቕ ነገራትን ከነስተማቕር ዜኽእለና ሰብነትን ኣእምሮን ብምሃቡስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነመስግኖ እንኽእል! ነቲ ዜደንቕ ፍጥረት ዘሎና ሞሳ: ንየሆዋ ንኸነገልግሎ ኺድርኸናዶ ኣይግባእን፧

4, 5. ንእያሱ ናብ የሆዋ ዘቕረቦ እንታይ ኣምላኽ ዝገበሮ ግብርታት እዩ፧

4 ንየሆዋ እነገልግለሉ ኻልእ ምኽንያት: ኣብቲ እቲ መራሒ እስራኤላውያን ዝነበረ እያሱ እተዛረቦ ቓላት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። እያሱ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ ንህዝቢ ኣምላኽ: “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም” በሎም። እያሱ ኸምኡ ኺብል ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧—እያ. 23:14

5 እያሱ ብቝልዕነቱ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝዓበየሉ እዋን: የሆዋ ንእስራኤላውያን ናቶም ምድሪ ኼውርሶም ምዃኑ እተመባጽዖ መብጽዓ ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ. 12:7፣ 50:24, 25፣ ዘጸ. 3:8) ጸኒሑ: የሆዋ ኣብ ልዕሊ ግብጻውያን ዓሰርተ መዓት ብምውራድን ነቲ ተሪር ፈርኦን ንደቂ እስራኤል ኪሓድጎም ብምግዳድን ነቲ መብጽዓ ኺፍጽሞ ኸሎ: እያሱ ርእዩ እዩ። ካብቶም ንቐይሕ ባሕሪ ዝሰገሩን እቲ ባሕሪ ንፈርኦንን ሰራዊቱን ኪውሕጦም ከሎ ዝረኣዩን ሰባት እውን ነይሩ እዩ። ኣብቲ “ገፊሕን ዜፍርህን በረኻ” እተባህለ ምድረ በዳ ሲና ዝገበርዎ ነዊሕ ጕዕዞ: የሆዋ ንእስራኤላውያን ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዘማልኣሎም እያሱ ርእዩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዋላ ሓደ ሰብ ብጽምኢ ወይ ብጥሜት ኣይሞተን። (ዘዳ. 8:3-5, 14-16) እስራኤላውያን ነቶም ሓያላት ከነኣናውያን ዚስዕሩሉን ነታ ምድሪ ተስፋ ዚወርሱሉን እዋን ምስ ኣኸለ: እያሱ: እቲ ንሱን ብጾቱ እስራኤላውያንን ዜምልኽዎ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝደገፎም ርእዩ እዩ።—እያ. 10:14, 42

6. ንኣምላኽ ንኸተገልግሎ ባህጊ ንኸተሕድር ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

6 የሆዋ መብጽዓታቱ ኸም ዝሓለወ: እያሱ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ: “ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል” በለ። (እያ. 24:15) ንስኻኸ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድሮ ዝፈጸሞን ገና ብሕጂ ዚፍጽሞን መብጽዓታት ክትሓስብ ከለኻ: ከምቲ እያሱ ዝገበሮ ጌርካ ኸተገልግሎ ትብህግዶ፧

7. ብማይ ምጥማቕ ኣገዳሲ ስጕምቲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7 ብዛዕባ ፍጥረት ኣምላኽ ምስትንታንን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕን ምሉእ ብምሉእ ዜተኣማምንን መብጽዓታቱ ምሕሳብን: ርእስኻ ንየሆዋ ንኽትውፊ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ወፈያኻ ብማይ ብምጥማቕ ንኸተርኢ እውን ኪድርኸካ ኣለዎ። ጥምቀት: እቶም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ዚደልዩ ዚወስድዎ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ። እቲ ኣርኣያና ዝዀነ የሱስ ነዚ ንጹር ገይርዎ እዩ። መሲሕ ኰይኑ ዕዮኡ ቕድሚ ምጅማሩ: ንኺጥመቕ ናብ ዮሃንስ መጥምቕ ከደ። የሱስ ነቲ ስጕምቲ እቲ ዝወሰደ ስለምንታይ እዩ፧ ጸኒሑ: “ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር: ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ” በለ። (ዮሃ. 6:38) ስለዚ: ፍቓድ ኣቦኡ ንምግባር ገዛእ ርእሱ ኸም ዘቕረበ ንምርኣይ እዩ ተጠሚቑ።—ማቴ. 3:13-17

8. ጢሞቴዎስ ንኣምላኽ ኬምልኽ ዝሓረየ ስለምንታይ እዩ፧ ንስኻኸ እንታይ ክትገብር የድልየካ፧

8 ብዛዕባ እቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ዚበሃል ክርስትያን እውን ርአ፣ የሆዋ ጸኒሑ ብዙሕ ዕዮን ሓላፍነታትን ሃቦ። ጢሞቴዎስ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ኬምልኾ ዝወሰነ ግን ስለምንታይ እዩ፧ ‘ከም እተማህረን ከም እተረድአን’ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና። (2 ጢሞ. 3:14) ቃል ኣምላኽ እንተ ኣጽኒዕካን እቲ ትምህርትታት ሓቂ ምዃኑ ተረዲኡካ እንተ ኣሚንካሉን: ምስ ናይ ጢሞቴዎስ ኣብ ዚመሳሰል ኵነታት ኢኻ ዘለኻ። ስለዚ: ሕጂ ውሳነ ኽትገብር ኣሎካ። ብዛዕባ እቲ ኽትገብሮ እትደሊ ነገራት ንምንታይ ንወለድኻ ዘይተዘራርቦም፧ ምስ ሽማግለታት ጉባኤ ብሓባር ኰይኖም: ንጥምቀት ከተማልኦ ዜድሊ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ንኽትርዳእ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 8:12 ኣንብብ።

9. ብምጥማቕካ ሰባት ብኸመይ ኪትንከፉ ይኽእሉ፧

9 እተጠመቕካ እንተ ዄንካ: ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ብሉጽ ጅመራ እዩ። ነዚ ስጕምቲ እዚ ብምውሳድካ: ናይ ነዊሕ ርሕቐት ቅድድም ኢኻ ጀሚርካ፣ ዓስቢ እዚ ቕድድም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ሕጂ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ዚርከብ ሓጐስን እዩ። (እብ. 12:2, 3) ነቶም ድሮ ኣብቲ ቕድድም ዘለዉ ኣባላት ስድራ ቤትካን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ፈተውትኻን እውን ከተሐጕሶም ኢኻ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ንልቢ የሆዋ ኸተሐጕሶ ኢኻ። (ምሳሌ 23:15 ኣንብብ።) ሓቂ እዩ: ንየሆዋ ኸተገልግል ዝሓረኻሉ ምኽንያት ካልኦት ኣይርድኦምን ይኸውን: ንውሳነኻ እውን ኣብ ሕቶ የእትውዎ ይዀኑ። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ይጻረሩኻ ይዀኑ። ነዚ ብድሆታት እዚ ግን ብዓወት ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ።

ካልኦት ምስ ዚሓቱኻ ወይ ምስ ዚጻረሩኻ

10, 11. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝገበርካዮ ውሳነ: ሰባት እንታይ ሕቶታት ኪሓቱኻ ይኽእሉ፧ (ለ) ካብቲ የሱስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብዚምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዝመለሰሉ ኣገባብ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

10 ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበርካዮ ውሳነ: ንመማህርትኻን ንጐረባብትኻን ንኣዝማድካን ኪገርሞም ይኽእል እዩ። ነዚ መገዲ እዚ ኽትስዕብ ዝሓረኻሉ ምኽንያትን ብዛዕባ እምነትካን ኪሓቱኻ ይኽእሉ እዮም። እንታይ ምላሽ ክትህቦም ኣሎካ፧ ነቲ ምርጫ እቲ ንኽትገብር ዝደረኸካ ምኽንያታት ንምግላጽ: ንሓሳባትካን ስምዒታትካን ክትምርምሮ ኣሎካ። ብዛዕባ እምነትካ ምላሽ ክትህብ ከለኻ ኸኣ: ካብ የሱስ ዚበልጽ ኣብነት ኣይትረክብን ኢኻ።

11 መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንየሱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ሕቶ ምስ ኣቕረቡሉ: ነቲ ንሳቶም ዘይሓሰቡሉ ጥቕሲ ኸም ዜቕልቡሉ ገበሮም። (ዘጸ. 3:6፣ ማቴ. 22:23, 31-33) ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ: ካብ ኵለን ትእዛዛት እታ ዝዓበየት ኣየነይቲ ምዃና ምስ ሓተቶ: የሱስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚኸውን ጥቕስታት ጠቐሰሉ። እቲ ሰብኣይ በቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ ዓጊቡ እዩ። (ዘሌ. 19:18፣ ዘዳ. 6:5፣ ማር. 12:28-34) የሱስ ቅዱሳት ጽሑፋት ይጥቀም ብምንባሩን ብምኽንያት ኣዘራርባኡን: “ኣብቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ምፍልላይ ኰነ:” ተጻረርቱ ኸኣ ኪጐድእዎ ኣይከኣሉን። (ዮሃ. 7:32-46) ብዛዕባ እምነትካ ዚለዓል ሕቶታት ክትምልስ ከለኻ: መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም: “ብለውሃትን ብኽብርን” ድማ ምላሽ ሃብ። (1 ጴጥ. 3:15 ትርጕም 1990) መልሲ እታ ሕቶ እንተ ዘይፈሊጥካዮ: ከም ዘይትፈልጦ ገሊጽካ: ምርምር ክትገብር ግዜ ኺወሃበካ ሕተት። ድሕሪኡ: ነቲ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ዚበሃል መሐበሪ ወይ ነቲ ዎችታወር ላይብረሪ ኣብ ሲዲ-ሮም ብእትፈልጦ ቛንቋ ኽትረኽቦ ትኽእል እንተ ዄንካ: ብእኡ ጌርካ ነቲ ጕዳይ ምርምር ግበረሉ። ጽቡቕ ጌርካ ምስ ተዳለኻ: ‘ከመይ ጌርካ ኸም እትምልስ ክትፈልጥ’ ኢኻ።—ቈሎ. 4:6

12. መስጐጕቲ ተስፋ ኬቝርጸካ ኽትፈቕደሉ ዘይግባእ ስለምንታይ እዩ፧

12 ብዛዕባ ውሳነኻን እምነትካን ካብ ሕቶታት ንላዕሊ እውን ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ከመይሲ: እቲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ። (1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።) ካብ ኵሎም ሰባት ናእዳ ወይ ደገፍ ክትጽበ የብልካን: ምጽራር እውን የጋጥመካ ይኸውን። ገሊኦም ሰባት ‘ይጸርፉኻ’ ይዀኑ: ነዚ ድማ ሓንሳእ ዘይኰነስ ደጋጊሞም ይገብርዎ ይዀኑ። (1 ጴጥ. 4:4) እዚ ግን ንዓኻ ጥራይ ከም ዘየጋጠመካ ዘክር። የሱስ ክርስቶስ እውን መስጐጕቲ ኣሕሊፉ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ብኸምኡ ዝኣመሰለ መከራ ስለ ዝሓለፈ: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣቱም ፍቁራተይ: በቲ ንምፍታን ዝረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ: ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም: ኣይትገረሙ። . . . ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ: ተሐጐሱ ደኣ።”—1 ጴጥ. 4:12, 13

13. ክርስትያናት መስጐጕቲ ኼጋጥሞም ከሎ ዚሕጐሱ ስለምንታይ እዮም፧

13 ክርስትያን ብምዃንካ መስጐጕቲ ወይ ምጽራር እንተ ኣጋጢሙካ: ዜሐጕስ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ስምረት ዓለም እንተ ረኺብካ: ብስርዓታት ኣምላኽ ዘይኰነስ: ብስርዓታት ሰይጣን ትመላለስ ከም ዘለኻ እዩ ኼመልክት ዚኽእል። የሱስ: “ኵሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩም: ኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ: ወይለኹም” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (ሉቃ. 6:26) መስጐጕቲ ግን ንየሆዋ ብምግልጋልካ ሰይጣንን ዓለሙን ከም እተቘጥዑ እዩ ዚሕብር። (ማቴዎስ 5:11, 12 ኣንብብ።) ‘ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸሪፍካ’ ኸኣ ዜሐጕስ ነገር እዩ።—1 ጴጥ. 4:14

14. ሓደ ሰብ መስጐጕቲ እናኣጋጠሞ ኽነሱ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ብምቕጻሉ እንታይ ጽቡቕ ፍረ ይርከብ፧

14 ምጽራር እናኣጋጠመካ ኽነሱ ንየሆዋ እሙን ኴንካ እንተ ቐጺልካ: እንተ ወሓደ እዚ ስዒቡ ዘሎ ኣርባዕተ ኣወንታዊ ፍረ ይርከብ። ብዛዕባ ኣምላኽን ወዱን ምስክርነት ትህብ። ብተኣማንነት ምጽናዕካ ንክርስትያናት ኣሕዋትካን ኣሓትካን የተባብዖም። ንየሆዋ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ገሊኦም ተዓዘብቲ: ንኺደልይዎ ኺድረኹ ይኽእሉ። (ፊልጲ 1:12-14 ኣንብብ።) ፈተናታት ንኽትጽመም የሆዋ ብኸመይ ከም ዘበርትዓካ ምስ ተፈለጠካ ኸኣ: ንዕኡ ዝነበረትካ ፍቕሪ ትዓቢ።

‘ዓብዪ ደገ’ ተኸፊቱልካ ኣሎ

15. ንሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ‘ዓብዪ ደገ’ እዩ እተኸፍተሉ፧

15 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤፌሶን ዚገብሮ ኣገልግሎቱ: “ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 16:8, 9) እዚ ደገ ወይ ኣፍ ደገ እዚ ነቲ ብስራት ንምስባኽን ኣብታ ኸተማ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባርን እተኸፍተሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ በቲ እተኸፍተሉ ኣፍ ደገ ብምእታዉ: ንብዙሓት ብዛዕባ የሆዋን ኣምልኾኡን ንኺመሃሩ ሓገዞም።

16. እቶም ቅቡኣት ብ1919 ብሓደ “ኽፉት ደገ” ዝኣተዉ ብኸመይ እዮም፧

16 ብ1919 እቲ ግርማ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ: ነቶም ተረፍ ቅቡኣት “ክፉት ደገ” ሃቦም። (ራእ. 3:8) በቲ ኣፍ ደገ እቲ ምስ ኣተዉ: ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቅንኣት ነቲ ብስራት ኪሰብኩን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኺምህሩን ጀመሩ። ኣገልግሎቶምከ እንታይ ኣፍረየ፧ ሕጂ እቲ ብስራት ክሳዕ ወሰን ምድሪ በጺሑ ኣሎ: ሸውዓተ ሚልዮን ኣቢሎም ዚዀኑ ድማ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ኣለዎም።

17. በቲ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” ብኸመይ ክትኣቱ ትኽእል፧

17 ሕጂ እውን እንተ ዀነ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” ንዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክፉት እዩ። እቶም ብእኡ ዚኣትዉ ኣብ ስብከት እቲ ብስራት ዝያዳ እጃም ብምብርካቶም ሓጐስን ዕግበትን ይረኽቡ። ኣቱም መንእሰያት ኣገልገልቲ የሆዋ: ንኻልኦት ‘ብወንጌል ንኺኣምኑ’ ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ ኣጋጣሚ ብምርካብኩም ክሳዕ ክንደይ ኢኹም ኣኽቢርኩም እትርእይዎ፧ (ማር. 1:14, 15) ስሩዕ ፈላሚ ወይ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል ሓሲብኩምሉዶ፧ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ: ኣገልግሎት ቤትኤል: ከምኡውን ሚስዮናውነት ንመብዛሕትኹም ክፉት ኪዀነልኩም ዚኽእል ኣጋጣሚታት እዩ። እዚ እኩይ ናይ ሰይጣን ዓለም ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ይጽንቀቕ ስለ ዘሎ: ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ እዚ ምእታው ብዝያዳ ህጹጽ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ግዜ ኸይተወድአ ኸሎ በቲ ‘ዓብዪ ደገ’ ኽትኣትዉ ዲኹም፧

የሆዋ “ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን”

18, 19. (ሀ) ዳዊት ንየሆዋ ንምግልጋል ሓያል ባህጊ ንኼሕድር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (ለ) ዳዊት ንኣምላኽ ምግልጋል ከቶ ኸም ዘየጠዓሶ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

18 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ተደሪኹ: ንሰባት: “[የሆዋ] ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን” በሎም። (መዝ. 34:8) እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ብንእስነቱ ጓሳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: የሆዋ ኻብ ኣራዊት ኣድሒንዎ እዩ። ኣብቲ ምስ ጐልያድ ዝገበሮ ቓልሲ ኣምላኽ ሓጊዝዎ: ካብ ብዙሕ ካልእ መዓታት እውን ኣናጊፍዎ እዩ። (1 ሳሙ. 17:32-51፣ መዝ. 18 ልዕለ-ጽሑፍ) ዳዊት ነቲ ዓብዪ ሳህሊ ኣምላኽ ብምርኣዩ: “ጐይታይ: ኣምላኸየ: ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ: ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ: ምቝጻሩ ዘይከአል ብዙሕ እዩ” ኢሉ ኺጽሕፍ ተደረኸ።—መዝ. 40:5

19 ዳዊት ንየሆዋ ኣመና ኣፍቀሮ: ብምሉእ ልቡን ሓሳቡን ኪውድሶ ድማ ደለየ። (መዝሙር 40:8-10 ኣንብብ።) ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብምምላኽ ዘሕለፎ ህይወት ከቶ ኣየጠዓሶን። ንኣምላኽ ውፉይ ኴንካ ምንባር: ካብ ኵሉ ዝዓበየ መዝገቡ: ማለት ምንጪ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐሱ እዩ ነይሩ። ዳዊት ምስ ኣረገ: “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ . . . ዎ ኣምላኽ: ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ” በለ። (መዝ. 71:5, 18) ኣካላዊ ሓይሉ እኳ እንተ ደኸመ: ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶን ምስኡ ዝነበሮ ዕርክነትን ደልደለ።

20. ንኣምላኽ ምግልጋል ንህይወትካ እትመርሓሉ ብሉጽ መገዲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

20 እያሱን ዳዊትን ጢሞቴዎስን ዘሕለፍዎ ህይወት: ንየሆዋ ምግልጋል ንህይወትካ እትመርሓሉ ብሉጽ መገዲ ምዃኑ ተወሳኺ መርትዖ ይዀነካ እዩ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዓለማዊ ስራሕ ብምስራሕ ዚርከብ ንሓጺር ግዜ ዚጸንሕ ስጋዊ ረብሓታት: ምስቲ ‘ንየሆዋ ብዅሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብምግልጋል’ ዚርከብ ንነዊሕ ግዜ ዚቕጽል ረብሓታት ኣይወዳደርን እዩ። (እያ. 22:5) ክሳዕ ሕጂ ብጸሎት ርእስኻ ንየሆዋ እንተ ዘይወፊኻ: ‘ናይ የሆዋ ምስክር ከይኸውን ዚዓግተኒ ዘሎ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ጥሙቕ ኣምላኺ የሆዋ እንተ ዄንካ: ኣብ ህይወትካ ተወሳኺ ሓጐስ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ: ኣገልግሎትካ ኣስፍሕ: ብቐጻሊ ድማ መንፈሳዊ ዕቤት ግበር። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ ብምስዓብ: ብመንፈሳዊ መዳይ ከመይ ጌርካ ኽትዓቢ ኸም እትኽእል ትገልጽ እያ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንኣምላኽ ስለምንታይ ከነገልግሎ ኸም ዚግባእ ዜረድእ ክልተ ምኽንያት ሃብ።

• ጢሞቴዎስ ንኣምላኽ ንምግልጋል ውሳነ ንኺገብር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

• መስጐጕቲ ኼጋጥመካ ኸሎ ጸኒዕካ ኽትቅጽል ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

• እንታይ ኣጋጣሚታት ኣገልግሎት ተኸፊቱልካ ኣሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ንየሆዋ ምግልጋል ብሉጽ መገዲ ህይወት እዩ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ እምነትካ ንዚቐርበልካ ሕቶታት ክትምልስ ትኽእልዶ፧