ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንዓና “መናገፊ” እዩ

የሆዋ ንዓና “መናገፊ” እዩ

የሆዋ ንዓና “መናገፊ” እዩ

“እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን።” —መዝ. 37:40

1, 2. እንታይ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ መሰረታዊ ሓቂ እዩ ምንጪ ምጽንናዕን ብርታዐን ዚዀነና፧

 ጸሓይ እትፈጥሮ ጽላሎት ኣብ ሓደ ቦታ ኣይጸንሕን እዩ። ምድሪ ኽትዘውር ከላ: እቲ ጽላሎት ይንቀሳቐስን ይልወጥን። እቲ ፈጣሪ ምድርን ጸሓይን ግን: ኣይልወጥን እዩ። (ሚል. 3:6) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ: “ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ” ይብል። (ያእ. 1:17) እዚ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ መሰረታዊ ሓቂ እዚ: ብፍላይ ከቢድ ፈተናታትን ብድሆታትን ኬጋጥመና ኸሎ: ብርግጽ ምንጪ ምጽንናዕን ብርታዐን ይዀነና እዩ። ስለምንታይ፧

2 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ: የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ “መናገፊ” ምንባሩ ኣመስኪሩ እዩ። (መዝ. 70:5) ቃሉ ኣይቅይርን እዩ: ወትሩ ድማ ዝበሎ ይፍጽም እዩ። ስለዚ: ሎሚ ዘለዉ ኣምለኽቱ ኸም ‘ዚረድኦምን ዜናግፎምን’ ንኺተኣማመኑ እኹል ምኽንያት ኣለዎም። (መዝ. 37:40) ኣብዚ ግዜና የሆዋ ንኣገልገልቱ ዘናገፎም ብኸመይ እዩ፧ ብውልቂኸ ኸመይ ገይሩ የናግፈና፧

ካብ ተጻረርቲ ኣናገፎም

3. ተጻረርቲ ንህዝቢ የሆዋ ኻብ ስብከት እቲ ብስራት ደው ኬብልዎም ከም ዘይክእሉ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

3 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ሰይጣን ዝዀነ ይኹን ፈተና እኳ እንተ መጾም: ንየሆዋ ጥራይ ካብ ምምላኽ ድሕር ኣይብሉን እዮም። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና:- “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ: ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ።” (ኢሳ. 54:17) ተጻረርቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብቲ ኺሰብኩ እተዋህቦም ዕዮ ኺዓናቕፍዎም እኳ እንተ ፈተኑ: ኣይሰለጦምን። ብዛዕባ እዚ: ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

4, 5. ብ1918 ህዝቢ የሆዋ እንታይ ምጽራር ኣጋጠሞም፧ እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧

4 ብ1918 ህዝቢ የሆዋ ንዕዮ ስብከቶም ደው ንምባል ዝሃቀነ ብኣቕሽሽቲ እተለዓዓለ ኸቢድ መስጐጕቲ ኣጋጠሞም። ብ7 ግንቦት እቲ ሽዑ ንዚግበር ዝነበረ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ብሓላፍነት ዜካይድ ዝነበረ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድን እቶም ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዝነበሩ ሓያሎ ኻልኦትን ኪእሰሩ ትእዛዝ ተዋህበ። ኣብ ውሽጢ ኽልተ ወርሒ: ሓው ራዘርፎርድን ብጾቱን ውዲት ኣሊምኩም ተባሂሎም ንነዊሕ ግዜ ኺእሰሩ ተፈርዶም። እቶም ተጻረርቲ ብኣብያተ-ፍርዲ ተጠቒሞም ነቲ ዕዮ ስብከት ንሓዋሩ ደው ኣብ ምባል ሰሊጥዎምዶ፧ ኣይሰለጦምን!

5 የሆዋ: “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ” ኢሉ ኸም እተመባጽዐ ኣይንረስዕ። ካብቲ ሓው ራዘርፎርድን ብጾቱን እተፈርዱሉ ትሽዓተ ወርሒ ጸኒሑ ብ26 መጋቢት 1919 ብዘይተሓስበ መገዲ ዅነታት ተቐያየረ: እቶም እተኣስሩ ኣሕዋት ድማ ብዋሕስ ተፈትሑ። ንዓመታኡ: ብ5 ግንቦት 1920 እቲ ቐሪቡሎም ዝነበረ ኽሲ ተላዕለሎም። ኣሕዋት በቲ ናጽነቶም ተጠቒሞም ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብትግሃት ዓየዩ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ዜደንቕ ወሰኽ ይርአ ኣሎ! ስለቲ እተረኽበ ፍረ: እቲ “መናገፊ” ዝዀነ ኣምላኽ እዩ ኺምስገን ዚግብኦ።—1 ቈረ. 3:7

6, 7. (ሀ) ኣብ ጀርመን ዝነበረ ስርዓት ናዚ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ወፈራ እዩ ዝገበረ፧ እንታይ ውጽኢትከ ነበሮ፧ (ለ) ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ የሆዋ ነየናይ ሓቂ እዩ ዚምስክር፧

6 ሕጂ ኻልኣይ ኣብነት ንርአ። ብ1934 ሂትለር ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ጀርመን ከም ዜጥፍኦም ተመባጽዐ። ንኼጕባዕብዕ ኢሉ ጥራይ ኣይኰነን ከምኡ ኢሉ። ነቲ ዘረባኡ ስዒቡ: ብዙሓት ተኣስሩን ተዳጐኑን። ኣሽሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደዳ መስጐጕቲ ዀኑ: ኣማእታት ድማ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ተቐትሉ። እሞኸ ሂትለር ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኼጽንት ኣብ ዝገበሮ ወፈራ ተዓዊቱዶ፧ ነቲ ኣብ ጀርመን ዚግበር ዝነበረ ዅሉ ስብከት ደው ኣቢልዎዶ፧ ኣይፋልን! እቲ መስጐጕቲ ኣብ እተጐሃሃረሉ እዋን: ኣሕዋትና ብሕቡእ ዕዮ ስብከቶም የካይዱ ነበሩ። ስርዓት ናዚ ምስ ወደቐ: በቲ ናጽነቶም ተጠቒሞም ስብከቶም ቀጸሉ። ሎሚ ኣብ ጀርመን ልዕሊ 165,000 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣለዉ። ኣብዚ እውን: እቲ “መናገፊ” ዝዀነ ኣምላኽ ነቲ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ” ኢሉ እተመባጽዖ ኸም ዚፍጸም ገበረ።

7 ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዚምስክሮ: የሆዋ ንህዝቡ ብደረጃ ጕጅለ ኺጠፍኡ ኸቶ ኣይፈቅድን እዩ። (መዝ. 116:15) ብውልቂ ግን የዕቍበና ድዩ፧ ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ብውልቂ መናገፊ ዚዀነና፧

ብኣካላዊ መዳይከ የዕቍበና ድዩ፧

8, 9. (ሀ) የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ብኣካላዊ መዳይ ኬዕቍበና ውሕስነት ከም ዘይኣተወልና እንፈልጥ ብኸመይ ኢና፧ (ለ) እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

8 የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ብኣካላዊ መዳይ ኬዕቍበና ውሕስነት ከም ዘይኣተወልና ንፈልጥ ኢና። ከምቲ እቶም ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ምስጋድ ዝኣበዩ ሰለስተ እሙናት እብራውያን ዝነበሮም መትከል እዩ ዘሎና። እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም መንእሰያት: የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ኻብ ኣካላዊ ጕድኣት ከም ዜዕቍቦም ትሑዝ ገይሮም ኣይረኣይዎን። (ዳንኤል 3:17, 18 ኣንብብ።) የሆዋ ግን ካብ ሃልሃልታ እቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኣድሓኖም። (ዳን. 3:21-27) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ: ተኣምራዊ ምድሓን ኣዘውቲርካ ዜጋጥም ዘይኰነስ: ሳሕቲ እዩ ዜጋጥም ነይሩ። ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ: ብተጻረርቲ ተቐቲሎም እዮም።—እብ. 11:35-37

9 ሎሚኸ፧ የሆዋ “መናገፊ” ስለ ዝዀነ: ንውልቀ-ሰባት ካብ ሓደገኛ ዅነታት ኬድሕኖም ከም ዚኽእል ዜጠራጥር ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ኣብ ገሊኡ ጕዳያት የሆዋ ኢዱ ኣእትዩ ወይ ኣየእተወን ኢልና ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ንኽእልዶ፧ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግን: ሓደ ኻብ ሓደገኛ ዅነታት ዘምለጠ ውልቀ-ሰብ: የሆዋ ኢዱ ኸም ዘእተወ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ካልኦት ሰባት ከም እተጋገየ ገይሮም እንተ ተዛሪቦምዎ: ምስ ድፍረት እዩ ዚቝጸር። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ከምቶም ብግዜ ናዚ ዝነበሩ ዝኣመሰሉ ብዙሓት እሙናት ክርስትያናት ብሰንኪ መስጐጕቲ ኸም ዝሞቱ ኽንርስዕ የብልናን። ገሊኦም ክርስትያናት እውን ብዜሕዝን ኣጋጣሚ ሞይቶም እዮም። (መክ. 9:11) በዚ ምኽንያት እዚ: ‘የሆዋ ነቶም ዕምሮም ዝሓጸረ እሙናቱ “መናገፊ” ኻብ ምዃን ሰኒፉ ድዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። እዚ ፈጺሙ ዘይከውን እዩ።

10, 11. ሰብ ካብ ሞት ኬምልጥ ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ግን እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

10 ነዚ ነጥቢ እዚ እሞ ሕስብ ነብለሉ:- “ንነፍሱ ካብ ኢድ ሲኦል [ወይ መቓብር] ዜናግፍ ሰብ” ስለ ዘየልቦ: ሰብ ካብ ሞት ኬምልጥ ኣይክእልን እዩ። (መዝ. 89:48) የሆዋ ደኣኸ ንሰብ ካብ ሲኦል ከም ዜምልጥ ኪገብሮ ይኽእልዶ፧ ሓንቲ ነቲ ብግዜ ናዚ ዝነበረ ሽበራ ዘሕለፈት ሓብቲ: እትፈትዎም ሰባት ኣብ መዳጐኒ ደምበ ምስ ሞትዋ: ኣዲኣ ንኸተጸናንዓ ኢላ እተዛረበታ ነገር ትዝ ይብላ። “ሞት ንደቂ ሰብ ንሓዋሩ ኣብ ማእሰሩ ዚሕዞም እንተ ዚኸውን ነይሩ: ካብ ኣምላኽ ዚብርትዕ ኣይምዀነንዶ፧” በለታ። ሞት ምስቲ ናይ ህይወት ፈልፋሊ ዝዀነ ዅሉ ዚኽእል ሓይሊ ዘለዎ ኣምላኽ ከም ዘይወዳደር እተረጋገጸ እዩ! (መዝ. 36:9) ኵሎም እቶም ኣብ ሲኦል ዘለዉ ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ተመዝጊቦም ኣለዉ: ንነፍሲ ወከፎም እውን ኬናግፎም እዩ።—ሉቃ. 20:37, 38፣ ራእ. 20:11-14

11 እዚ ኽሳዕ ዚኸውን: ሎሚ የሆዋ ኣብ ህይወት እሙናት ኣምለኽቱ ብቐጥታ ኢዱ የእቱ እዩ። “መናገፊ” ምዃኑ ብርግጽ ዘርኣየሉ ሰለስተ መገድታት እስከ ንርአ።

ብመንፈሳዊ መዳይ የዕቍበና

12, 13. መንፈሳዊ ዕቝባ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ነዚ ዕቝባ እዚ ዚህበናኸ ብኸመይ እዩ፧

12 የሆዋ መንፈሳዊ ዕቝባ ይገብረልና እዩ፣ እዚ ድማ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ኣለዎ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ካብዛ ሕጂ ዘላ ህይወትና ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር ከም ዘሎ ንርዳእ ኢና። እቲ ልዕሊ ዅሉ ኽቡር ዝዀነ ነገር: ምስ የሆዋ ዘሎና ብሕታዊ ርክብ እዩ። (መዝ. 25:14፣ 63:3) ብዘይ እቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ: ሕጂ ዘላ ህይወትና ብዙሕ ትርጕም ኣይምሃለዋን: ተስፋ ናይ መጻኢ ህይወት እውን ኣይምሃለወናን።

13 የሆዋ ግን ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንኺህልወና ዜድልየና ዘበለ ዅሉ ሂቡና። ንኺሕግዘና ኢሉ: ቃሉን መንፈስ ቅዱሱን ዓለምለኻዊት ጉባኤኡን ሂቡና ኣሎ። ነዚ መሰናድዎታት እዚ ኸመይ ጌርና ምሉእ ብምሉእ ኽንጥቀመሉ ንኽእል፧ ቃሉ ብስሩዕን ብትግሃትን ብምጽናዕ: ንእምነትና ነደልድል: ንተስፋና ድማ ብሩህ ንገብሮ። (ሮሜ 15:4) መንፈሱ ንኺወሃበና ኻብ ልብና ብምጽላይ: ኣብ ዜተሓታትት ተግባራት ክንሳተፍ ዚመጸና ፈተናታት ንጻረሮ። (ሉቃ. 11:13) ነቲ እቲ ባርያ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ ጽሑፋት ኰነ ብሰሙናውን ብዓበይትን ኣኼባታት ገይሩ ዚህበና መምርሒ ብምስዓብ ከኣ: መንፈሳዊ ‘ምግቢ በብግዜኡ’ ንረክብ። (ማቴ. 24:45) ከምዚ ዝኣመሰለ መሰናድዎታት ብመንፈሳዊ መዳይ የዕቍበና: ካብ ኣምላኽ ንኸይንርሕቕ ድማ ይሕግዘና።—ያእ. 4:8

14. ንመንፈሳዊ ዕቝባ ዜጕልሕ ተመክሮ ኣዘንቱ።

14 ነዚ መንፈሳዊ ዕቝባ እዚ ንምጕላሕ: ነቶም ኣብ መእተዊ እታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሱ ወለዲ እሞ ንዘክሮም። እታ ተሪሳ ዝስማ ጓሎም ድሕሪ ምጥፋኣ ሒደት መዓልታት ጸኒሑ: ከም እተቐትለት መርድእ ተነግሮም። a እቲ ኣቦ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “የሆዋ ንኼዕቍባ ጸልየ ነይረ። ከም እተቐትለት ምስ ፈለጥኩ: ኣብ ፈለማ ጸሎተይ ስለምንታይ ከም ዘይተመለሰ ሓሲበ ምንባረይ ኣይክሕዶን እየ። ልክዕ እዩ: የሆዋ ንህዝቡ በብውልቂ ተኣምራዊ ዕቝባ ኺገብረሎም ውሕስነት ከም ዘይኣተወ እፈልጥ ነይረ። እቲ ነገር ንኺርድኣኒ ብቐጻሊ ጸለኹ። የሆዋ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዜዕቝቦም: ማለት ምስኡ ዘሎና ርክብ ንኽንሕሉ ዜድልየና ነገር ከም ዜማልኣልና ምፍላጠይ ኣጸናኒዑኒ እዩ። እቲ ዓይነት ዕቝባ እቲ ንዘለኣለማዊ መጻኢና ኺጸሉ ስለ ዚኽእል: ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። በዚ መዳይ እዚ: የሆዋ ንተሪሳ ኣዕቊብዋ እዩ፣ ክሳዕ መዓልቲ ሞታ ንየሆዋ ብተኣማንነት ተገልግሎ ነይራ። መጻኢ ህይወታ ኣብተን ፈቃራት ኣእዳዉ ኸም ዝዀነ ምፍላጠይ: ሰላም ንኽረክብ ኣኽኢሉኒ እዩ።”

ኣብ ሕማምና ይድግፈና

15. ክንሓምም ከለና: የሆዋ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

15 የሆዋ ኸምቲ ንዳዊት ዝደገፎ: ንዓና እውን “ኣብ መደቀሲ ድናሴ” ኸለና ኺድግፈና ይኽእል እዩ። (መዝ. 41:3) ኣብዚ ግዜና ብተኣምራዊ ምሕዋይ የናግፍ እኳ እንተ ዘየሎ: ብሓቂ ግን ይሕግዘና እዩ። ብኸመይ፧ እቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት: ብዛዕባ ሕክምናታትን ካልእ ጕዳያትን ጥበባዊ ውሳነታት ንኽንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 2:6) ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኣብ እተሓትመ ዓንቀጻት: ብዛዕባ ናይ ጥዕና ጸገምና ዚገልጽ ሓጋዚ ሓበሬታን ግብራዊ ሓሳባትን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ ንዅነታትና ምእንቲ ኽንጻወሮን ንጽህናና ምእንቲ ኽንሕሉን: የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኺህበና ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 4:7) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ምስ እንረክብ: መንፈሳዊ ኣትኵሮና ኽሳዕ እንስሕት: ኣብ ሕማምና ኣይነተኵርን ኢና።

16. ሓደ ሓው ንሕማሙ ኽጾሮ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

16 ነቲ ኣብ መእተዊ እታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ መንእሰይ ሓው ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ብ1998 ስክለሮሲስ ዚበሃል ሕማም ስለ ዝሓዞ: በብቝሩብ ምሉእ ብምሉእ ለመሰ። b እሞኸ ንሕማሙ ብኸመይ ጾሮ፧ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብ ዝቕንዘወሉን ዝበሳጨወሉን እዋን: ሞት ጥራይ ካብዚ ዅሉ ኸም ዚገላግለኒ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ዓቕለይ ኪጸበኒ ኸሎ: የሆዋ ሰለስተ ነገራት ኪህበኒ እልምኖ እየ፣ እዚ ኸኣ ህዱእ ልቢ: ትዕግስቲ: ከምኡውን ምጽማም እዩ። የሆዋ ነዚ ጸሎተይ መልሲ ዝሃበኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ህዱእ ልቢ ብዛዕባ ዜጸናንዕ ነገራት ንኽሓስብ: ንኣብነት ኣብ ሓዳስ ዓለም ብእግረይ ክኸይድን ጥዑም ምግቢ ኸስተማቕርን ምስ ስድራ ቤተይ ክዘራረብን ምስ ከኣልኩ: እቲ ዅነታት ከመይ ከም ዚኸውን ንኽሓስብ የኽእለኒ። ትዕግስቲ ነቲ ለምሲ ዜስዕቦ ጸገምን ብድሆን ንኽጾሮ የኽእለኒ። ምጽማም ድማ ተኣማንነትይ ንኽሕሉን መንፈሳዊ ሚዛነይ ንኸይስሕትን የኽእለኒ። የሆዋ ኣብ መደቀሲ ድናሰይ ከለኹ ስለ ዝደገፈኒ: ብሓቂ ኸምቲ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር እተሰምዖ ተሰሚዑኒ ኽብል እኽእል እየ።”—ኢሳ. 35:5, 6

እኽለ-ማይ ይህበና

17. የሆዋ እንታይ ኪገብረልና እዩ ተመባጺዑ፧ እዚ መብጽዓ እዚኸ እንታይ ማለት እዩ፧

17 የሆዋ ብስጋ ዜድልየና ኼማልኣልና ተመባጺዑልና ኣሎ። (ማቴዎስ 6:33, 34፣ እብራውያን 13:5, 6 ኣንብብ።) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን: ብስጋ ዜድልየና ብተኣምራዊ መገዲ የማልኣልና ወይ ስራሕ ክንሓድጎ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። (2 ተሰ. 3:10) የግዳስ: ኣብ ህይወትና ንመንግስቲ ኣምላኽ እንተ ኣቐዲምናን ንመነባብሮና ኽንዓዪ ፍቓደኛታት እንተ ዄንናን: የሆዋ ንህይወት ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ንኽንረክብ ከም ዜኽእለና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 4:11, 12፣ 1 ጢሞ. 5:8) ብዘይተጸበናዮ መገዲ ዜድልየና ኺህበና ይኽእል እዩ፣ ምናልባት ብኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ኣቢሉ ኺረድኣና ወይ ስራሕ ኪህበና ይኽእል እዩ።

18. ኣብ እንሽገረሉ እዋን የሆዋ ዜድልየና ኸም ዜማልኣልና ዚሕብር ተመክሮ ኣዘንቱ።

18 ነታ ኣብ መእተዊ እታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰት ንጽል ኣደ እሞ ንዘክራ። ንሳን ጓላን ናብ ሓድሽ ከባቢ ምስ ገዓዛ: ስራሕ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ከምዚ ብምባል ሽዑ ዘጋጠማ ትገልጽ:- “ንግሆ ናብ ኣገልግሎት እወፍር: ድሕሪ ቐትሪ ድማ ስራሕ እደሊ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ ጸባ ንምዕዳግ ናብ ድኳን ክኸይድ ትዝ ይብለኒ። ኣብኡ ደው ኢለ ኸለኹ ነቲ ኣሕምልቲ ረኣኽዎ: ንምዕዳጉ ግን እኹል ገንዘብ ኣይነበረንን። ኣብ ህይወተይ ከም ሽዑ ገይረ ጕህየ ኣይፈልጥን። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ድኳን ናብ ገዛይ ምስ ተመለስኩ: ኣብ ሕጓ ገዛና እተፈላለየ ዓይነት ኣሕምልቲ ዝሓዘ ኸረጺታት ጸንሓኒ። ንኣዋርሕ ዚኣኽለና ምግቢ ረኸብና። በኽየ ንየሆዋ ኣመስገንክዎ።” ጸኒሓ እዛ ሓብቲ እዚኣ: ነቲ ኣሕምልቲ ዝሃባ: ሓደ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ኣሕምልቲ ዜብቍል ኣብ ጉባኤኣ ዚርከብ ሓው ምዃኑ ፈለጠት። ኣብ ካልእ ግዜ ንዕኡ: “በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሕ እኳ እንተ ኣመስገንኩኻ: ንየሆዋ እውን ብሕያውነትካ ተጠቒሙ ብዛዕባ ፍቕሩ ስለ ዘዘኻኸረኒ ኣመስገንክዎ” ኢላ ጸሓፈትሉ።—ምሳ. 19:17

19. ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ምትእምማን እዩ ኺህልዎም፧ ሕጂኸ ብዛዕባ እንታይ ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧

19 የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብዚ ግዜና ዝገበሮ ነገራት: ከም ረዳኢና መጠን ንኽንውከሎ እኹል ምኽንያት ከም ዚዀነና ንጹር እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ልዕሊ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ምስ መጸ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ሓገዝ የሆዋ ኼድልየና እዩ። ኰይኑ ግን: ኣገልገልቲ የሆዋ ብምትእምማን ኣብ ኣምላኾም ኪውከሉ እዮም። ምድሓኖም ከም ዝቐረበ ፈሊጦም: ርእሶም ኬልዕሉን ኪሕጐሱን እዮም። (ሉቃ. 21:28) ክሳዕ ሽዑ ግን: እቲ ዘይልወጥ ኣምላኽና “መናገፊ” ምዃኑ ምሉእ ዘይጕዱል መረጋገጺ ስለ ዘሎና: ዝመጸ ፈተና እኳ እንተ መጸ: ኣብ የሆዋ ንኽንውከል ቈራጽነት ንግበር።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ ናይ 22 ሓምለ 2001 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 19-23 ዝወጸት “ንዘጋጠመኒ ኽቱር ሓዘን ምኽኣሉ” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

b ኣብ ናይ ጥሪ 2006 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 25-29 ዝወጸት “እምነተይ ንሕማም ስክለሮሲስ ክጻወር ኣኽኢሉኒ” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

ትዝክሮዶ፧

• የሆዋ ነቶም ዕምሮም ዝሓጸረ ሰባት ብኸመይ እዩ ዜናግፎም፧

• መንፈሳዊ ዕቝባ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

• የሆዋ ብስጋ ንኺሓልየልና መብጽዓ ኣትዩልና ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ሓው ራዘርፎርድን ብጾቱን ብ1918 ተኣስሩ: ጸኒሖም ተፈትሑ: እቲ ቐሪቡሎም ዝነበረ ኽሲ እውን ተላዕለሎም

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኣብ “መደቀሲ ድናሴ” ኸለና ኺድግፈና ይኽእል