ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኵራ ሓው

ኵራ ሓው

ንመንእሰያትና

ኵራ ሓው

መምርሒታት:- ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ: ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ድማ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዘፍጥረት 4:1-12 ኣንብብ።

ቃየል እንታይ ይመስል ከም ዝነበረን ኣብ ገጹ ዚንበብ ዝነበረ ነገራትን ባህርያቱን ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ ኣቤልከ፧

․․․․․

ኣብ ቃየል እንታይ “ግብሪ ስጋ” እዩ ብግሁድ እተራእየ፧ እዚ እተጋህደኸ ብኸመይ እዩ፧ (ገላትያ 5:19-21)

․․․․․

ዝያዳ ምርምር ግበር።—ቍጽሪ 4-7 እንደገና ኣንብብ።

የሆዋ ነቲ መስዋእቲ ጥራይ ድዩ ዚቕበሎ ወይ ዚነጽጎ ነይሩ: ወይስ ካልእ ነገር እውን ኣብ ግምት የእቱ ነይሩ እዩ፧ (ምሳሌ 21:2)

․․․․․

ኵራ ኣብ ምንታይ ኵነታት እዩ ምኽኑይ ኪኸውን ዚኽእል፧ ቃየል ‘ኣዝዩ ምዅራዩ’ ምሉእ ብምሉእ ጌጋ ዝነበረ ግን ስለምንታይ እዩ፧

․․․․․

ቅንኣት ግቡእ ኪኸውን ዚኽእል መዓስ እዩ፧ ቃየል ዝቐንኦ ቕንኢ ግቡእ ዘይኰነ ግን ስለምንታይ እዩ፧ (1 ነገስት 19:10)

․․․․․

ቃየል ንዅራኡ ‘ንኺገዝኦ’ እንታይ ስጕምትታት ኪወስድ ይኽእል ነይሩ፧

․․․․․

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ:-

ኵራ።

․․․․․

ቅንኢ።

․․․․․

ንግጉይ ዝንባለ ብኸመይ ከም ‘እትገዝኦ።’

․․․․․

ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․