ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ብዛዕባ “ምንባር ኣእዳው” ተዛሪቡ ነይሩ። እሞኸ ንሽማግለታት ብዛዕባ ምሻም ድዩ ዚዛረብ ነይሩ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ፧—እብ. 6:2

ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ምንባሩ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ እኳ እንተ ዘይከኣልና: ውህበት መንፈስ ንምምሕልላፍ ብዛዕባ ዚግበር ምንባር ኣእዳው እዩ ዚዛረብ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል።

መጽሓፍ ቅዱስ: ንምንባር ኢድ ምስ ቲኦክራስያዊ ምሻም የተሓሕዞ እዩ። ሙሴ ንእያሱ ተተካኢኡ ገይሩ ኺሸሞ ኸሎ: ‘ኢዱ ኣንበረሉ።’ (ዘዳ. 34:9) ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ገሊኦም ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ኪሽየሙ ኸለዉ: ኢድ ተነቢሩሎም እዩ። (ግብ. 6:6፣ 1 ጢሞ. 4:14) ጳውሎስ እውን ብታህዋኽ ኣብ ልዕሊ ኻልእ ኢድ ምንባር ጌጋ ምዃኑ ምዒዱ ኣሎ።—1 ጢሞ. 5:22

ይኹን እምበር: ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት: ነቲ “ናይ ትምህርቲ ክርስቶስ መባእታ ዝኾነ ገዲፍና ናብ ብስለት ኣቢልና ንሰጕም” (ትርጕም 1990) ኢሉ ተማሕጸኖም። ድሕሪኡ: “ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ: ብእምነት ብኣምላኽ፧: ብትምህርቲ ጥምቀት: ብምንባር ኣእዳው” ኢሉ ዘርዘረ። (እብ. 6:1, 2) እሞኸ ንሽማግለታት ምሻም ክርስትያናት ኪስጕሙሉ ዘለዎም መባእታዊ ነገር ድዩ፧ ኣይኰነን። ሽማግለ ጉባኤ ምዃን: ብሱላት ኣሕዋት ንኺበጽሕዎ ኺመጣጠሩሉን ድሕሪኡ ኼማስዉሉን ዘለዎም ሸቶ እዩ።—1 ጢሞ. 3:1

እንተዀነ ግን: ምንባር ኢድ ኣብ ካልእ መዳይ እውን የገልግል ነበረ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን የሆዋ ነቶም ህዝቡ ዝነበሩ ብስጋ እስራኤላውያን ነጺጉ: ነቶም ብመንፈስ እስራኤላውያን ዝዀኑ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ተቐቢልዎም እዩ። (ማቴ. 21:43፣ ግብ. 15:14፣ ገላ. 6:16) ብቛንቋታት ምዝራብን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ተኣምራዊ ውህበት መንፈስን ከኣ ነዚ እተገብረ ለውጢ መርትዖ ዀይኑ የገልግል ነበረ። (1 ቈረ. 12:4-11) ቆርኔሌዎስን ስድራ ቤቱን ኣመንቲ ምስ ኰኑ: መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፣ እዚ ድማ “ብቛንቋታት ኪዛረቡ” ምስ ጀመሩ ግልጺ ዀነ።—ግብ. 10:44-46

ሓድሓደ ግዜ: ተኣምራዊ ውህበት: ኢድ ብምንባር ይመሓላለፍ ነበረ። ፊልጶስ ነቲ ብስራት ኣብ ሰማርያ ምስ ሰበኸ: ሓያሎ ተጠምቁ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ንሃዋርያ ጴጥሮስን ንሃዋርያ ዮሃንስን ናብቲ ቦታ ለኣኾም። ስለምንታይ፧ “ሽዑ [ነቶም ሓደስቲ ጥሙቓት] ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ” ዚብል ነንብብ። እዚ ኺበሃል ከሎ: ካልኦት ኪርእይዎ ዚኽእሉ ውህበት መንፈስ ተቐቢሎም ማለት ኪኸውን ኣለዎ። ከምዚ እንብለሉ ሓደ ምኽንያት: እቲ ኣቐዲሙ ጠንቋሊ ዝነበረ ስምኦን ንዕዮ እቲ መንፈስ ምስ ረኣየ: ኣብ ካልኦት ኢዱ ብምንባር ተኣምራት ኪገብሩ ዜኽእሎም መንፈስ ቅዱስ ናይ ምሃብ ክእለት ብገንዘብ ኪዕድጎ ምድላዩ እዩ። (ግብ. 8:5-20) ኣብ ካልእ እዋን: ኣብ ኤፌሶን 12 ሰባት ተጠምቁ። ብዛዕባኦም ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ: መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ: ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።”—ግብ. 19:1-7፣ ምስ 2 ጢሞቴዎስ 1:6 ኣረኣኢ።

ስለዚ: ጳውሎስ ኣብ እብራውያን 6:2 ብዛዕባ ምንባር ኣእዳው ኪዛረብ ከሎ: ውህበት መንፈስ ናብ ሓደስቲ ኣመንቲ ብዛዕባ ምምሕልላፍ እዩ ዚሕብር ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል።