ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ተሰሎንቄን ናብ ጢሞቴዎስን ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ተሰሎንቄን ናብ ጢሞቴዎስን ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ተሰሎንቄን ናብ ጢሞቴዎስን ዚጐልሕ ነጥብታት

እታ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረት ሓዳስ ጉባኤ ኻብ እትምስረት ኣትሒዛ ምጽራር የጋጥማ ነበረ: ኣብ እተመስረተትሉ እዋን ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቲ ቦታ ኸይዱ ነበረ። ስለዚ: እቲ ኣብ 20ታት ዕድሚኡ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ጢሞቴዎስ ካብ ተሰሎንቄ ጽቡቕ ወረ ሒዙ ምስ ተመልሰ: ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ንኺንእዶምን ንኼተባብዖምን ኪጽሕፈሎም ተደረኸ። እዛ ኣብ መወዳእታ 50 ድ.ክ. ተጻሒፋ ኽትከውን እትኽእል መልእኽቲ: ካብተን ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝጸሓፈን ጽሑፋት እታ ቐዳመይቲ እያ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ካልአይቲ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። ኣብቲ ግዜ እቲ: ነቲ ገሊኣቶም ዝነበሮም ግጉይ ኣረኣእያ ኣረሞ: ነቶም ኣሕዋት ኣብ እምነት ኪጸንዑ ኸኣ ተማሕጸኖም።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ: ጳውሎስ ኣብ መቄዶንያ: ጢሞቴዎስ ድማ ኣብ ኤፌሶን ነበረ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ ኤፌሶን ኪጸንሕን ምስቶም ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ዝነበሩ መምህራን ሓሶት መንፈሳዊ ውግእ ኪገብርን ዜተባብዕ መልእኽቲ ጸሓፈሉ። ብ64 ድ.ክ. ኣብ ሮሜ ባርዕ ምስ ኣጋጠመ ንክርስትያናት መስጐግቲ ወረዶም: ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ካልአይቲ መልእኽቲ ጸሓፈሉ። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ኻብተን ብመንፈስ ተደሪኹ ዝጸሓፈን ጽሑፋት እታ ናይ መወዳእታ እያ። ሎሚ እውን ንሕና ኻብቲ ኣብዘን ጳውሎስ ዝጸሓፈን ኣርባዕተ መልእኽትታት ዚርከብ መተባብዕን ምኽርን ክንጥቀም ንኽእል ኢና።—እብ. 4:12

“ንንቃሕ”

(1 ተሰ. 1:1–5:28)

ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ስለቲ ‘ግብሪ እምነቶምን ጻዕሪ ፍቕሮምን ትዕግስቶምን’ ነኣዶም። ‘ተስፋኡን ሓጐሱን ኣኽሊል ትምክሕቱን’ ምዃኖም ከኣ ነገሮም።—1 ተሰ. 1:3፣ 2:19

ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ብተስፋ ትንሳኤ ኺጸናንዑ ድሕሪ ምትብባዑ: “እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ” ገለጸሎም። “ንንቃሕን ንጠንቀቕን” ኢሉ ድማ መኸሮም።—1 ተሰ. 4:16-18፣ 5:2, 6

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

4:15-17—እቶም ‘ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ብደበና ዚለዓሉ’ መን እዮም፧ እዚኸ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ እዚኣቶም እቶም ክርስቶስ ኣብ ሓይሊ መንግስቱ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ብህይወት ዚጸንሑ ቕቡኣት ክርስትያናት እዮም። ንሳቶም ኣብቲ ዘይርአ ሰማያዊ ዓለም ንየሱስ እቲ ‘ጐይታ ይቕበልዎ።’ ፈለማ ግን ኪሞቱን መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ኪትንስኡን ኣለዎም። (ሮሜ 6:3-5፣ 1 ቈረ. 15:35, 44) ህላወ ክርስቶስ ድሮ ስለ ዝጀመረ: እቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ዚሞቱ ቕቡኣት ክርስትያናት ሞይቶም ኣይጸንሑን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ: ‘ይለዓሉ’ ወይ ብቕጽበት ይትንስኡ።—1 ቈረ. 15:51, 52

5:23—ጳውሎስ: “መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን . . . ይተሐሎ” ኢሉ ኺጽሊ ኸሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ጳውሎስ ንመንፈስን ነፍስን ስጋን እታ ብዙሓት ኣባላት ዘለውዋ: እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ከኣ ዚርከብዋ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ ዚጠቅስ ነይሩ። ብሓፈሻኡ እታ ጉባኤ ንኽትሕሎ ጥራይ ዘይኰነስ: ‘መንፈሳ’ ወይ ዝንባለኣ ንኺሕሎ እዩ ጸልዩ። ብዘይካዚ ‘ንነፍሳ:’ ማለት ህይወታ ወይ ህልውናኣ ኸምኡውን ‘ንስጋኣ:’ ማለት ነቲ ብዙሓት ኣባላት ዝሓቘፈ ኣካል ቅቡኣት ክርስትያናት ኣመልኪቱ እውን ጸልዩ እዩ። (1 ቈረ. 12:12, 13) ስለዚ: እቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ ጸሎት ብዛዕባ እታ ጉባኤ ንዝነበሮ ሓልዮት ዜጕልሕ እዩ ነይሩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:3, 7፣ 2:13፣ 4:1-12፣ 5:15 ሓደ ምኽሪ ውጽኢታዊ ንኪኸውን: ግቡእ ናእዳን ምትብባዕን ዝሓቘፈ ኪኸውን ኣለዎ።

4:1, 9, 10 ኣምለኽቲ የሆዋ ቐጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኣለዎም።

5:1-3, 8, 20, 21 መዓልቲ የሆዋ ኽትቀርብ ከላ “ድርዒ እምነትን ፍቕርን: ነታ ተስፋ ምድሓንውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና: ተኸዲንና ንጠንቀቕ።” ኣብ ርእሲኡ እውን ነቲ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብርዝነት ነቕልበሉ።

“ጸኒዕኩም ቁሙ”

(2 ተሰ. 1:1–3:18)

ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት ነቲ ጳውሎስ ኣብታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ዝበሎ ብምጥዋይ: “ምጽኣት ጐይታና” ድሮ ኸም ዝጀመረ ይከራኸሩ ነበሩ። ጳውሎስ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ንምእራም ‘ኣቐዲሙ’ ብዛዕባ ኪኸውን ዘለዎ ነገር ገለጸ።—2 ተሰ. 2:1-3

ጳውሎስ: “ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ . . . እተመሀርኩምዎ ትምህርትታት ሐዝዎ” ኢሉ ተማሕጸኖም። ካብቲ “ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓው ክትፍለዩ” ኢሉ እውን ኣዘዞም።—2 ተሰ. 2:15፣ 3:6

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:3, 8—እቲ “ሰብኣይ ዓመጻ” ተባሂሉ ዘሎ መን እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ዚጠፍእ፧ እዚ “ሰብኣይ” ተባሂሉ ዘሎ: ንኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ብጕጅለ ዜመልክት እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ እኩያት: ፍርድታት ኣምላኽ ኪእውጅን ንምፍጻሙ ትእዛዝ ኪህብን ስልጣን ተዋሂብዎ ዘሎ: “እቲ ቓል” ተባሂሉ እተጸውዐ ቐንዲ ኣፈኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ዮሃ. 1:1) ስለዚ: የሱስ ነቲ ሰብኣይ ዓመጻ “ብመንፈስ ኣፉ ገይሩ ኼጥፍኦ . . . እዩ” ኪበሃል ይከኣል እዩ።

2:13, 14—እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ካብ ጥንቲ እተሓረዩ’ ኺበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ንርእሲ ሰይጣን ኪጭፍልቕ የሆዋ ዕላማ ምስ ገበረ: ቅቡኣት ክርስትያናት ብደረጃ ጕጅለ ኣቐዲሞም ተመዲቦም ኪበሃል ይከኣል እዩ። (ዘፍ. 3:15) የሆዋ ነቲ ንሳቶም ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታትን ዚዓይዎ ዕዮን ዜሕልፍዎ ፈተናን እውን ኣቐዲሙ መዲብዎ እዩ። ስለዚ: ነዚ ጸዊዕዎም እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:6-9 ፍርድታት የሆዋ ብኣልማማ ኣይኰነን ዚፍጸም።

3:8-12 መዓልቲ የሆዋ ምቕራባ: ንርእስና ዜድልየና ንምምላእ ከይንዓዪ ኸም መመኽነይታ ጌርና ኸነቕርቦ የብልናን። ስራሕ ዘይምህላው ህኩያትን ‘ኣብ ነገር ካልኦት እንጽምበርን’ ኪገብረና ይኽእል እዩ።—1 ጴጥ. 4:15

“ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ”

(1 ጢሞ. 1:1–6:21)

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ: ‘ሰናይ ሕሊና ሒዙ: ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ኪዋጋእ’ መምርሒ ሃቦ። ኣብ ጉባኤ ዚሽየሙ ሰብኡት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት እውን ሰርዐ። ብዘይካዚ: ንጢሞቴዎስ: “ንነገር ቅለት . . . ካባኻ ኣርሕቆ” ኢሉ መምርሒ ሃቦ።—1 ጢሞ. 1:18, 19፣ 3:1-10, 12, 13፣ 4:7

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ: “ንኣረጊት ሰብኣይ . . . ኣይትዝብሐዮ” ኢሉ ጸሓፈሉ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን: “ካብቲ . . . ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ” ኢሉ ተማሕጸኖ።—1 ጢሞ. 5:1፣ 6:20

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:18፣ 4:14—ብዛዕባ ጢሞቴዎስ እንታይ “ትንቢታት” እዩ ተነጊሩ ነይሩ፧ ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ናብ ልስጥራ ኺበጽሕ ከሎ ብመንፈስ ተደሪኹ እተዛረቦ: ብዛዕባ እቲ ጢሞቴዎስ ኣብ መጻኢ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚህልዎ ግደ ዚገልጽ ትንቢታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 16:1, 2) እቶም ሽማግለታት ጉባኤ ኣብቲ “ትንቢታት” ተመርኲሶም: ንፍሉይ ኣገልግሎት ‘ኢዶም ኣንበሩሉ።’

2:15—ሰበይቲ “ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ” ኺበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ ሓንቲ ሰበይቲ ውሉድ ምውላዳን ንደቃ ምክንኻናን ንቤታ ምእላያን: ዕዮ እተብኵር ‘መብዝሒት ኣፍን ወልፋስን’ ከይትኸውን ‘የድሕና።’—1 ጢሞ. 5:11-15

3:16—እቲ ምስጢር ኣምልኾ እንታይ እዩ፧ ሰባት ንልዑላውነት የሆዋ ፍጹም ተኣዛዝነት ኪህቡ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም: ንነዊሕ እዋን ምስጢር እዩ ነይሩ። የሱስ ክሳዕ ሞት ንኣምላኽ ፍጹም ንጽህናኡ ብምሕላዉ: ነዚ መልሲ ሃበሉ።

6:15, 16—እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ድየን ዚውዕላ ወይስ ኣብ የሱስ ክርስቶስ፧ እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብቲ ብዛዕባ ምግላጹ እተጻሕፈሉ እየን ዚውዕላ: ንሱ ድማ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (1 ጢሞ. 6:14) የሱስ ምስቶም ነገስታትን ጐይተትን ኰይኖም ዚገዝኡ ሰባት ኪነጻጸር ከሎ: “በይኑ . . . ስልጣን ዘለዎ” ኸምኡውን በይኑ ዘይመውት ኪበሃል ይከኣል እዩ። (ዳን. 7:14፣ ሮሜ 6:9) ናብቲ ዘይርአ ሰማያት ካብ ዚዓርግ ንነጀው: ኣብ ምድሪ ዚነብር ዋላ ሓደ ሰብ ብዓይኑ ‘ኺርእዮ ኣይክእልን’ እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

4:15 ክርስትና ኻብ እንቕበል ነዊሕ ዝገበርና ንኹን ሓጺር ብዘየገድስ: ዕቤት ንኽንገብርን ብመንፈሳዊ መዳይ እናወሰኽና ንኽንከይድን ክንጽዕር ኣሎና።

6:2 ኣስራሒና ኣማኒ እንተ ዀይኑ: ኣብ ክንዲ እንብለጸሉ: ንዘይኣማኒ ኻብ እንገብሮ ንላዕሊ ኸነገልግሎ ኣሎና።

“እቲ ቓል ክትሰብኽ”

(2 ጢሞ. 1:1–4:22)

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ነቲ ኼጋጥሞ ዚኽእል ጸገማት ምእንቲ ኼዳልዎ ኢሉ: “ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር: መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን” ኢሉ ጸሓፈሉ። “ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ: መሃሪ: ዕጉስ ኪኸውን እምበር: ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ” ኢሉ እውን መዓዶ።—2 ጢሞ. 1:7፣ 2:24

“በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ” ኢሉ ተማሕጸኖ። ኣብቲ ግዜ እቲ ትምህርትታት ከሓድቲ የስፋሕፍሕ ስለ ዝነበረ ኸኣ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ሓላዊ: “እቲ ቓል ክትሰብኽ: . . . ክትገንሕ: ክትቀጽዕ: ክትምዕድ” ኢሉ መኸሮ።—2 ጢሞ. 3:14፣ 4:2

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:13—‘ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል’ እንታይ እዩ፧ እቲ “ጥዑይ ቃል” ተባሂሉ ዘሎ: እቲ “ጐይታና የሱስ ክርስቶስ” እተዛረቦ ናይ ሓቂ ትምህርትታት ክርስትና እዩ። (1 ጢሞ. 6:3) እቲ የሱስ ዝመሃሮን ዝገበሮን ምስ ቃል ኣምላኽ ዚሰማማዕ ስለ ዝዀነ: እቲ “ጥዑይ ቃል” ዚብል ቃላት ብስፍሕ ዝበለ ኣወዓዕላ ንዅሉ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬመልክት ይኽእል እዩ። እዚ ትምህርትታት እዚ የሆዋ ኸነማልኦ ዚደልየና ነገራት ንኽንግንዘብ ይሕግዘና። ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ነዚ ምሳሌ እዚ ኽንሕዞ ንኽእል።

4:13—“እቲ ብራናታት” እንታይ እዩ ነይሩ፧ እታ “ብራናታት” እትብል ቃል: ካብ ቈርበት እተሰርሐ ንመጽሓፊ ዜገልግል ነገር ምዃኑ ተመልክት። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንኼጽንዕ ኢሉ: ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኺመጸሉ ይሓትት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኡ ጥቕላላት: ፓፒሩስ ኪኸውን ከሎ: ገሊኡ ኸኣ ብራናታት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:5፣ 3:15 ጢሞቴዎስ ኣብ ክርስቶስ የሱስ እምነት ኬሕድር ዘኽኣሎ መሰረታዊ ምኽንያት: እቲ ብንእስነቱ ኣብ ቤቱ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተማህሮ ትምህርቲ እዩ። እታ እምነት እቲኣ ኸኣ ንዅሉ ተግባራቱ ጸልያቶ እያ። ኣባላት ስድራ ቤት ነዚ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ደቆም ዝሃቦም ሓላፍነት ብኸመይ ይፍጽምዎ ኸም ዘለዉ ኣርዚኖም ኪሓስቡሉ ኣለዎም።

1:16-18 ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ፈተና: መስጐጕቲ: ወይ ማእሰርቲ ኼሕልፉ ኸለዉ: ምእንታኦም ንጸሊ: ንምሕጋዞም ድማ ዚከኣለና ንግበር።—ምሳ. 3:27፣ 1 ተሰ. 5:25

2:22 ኵሎም ክርስትያናት: ብፍላይ ከኣ መንእሰያት: ብህንጸት ኣካላት: ብስፖርት: ብሙዚቃ: ብመዘናግዒ: ብፍላይ ብዜገድሶም ነገራት: ብጕዕዞ: ብዘይጠቅም ዕላላት: ከምኡውን ብኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት እምብዛ ትሑዛት ካብ ምዃኖም እተላዕለ: ንመንፈሳዊ ነገራት ግዜ ዚውሕዶም ኪዀኑ የብሎምን።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ካብተን ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፈን መንፈስ ዝነፈሰን መልእኽትታት ኣብ መወዳእታ እተጻሕፈት ኣየነይቲ እያ፧