ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ብትኽክል ዘይፍለጥ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ምጥቃም ኣድለየ፧

ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ብትኽክል ዘይፍለጥ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ምጥቃም ኣድለየ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ብትኽክል ዘይፍለጥ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ምጥቃም ኣድለየ፧

ስም ኣምላኽ ኣብ ጥንታዊ ቛንቋ እብራይስጢ ብኸመይ ይድመጽ ከም ዝነበረ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ብትኽክል ዚፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። እቲ ዜገርም ግን፡ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 7,000 ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ስም ኣምላኽ ኣፍለጠ፡ ንምቕዳስ እዚ ስም እዚ ኺጽልዩ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ኣዘዘ። (ማቴዎስ 6:9፣ ዮሃንስ 17:6) ብርግጽ እምበኣር፡ ስም ኣምላኽ ምጥቃም ንእምነት ሓደ ክርስትያን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እሞ ደኣ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ኣደማምጻ እዚ ስም እዚ ሎሚ ብትኽክል ኪፍለጥ ዘይተኻእለ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚ ኽልተ ቐንዲ ምኽንያት ኣሎ።

ቀዳማይ፡ ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር፡ ስም ኣምላኽ ምድማጽ ጌጋ እዩ ዚብል ማሪታዊ ልምዲ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ተላዒሉ ነበረ። ሓደ ኣንባቢ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ከሎ ነታ ስም “ጐይታ” ብእትብል ቃል ተኪኡ የንብባ ነበረ። ንሓያሎ ዘመናት ስለ ዘይተጠቕምሉ ኸኣ ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ተረስዐ።

ካልኣይ፡ ጥንታዊ ቛንቋ እብራይስጢ ልክዕ ከም ኣብ እንግሊዝኛን ካልእ ቋንቋታትን ዘሎ ኣሕጽሮተ ቓላት፡ ብዘይ ኣድመጽቲ ይጸሓፍ ነበረ። ሓደ ኣንባቢ፡ ጽሑፍ ኬንብብ ከሎ ነቲ ዝጠፍአ ኣድማጺ ባዕሉ እናዘከረ የንብቦ ነበረ። ድሕሪ ግዜ ግን፡ ኣደማምጻ ናይ እብራይስጢ ቓላት ፈጺሙ ንኸይርሳዕ ዜኽእል ሜላ ተማህዘ። ኣብ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘሎ ነፍሲ ወከፍ ቃል ከኣ ናይ ኣድመጽቲ ነጥብታት ተወሰኸሉ። ኣብ መለኮታዊ ስም ግን፡ እቲ ኣንባቢ ነታ “ጐይታ” እትብል እተተክአት ቃል ኬንብብ ከም ዘለዎ ንምዝኽኻር፡ ነታ “ጐይታ” እትብል ዜመልክት ነጥብታት ይውሰኸሉ ነበረ፡ ፈጺሙ ዘይውሰኸሉ እዋን እውን ነይሩ እዩ።

ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ እተን ቴትራግራማተን ተባሂለን ዚጽውዓ ኣርባዕተ ተደመጽቲ ፊደላት ጥራይ ክሳዕ ሕጂ ጸንሓ። ሓደ መዝገበ-ቓላት ነዘን ፊደላት እዚኣተን፡ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ነቲ ተጸውዖ ስም ኣምላኽ ዜመልክታ የሀወሀ ወይ ጀሀቨሀ ዚበሃላ ኣርባዕተ ናይ እብራይስጢ ፊደላት” ኢሉ ተርጕምወን ኣሎ። እተን የሀወሀ ዚብላ ፊደላት ኣድመጽቲ ፊደላት ምስ ተወሰኸን ብኸመይ ነታ ብብዙሓት እትፍለጥን ተቐባልነት ዘለዋን “የሆዋ” እትብል ናይ ትግርኛ ቓል ከም ዜቝማ ብቐሊሉ ኺርድኣና ይኽእል እዩ።

ገሊኦም ምሁራት ግን “ያህወህ” ተባሂሉ ኺድመጽ ኣለዎ ይብሉ። እሞኸ እዚ ቓል እዚ፡ ምስቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ኣደማምጻ ዚቀራረብ ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ ርግጸኛ ኪኸውን ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን። ካልኦት ምሁራት እኳ ደኣ፡ ነዚ ኣደማምጻ እዚ ኽንጥቀመሉ ኸም ዘይብልና ንምግላጽ መርትዖ የቕርቡ እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስማት ብዘመናዊ ቛንቋ ኺዝረብ ከሎ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ እብራይስጢ ዘይድመጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ግን ነዚ ኣይቃወምዎን እዮም። እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ እቲ ስማት ክፋል ቋንቋና ስለ ዝዀነን ብቐሊሉ ኺልለ ስለ ዚከኣልን እዩ። እቲ የሆዋ ዚብል ስም እውን ከምኡ እዩ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ንስም ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። ብዛዕባ እቲ ስም ንኻልኦት ይሰብኩን ንስሙ ኺጽውዑ የተባብዑን ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:21፣ 15:14፣ ሮሜ 10:13-15) ብንጹር እምበኣር፡ እንዛረበሉ ቛንቋ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ስም ኣምላኽ ምጥቃም፡ ነቲ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣፍልጦ ምሃብ፡ ከምኡውን ምስቲ ስሙ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ተሰማሚዕካ ምንባር ንኣምላኽ የገድሶ እዩ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ዜገርም፡ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 7,000 ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ