ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣየናዩ ኸም ዚበቍል ኣይትፈልጥን ኢኻ

ኣየናዩ ኸም ዚበቍል ኣይትፈልጥን ኢኻ

ኣየናዩ ኸም ዚበቍል ኣይትፈልጥን ኢኻ

“ኣየናዩ ኸም ዚበቍል . . . ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ: ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ: ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር።”—መክ. 11:6

1. መስርሕ ዕቤት ምክትታል ዜስደምምን ትሕት ከም እትብል ዚገብርን ስለምንታይ እዩ፧

 ሓረስታይ ዕጉስ ኪኸውን ኣለዎ። (ያእ. 5:7) ዘርኢ ምስ ዘርአ: ክሳዕ ዚበቍልን ዚዓብን ኪጽበ ኣለዎ። ነቲ ዘርኢ ዚምሽእ ኵነታት ምስ ዚህሉ: እቲ ዘርኢ በብቝሩብ ኪበቍል ይጅምር: ኣብ ባይታ ድማ ይርአ። ድሕሪኡ ዓብዩ ይሽውት። ኣብ መወዳእታ: እቲ እኽሊ ምስ በጽሐ: እቲ ሓረስታይ ዚዓጽደሉ ግዜ ይኣክል። ነቲ ተኣምራዊ ዝዀነ መስርሕ ዕቤት ክትከታተሎ ኸለኻ ብሓቂ ዜስደምም እዩ! ምንጪ እቲ ዕቤት መን ምዃኑ እንተ ኣስተውዒልካ ድማ: ርእስኻ ትሕት ንኸተብል ይድርኸካ። ነታ ዘርኢ ኽትዓቢ ኸላ ኽንኵስኵሳ ንኽእል ኢና። ማይ እውን ከነስትያ ንኽእል ኢና። እቲ ዜብቍል ግን ኣምላኽ ጥራይ እዩ።—ምስ 1 ቈረንቶስ 3:6 ኣረኣኢ።

2. ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ ኣብ እተገልጸ ምሳሌታት: የሱስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕቤት እንታይ ነጥብታት እዩ ምሂሩ፧

2 ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ: የሱስ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምስቲ ሓረስታይ ዘርኢ ብምዝራእ ዚገብሮ ተግባር ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ እተፈላለየ ዓይነት ሓመድ ኣብ ዝሃቦ ምሳሌ: እቲ ሓረስታይ ጽቡቕ ዘርኢ እኳ እንተ ዘርአ: እቲ ዘርኢ ኺዓቢ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ከም ዚምርኰስ ኣጕልሐ። (ማር. 4:3-9) ኣብ ምሳሌ እቲ ዚድቅስ ዘራኢ: እቲ ሓረስታይ ነቲ መስርሕ ዕቤት ምሉእ ብምሉእ ኸም ዘይርድኦ ኣጕልሐ። እዚ ዚዀነሉ ምኽንያት: እቲ ዕቤት ዚርከብ: ብጻዕርታት ሰብ ዘይኰነስ: ብሓይሊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። (ማር. 4:26-29) ሕጂ እምበኣር የሱስ ዝመሰሎ ሰለስተ ተወሳኺ ምሳሌታት ንርአ፣ እዚ ድማ ብዛዕባ እታ ፍረ ኣድሪ: ብዛዕባ እቲ ማይ ብሑቝ: ከምኡውን ብዛዕባ እታ መርበብ እተመሰለ ምሳሌታት እዩ። a

ምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ

3, 4. ምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ: ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዜጕልሕ፧

3 እቲ ኣብ ማርቆስ ምዕራፍ 4 ዚርከብ ምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ: ክልተ ነገራት የጕልሕ። እዚ ድማ ቀዳማይ: እቲ ዜደንቕ ዕቤት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፣ ካልኣይ: እቶም ነቲ መልእኽቲ ዚቕበሉ ዚረኽብዎ ዕቝባ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክንምስላ፧ ወይስ እንታይ ምስላኡ ኽንገብረላ ኢና፧ ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርኤት እሞ ካብ ኵሉ ዘርኢ ምድሪ እትንእስ ፍረ ኣድሪ እያ። ምስ ተዘርኤት ከኣ: ትበቍል: ካብ ኵሉ ኣሕምልቲውን ትዐቢ። ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጽላላ ምስራሕ እንዳኤን ክሳዕ ዚኽእላ ኸኣ: ዓበይቲ ጨነፍር ትገብር።”—ማር. 4:30-32

4 ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ: እቲ ኻብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ ብምዝርጋሕ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን ብዕቤት ክርስትያናዊት ጉባኤን ኣቢሉ እተራእየ ናይ “መንግስቲ ኣምላኽ” ዕቤት ብጽቡቕ ተገሊጹ ኣሎ። ፍረ ኣድሪ ደቃቕ ዘርኢ ስለ ዝዀነት: ንኣዝዩ ንእሽቶ ነገር ከተመልክት ትኽእል እያ። (ምስ ሉቃስ 17:6 ኣረኣኢ።) ጸኒሑ ግን ተኽሊ ኣድሪ ኻብ 3 ክሳዕ 5 ሜተር ኪዓብን ድልዱል ጨናፍር ኪህልዎን ስለ ዚኽእል: ዳርጋ ኸም ኦም እዩ ዚኸውን።—ማቴ. 13:31, 32

5. እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ዕቤት እያ ዝገበረት፧

5 ዕቤት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብ33 ድ.ክ. 120 ዚዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብኡ: ብንእሽቶ እዩ ጀሚሩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ: ኣሽሓት ኣመንቲ ናብታ ንእሽቶ ጉባኤ ተጸምበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:41፣ 4:4፣ 5:28፣ 6:7፣ 12:24፣ 19:20 ኣንብብ።) ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት ቍጽሪ እቶም ዓየይቲ እኽሊ ኣዝዩ ስለ ዝበዝሐ: ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ኣብ ቈሎሴ ዝነበረት ጉባኤ: እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር [ከም] እተሰብከ” ጸሓፈላ። (ቈሎ. 1:23) እዝስ ከመይ ዝበለ መስተንክር ዕቤት ኰን እዩ!

6, 7. (ሀ) ካብ 1914 ኣትሒዙ እንታይ ምስፋሕ እዩ እተራእየ፧ (ለ) ብሕጂ እንታይ ተወሳኺ ዕቤት እዩ ኺርአ፧

6 መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ካብ እትቐውም ኣትሒዛ: ጨናፍር እታ “ኦም” ኣድሪ ኻብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ንላዕሊ ተዘርጊሑ ኣሎ። ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ኢሳይያስ ዝመዝገቦ: “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ: እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ” ዚብል ትንቢት: ቃል ብቓሉ ኺፍጸም ከሎ ርእዮምዎ እዮም። (ኢሳ. 60:22) እቶም ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ተጸሚዶም ዝነበሩ ሒደት ቅቡኣት ክርስትያናት: ኣብ 2008 ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ዜገልግሉ ዳርጋ ሸውዓተ ሚልዮን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዚህልዉ ኪግምቱ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ብሓቂ ምስቲ የሱስ ብዛዕባ ፍረ ኣድሪ ዝመሰሎ ምሳሌ ዚመሳስል ዜስደምም ዕቤት እዩ!

7 እቲ ዕቤት ግን ኣብዚ ደው ኪብል ድዩ፧ ኣይፋልን። ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዚመልኡሉ ግዜ ኺመጽእ እዩ። ኵሎም ተጻረርቲ ኺድምሰሱ እዮም። እዚ ብሰብኣዊ ጻዕርታት ዘይኰነስ: እቲ ልዑላዊ ጐይታና የሆዋ ኣብ ጕዳያት ምድሪ ጣልቃ ብምእታው ብዚወስዶ ስጕምቲ እዩ ዚፍጸም። (ዳንኤል 2:34, 35 ኣንብብ።) ሽዑ ነቲ ኢሳይያስ ዝመዝገቦ: “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ” ዚብል ካልእ ትንቢት: ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ኽንርእዮ ኢና።—ኢሳ. 11:9

8. (ሀ) እተን ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣዕዋፍ ንመን የመልክታ፧ (ለ) ሕጂ እውን እንተ ዀነ: ካብ ምንታይ ኢና ዕቝባ ረኺብና ዘለና፧

8 ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ትሕቲ ጽላል መንግስቲ ኣምላኽ ኪዓርፋ ኸም ዚኽእላ: የሱስ ተዛሪቡ ነይሩ። እዘን ኣዕዋፍ እዚኣተን ከምተን ብዛዕባ እቲ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ሓመድ ዚዘርእ ሰብኣይ ኣብ እተነግረ ምሳሌ ዘለዋ ኣዕዋፍ: ነቲ ጽቡቕ ኣዝርእቲ ኺበልዓ ዚፍትና ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኰናን ዜመልክታ። (ማር. 4:4) ኣብ ክንዳኡስ: እዘን ኣብዛ ምሳሌ እተጠቕሳ ኣዕዋፍ ነቶም ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዕቝባ ዚደልዩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት እየን ዜመልክታ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜርክስ ልማዳትን ተግባራትን እዛ እክይቲ ዓለም ተዓቚቦም እዮም ዘለዉ። (ምስ ኢሳይያስ 32:1, 2 ኣረኣኢ።) የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ ንመሲሓዊት መንግስቲ ምስ ኦም ብምምስሳል ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ኣብቲ በሪኽ ከረን እስራኤል ክተኽላ እየ። ክትጭንፍርን ክትፈርን: ግሩም ዝዀነት ጽሕዲውን ክትከውን እያ። ኵለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወን ዘበላን ኣብ ትሕቲኣ ኺነብራ: ኣብ ትሕቲ ጽላል ጨናፍራ ኺነብራ እየን።”—ህዝ. 17:23

ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቝ

9, 10. (ሀ) የሱስ ኣብቲ ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቝ እንታይ ነጥቢ እዩ ኣጕሊሑ፧ (ለ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ማይ ብሑቝ መብዛሕትኡ ግዜ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ የሱስ ንማይ ብሑቝ ብዛዕባ እተጠቕመሉ መገዲኸ እንታይ ሕቶ ኢና ኽንምርምር፧

9 ዕቤት ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን ንሰባት ዚርኣዮም። የሱስ ኣብታ እትቕጽል ምሳሌኡ: ነዚ ነጥቢ እዚ ኣጕልሐ። “መንግስተ ሰማያት: ሰበይቲ ወሲዳ: ኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ: ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል” በለ። (ማቴ. 13:33) እቲ ማይ ብሑቝ ንምንታይ የመልክት፧ ምስ ዕቤት መንግስቲ ኣምላኽከ ብኸመይ ይተሓሓዝ፧

10 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ማይ ብሑቝ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓጢኣት እዩ ዜመልክት። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጥንታዊት ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበረ ሓጢኣተኛ ኼሕድሮ ዚኽእል ጽልዋ ኺዛረብ ከሎ: ንማይ ብሑቝ በዚ መገዲ እዚ ተጠቕመሉ። (1 ቈረ. 5:6-8) የሱስ ግን ንኣሉታዊ ዕቤት ንምምልካት ድዩ ተጠቒሙሉ፧

11. ብግዜ ጥንቲ እስራኤላውያን ንማይ ብሑቝ ብኸመይ ይጥቀሙሉ ነበሩ፧

11 ነዛ ሕቶ እዚኣ ቕድሚ ምምላስና: ሰለስተ መሰረታዊ ሓቅታት ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ቀዳማይ: የሆዋ ኣብቲ በዓል ፋስጋ ዝበዅዐ እንጌራ ኺህሉ እኳ እንተ ዘይፈቐደ: ኣብ ካልእ ግዜያት ግን ዝበዅዐ እንጌራ: መስዋእቲ ዀይኑ ኪቐርበሉ ፈቒዱ እዩ። እቲ መስዋእቲ ዜቕርብ ሰብ ነቲ የሆዋ ዘፍሰሰሉ ብዙሕ በረኸት ምስጋናኡ ንኺገልጽ ኢሉ ብፍታው ኣብ ዜቕርቦ መስዋእቲ ምስጋና: ማይ ብሑቝ ኬእቱ ይፍቀደሉ ነበረ። እዚ ብሓባር ዚብላዕ መኣዲ: ሓጐስ ዝመልኦ እዩ ነይሩ።—ዘሌ. 7:11-15

12. ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንቓላት ብምሳልያዊ ኣገባብ ዚጥቀመሉ መገዲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

12 ካልኣይ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓደ ነገር ኣብ ሓደ እዋን ኣሉታዊ ትርጕም ኪህልዎ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ኣብ ካልእ እዋን ግን ኣወንታዊ ትርጕም ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:8 ሰይጣን ሓደገኛን ጨካንን ምዃኑ ንምምልካት ብኣንበሳ ተመሲሉ ኣሎ። ኣብ ራእይ 5:5 ድማ የሱስ: “ካብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ” ተባሂሉ ኣሎ። ኣብዚ ግን: ኣንበሳ: ትብዓት ዝመልኦ ፍትሒ ንምምልካት እዩ ተጠቒሱ ዘሎ።

13. የሱስ ብዛዕባ ማይ ብሑቝ ዝመሰሎ ምሳሌ: ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕቤት እንታይ ይሕብር፧

13 ሳልሳይ: ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ: እቲ ማይ ብሑቝ ንዅሉ እቲ እተለውሰ ሓርጭ ከም ዘበላሸዎ ኣይተዛረበን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ እንጌራ ንምስራሕ ዚዝውተር ንቡር መስርሕ እዩ ጠቒሱ። እታ ሰበይቲ ዀነ ኢላ እያ ማይ ብሑቝ ኣእትያትሉ: እዚ ድማ ጽቡቕ ውጽኢት ነበሮ። እቲ ማይ ብሑቝ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓርጭ እዩ ነይሩ። ስለዚ: እቲ ዝለወሰቶ ሓርጭ ኪበኵዕ ከሎ ኣይትርእዮን እያ። እዚ ብዛዕባ እቲ ዘርኢ ዘሪኡ ለይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይ የዘኻኽረና። የሱስ: “እቲ ዘርኢ ድማ: ንሱ ኸይፈለጠ: ይበቍል ይዐቢውን” በለ። (ማር. 4:27) እዚ ነቲ ዘይርአ መንፈሳዊ ዕቤት ንምግላጽ ዜኽእል ቀሊል ምሳሌ እዩ። ኣብ ፈለማ ነቲ ዕቤት ኣይንርእዮን ንኸውን: ውዒሉ ሓዲሩ ግን እቲ ውጽኢት ይገሃድ።

14. እቲ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ሓርጭ ዜብኵዖ ምዃኑ: ነየናይ መዳይ እቲ ዕዮ ስብከት እዩ ዜመልክት፧

14 እቲ ዕቤት ብሰባት ዘይርአ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ኵሉ እተዘርግሐ እውን እዩ። እዚ ኣብቲ ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቝ ጐሊሑ ዘሎ ኻልእ መዳይ እዩ። እቲ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ “ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ” እዩ ዜብኵዖ። (ሉቃ. 13:21) እቲ መንፈሳዊ ዕቤት ከም ዚህሉ ዝገበረ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ከም ማይ ብሑቝ ብምዃኑ: ሕጂ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ይስበኽ ኣሎ። (ግብ. 1:8፣ ማቴ. 24:14) ክፍሊ እዚ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርአ ዘሎ ዜደንቕ ዕቤት ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

እታ መርበብ

15, 16. (ሀ) ምሳሌ እታ መርበብ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። (ለ) እታ መርበብ ንመን ተመልክት፧ እዚ ምሳሌኸ ነየናይ መዳይ ዕቤት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዚእምት፧

15 እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዚብሉ: ካብ ብዝሖም ንላዕሊ እንታይ ዓይነት ደቀ መዛሙርቲ ምዃኖም እዩ ዜገድስ። የሱስ ብዛዕባ ሓንቲ መርበብ ምሳሌ ኺምስል ከሎ: ብዛዕባ እዚ መዳይ ዕቤት መንግስቲ ኣምላኽ ኣሚቱ እዩ። “ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ ካብ ኵሉ ዓይነት ዓሳ ዝአከበት መርበብ ትመስል” በለ።—ማቴ. 13:47

16 እታ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እተመልክት መርበብ: ካብ ኵሉ ዓይነት ዓሳ ኣከበት። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ:- “ምስ መልኤት: ናብ ደንደስ ኣውጽእዋ። ተቐሚጦም ድማ: ጸጽቡቑ ኣብ ኣቓሑኦም አከቡ: ነቲ ኸክፉኡ ግና ንወጻኢ ደርበይዎ። ብመወዳእታ ዓለም [“መደምደምታ እቲ ስርዓት:” NW] ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፤ መላእኽቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም: ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።”—ማቴ. 13:48-50

17. እቲ ኣብ ምሳሌ እታ መርበብ እተጠቕሰ ምፍልላይ ኣበየናይ ግዜ እዩ ዚካየድ፧

17 እዚ ምፍልላይ እዚ: ነቲ የሱስ ብኽብሩ ምስ መጸ ዚፍጸም ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣባጊዕን ኣጣልን ድዩ ዜመልክት፧ (ማቴ. 25:31-33) ኣይኰነን። እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ: የሱስ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ መጸ እዩ ዚፍጸም። እቲ ኣብቲ ምሳሌ እታ መርበብ ተገሊጹ ዘሎ ምፍልላይ ግን ኣብ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” እዩ ዚካየድ። b እዚ ድማ: እዚ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ዜምርሕ ንሕና ሕጂ እንነብረሉ ዘለና ግዜ እዩ። እሞ ደኣ እቲ ናይ ምፍልላይ ዕዮ ብኸመይ እዩ ዚካየድ ዘሎ፧

18, 19. (ሀ) ናይ ምፍልላይ ዕዮ ሕጂ እውን ዚካየድ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት እንታይ ስጕምቲ እዮም ኪወስዱ ዘለዎም፧ (ኣብ ገጽ 21 ዚርከብ እግረ-ጽሑፍ እውን ርአ።)

18 ኣብዚ ግዜና ቓል ብቓሉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ምሳልያውያን ዓሳ: ካብቶም ብባሕሪ ዚምሰሉ ደቂ ሰብ ናብ ጉባኤ የሆዋ ተሳሒቦም እዮም። ገሊኦም ኣብ በዓል ዝኽሪ ይእከቡ: ገሊኦም ናብ ኣኼባታትና ይመጹ: ገሊኦም ከኣ ተሓጒሶም መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ። ኵሎም እዚኣቶም ግን ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃኖም ብግብሪ ኣርእዮም ድዮም፧ ‘ናብ ደንደስ ወጺኦም’ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም: የሱስ ግን ‘ጸጽቡቖም’ ጥራይ ናብቲ ንክርስትያን ጉባኤታት ዜመልክት ኣቓሑ ኸም ዚእከቡ ገሊጹ ኣሎ። ከክፉኦም ግን ንወጻኢ ይድርበዩ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብቲ ንናይ መጻኢ ጥፍኣት ዜመልክት እቶን ሓዊ ይድርበዩ።

19 ልክዕ ከምቶም ክፉኣት ዓሳ: ምስ ህዝቢ የሆዋ ሓቢሮም መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት እውን መጽናዕቶም ኣቋሪጾም እዮም። ገሊኦም ካብ ክርስትያን ወለዲ እተወልዱ ውሉዳት: ኣስኣሰር የሱስ ኪስዕቡ ፈጺሞም ኣይደለዩን። ንየሆዋ ንምግልጋል ውሳነ ኺገብሩ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን ወይ ንእተወሰነ እዋን ኬገልግልዎ ድሕሪ ምጽናሖም ኣገልግሎቶም ኣቋሪጾም እዮም። c (ህዝ. 33:32, 33) ናይ መወዳእታ መዓልቲ ፍርዲ ቕድሚ ምእኻላ ግን ኵሎም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብተን ከም ኣቓሑ ዝዀና ጉባኤታት ኪእከቡን ዕቝባ ኣብ ዚረኽቡሉ ቦታታት ኪጸንሑን ኣለዎም።

20, 21. (ሀ) ነቲ የሱስ ብዛዕባ ዕቤት ዝመሰሎ ምሳሌታት ብምምርማርና እንታይ ትምህርቲ ረኺብና፧ (ለ) ንስኻ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

20 ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ የሱስ ብዛዕባ ዕቤት ዝመሰሎ ምሳሌታት እንታይ ተማሂርና፧ ቀዳማይ: ከምቲ ኣብ ዕቤት እታ ፍረ ኣድሪ እተራእየ: ኣብዚ ኣብ ምድሪ እውን ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስፋሕ ዝመጸ ዜደንቕ ዕቤት ተራእዩ እዩ። ንዝርጋሐ ዕዮ የሆዋ ደው ኬብሎ ዚኽእል የልቦን! (ኢሳ. 54:17) ብተወሳኺ: ነቶም ‘ኣብ ጽላል እታ ኦም እንዳኦም ዚሰርሑ’ መንፈሳዊ ዕቝባ ተገይሩሎም እዩ። ካልኣይ: እቲ ዜብቍል ኣምላኽ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ እቲ እተለውሰ ሓርጭ ዚርከብ ማይ ብሑቝ ዘይርአ: እዚ ዕቤት እዚ ብቐሊሉ እትርእዮ ወይ ብቐሊሉ ዚርድኣካ እኳ እንተ ዘይኰነ: ብሓቂ ግን ዕቤት ኣሎ! ሳልሳይ: ነቲ መልእኽቲ ምላሽ ዝሃቡ ዅሎም ኣይኰኑን ጽቡቓት ምዃኖም ዘርኣዩ። ገሊኦም ከምቶም የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ዝጠቐሶም ክፉኣት ዓሳ ዀይኖም እዮም።

21 ብዙሓት ጽቡቓት ዓሳ ናብ የሆዋ ኺሰሓቡ ምርኣይ ግን ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! (ዮሃ. 6:44) እዚ ኣብ ሃሃገሩ ሓለፍ ዝበለ ወሰኽ ኣምጺኡ እዩ። እዚ ዕቤት እዚ ሳላ የሆዋ ኣምላኽ ስለ እተረኽበ: ኵሉ ኽብሪ ንዕኡ እዩ ዚግባእ። ነዚ ዕቤት እዚ ንርእዮ ስለ ዘለና: ነፍሲ ወከፍና ነቲ ዘመናት ይገብር እተዋህበ: “ኣየናዩ ኸም ዚበቍል: እዚ ወይስ እቲ ወይስ ክልቲኣቶም ሐቢሮም እንተ ጸበቑ: ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ: ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ” ዚብል ማዕዳ ንኽንዓየሉ ኽንድረኽ ኣሎና።—መክ. 11:6

[እግረ-ጽሑፋት]

a እዚ ዚስዕብ መግለጺታት ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ናይ 15 ሰነ 1992 ግምቢ ዘብዐኛ: ኣብ ገጽ 9-17 [ወይ ኣብ ገጽ 17-22 (እንግሊዝኛ)] ከምኡውን ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1975 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ): ኣብ ገጽ 589-608 እተዋህበ መግለጺታት ዚእርም እዩ።

b ኣብ ማቴዎስ 13:39-43 ዘሎ ሓሳባት ንእተፈልየ መዳይ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዜመልክት እኳ እንተ ዀነ: ምስቲ ምሳሌ እቲ መርበብ ኣብ ሓደ እዋን እዩ ዚካየድ፣ ማለት ክልቲኡ ኣብ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” እዩ ዚካየድ። እቲ ንምሳልያዊ ዓሳ ናይ ምፍልላይ ዕዮ: ከምቲ ኣብ ብምሉኡ እዚ እዋን እዚ ዚካየድ ናይ ምዝራእን ናይ ምዕጻድን ዕዮ ቐጻሊ መስርሕ እዩ።—ናይ 15 ጥቅምቲ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25-26፣ ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ ገጽ 178-181: ሕጡብ ጽሑፍ 8-11

c ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ኵሎም እቶም ምስ ህዝቢ የሆዋ ዚገብርዎ ዝነበሩ መጽናዕቲ ዀነ ሕብረት ዘቋረጹ ሰባት: ክፉኣት ተባሂሎም ብመላእኽቲ ንወጻኢ ተደርብዮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን! ሓደ ሰብ ብሓቂ ናብ የሆዋ ኺምለስ እንተ ደልዩ: እቲ መገዲ ኽፉት እዩ።—ሚል. 3:7

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ: ብዛዕባ ዕቤት መንግስቲ ኣምላኽን መንፈሳዊ ዕቝባን እንታይ ትምህርቲ ይህበና፧

• እቲ ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ማይ ብሑቝ ንምንታይ የመልክት፧ የሱስከ ብዛዕባ ዕቤት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ሓቂ እዩ ዘጕልሐ፧

• ኣብ ምሳሌ እታ መርበብ እንታይ መዳይ ዕቤት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ተሓቢሩ፧

• ካብቶም ‘ኣብ ኣቓሑ ዚእከቡ’ ንኽንከውን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ ብዛዕባ ወሰኽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ይምህረና፧

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቝ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ምፍልላይ እቶም ጽቡቓትን ክፉኣትን ዓሳ ንምንታይ የመልክት፧