ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንዳሕራይካ’ ሕሰብ

‘ንዳሕራይካ’ ሕሰብ

‘ንዳሕራይካ’ ሕሰብ

ኣብ ጕዕዞ ህይወትና ብዙሕ ምርጫታት ይቐርበልና እዩ። ዝዀነ ይኹን ውሳነ ቕድሚ ምግባርና፡ እቲ እንገብሮ ውሳነ እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣቐዲምና ምሕሳብ ጥበባዊ እዩ። ገሊኦም ሰባት በቲ ዝገበርዎ ውሳነታት ኣዝዮም ይጠዓሱ እዮም። ምናልባት ንስኻ እውን፡ ‘እዚ ኸም ዚኸውን እንተ ዝፈልጥ፡ ካብ መጀመርታኡ ከምኡ ኣይምገበርኩን ነይረ’ ኢልካ ትኸውን።

ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ተጓዓዛይ፡ ነፍሲ ወከፍ መገዲ ናበይ ከም ዚወስድ ኪፈልጥ ይደሊ እዩ። ካርታ ኺውከስን ነቲ ቦታ ዚፈልጥዎ ሰባት ኪሓትትን ይኽእል። ነቲ ኣብ መገዲ ዜጋጥሞ መሐበሪ ምልክታት እውን የቕልበሉ። ኣብ ጕዕዞ ህይወትከ፡ እቲ ዝበለጸ መገዲ ኣየናይ ምዃኑ ብኸመይ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧ ኣምላኽ ሓደ እዋን ብሙሴ ኣቢሉ ብዛዕባ እስራኤላውያን፡ “ነዚ ኼስተውዕልዎ፡ ነቲ ዳሕራዮም ድማ ኪሐስቡስ፡ ለባማት ደኣ እንተ ዚዀኑ” በለ።—ዘዳግም 32:29

ብሉጽ ምኽሪ

እቲ እንኸዶ ጕዕዞ ህይወት ‘ዳሕራዩ’ እንታይ ከም ዚኸውን ዜሰክፍ የብልናን። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ጸብለል ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ጕዕዞ ህይወት ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ እታ ኪኸዱላ ዚግብኦም ዝበለጸት መገዲ፡ ምኽሪ ኺህቦም ይኽእል እዩ። ነቲ ደቂ ሰብ እተጓዕዝዎ እተፈላለየ መገድታትን ዘምጽኣሎም ሳዕቤንን ክርኢ ጸኒሑ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ፡ ነኻይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ” ይብል።—ምሳሌ 5:21

የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎ ይሓልየሎም እዩ። በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኸኣ፡ እታ ዝበለጸት መገዲ ይሕብሮም። “ኣነ ኽምህረካ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፡ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ዚብል ነንብብ። ስለዚ፡ ጕዕዞ ቕድሚ ምጅማርካ ኸምቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ዝገበሮ፡ ምኽሪ የሆዋ ኽትረክብ ምድላይካ ጥበባዊ እዩ። ንሱ፡ “እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ” ኢሉ ጸለየ።—መዝሙር 32:8፣ 143:8

ብሓደ እሙንን ተመክሮ ዘለዎን ተጓዓዛይ እተሓበረካ መገዲ ምኻድ፡ ምትእምማንን ድሕንነትን ከም ዚስምዓካ ኺገብር ይኽእል እዩ። እቲ መገዲ ናበይ ከም ዚመርሓካ ኣይትጭነቕን ኢኻ። ዳዊት ብዛዕባ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ንየሆዋ ብምሕታት ነቲ ዝነገሮ መምርሕን ኣንፈትን ሰዓበ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣእምሮኣዊ ሰላም ክረክብ ከኣለ። እዚ ድማ ኣብታ ፍልጥቲ ዝዀነት መበል 23 መዝሙር ብጽቡቕ ተገሊጹ ኣሎ። ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፡ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። . . . ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፡ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።”—መዝሙር 23:1-4

መጻኢኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧

ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ኣሳፍ ወይ ሓደ ኻብ ዘርኡ፡ ኣብ ጕዕዞ ህይወት ኪጐዓዝ ከሎ፡ ካብቲ ቕኑዕ መገዲ “ሰንከልከል ንምባል” ቀሪቡ ኸም ዝነበረ ተኣመነ። እንታይ ኣጋጠሞ፧ እቶም መደናገርትን ዓመጽትን ዝረኸብዎ ብልጽግና ኸምኡውን “ራህዋ ረሲኣን” ምስ ረኣየ ቐንአ። “ኵሉ ጊዜ ሀዲኦም” ዚነብሩ ዀይኑ ተሰምዖ። እቲ ዝኸፍአ ኸኣ፡ እቲ ጸሓፍ መዝሙር በቲ ዝመረጾ መገዲ ጽድቂ ምምልላስ ጥበባዊ ምዃኑ ኼጠራጥሮ ጀመረ።—መዝሙር 73:2, 3, 6, 12, 13

ድሕርዚ፡ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣትዩ መወዳእታ እቶም ረሲኣን ንኺፈልጥ ጸለየ። ‘መወዳእታኦም ኬስተብህል’ ከም ዝደለየ ገለጸ። ብዛዕባ መጻኢ እቶም ዝቐንኣሎም ሰባት ኣስተንተነ። መጻኢኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት “ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ” ከም ዘለዉን ‘ብስምባድ ከም ዚውድኡን’ ተገንዘበ። ብዛዕባ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ባዕሉ ዝመረጾ መገዲኸ፡ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ንሱ ንየሆዋ፡ “ደሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ” ኢሉ ተዛሪብዎ እዩ።—መዝሙር 73:17-19, 24

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቶም ብሓጺርን ብዜተሓታትትን መገዲ ዝሃብተሙ ሰባት ዜጋጥሞም ኵነታት ምስ ኣስተንተነ፡ ንሱ ኣብቲ ቕኑዕ መገዲ ኸም ዘሎ ኣረጋገጸ። “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ” ኣብ ዚብል መደምደምታ ኸኣ በጽሐ። ናብ የሆዋ ኣምላኽ ብቐጻሊ ምቕራብ፡ ወትሩ ነባሪ ጥቕሚ ኣለዎ።—መዝሙር 73:28

“ናበይ ገጽካ ኸም እተምርሕ ፍለጥ”

ሎሚ እውን ንዓና ተመሳሳሊ ምርጫታት ይቐርበልና ይኸውን። ጽቡቕ ዝዀነ ውዕል ስራሕ፡ ዕቤት ስራሕ፡ ወይ መኽሰብ ኣብ ዘለዎ ንግዲ ሽርካ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ትረክብ ትኸውን። ብርግጽ፡ ዝዀነ ይኹን ሓድሽ ስራሕ እተወሰነ ሓደጋ ኣለዎ። እቲ እትገብሮ ምርጫ ‘ዳሕራዩ’ እንታይ ውጽኢት ከም ዚህልዎ ምሕሳብሲ ጥበባዊዶ ኸይኰነ፧ እንታይ ሳዕቤን ይህልዎ ይኸውን፧ ንነዊሕ እዋን ካብ ቤትካ ኽትፍለ ዚሓትትን ንዓኻ ወይ ንመጻምድትኻ ውጥረት ዚፈጥርን ድዩ፧ ምስ ናይ ንግዲ መሻርኽቲ ወይ ኣብ ሆቴላትን ካልእ ቦታታትን ምስ እትረኽቦም ሰባት ዘይጥዑይ ምሕዝነት ንኽትፈጥር ይገብረካ ድዩ፧ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ መገዲ ተጠንቂቕካ ብምስትውዓል፡ ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ነቲ “ናበይ ገጽካ ኸም እተምርሕ ፍለጥ” ዚብል ማዕዳ ሰሎሞን ነቕልበሉ።—ምሳሌ 4:26 ኮንተምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን

ኵላትና፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ነዚ ምኽሪ እዚ ኣጸቢቖም ኪሓስብሉ ኣለዎም። ሓደ መንእሰይ፡ ኰነ ኢሉ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ቪድዮ ተኻረየ። ነቲ ቪድዮ ድሕሪ ምርኣዩ ጾታዊ ስምዒቱ ስለ እተለዓዓለ፡ ናብታ ኣብ ጥቓኡ ኸም እትነብር ዝፈልጣ ኣመንዝራ ኸደ። ድሕርዚ፡ ዓሚቝ ጓሂ ልብን ናይ ገበን ስምዒትን ተሰምዖ፡ ተመሓላላፊ ሕማም ሒዝዎ ኸይከውን እውን ፈርሀ። እቲ ዘጋጠሞ ዅነታት ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ፡ . . . ብኡብኡ ሰዐባ” ብምባል ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ ዚሰማማዕ እዩ። እቲ መንእሰይ ኣቐዲሙ ‘ንዳሕራዩ’ እንተ ዚሓስብ፡ ኣብዚ ዅነታት እዚ ኣይምወደቐን ነይሩ!—ምሳሌ 7:22, 23

ነቲ መሐበሪ ምልክታት እመኖ

ብዙሓት ሰባት ንመሐበሪ ምልክታት ዕሽሽ ምባል ጥበባዊ ኸም ዘይኰነ ይሰማምዕሉ እዮም። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኣብ መገዲ ህይወት ዚጐዓዙ ገሊኦም ሰባት፡ ነቲ ምስ ብሕታዊ ምርጫኦም ዘይሰማማዕ መምርሒ ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ገሊኦም እስራኤላውያን ዘጋጠሞም ኵነታት እስከ ንርአ። እቶም ህዝቢ ውሳነ ኺገብሩ ኣድልይዎም ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ “እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ” ኢሉ መዓዶም። እቶም ህዝቢ ግን ብድርቅና “ኣይንመላለሰሉን” ኢሎም መለሱ። (ኤርምያስ 6:16) እቲ ናይ ዕልወት መገዶም ‘ዳሕራዩ’ እንታይ ኰነ፧ ብ607 ቅ.ክ. ባቢሎናውያን ንኸተማ የሩሳሌም ምሉእ ብምሉእ ኣጥፍእዋ፡ ነቶም ነበርቲ ድማ ናብ ባቢሎን ማሪኾም ወሰድዎም።

ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና መሐበሪ ምልክታት ዕሽሽ ንብሎ እንተ ዄንና፡ ኣይንጥቀምን ኢና። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ኢሉ ይምሕጸነና።—ምሳሌ 3:5, 6

ኣምላኽ ዚህቦ መጠንቀቕታታት ጠቓሚ ሓበሬታ ይዀነና እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶ፡ ብጐደና እቶም እኩያት ከኣ ኣይትኺድ” ይብለና። (ምሳሌ 4:14) ካብቲ ጐዳኢ ዝዀነ መገድታት ሓደ፡ እቲ ኣብ ምሳሌ 5:3, 4 ተጠቒሱ ዚርከብ ኰይኑ፡ “ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይትስ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡ ኣፋ ኸኣ ካብ ዘይቲ ይልስልስ። መወዳእታኣ ግና ከም ዕረ መሪር፡ ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሴፍ ከኣ በሊሕ እዩ” ይብል። ንገሊኦም ሰባት፡ ምስ ኣመንዝራ ወይ ምስ ካልእ ዚግበር ብዕሉግ ርክብ ደስ ዜብል ኪመስሎም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ኣካይዳ ዝሃቦ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ምባል፡ ናብ ጥፍኣት ጥራይ እዩ ኺመርሓና ዚኽእል።

ኣብዚ መገዲ እዚ ሓደ ስጕሚ ቕድሚ ምስጓምካ፡ ‘ናበይ እዩ ኺመርሓኒ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። እቲ መገዲ ኣብ ‘ዳሕራዩ’ ሕማቕ ሳዕቤን ኪህልዎ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ሓንሳእ ደው ኢልካ ምሕሳብካ ጥራይ ናብ ሕማቕ ሳዕቤን ዚመርሕ ስጕምቲ ንኸይትወስድ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እቶም ንመጠንቀቕታታት ኣምላኽ ዕሽሽ ዝበሉ ሰባት፡ ኣብ ህይወቶም ከም አይድስን ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማትን፡ ዘይተደለየ ጥንሲ፡ ምንጻል ጥንሲ፡ ምስ ሰባት ዘለዎም ርክብ ምብልሻው፡ ከምኡውን ሕማቕ ሕልና ዝኣመሰለ ሕማቕ ነገራት የጋጥሞም እዩ። መወዳእታ መገዲ እቶም ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ዚገብሩ ሰባት ሃዋርያ ጳውሎስ ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ። ንሳቶም “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ተዛረበ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10

“እዚኣ እያ እታ መገዲ”

ሓድሓደ እዋን፡ ሓደ መገዲ ናበይ ከም ዚመርሓና ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ። ነቲ ኣምላኽ ዚህበና ፍቕራዊ ሓልዮትን ንጹር መምርሕን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግን! የሆዋ፡ “እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ” በለ። (ኢሳይያስ 30:21) መወዳእታ እታ የሆዋ ዜርእየና መገዲ እንታይ እዩ፧ እታ መገዲ ጸባብን ኣጸጋሚትን እኳ እንተ ዀነት፡ የሱስ ከም ዝበሎ ግን ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት እያ እትመርሕ።—ማቴዎስ 7:14

ብዛዕባ እቲ እትጐዓዘሉ ዘለኻ መገዲ እሞ ሕስብ ኣብለሉ። እቲ ቕኑዕ መገዲ ድዩ፧ ናበይ ገጹ እዩኸ ዜምርሕ፧ ነዚ ንምፍላጥ ብጸሎት ኣቢልካ መምርሒ የሆዋ ድለ። ነቲ ‘ካርታ መገዲ’ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ተወከስ። ብመገዲ ኣምላኽ ንምኻድ ጻዕሪ ዝገበረ ተመክሮ ዘለዎ ተጓዓዛይ ምሕታት፡ ከም ዜድሊ እውን ይስምዓካ ይኸውን። ኣንፈት ክትቅይር ከም ዚግባእ እንተ ተረዲእካ ኸኣ ግዜ ኸይወሰድካ ኸምኡ ግበር።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓደ ተጓዓዛይ ኣብቲ ቕኑዕ መገዲ ኸም ዘሎ ዜረጋግጸሉ መሐበሪ ምልክት ምስ ዚርኢ፡ ምትእምማን ይሓድሮ እዩ። ኣብ ጕዕዞ ህይወትካ ብመገዲ ጽድቂ ትኸይድ ከም ዘለኻ እንተ ኣረጋጊጽካ፡ ተኣማሚንካ ብእኡ ምምልላስካ ቐጽል። ኣብ ቅድሜና ዝበለጸ ዓስቢ ዘለዎ ጕዕዞ ይጽበየና ኣሎ።—2 ጴጥሮስ 3:13

ዝዀነ ይኹን መገዲ ናብ ሓደ ቦታ የብጽሕ እዩ። እሞኸ ነቲ ዝመረጽካዮ መገዲ ስዒብካ ምስ ተጓዓዝካ፡ ኣብ መወዳእታ ኣበይ ኢኻ ኽትበጽሕ፧ ኣብኡ ዄንካ፡ ‘ብኻ ኻልእ መገዲ መሪጸ!’ ኢልካ ምጥዓስ ፋይዳ የብሉን። እምበኣርከስ፡ ኣብ ጕዕዞ ህይወት ዚቕጽል ስጕሚ ቕድሚ ምስጓምካ፡ ‘እቲ “ዳሕራዩ” እንታይ ኪኸውን እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

‘ዳሕራዩ’ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ ብብዙሓት ዝፍቶ ነገራት ንኺገብሩ ይፍተኑን ጸቕጢ ይግበሮምን እዩ። ገለ ኻብቲ ኼጋጥሞም ዚኽእል ነገራት ኣብዚ ተዘርዚሩ ኣሎ።

ሓደ ሰብ ሽጋራ ንኸተትክኽ ይደፋፍኣካ።

ሓደ ዚግደሰልካ መምህር፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ንኽትመሃር የተባብዓካ።

ኣልኮላዊ መስተ፡ ምናልባት ከኣ ሓሽሽ ብቐሊሉ ኣብ ዚርከበሉ ግብጃ ትዕደም።

ሓደ ሰብ፡ “ሓጺር ታሪኽ ህይወትካ ኣብ ኢንተርነት ስለምንታይ ዘይትዝርግሕ፧” ኢሉ ሓሳብ የቕርበልካ።

ሓደ ዓርክኻ፡ ዓመጽ ወይ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ዜርኢ ፊልም ንኽትርኢ ይዕድመካ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧ ከየመዛዘንካ ኽትቅበሎ ዲኻ ወይስ ‘ዳሕራዩ’ እንታይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ብጥንቃቐ ኽትሓስበሉ ኢኻ፧ “ሰብዶ ሓዊ ሐቚፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፧ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ኸይዱኸ፡ ኣእጋሩዶ ኣይሐርርን እዩ፧” ኢልካ ንርእስኻ ምሕታት ጥበባዊ እዩ።—ምሳሌ 6:27, 28