ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እኔኹ: ኣነ ባርያ የሆዋ”

“እኔኹ: ኣነ ባርያ የሆዋ”

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

“እኔኹ: ኣነ ባርያ የሆዋ”

ማርያም ነቲ ኺበጽሓ ኢሉ ናብ ገዛኣ ዝኣተወ ጋሻ ተገሪማ ኣዒንታ ተኺላ ጠመተቶ። ኣቦኣ ወይ ኣዲኣ እንተ ኣልዮም ኣይሓተታን። ንዓኣ ደልዩ እዩ መጺኡ! እዚ ሰብ እዚ ኻብ ናዝሬት ከም ዘይመጸ ርግጸኛ እያ። ከመይሲ: ኣብታ እትነብረላ ዝነበረት ንእሽቶ ኸተማ: ኣጋይሽ ቀልጢፎም እዮም ዚፍለጡ። እዚ ሰብ እዚ እውን ኣብ ዝኸደ እንተ ኸደ ፍልይ ዝበለ እዩ። ሰላም ኣበሃህላኡ ንማርያም ሓድሽ ነገር ኰና፣ “ኣቲ ምልእቲ ጸጋ: እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ” በላ።—ሉቃስ 1:28

መጽሓፍ ቅዱስ ምስታ ኣብ ገሊላ ኻብ እትርከብ ከተማ ናዝሬት ዝመጸት ማርያም ጓል ኤሊ በዚ ኸምዚ እዩ ዜላልየና። ኣብ ህይወታ ኣገዳሲ ውሳነታት ኣብ ዝገበረትሉ እዋን እዩ ዜፋልጠና። ሃብታም ንዘይኰነ: ግን ከኣ እሙን ንዝዀነ ዮሴፍ ዝስሙ ጸራቢ ተሓጽያ ነበረት። ስለዚ: ህይወታ ድሮ መልክዑ ሒዙ እዩ ነይሩ፣ ሰበይቲ ዮሴፍ ኰይና ኣብ ስራሑ እናሓገዘቶ ብሓደ ዀይኖም ውሉዳት ብምዕባይ ቀሊል ናብራ ኺነብሩ ሓሲባ ነበረት። ብሃንደበት ግን ምስዚ ኻብ ኣምላኽ ሓደ መዝነት ሒዙ ዝመጸ ጋሻ ተራኸበት፣ እዚ ኸኣ ንህይወታ ዚቕይር እዩ ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማርያም ብዙሕ ነገራት ዘይነግረና ምዃኑ የገርመካ ይኸውን። ብዛዕባ ኣተዓባብያኣን ባህርያታን ብዙሕ ኣይገልጽን እዩ፣ ብዛዕባ መልክዓ እሞ ኸኣ ዋላ ሓንቲ ዚገልጾ ነገር የልቦን። ይኹን እምበር: እቲ ቓል ኣምላኽ ብዛዕባኣ ዚገልጾ ነገራት ንጹር እዩ።

ንማርያም ክንፈልጣ እንተ ደሊና: ክንዮ እቲ ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ብዛዕባኣ ዚወሃብ ብዙሕ ቄናን ሓሳባት ክንርኢ ኣሎና። ስለዚ: ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ስእሊ: እምነ-በረድ: ወይ መንደቕ ዚርአ ምስልታት ንሕደጎ። ነቲ ነዛ ትሕትቲ ሰበይቲ: “ኣደ ኣምላኽ:” “ንግስቲ ሰማይ” ዚብል መዓርጋት ዚህባ ስነ-ሃይማኖትን እምነታትን እውን ንሕደጎ። ኣብ ክንዳኡስ: ኣቓልቦና ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ነገራት ንግበር። ከመይሲ: ብኸመይ ኣስኣሰር እምነታ ኽንስዕብ ከም እንኽእል ዚገልጽ ብዋጋ ዘይሽነን ምስትውዓል ዚህብ እዩ።

ሓደ መልኣኽ ዝገበሮ ምብጻሕ

እቲ ንማርያም ኪበጽሓ ዝመጸ: ሰብ ዘይምዃኑ ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ። ገብርኤል መልኣኽ እዩ ነይሩ። ንማርያም “ኣቲ ምልእቲ ጸጋ” ኢሉ ምስ ጸውዓ “ሰምበደት:” ከምዚ ዝበለ ሰላምታ እንታይ ማለት ምዃኑ ድማ ኣተሓሳሰባ። (ሉቃስ 1:29) ብጸጋ መን እያ ግን መሊኣ ነይራ፧ ማርያም ካብ ካልኦት ሰባት ጸብለል ዝበለ ጸጋ ኽትረክብ ኣይትጸበይን እያ ነይራ። ይኹን እምበር: እቲ መልኣኽ ብዛዕባ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ጸጋ ኸም ዝረኸበት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እዚ ኸኣ ንዓኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነበረ። ኰይኑ ግን: ቀደሙ እውን ጸጋ ኣምላኽ ከም ዝነበራ ገይራ ብትዕቢት ኣይሓሰበትን። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ድሮ ጸጋ ኣምላኽ ከም ዘሎና ጌርና ብትዕቢት ብዘይምሕሳብ ጸጋኡ ኽንረክብ ንጽዕር እንተ ደኣ ኣሊና: ነቲ ማርያም ምሉእ ብምሉእ እተረድኣቶ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንፈልጦ ኢና። እዚ ኸኣ ኣምላኽ ንዕቡያት ከም ዚጻረሮም: ንትሑታት ግን ከም ዚድግፎም ዚገልጽ ትምህርቲ እዩ።—ያእቆብ 4:6

እቲ መልኣኽ ንማርያም ዜደንቕ ፍሉይ መሰል ስለ ዚህባ: ትሕትና ኸተርኢ ኣለዋ። ካብ ኵሉ ሰብ እቲ ዝዓበየ ዚኸውን ውላድ ከም እትወልድ ድማ ነገራ። ገብርኤል: “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” በላ። (ሉቃስ 1:32, 33) ማርያም ነቲ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ይገብር ኣምላኽ ንዳዊት ዝኣተወሉ ሓደ ኻብ ዘርኡ ንዘለኣለም ከም ዚገዝእ ዚገልጽ መብጽዓ ትፈልጦ ነይራ እያ። (2 ሳሙኤል 7:12, 13) ስለዚ: ወዳ: እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ንዘመናት ዚጽበይዎ ዝነበሩ መሲሕ እዩ!

ብዘይካዚ እቲ መልኣኽ: “ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ” በላ። ከመይ ገይራ እያ ግን እዛ ሰብኣዊት ፍጥረት ዝዀነት ሰበይቲ እዚኣ ወዲ ኣምላኽ ክትወልድ እትኽእል፧ ንምዃኑ ማርያም ከመይ ገይራ እያ ወዲ ኽትወልድ እትኽእል፧ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያቶ እምበር ገና ኣይተመርዓዉን። ብዛዕባ እዚ ዜተሓሳስባ ዝነበረ ጕዳይ ድማ “እዚኸ: ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ: ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፧” ኢላ ብግሁድ ሓተተት። (ሉቃስ 1:34) ብዛዕባ ድንግልናኣ ኸይሓፈረት ከም እተዛረበት ኣስተብህል። ንንጽህናኣ ኣኽቢራ እያ እትርእዮ ነይራ። ሎሚ ብዙሓት መንእሰያት ድንግልናኦም ኬፍርሱ: ብዛዕባ እቶም ከምኡ ዘይገብሩ ድማ ኼላግጹ ይህንጠዩ እዮም። እዛ ዓለም ብሓቂ ተለዊጣ እያ። የሆዋ ግን ኣይተለወጠን። (ሚልክያስ 3:6) ልክዕ ከምቲ ብግዜ ማርያም ዚገብሮ ዝነበረ: ነቶም ምስ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታቱ ዚጠብቁ ሰባት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም።—እብራውያን 13:4

ማርያም እምንቲ ኣገልጋሊት ኣምላኽ እኳ እንተ ነበረት: ፍጽምቲ ግን ኣይነበረትን። ከመይ ገይራ እያ ደኣ ፍጹም ውላድ: እሞ ኸኣ ወዲ ኣምላኽ ክትወልድ እትኽእል፧ ገብርኤል: “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ: ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ” በላ። (ሉቃስ 1:35) ቅዱስ ኪበሃል ከሎ “ጽሩይ:” “ንጹህ” ማለት እዩ። ሰባት ንዘርኦም ዘይንጹህን ሓጥእን ዝንባለ የመሓላልፉሎም እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን የሆዋ ፍሉይ ተኣምራት እዩ ኺገብር። ንህይወት እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ወዱ ናብ ማሕጸን ማርያም ኣሕሊፉ: በቲ ንጡፍ ሓይሉ ወይ መንፈስ ቅዱሱ ተጠቒሙ ንማርያም ‘ብምጽላል’ ነቲ ቘልዓ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት ኬዕቍቦ እዩ። እሞኸ ማርያም ነቲ እቲ መልኣኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣሚናቶዶ፧ እንታይ ምላሽከ ሃበት፧

ማርያም ንገብርኤል ዝሃበቶ ምላሽ

ሓያስያን: እንተላይ ስነ-ሃይማኖተኛታት ህዝበ-ክርስትያን: ድንግል ክትወልድ ምኽኣላ ንምርዳእ የጸግሞም እዩ። ብዙሕ እኳ እንተ ተማህሩ: ሓንቲ ቐላል ሓቂ ግን ክትርድኦም ኣይከኣለትን። ከምቲ ገብርኤል ዝበሎ ‘ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር የልቦን።’ (ሉቃስ 1:37) ማርያም ዓባይ እምነት ዝነበረታ መንእሰይ ሰበይቲ ብምንባራ: ነቲ ገብርኤል ዝነገራ ኣመነቶ። ይኹን እምበር: ነዚ ነገር እዚ ብዕሙታ ኣይኰነትን ተቐቢላቶ። ከምቲ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዚገብሮ: ማርያም ንእምነታ እትስርተሉ መርትዖ ደለየት። ገብርኤል ድማ ነዚ መርትዖ እዚ ኺህባ ተዳልዩ ነበረ። ብዛዕባ እታ ብዕድመ ዝደፍአት ንነዊሕ እዋን መኻን ዝነበረት ኤልሳቤጥ ዘመዳ ነገራ። ኣምላኽ ብተኣምር ገይሩ ኸም እትጠንስ ገበራ!

እሞኸ ማርያም እንታይ እያ ኽትገብር፧ መዝነት ቀሪቡላ ኣሎ: ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ገብርኤል ዝበሎ ነገራት ከም ዚፍጽሞ ድማ መርትዖ ቐሪቡላ ኣሎ። እዚ ፍሉይ መሰል እዚ ዋላ ሓንቲ ዜፍርህን ዜጸገምን ኣይነበረን ማለት ግን ኣይኰነን። ቀዳማይ ነገር: ማርያም ሕጽይቲ ዮሴፍ እያ ነይራ። ዮሴፍ ጥንስቲ ምዃና እንተ ፈሊጡ: ከመይ ገይሩ እዩ ዚምርዓዋ፧ ካልኣይ ነገር ድማ እቲ እተዋህባ ሓላፍነት ከቢድ ኪመስል ይኽእል እዩ። ከመይሲ: ካብ ኵሎም ፍጥረታት ኣምላኽ ነቲ ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ እያ ኽትወልድ! መስኪን ሕጻን ከሎ ኽትከናኸኖን ካብታ እክይቲ ዓለም ከተዕቍቦን ኣለዋ። ብሓቂ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ!

ብርቱዓትን እሙናትን ዚበሃሉ ሰብኡት እውን ከይተረፉ: ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ከቢድ መዝነት ንምቕባል ሰጋእ መጋእ ከም ዝበሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። ሙሴ ዀርታዕ ስለ ዝዀነ: ኣፈኛ ኣምላኽ ኪኸውን ከም ዘይክእል ተዛረበ። (ዘጸኣት 4:10) ኤርምያስ “ገና ቘልዓ” ስለ ዝዀነ: ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መዝነት ኪፍጽሞ ዘይክእል ምዃኑ ገለጸ። (ኤርምያስ 1:6) ዮናስ እውን እንተ ዀነ ኻብ ምድቡ ሃደመ! (ዮናስ 1:3) ማርያምከ እንታይ ትገብር ትኸውን፧

እተን ትሕትናን ተኣዛዝነትን ዜንጸባርቓ እተዛረበተን ቃላት: ንዘመናት ኣቃሊሐን እየን። ንገብርኤል: “እኔኹ: ኣነ ባርያ [“የሆዋ:” NW] ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ” በለቶ። (ሉቃስ 1:38) ባርያ ኻብ ከደምቲ ዝተሓተት እያ: ኵሉ ነገር ድማ ብወነንታ እዩ ዚውሰን! ማርያም እውን ብዛዕባ እቲ ጐይታኣ ዝዀነ የሆዋ ከምኡ እዩ ዚስምዓ ነይሩ። ኬዕቍባ ኸም ዚኽእል: ነቶም ተኣማንነት ዜርእዩ ሰባት እሙን ምዃኑ: ነቲ ኸቢድ ሓላፍነት ክትፍጽም ዚከኣላ ኽትገብር ከላ ድማ ከም ዚባርኻ ትፈልጥ ነበረት።—2 ሳሙኤል 22:36 ትርጕም 1990

ሓድሓደ ግዜ ኣምላኽ: ከቢድ ወይ ዘይከኣል ዚመስል ዕዮ ኽንዓዪ ይደሊ ይኸውን። ይኹን እምበር: ኣብ ቃሉ ንዕኡ እንኣምነሉን ከምቲ ማርያም ዝገበረቶ ኣብኡ እንውከለሉን እኹል ምኽንያታት ሂቡና ኣሎ። (ምሳሌ 3:5, 6) እሞኸ ኸምኡ ኽንገብር ዲና፧ ከምኡ እንተ ጌርና: ድልድልቲ እምነት ከም እትህልወና ዚገብር ተወሳኺ ምኽንያታት ብምሃብ ኪባርኸና እዩ።

ንኤልሳቤጥ እተገብረላ ምብጻሕ

እቲ ገብርኤል ብዛዕባ ኤልሳቤጥ እተዛረቦ ዘረባ: ንማርያም ዓብዪ ትርጕም ነበሮ። ካብተን ኣብ መላእ ዓለም ዝነበራ ኣንስቲ: ከም ኤልሳቤጥ ገይራ እትርድኣላ ኣይነበረትን። ማርያም ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዚወስድ ጕዕዞ ተጓዒዛ ናብ ዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኸደት። ናብ ቤት ኤልሳቤጥን ካህን ዘካርያስን ምስ ኣተወት: የሆዋ ንእምነታ ብዝያዳ ዜደልድል ተወሳኺ መርትዖ ብምሃብ ባረኻ። ኤልሳቤጥ ንሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት: እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ብሓጐስ ተሰራሰረ። ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ ድማ ንማርያም “ኣደ ጐይታይ” በለታ። ኣምላኽ ንኤልሳቤጥ: ወዲ ማርያም: ጐይታኣን መሲሕን ከም ዚኸውን ገለጸላ። ብዘይካዚ: ኤልሳቤጥ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኻ ንማርያም: “እታ ዝአመነት ብርኽቲ እያ” ብምባል ስለቲ ዘርኣየቶ ተኣዛዝነት ነኣደታ። (ሉቃስ 1:39-45) እወ: ኵሉ እቲ የሆዋ ንማርያም ዝኣተወላ ቓል ኪፍጸም እዩ!

ኣብቲ ግዜ እቲ ማርያም እውን ተዛሪባ እያ። እቲ ዝበለቶ ድማ ኣብ ሉቃስ 1:46-55 ብጥንቃቐ ተዓቂቡ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ እተዛረበቶ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተመዝገበ እቲ ዝነውሐ እዩ፣ እቲ እተዛረበቶ ኸኣ ብዛዕባኣ ብዙሕ ነገራት ይገልጽ እዩ። የሆዋ ኣደ እቲ መሲሕ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ብምሃብ ስለ ዝባረኻ ኸተመስግኖ ኸላ: ክሳዕ ክንደይ መመስገኒትን መማሰዊትን ምዃና ኣርኣየት። የሆዋ ንዕቡያትን ሓያላትን ከም ዜዋርዶም: ኬገልግልዎ ንዚደልዩ ትሑታትን ድኻታትን ግን ከም ዚሕግዞም ክትገልጽ ከላ ንዕምቈት እምነታ ኣርኣየት። ዕምቈት ፍልጠታ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ እውን ዚሕብር እዩ። ብመሰረት ሓደ ገምጋም: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ልዕሊ 20 ግዜ ጠቐሰት!

ስለዚ እምበኣር: ማርያም ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ኣዕሚቛ ትሓስብ ነይራ እያ። ኰይኑ ግን: ኣብ ክንዲ ኻብ ርእሳ ትዛረብ: ብትሕትና ቕዱሳት ጽሑፋት ትጥቀም ነበረት። እቲ ኣብ ማሕጸና ዝነበረ ቘልዓ እውን እንተ ዀነ ምስዚ ዚመሳሰል ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፣ ድሕሪ ግዜ: “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን” በለ። (ዮሃንስ 7:16) ንሕና እውን ንርእስና: ‘ንቓል ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ኣኽብሮት አርኢ ድየ፧ ወይስ ሓሳበይን ትምህርተይን እየ ዝመርጽ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ማርያም እትህቦ መልሲ ንጹር እዩ።

ማርያም ንሰለስተ ወርሒ ምስ ኤልሳቤጥ ጸንሐት: ንሓድሕደን ከም እተበራትዓ ድማ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ሉቃስ 1:56) ክልቲአን ኣንስቲ: ምሕዝነት ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት የዘኻኽራና። ንኣምላኽ ብሓቂ ዜፍቅርዎ ኣዕሩኽ እንተ ኣልዮምና: ብመንፈሳዊ ኽንዓብን ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንቀርብን ኢና። (ምሳሌ 13:20) ማርያም ናብ ቤታ እትምለሰሉ እዋን ኣኸለ። ዮሴፍ ብዛዕባ ዅነታታ ምስ ፈለጠ እንታይ ኰን ይብል ይኸውን፧

ማርያምን ዮሴፍን

ማርያም ጥንስቲ ምዃና ኽሳዕ ዚፍለጥ ኣይጸንሐትን። ንዮሴፍ ነጊራቶ ኽትከውን ኣለዋ። ቅድሚኡ ግን እዚ እሩምን ንኣምላኽ ዚፈርህን ሰብኣይ እንታይ ምላሽ ከም ዚህብ ኣተሓሲብዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ንዅሉ እቲ ዘጋጠማ ነገራት ነገረቶ። መቸም ዮሴፍ ሰንቢዱ ኸም ዚኸውን ፍሉጥ እዩ። ኪኣምና እኳ እንተ ደለየ: እቲ ዝነገረቶ ግን ቅድሚኡ ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ እዩ። እንታይ ኢሉ ኸም ዝሓሰበ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ: ሕጹያት ወድን ጓልን ከም ምርዑዋት ጌርካ ይርኣዩ ስለ ዝነበሩ: ኪፈትሓ ኸም ዝወሰነ ይሕብረና እዩ። ከምዚ ኺገብር ከሎ ግን ብግህዶ ብምዝራብ ኬዋርዳ ወይ ኬቕጽዓ ኣይደለየን፣ ስለዚ: ብምስጢር ኪፈትሓ ሓሰበ። (ማቴዎስ 1:18, 19) ማርያም: እዚ ሕያዋይ ሰብኣይ እዚ ብዛዕባ ቕድሚኡ ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ኵነታት ኪጭነቕ ከሎ ምርኣያ ኣጕህይዋ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግን: ኣይተመረረትን።

የሆዋ ንዮሴፍ ቅኑዕ ዀይኑ እተራእዮ ኺገብር ኣይፈቐደሉን። መልኣኽ ኣምላኽ ንዮሴፍ: ማርያም ብተኣምር ከም ዝጠነሰት ነገሮ። እዝስ ከመይ ዝበለ ግልግል ኰን እዩ! ዮሴፍ ልክዕ ከምቲ ማርያም ካብ ፈለማ ዝገበረቶ: ምስ መምርሒታት የሆዋ ተሰማሚዑ ኺመላለስ ጀመረ። ንማርያም ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ: ነቲ ንወዲ የሆዋ ናይ ምክንኻን ፍሉይ ሓላፍነት ድማ ድሉው ኰነ።—ማቴዎስ 1:20-24

ምርዑዋት ሰብ ሓዳርን ኪምርዓዉ ዚሓስቡን: ካብዞም 2,000 ዓመት ይገብር ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ኪመሃሩ ኣለዎም። ዮሴፍ ነቲ ማርያም ሰበይቱ ኸም ኣደ መጠን እትፍጽሞ ዝነበረት ሓላፍነት ኪርኢ ኸሎ: መልኣኽ የሆዋ ይመርሖም ምህላዉ ብምርኣይ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ዓብዪ ውሳነታት ኪገብር ከሎ ኣብ የሆዋ ምውካል ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ርእይዎ እዩ። (መዝሙር 37:5፣ ምሳሌ 18:13) ርእሲ ስድራ ቤት ከም ምዃኑ መጠን: ውሳነታት ኪገብር ከሎ ይጥንቀቕን ብሓልዮት ይገብሮን ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ብዛዕባ እቲ ማርያም ንዮሴፍ ክትምርዓዎ ፍቓደኛ ምዃናኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ኣብ ፈለማ ነቲ ዝነገረቶ ምቕባል ከቢድዎ ነበረ፣ ኰይኑ ግን: ማርያም እቲ ደሓር ርእሲ ስድራ ቤት ዚኸውን ሰብኣይ ምላሽ ክሳዕ ዚህባ ተጸበየት። እዚ ኸኣ ንዓኣ ይኹን ሎሚ ንዘለዋ ክርስትያን ኣንስቲ ዚኸውን ጽቡቕ ትምህርቲ እዩ። እቲ ንዮሴፍን ንማርያምን ዘጋጠሞም ነገር ከኣ ሓሳብካ ብግህዶ ምግላጽ ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት ብዙሕ ምሂርዎም ኪኸውን ኣለዎ።

መውስቦ እዞም መንእሰያት ሰብ ሓዳር: ኣብ ጽቡቕ መሰረት እተሰረተ እዩ ነይሩ። ክልቲኦም ንየሆዋ ልዕሊ ዅሉ የፍቅርዎ ነበሩ: ሓላፍነት ዚስከሙን ሓለይትን ወለዲ ኸም ምዃኖም መጠን ከኣ ኬሐጕስዎ ይደልዩ ነበሩ። ሓቂ እዩ: ብዙሕ በረኸት እዩ ዚጽበዮም ነይሩ፣ ዓብዪ ብድሆታትን እውን ኬጋጥሞም ነበሮ። ከመይሲ: ነቲ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ኻብ እትፈልጦም ሰባት ዝዓበየ ዝዀነ የሱስ ናይ ምዕባይ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱሎም።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ፍቕሪ ኣምላኽ ንመውስቦ ብሉጽ መሰረት ይኸውን