ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚመውት

እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚመውት

እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚመውት

ሰሉስ 17 ሓምለ 2007 ከባቢ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ምሸት: ኣብቲ ኣብ ሕምብርቲ ሳኦ ፓውሎ: ብራዚል ዚርከብ ጽዑቕ ስራሕ ዘለዎ መገዲ ኣየር: ሓንቲ ናይ ገያሾ ነፋሪት ካብቲ መጕየ ነፋሪት ሸተት ኢላ ወጸት። እታ ነፋሪት ነቲ ቐንዲ መገዲ ስሒታ ምስቲ ናይ ጽዕነት መኽዘን ተጋጨወት። በቲ ሓደጋ ድማ ኣስታት 200 ሰባት ሞቱ።

እዚ ኣብ መገዲ ኣየር ብራዚል ካብ ዘጋጠመ ዝኸፍአ እተባህለ ሓደጋ: ኣብ ኣልባብ እቶም ዜፍቅርዎ ሰብ ብሞት ዝሰኣኑ ሰባት ዘይርሳዕ ሓዘን ገዲፉሎም እዩ። ክላውደቲ ሓንቲ ኻብቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓዘን ዘጋጠሞም ሰባት እያ። ተለቪዥን ክትርኢ ኸላ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ነፋሪት ሰምዐት። ሬናቶ ወዳ ድማ ኣብታ ነፋሪት ነበረ። ገና ወዲ 26 ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብ ጥቅምቲ ንኺምርዖ መደብ ነበሮ። ክላውደቲ ብሞባይል ክትረኽቦ እኳ እንተ ፈተነት መልሲ ግን ኣይረኸበትን። ኣብ ባይታ ወዲቓ ኣምሪራ በኸየት።

ኣንትጂ ብዜሕዝን ሓደጋ ማኪና ኣብ ጥሪ 1986 ሕጹያ ሰኣነት። ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ምስ ሰምዐት ኣዝያ ሰምበደት። “ኣብ መጀመርያ ኽኣምን ኣይከኣልኩን። ሕማቕ ሕልሚ ዝሓልም ከም ዘለኹ እሞ ምስ ተበራበርኩ በኒኑ ዚጠፍእ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ኣዝየ ተረበሽኩ: ሰብ ከብድኻ ምስ ወቕዓካ ዚስምዓካ ዓይነት ብርቱዕ ቃንዛ ተሰምዓኒ” በለት። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ሰለስተ ዓመት ብናይ መንፈስ ጭንቀት ተሳቐየት። እቲ ሓደጋ ኻብ ዜጋጥም ልዕሊ 20 ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ: ኣብቲ እዋን እቲ ንዘጋጠመ ዅነታት ክትዝክር ከላ ግን ኣዝያ እያ እትፈርህ።

ነቲ ብሰንኪ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝንን ዘይተሓስበን ፍጻመታት ዜጋጥም ከም ስምባደ: ዘይምእማን: ምድንዛዝ: ተስፋ ምቝራጽ ዝኣመሰለ ስምዒታት ቃላት በይኑ ኺገልጾ ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር: ኪመውት እትጽበዮ ዝነበርካ ንብዙሕ እዋን ዝሓመመ እትፈትዎ ሰብ ምስ ሞተ እውን ከይተረፈ: ከቢድ ሓዘን ኪስምዓካ ይኽእል እዩ። ሞት ዜፍቅሮ ሰብ ንኪቕበሎ ምሉእ ብምሉእ ድሉው ኰይኑ ዚጸንሕ ሰብ የልቦን። ኣደ ናንሲ ንነዊሕ እዋን ሓሚማ ድሕሪ ምጽናሕ: ብ2002 ሞተት። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ኣዲኣ ዝሞተትሉ እዋን ብስምባደ ኣብ ባይታ እቲ ሆስፒታል ረፋዕ በለት። ህይወት ትርጕም ዘይብሉ ዀና። እዚ ኻብ ዚኸውን ሓሙሽተ ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ: ብዛዕባ ኣዲኣ ኽትሓስብ ከላ ግን ሕጂ እውን ትበኪ እያ።

ዶክተር ሆሊ ጂ. ፕሪገርሰን: “ሰባት ነቲ ሓዘኖም ይለምድዎ ደኣ እምበር: ኣይርስዕዎን እዮም” በለት። ሞት እትፈትዎ ሰብ እተጸበኻዮ ይኹን ድንገት ብዘየገድስ: ‘ምሕዛነይ ንቡር ድዩ፧ ብኸመይከ ኽጸናናዕ እኽእል፧ ነቲ ዝሞተኒ ዳግም እርእዮዶ እኸውን፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዝን ንኻልእ ሕቶታትን መልሲ ኽትህበሉ እያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

EVERTON DE FREITAS/AFP/Getty Images