ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ን“መንፈስ ዓለም” ተጻረሮ

ን“መንፈስ ዓለም” ተጻረሮ

ን“መንፈስ ዓለም” ተጻረሮ

“ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር: መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን።” 1 ቈረ. 2:12

1, 2. (ሀ) ቀደም ኣብ ብሪጣንያ ዚርከብ ዝነበረ መዐደኒ: ኣዕዋፍ ኪሕዝ ዚግደድ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ክርስትያናት እንታይ ሓደጋ እዩ ዜጋጥሞም፧

 ብ1911 ሰበ-ስልጣን ብሪጣንያ ንህይወት ዓደንቲ ኸሰል ኬድሕን ተባሂሉ እተዳለወ ሕጊ ኣጽደቑ። ነፍሲ ወከፍ መዐደኒ: ክልተ ካናሪ ዚበሃላ ዓይነት ዑፍ ኪሕዝ ይግደድ ነበረ። ንምንታይ ዕላማ፧ ኣብ መዐደኒ ባርዕ እንተ ተላዒሉ: እቶም ንኻልኦት ኬድሕኑ ዚኣትዉ ሰባት ነተን ኣዕዋፍ ሒዞም ናብ ትሕቲ ምድሪ ይኣትዉ። እተን ንኣሽቱ ኣዕዋፍ ብኸም ካርቦን ሞኖክሳይድ ዝኣመሰለ መርዛም ጋዛት ብቐሊሉ እየን ዚጕድኣ። እቲ ኣየር እንተ ተበኪሉ: እተን ኣዕዋፍ ናይ ጭንቀት ምልክት የርእያ: ምናልባት እውን ካብቲ መስፈሪአን ይወድቃ። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣገዳሲ እዩ። ካርቦን ሞኖክሳይድ ሕብርን ሽታን ዘይብሉ ጋዝ ኰይኑ: ንቐያሕቲ ዋህዮታት ደም ናብ ሰብነትና ኦክስጅን ከም ዘየብጽሑ ብምግባር ይቐትል። እቶም ንኻልኦት ኬድሕኑ ዚኣትዉ ሰባት: ካብቲ ሓደጋ መጠንቀቕታ እንተ ዘይተዋሂብዎም: ዓዊሎም ኪወድቁን ከም እተመረዙ ኸይተፈለጦም ኪሞቱን ይኽእሉ እዮም።

2 ብመንፈሳዊ መዳይ እውን ክርስትያናት ምስ ኵነታት እቶም ዓደንቲ ዚመሳሰል እዩ ዜጋጥሞም ዘሎ። ብኸመይ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ኪሰብኩ ዕዮ ኺህቦም ከሎ: ናብቲ ሰይጣንን መንፈስ ዓለምን ዚቈጻጸሮ ሓደገኛ ዅነታት ይልእኮም ከም ዝነበረ ይፈልጥ ነበረ። (ማቴ. 10:16፣ 1 ዮሃ. 5:19) ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ኣዝዩ ስለ እተሻቐለ: ቀቅድሚ እታ ዝሞተላ ለይቲ ናብ ኣቦኡ: “ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ” ኢሉ ጸለየ።—ዮሃ. 17:15

3, 4. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃቦም፧ እዚ ንዓና ዜገድሰናኸ ስለምንታይ እዩ፧

3 የሱስ ንሰዓብቱ ኻብቲ ናብ ሞት ኬብጽሕ ዚኽእል መንፈሳዊ ድቃስ ኣጠንቀቖም። ሽዑ እተዛረቦ ቓላት: ነዞም ኣብዚ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ እንነብር ዘለና ፍሉይ ትርጕም ኣለዎ። ንደቀ መዛሙርቱ: “ካብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን . . . ንቕሑ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ሉቃ. 21:34-36) እቲ ዜሐጕስ ግን: እተማህርዎ ንኼዘኻኽሮምን ንኼንቅሖምን ንኼበርትዖምን ኢሉ ኣቦኡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚህቦም እውን ተመባጺዑሎም እዩ።—ዮሃ. 14:26

4 ንዓናኸ እቲ መንፈስ ቅዱስ እቲ ኺወሃበና ይኽእል ድዩ፧ ንኺወሃበናኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ መንፈስ ዓለም እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ዚዓዪ፧ ንመንፈስ ዓለም ከመይ ጌርና ኽንጻረሮ ንኽእል፧—1 ቈረንቶስ 2:12 ኣንብብ።

መንፈስ ቅዱስዶ ወይስ መንፈስ ዓለም፧

5, 6. መንፈስ ቅዱስ እንታይ ኪገብረልና ይኽእል፧ ንኺወሃበናኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

5 መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ጥራይ ኣይኰነን ዚወሃብ ነይሩ። ሎሚ እውን ኣምላኽ መንፈሱ ኺህበና ይኽእል እዩ: መንፈሱ ኸኣ ቅኑዕ ዘበለ ንኽንገብር የበርትዓና: ኣብ ኣገልግሎቱ እውን የሐይለና። (ሮሜ 12:11፣ ፊል. 4:13) መንፈስ ቅዱስ ከም ፍቅርን ለውሃትን ሕያውነትን ዝኣመሰለ መዳያት “ፍረ መንፈስ” ንኸነፍሪ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ይኹን እምበር: የሆዋ ኣምላኽ ንመንፈስ ቅዱሱ ኣብ ዘይደልይዎ ሰባት ብግዲ ኣየፍስስን እዩ።

6 ስለዚ: ‘መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበኒ እንታይ ክገብር እኽእል፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ብዙሕ ክንገብሮ ዘሎና ነገራት ከም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። ሓደ ቐሊልን ኣገዳስን ስጕምቲ: ኣምላኽ ንኺህበና ምሕታቱ እዩ። (ሉቃስ 11:13 ኣንብብ።) ካልእ ጠቓሚ ስጕምቲ ኸኣ ነቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽሪ ምጽናዑን ኣብ ግብሪ ምውዓሉን እዩ። (2 ጢሞ. 3:16) ልክዕ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበበ ዘበለ ዅሉ መንፈስ ኣምላኽ ይወሃቦ ማለት ኣይኰነን። ሓደ ቕኑዕ ክርስትያን ቃል ኣምላኽ ኬጽንዕ ከሎ ግን: ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዚርከብ ስምዒታትን ኣረኣእያታትን ኪሰርጾ ይኽእል እዩ። የሆዋ ንየሱስ ከም ወኪሉን መንፈሱ ዚህበሉ መትረብን ገይሩ ኸም ዝሸሞ እውን ክንቅበሎ ኣሎና። (ቈሎ. 2:6) ስለዚ: ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነትን ትምህርትታትን ክንስዕብ ኢና እንደሊ። (1 ጴጥ. 2:21) ከም ክርስቶስ ክንከውን ዝያዳ ብዝጸዓርና መጠን: መንፈስ ቅዱስ እውን ብዝያዳ ንቕበል።

7. መንፈስ ዓለም ንውልቀ-ሰባት ዚጸልዎም ብኸመይ እዩ፧

7 ብኣንጻሩ ግን: መንፈስ ዓለም ንሰባት: ባህርያት ሰይጣን ንኼንጸባርቑ ጽልዋ ይገብረሎም። (ኤፌሶን 2:1-3 ኣንብብ።) መንፈስ ዓለም ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዚዓዪ። ከምዚ ሎሚ ኣብ ፍቐዶኡ እንርእዮ ዘለና: ካብ ስርዓታት ኣምላኽ ንኽትዓሉ የተባብዕ። “ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን” የስፋሕፍሕ። (1 ዮሃ. 2:16) ከም ምንዝርን ኣምልኾ ጣኦትን ጥንቈላን ቅንእን ቍጥዓን ስኽራንን ዝኣመሰለ ግብሪ ስጋ የፍሪ። (ገላ. 5:19-21) ነቲ ቕዱስ ዘበለ ዜርክስ ናይ ከሓድቲ ዘረባ የመንጩ። (2 ጢሞ. 2:14-18) እምበኣር: ሓደ ሰብ ብመንፈስ ዓለም ኪጽሎ ብዝፈቐደ መጠን: ዝያዳ ኸም ሰይጣን እናዀነ እዩ ዚኸይድ።

8. ኵላትና እንታይ ምርጫ እዩ ዘሎና፧

8 ብዋላ ሓደ መንፈስ ከይተጸለና ኽንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ካብ መንፈስ ቅዱስ ወይ ካብ መንፈስ ዓለም ኣየናዩ ንህይወቱ ኸም ዚመርሖ ባዕሉ ኺውስን ኣለዎ። እቶም ሕጂ ብመንፈስ ዓለም ዚጽለዉ ዘለዉ ሰባት: ካብቲ ጽልዋኡ ሓራ ዀይኖም ብመንፈስ ቅዱስ ኪምርሑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር: እዚ እውን ብኣንጻሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ሕጂ ብመንፈስ ቅዱስ ዚምርሑ ዘለዉ ሰባት: ብመንፈስ ዓለም ኪፍንጠሩ ይኽእሉ እዮም። (ፊል. 3:18, 19) እምበኣር: ንመንፈስ ዓለም ብኸመይ ክንጻረሮ ኸም እንኽእል እስከ ንርአ።

ነቲ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ምልላዩ

9-11. መንፈስ ዓለም ይጸልወና ኸም ዘሎ ዚሕብር ገለ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት እንታይ እዩ፧

9 እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ብሪጣንያውያን ዓደንቲ ኸሰል: መርዛም ጋዝ ከም ዘሎ ዚሕብር መጠንቀቕታ ንኪዀኖም ኢሎም ኣዕዋፍ ይጥቀሙ ነበሩ። ሓደ ዓዳኒ: ሓንቲ ዑፍ ካብ መስፈሪኣ ኽትወድቕ እንተ ርእዩ: ህይወቱ ንኼድሕን ቅልጡፍ ስጕምቲ ኺወስድ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ። ብምሳልያዊ መገዲኸ መንፈስ ዓለም ይጸልወና ኸም ዘሎ ዚሕብር ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት እንታይ እዩ፧

10 ፈለማ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቅታት ምስ ፈለጥናን ድሕሪኡ ህይወትና ንየሆዋ ምስ ወፈናን: ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሃንቀውታ ነንብቦ ኔርና ንኸውን። ተጊህናን ኣዘውቲርናን ንጽሊ ኔርና እውን ንኸውን። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብ የሐጕሰና ነይሩ: ንነፍሲ ወከፍ ኣኼባ እውን ልክዕ ከምቲ ኣብ ምድረ-በዳ ዚርከብ ልሙዕ ቦታ: መንፈሳዊ ዕረፍቲ እንረኽበሉ ቦታ ጌርና ንርእዮ ኔርና። እዚ ዅሉ ኻብ መንፈስ ዓለም ሓራ ንኽንወጽእን ሓርነትና ሓሊና ንኽንመላለስን ሓጊዙና።

11 እሞኸ ክሳዕ ሕጂ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ንጽዕርዶ ኣለና፧ (መዝ. 1:2) ኣዘውቲርና ልባዊ ጸሎት ነቕርብዶ ኣለና፧ ንኣኼባታት ጉባኤ ንፈትዎን ኣብቲ ኣብ ሰሰሙን ዚግበር ኵሉ ኣኼባታት ንእከብን ዲና፧ (መዝ. 84:10) ወይስ ገለ ኻብዚ ጽቡቕ ልማዳት ጠፊኡ ድዩ፧ ልክዕ እዩ: ግዜናን ጕልበትናን ዚወስድ ብዙሕ ሓላፍነታት ኪህልወና ይኽእል እዩ: ጥዑይ መንፈሳዊ ልማድ ሒዝካ ምቕጻል እውን ቀሊል ኣይኰነን። ገለ ኻብቲ ጽቡቕ ልማዳት እናሓደረ እንተ ጠፊኡ ግን: ምናልባት መንፈስ ዓለም ይጸልወና ስለ ዘሎ ደዀን ይኸውን፧ ነቲ ዝነበረና ጽቡቕ ልማዳት ንምምላሱ ብርቱዕ ጻዕሪ ኽንገብር ንኽእልዶ፧

“ልብኹም ከይኸብድ”

12. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እንታይ እዩ “ተጠንቀቑ” ዝበሎም፧ ስለምንታይከ፧

12 ንመንፈስ ዓለም ንኽንጻረሮ እንታይ ተወሳኺ ነገራት ክንገብር ንኽእል፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ንቕሑ” ኢሉ ቕድሚ ምምዓዱ: ብዛዕባ ገለ ሓደጋታት ፈልዩ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ። “ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” በሎም።—ሉቃ. 21:34, 35

13, 14. ብዛዕባ ብልዕን መስተን እንታይ ሕቶታት ኢና ንርእስና ኽንሓታ ዘሎና፧

13 ብዛዕባ እዚ መጠንቀቕታ እዚ እሞ ሕስብ ኣብል። የሱስ ብብልዕን መስተን ምሕጓስ ድዩ ዚዅንን ነይሩ፧ ኣይኰነን! ነቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ሰሎሞን እተዛረቦ ቓላት ይፈልጦ ነይሩ እዩ:- “[ንደቂ ሰብ] ካብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለዉ ሰናይ ምግባርን ዚሔሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበኣርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን: ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን: እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።” (መክ. 3:12, 13) ኰይኑ ግን: ኣብዚ መዳይ እዚ መንፈስ ዓለም ፍኑው ምዃን ከም ዜተባብዕ ይፈልጥ ነበረ።

14 መንፈስ ዓለም ነቲ ብዛዕባ ስስዐን ስኽራንን ዝነበረና ኣረኣእያ ኸም ዘይመረዞ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧ ንርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ጽሑፋትና ብዛዕባ ህርፋን ዚምልከት ምኽሪ ምስ ኣንበብኩ እንታይ ምላሽ እየ ዝህብ፧ ንተግባራተይ ምስምስ ወይ መመኽነይታ ብምቕራብ: ነቲ ምዕዶ ኸም ዘይምልከተኒ ወይ ደረቱ ኸም ዝሓለፈ ገይረ ድየ ዝርእዮ፧ a ኣልኮላዊ መስተ እንተ ሰቲና ብመጠኑ ኽንሰቲ: ከምኡውን መስተ ኻብ ምብዛሕ ክንርሕቕ ንዚወሃበና ምኽሪ ብኸመይ እየ ዝርእዮ፧ ንኸምዚ ዝበለ ምኽሪ ኸም ዘይምልከተኒ ገይረ አነኣእሶ ድየ፧ ካልኦት ብዛዕባ ኣሰታትያይ ስክፍታታት ከም ዘለዎም እንተ ገሊጾም: እማጐት ወይ እቝጣዕ ድየ፧ ካልኦት ንኸምዚ ዝበለ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ኣትሒቶም ኪርእይዎ አተባብዕ ድየ፧’ እወ: ኣረኣእያ ሓደ ሰብ: ብመንፈስ ዓለም ይጽሎ እንተ ኣልዩ ወይ እንተ ዘየልዩ ኺሕብር ይኽእል እዩ።—ምስ ሮሜ 13:11-14 ኣረኣኢ።

ብጭንቀት ከይትሕነቕ ተጠንቀቕ

15. የሱስ ብዛዕባ እንታይ ናይ ሰባት ዝንባለ እዩ ዘጠንቀቐ፧

15 ንመንፈስ ዓለም ንኽንጻረሮ ዜኽእለና ኻልእ ኣገዳሲ ስጕምቲ: ንጭንቀትና ምቍጽጻር የጠቓልል። ዘይፍጹማት ፍጡራት ብምዃንና: ብዕለታዊ ናብራና ኸም እንጭነቕ: የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብፍቕሪ ተደሪኹ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ: “ኣይትጨነቑ” በሎም። (ማቴ. 6:25) ከም ንኣምላኽ ምሕጓስ: ንክርስትያናዊ ሓላፍነታትና ምስካም: ንስድራ ቤትና ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ምምላእ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ጕዳያት ኬተሓሳስበና ንቡር እዩ። (1 ቈረ. 7:32-34) ካብቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ደኣ እሞ እንታይ ኢና ኽንመሃር ንኽእል፧

16. መንፈስ ዓለም ኣብ ብዙሓት ሰባት እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፧

16 እቲ ኣብ ንብረት ትዕቢት ዜተኵር መንፈስ ዓለም: ንብዙሓት ሰባት ዘየድሊ ጭንቀት የሕድረሎም ኣሎ። ገንዘብ ውሕስነት ከም ዜምጽእ: ኣሳልጦ ሓደ ሰብ ከኣ ብመንፈሳዊ ባህርያት ዘይኰነስ ብብዝሕን ዓይነትን ጥሪቱ ኸም ዚልካዕ ኬእምኑና ይደልዩ እዮም። እቶም በዚ ፕሮፓጋንዳ እዚ እተታለሉ ሰባት: ሃብቲ ንኺድልቡ ሃለኽለኽ ይብሉ: ሓድሽን ዓብዪን ምዕቡልን ፍርያት ንኼጥርዩ ኸኣ ወትሩ ይጭነቑ እዮም። (ምሳ. 18:11) ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ከምዚ ዝኣመሰለ ቔናን ኣረኣእያ ምሓዝ: ንመንፈሳዊ ምዕባለ ሓደ ሰብ ኪሓንቕ ዚኽእል ጭንቀት እዩ ዚወልድ።—ማቴዎስ 13:18, 22 ኣንብብ።

17. ብጭንቀት ከይንሕነቕ ክንጥንቀቕ እንኽእል ከመይ ጌርና ኢና፧

17 ብጭንቀት ከይንሕነቕ እንተ ደሊና: ነቲ የሱስ: “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ኢሉ ዝሃበና ትእዛዝ ክንስዕቦ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና: እቲ ብሓቂ ዜድልየና ነገራት ከም ዚውሰኸልና የሱስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ማቴ. 6:33) ነዚ መብጽዓ እዚ ኸም እንኣምነሉ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ሓደ መገዲ: ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ብምድላይ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንገንዘብ ኣብ ዚምልከት ጕዳያት ብስርዓታት ኣምላኽ ንቕየድ ማለት እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ኽንከፍሎ ዚግባእ ቀረጽ ኣይንሕሱን ኢና: ወይ ኣብ ንግዳዊ ጕዳያትና “ንእሽቶ” ዚበሃል ሓሶት እውን እንተ ዀነ ኣይንዛረብን ኢና። ነቲ ኽንከፍሎ ዚግባእ ነገራት ብዚምልከት: ነገርና “እወ: እወ” ብምግባር: ግዴታታትና ንምኽባር ዚከኣለና ንገብር ኢና። (ማቴ. 5:37፣ መዝ. 37:21) ሓቀኛ ምዃን ሃብታም ዘይገብር እኳ እንተ ዀነ: ስምረት ኣምላኽ የምጽእ: ጽሩይ ሕልና የፍሪ: ብዙሕ ጭንቀት ከኣ ይንኪ።

18. የሱስ እንታይ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዝሓደገልና፧ ንዕኡ ምስ እንመስሎኸ ብኸመይ ንጥቀም፧

18 ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ: ቀዳምነት ኪወሃቦ ዚግባእ ነገራት ምስራዕ የጠቓልል። ንኣብነት: ንየሱስ እስከ ንውሰድ። ቀምሹ ብሉጽ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 19:23) ምስ ፈተውቱ ጽቡቕ ምግቢ ይምገብን ወይኒ ይሰትን ነይሩ። (ማቴ. 11:18, 19) እንተዀነ ግን: ጥሪትን መዘናግዕን ኣብ ህይወቱ ኸም ቀንዲ ነገር ዘይኰነስ: ከም መማቕርቲ እዩ ነይሩ። ብልዒ የሱስ: ፍቓድ የሆዋ ምግባር እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 4:34-36) ኣብነት የሱስ እንተ ቐዲሕና: ህይወትና ባህ እተብል ክትከውን እያ። ንእተደቝሱ ሰባት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጽንናዕ ብምሃብ ዚርከብ ፍሉይ ሓጐስ ኣሎና። ፍቕርን ደገፍን ክርስትያናዊት ጉባኤ ንረክብ ኢና። ምስናይዚ ድማ ንልቢ የሆዋ ነሐጕሶ ኢና። ቀዳምነት ክንህቦ ዚግባእ ነገራት ክንሰርዕ ከለና: ጥሪትን ተድላን ከም ጐይታ ዀይኑ ኣይቈጻጸረናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ከም ኣገልጋሊ ወይ ናውቲ ዀይኑ ንየሆዋ ንኸነምልኾ ይሕግዘና። ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚድግፍ ዕዮ ብንጥፈት ብእተጸመድና መጠን ከኣ: መንፈስ ዓለም ብቐሊሉ ኣየሰንፈናን።

“ሓሳብ መንፈስ” ይሃሉኻ

19-21. “ሓሳብ መንፈስ” ኪህልወና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ እዚ ኺህልወና ዘለዎኸ ስለምንታይ እዩ፧

19 ሰብ ዚሓስቦ እዩ ዚገብር። እቲ ብዙሓት ከይተሓስበ እተገብረ ዚብልዎ ተግባራት: መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ተበጊሱ እዩ ዚግበር። ስለዚ: ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓሳብና ኽንሕሉ ኸም ዘሎና ኣዘኻኺሩና ኣሎ። ነዚ ብዚምልከት: “ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡ: መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ” ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 8:5

20 ሓሳብና: ብእኡ ኣቢልና ኸኣ ተግባራትና: ብመንፈስ ዓለም ንኸይጽሎ ብኸመይ ክንሕልዎ ንኽእል፧ ብእተኻእለ መጠን ንፕሮፓጋንዳ ዓለም ብምውጋድ: ንእንሓስቦ ነገራት ክንቈጻጸሮ ኽንጽዕር ኣሎና። ንኣብነት: መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና: ርኽሰት ወይ ዓመጻ ብዜተባብዕ መደባት ንኣእምሮና ኸይነበላሽዎ ንጥንቀቕ ኢና። እቲ ቕዱስ ወይ ንጹህ መንፈስ ኣምላኽ: ኣብ ረሳሕ ኣእምሮ ኸም ዘይነብር ንፈልጥ ኢና። (መዝ. 11:5፣ 2 ቈረ. 6:15-18) ኣብ ልዕሊ እዚ: ኣዘውቲርና መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብምጽላይን ብምስትንታንን ኣብ ኣኼባታት ብምእካብን: መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮና ንኺሰፍር ንዕድሞ ኢና። ኣብ ክርስትያናዊ ዕዮ ስብከት ኣዘውቲርና ብምክፋል ከኣ: ምስቲ መንፈስ ተሰማሚዕና ንዓዪ ኢና።

21 ብርግጽ እምበኣር: ንመንፈስ ዓለምን ነቲ ንሱ ዜተባብዖ ትምኒት ስጋን ክንጻረሮ ኣሎና። ነዚ ኣበርቲዕና እንተ ጸዓርናሉ ዜጣዕስ ኣይኰነን፣ ከመይሲ: ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ: “እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ: እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።”—ሮሜ 8:6

[እግረ-ጽሑፍ]

a ህርፋን ኪበሃል ከሎ: ብስስዐ ወይ ብምሒር ድሌት ዚልለ ኣረኣእያ እዩ። ስለዚ: ብግዝፊ ሓደ ሰብ ዘይኰነስ: በቲ ብዛዕባ ምግቢ ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ ዚውሰን። ሓደ ሰብ ማእከላይ ግዝፊ ዘለዎ ወይ እውን ቀጢን ክነሱ: ህሩፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ኣብ ገሊኡ መዳያት ሓደ ሰብ ብሰንኪ ሕማም ሚዛኑ ኻብ መጠን ኪሓልፍ: ወይ ብሰንኪ ውርሲ ኪኽርሽ ይኽእል እዩ። እምበኣር: ንሓደ ሰብ ህሩፍ ዜብሎ ኽብደቱ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ብልዒ ምሒር ስስዐ እንተ ኣልይዎ እዩ።—ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2004 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ትዝክሮዶ፧

• መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና: እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

• ገለ ኻብቲ መንፈስ ዓለም ኪጸልወና ዚኽእለሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

• ንመንፈስ ዓለም ብኸመይ ክንጻረሮ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ናብ ስራሕ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምኻድካ: መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበካ ጸሊ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሓሳብና ንጹህ ክንገብሮ: ኣብ ስራሕና ሓቀኛታት ክንከውን: ኣብ ብልዕን መስተን ከኣ ሚዛንና ኽንሕሉ ይግባእ