ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ካብተን መጓሰ ዝጠፍኡ ሓግዞም

ነቶም ካብተን መጓሰ ዝጠፍኡ ሓግዞም

ነቶም ካብተን መጓሰ ዝጠፍኡ ሓግዞም

“ነታ ዝጠፍኣትኒ በጊዔይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሱ።”—ሉቃ. 15:6

1. የሱስ ፈቃር ጓሳ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

 እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ “ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (እብ. 13:20) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ የሱስ ዚመጸሉ እዋን ተነብዩ ነይሩ፡ ነተን “ጥፉኣት ኣባጊዕ” እስራኤል ዚደሊ ፍሉይ ጓሳ ኸም ዝዀነ እውን ሓቢሩ ነይሩ። (ማቴ. 2:1-6፣ 15:24) ብዘይካዚ፡ ከምቲ ሓደ ጓሳ ንኣባጊዑ ንምክልኻል ህይወቱ ኣሕሊፉ ዚህብ፡ የሱስ እውን ነቶም ንመስዋእቱ ዚጥቀሙሉ ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት መስዋእታዊ በጃ ዀይኑ ሞተ።—ዮሃ. 10:11, 15፣ 1 ዮሃ. 2:1, 2

2. ገሊኦም ክርስትያናት ዘይንጡፋት ንኪዀኑ ጠንቂ ዝዀኖም እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

2 እቲ ዜሕዝን፡ ገሊኦም ንመስዋእቲ የሱስ ሞሳ ዝነበሮምን ንኣምላኽ ርእሶም ዝወፈዩን ሰባት፡ ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣይሓብሩን እዮም ዘለዉ። ተስፋ ምቝራጽ፡ ጸገማት ጥዕና፡ ወይ ካልእ ረቛሒታት ንቕንኣቶም ኣዳኺምዋን ዘይንጡፋት ከም ዚዀኑ ገይርዎምን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዳዊት ኣብ መበል 23 መዝሙር ተዛሪቡሉ ዘሎ ህድኣትን ሓጐስን ኪረኽቡ ዚኽእሉ፡ ምስ መጓሰ ኣምላኽ እንተ ሓቢሮም ጥራይ እዮም። ንኣብነት፡ “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን” ኢሉ ዘሚሩ ኣሎ። (መዝ. 23:1) እተን መጓሰ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ መገዲ ዋላ ሓንቲ ኣይጐድለንን እዩ፡ ብዛዕባ እተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ግን ከምዚ ኺበሃል ኣይከኣልን እዩ። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት መን ኪሕግዞም ይኽእል፧ ብኸመይ ሓገዝ ኪወሃቦም ይኽእል፧ ናብተን መጓሰ ንኺምለሱኸ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

መን ኪሕግዝ ይኽእል፧

3. ዝጠፍኣ ኣባጊዕ መጓሰ ኣምላኽ ንምድሓን እንታይ ከም ዜድሊ የሱስ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

3 ዝጠፍኣ ኣባጊዕ መጓሰ ኣምላኽ ንምድሓን ዕቱብ ጻዕሪ የድሊ። (መዝ. 100:3) የሱስ ከምዚ ብምባል ነዚ ብምሳሌ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን፧ እንተ ረኸባ ድማ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ፡ ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእ፡ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።” (ማቴ. 18:12-14) ነቶም ካብ መጓሰኦም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ መሰል ሰባት መን ክሕግዞም ይኽእል፧

4, 5. ሽማግለታት ብዛዕባ መጓሰ ኣምላኽ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ፧

4 ክርስትያን ሽማግለታት ነተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ኪሕግዝወን እንተ ዀይኖም፡ መጓሰ ኣምላኽ ኪበሃል ከሎ ብጉባኤ ዝቘሙ ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ሰባት—እወ፡ ኣኽቢርካ ዚረኣዩ ‘ኣባጊዕ መጓሰ ኣምላኽ’ ምዃኖም ኪዝክሩ ኣለዎም። (መዝ. 79:13) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣባጊዕ ብለውሃት ክንክን ኪግበረሎም ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ ፈቃራት ጓሶት ብሕታዊ ተገዳስነት ኪገብሩሎም ከም ዘለዎም የመልክት። ብሕያውነት ጕስነታዊ ምብጻሕ ምግባር፡ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ሓደ ጓሳ ዚህቦም ፍቕራዊ ምትብባዕ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሃንጾምን ናብተን መጓሰ ንኺምለሱ ዘለዎም ባህጊ ኼበርትዖን ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 8:1

5 ጓሶት መጓሰ ኣምላኽ ንዝጠፍኣ ኣባጊዕ ናይ ምንዳይን ናይ ምሕጋዝን ሓላፍነት ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጥንታዊት ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያን ሽማግለታት ብዛዕባ ጕስነታዊ ሓላፍነታቶም ከምዚ ብምባል ኣዘኻኸሮም፦ “ስለዚ ንርእስኹምን ነታ [“ብደም ገዛእ ወዱ፡” NW] ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሐልዉ።” (ግብ. 20:28) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ንቕቡኣት ሽማግለታት ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ተማሕጸኖም፦ “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ።”—1 ጴጥ. 5:1-3

6. ኣባጊዕ ኣምላኽ ብፍላይ ሎሚ ኽንክን ጓሶት ዜድልየን ስለምንታይ እዩ፧

6 ክርስትያን ጓሶት ነቲ “ሕያዋይ ጓሳ” ዝዀነ የሱስ ኪመስልዎ ኣለዎም። (ዮሃ. 10:11) ንሱ ብዛዕባ ኣባጊዕ ኣምላኽ ብዙሕ የተሓሳስቦ ነበረ፡ ንስምኦን ጴጥሮስ “ኣባጊዔይ ሐሉ” ኢሉ ኺነግሮ ኸሎ ድማ ነተን ኣባጊዕ ምክንኻን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሐ። (ዮሃንስ 21:15-17 ኣንብብ።) ድያብሎስ ንንጽህና እቶም ርእሶም ንኣምላኽ ዝወፈዩ ንምብልሻው ዚገብሮ ጻዕርታት ኣሐይሉ ስለ ዘሎ፡ ብፍላይ ሎሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽንክን የድልየን እዩ። ሰይጣን ብስጋዊ ድኽመታትን ብዓለምን ተጠቒሙ፡ ንኣባጊዕ የሆዋ ናብ ሓጥእ ንጥፈታት ኪመርሐን ይፍትን እዩ። (1 ዮሃ. 2:15-17፣ 5:19) ምናዳ ዘይንጡፋት ዘበሉ ንመጥቃዕቲ እተቓልዑ ስለ ዝዀኑ፡ ነቲ “ብመንፈስ ተመላለሱ” ዚብል ማዕዳ ንኺዓዩሉ ሓገዝ የድልዮም እዩ። (ገላ. 5:16-21, 25) ንኸምዚኣተን ዝኣመሰላ ኣባጊዕ ንምሕጋዝ፡ ኣብ ኣምላኽ ብጸሎት ምጽጋዕን መሪሕነት መንፈሱ ምስዓብን ቃሉ ብኽእለት ምጥቃምን ይሓትት።—ምሳ. 3:5, 6፣ ሉቃ. 11:13፣ እብ. 4:12

7. ሽማግለታት ነቶም ምሳታቶም ዘለዉ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ዚገብርዎ ጕስነት፡ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት ኣለዎ፧

7 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ሓደ ጓሳ ንመጓሰኡ ንምምራሕ ነዊሕ ዓንቃሪቦ በትሪ ይጥቀም ነበረ። እተን ኣባጊዕ ናብ ደምበአን ኪኣትዋ ወይ ካብ ደምበአን ኪወጻ ኸለዋ፡ ‘ብትሕቲ በትሪ ይሓልፋ’ ነበራ፡ በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ጓሳ ይቘጽረን ነበረ። (ዘሌ. 27:32፣ ሚክ. 2:12፣ 7:14) ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ክርስትያን ጓሳ ነተን ምስኡ ዘለዋ ኣባጊዕ ኪፈልጠንን ኪከታተለንን ኣለዎ። (ምስ ምሳሌ 27:23 ኣረኣኢ።) ስለዚ፡ ጕስነት ሓደ ኻብቲ ኣካል ሽማግለታት ዚመያየጡሉ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ። እዚ ድማ ነተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ንምሕጋዝ ዚግበር መሰናድዎታት የጠቓልል። የሆዋ ባዕሉ ንኣባጊዑ ኺደልየንን ኪኣልየንን ምዃኑ ተዛሪቡ ኣሎ። (ህዝ. 34:11) ስለዚ፡ ሽማግለታት ንዝጠፍአት በጊዕ ናብ መጓሰ ንምምላስ ተመሳሳሊ ስጕምትታት ኪወስዱ ኸለዉ፡ ኣምላኽ ይሕጐስ እዩ።

8. ሽማግለታት ንኣባጊዕ ብሕታዊ ቘላሕታ ኺገብሩለን ዚኽእሉ ኸመይ ገይሮም እዮም፧

8 ሓደ ኣማኒ ኣካላዊ ሕማም ምስ ዚሓምም፡ ጓሳ መጓሰ ኣምላኽ ዚገብረሉ ምብጻሕ፡ ምንጪ ሓጐስን ምትብባዕን ኪዀኖ ይኽእል እዩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ዝሓመመ በጊዕ እውን ብሕታዊ ቘላሕታ ምስ ዚግበረሉ፡ ተመሳሳሊ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ሽማግለታት ነቲ ዘይንጡፍ ዝዀነ ሰብ ጥቕስታት ኬንብቡሉ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ዓንቀጽ ኬመያይጥዎ፡ ኣብ ኣኼባ ዝነበረ ቐንዲ ነጥብታት ኬጕልሑሉ፡ ምስኡ ሓቢሮም ኪጽልዩ፡ ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ናብ ኣኼባታት ጉባኤ እንተ ተመሊሱ፡ ኣባላት እታ ጉባኤ ተሓጒሶም ከም ዚቕበልዎ ኪሕብርዎ ይኽእሉ እዮም። (2 ቈረ. 1:3-7፣ ያእ. 5:13-15) ምብጻሕ፡ ተሌፎን ምድዋል፡ ወይ ደብዳበ ምጽሓፍ ብዙሕ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሓንቲ ኻብ መጓሰኣ ዝጠፍአት በጊዕ ብሕታዊ ሓገዝ ምሃብ፡ ነቲ ርሕሩሕ ክርስትያን ጓሳ ተወሳኺ ሓጐስ ኬምጽኣሉ ይኽእል እዩ።

ብምትሕብባር ዚግበር ጻዕሪ

9, 10. ብዛዕባ ዝጠፍአት በጊዕ ምግዳስ፡ ኣብ ሽማግለታት ጥራይ ተሓጺሩ ኺተርፍ ከም ዘይብሉ እትሰማምዓሉ ስለምንታይ ኢኻ፧

9 ውጥረት ኣብ ዝበዝሖን ኣብ ጽንኩርን ግዜ ስለ እንነብር፡ ሓደ ሰብ በብቝሩብ ካብ ጉባኤ ይጠፍእ ከም ዘሎ ኣይነስተብህለሉን ንኸውን። (እብ. 2:1) ኰይኑ ግን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣባጊዑ ኽቡራት እየን። ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ወይ ኣካል ሰብነት ዋጋ ዘለዎ፡ ነፍሲ ወከፍ በጊዕ እውን ዋጋ ኣለዋ። ስለዚ፡ ኵላትና ንኣሕዋትና ኸም እንግደሰሎም ከነርእን ብሓቂ ንሓድሕድና ኽንተሓላለን ኣሎና። (1 ቈረ. 12:25) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኣሎካዶ፧

10 ንዝጠፍኣ ኣባጊዕ ኣብ ምንዳይን ኣብ ምሕጋዝን መሪሕ ግደ ዘለዎም ሽማግለታት እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባአን ምግዳስ ግን ኣብቶም ክርስትያን ሓለውቲ ጥራይ ተሓጺሩ ኺተርፍ የብሉን። ካልኦት እውን ምስዞም ጓሶት ኪተሓባበሩ ይኽእሉ እዮም። ነቶም ናብተን መጓሰ ንኺምለሱ ሓገዝ ዜድልዮም ኣሕዋትን ኣሓትን ከነተባብዖምን መንፈሳዊ ሓገዝ ክንህቦምን ንኽእል ኢና፡ ክንህቦም እውን ኣሎና። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ብኸመይ ኪወሃብ ይከኣል፧

11, 12. ንሓደ መንፈሳዊ ሓገዝ ዜድልዮ ንምሕጋዝ፡ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል እዩ ኺወሃበካ ዚኽእል፧

11 ሓድሓደ ግዜ፡ ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ኪሕገዙ ዚደልዩ ዘይንጡፋት ሰባት ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑሎም፡ ብሽማግለታት ኪምድቡ ይኽእሉ እዮም። ዕላማ እዚ ጻዕሪ እዚ፡ እቶም ዘይንጡፋት ‘ነታ ቐዳመይቲ ፍቕሮም’ እንደገና ንኺውልዕዋ ንምሕጋዞም እዩ። (ራእ. 2:1, 4) እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና፡ ካብታ ጉባኤ ርሒቖም ከለዉ ንዝወጸ ጽሑፋት ምስ ዜጽንዑ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪህነጹን ኪብርትዑን ይኽእሉ እዮም።

12 ሽማግለታት ምስ ሓደ መንፈሳዊ ሓገዝ ዜድልዮ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይ ከተጽንዕ ምስ ዚዕድሙኻ፡ የሆዋ ኺመርሓካን ንጻዕርታትካ ኺባርኾን ጸሊ። እወ፡ “ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ ሽዑ ሓሳባትካ ኪቐውም እዩ።” (ምሳ. 16:3) ምስቶም መንፈሳዊ ሓገዝ ዜድልዮም ክትመያየጠሉ እትኽእል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታትን እምነት ዜደልድል ነጥብታትን ሕሰብ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገደፎ ብሉጽ ኣብነት ከኣ ኣስተንትነሉ። (ሮሜ 1:11, 12 ኣንብብ።) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ንምጽናዖም ዚሕግዝ ገለ መንፈሳዊ ውህበት ምእንቲ ኺመቕሎም፡ ኪርእዮም ናፊቑ እዩ። ንሓድሕዶም ንኺጸናንዑ እውን ተሃንጥዩ እዩ። ንሕናኸ ኻብተን መጓሰ ንዝጠፍኣ ኣባጊዕ ክንሕግዝ ክንደሊ ኸለና ኸምዚ ዓይነት መንፈስ ከነርኢ ኣይግብኣናንዶ፧

13. ምስ ሓደ ዘይንጡፍ ብዛዕባ እንታይ ክትመያየጥ ትኽእል፧

13 ክትመያየጡ ኸለኹም፡ “ከመይ ጌርካ ኢኻ ሓቂ ፈሊጥካ፧” ኢልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ቅድም ኣብ ጉባኤ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት፡ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዘሕለፎ ባህ ዜብል ተመክሮታት ንኺዛረብ ብምትብባዕ ነቲ ዜሐጕስ እዋናት እቲ ኸም ዚዝክር ግበሮ። ሓቢርኩም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዜሕለፍኩምዎ ባህ ዜብል እዋን እንተ ኣልዩ እውን ጥቐሰሉ። ብዛዕባ እቲ ናብ የሆዋ ብምቕራብካ ዝረኸብካዮ ሓጐስ ተዛረብ። (ያእ. 4:8) ነቲ ኣምላኽ ብፍላይ ኣብ እዋን ጸበባ ምጽንናዕን ተስፋን ብምሃብ ንህዝቡ ዚሕግዘሉ መገዲ ዘሎካ ሞሳ ግለጽ።—ሮሜ 15:4፣ 2 ቈረ. 1:3, 4

14, 15. ነቶም ዘይንጡፋት ሰባት ብዛዕባ ኣየናይ ዚረኽብዎ ዝነበሩ በረኸት ምዝኽኻር እዩ ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል፧

14 ነቲ ዘይንጡፍ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስታ ጉባኤ ብምሕባር ዚረኽቦ ዝነበረ በረኸት ምዝኽኻሩ፡ ጠቓሚ ምዃኑ ዘይከሓድ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽን ዕላማታቱን ዝነበሮ ፍልጠት ብምውሳኹ ዝረኸቦ በረኸት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። (ምሳ. 4:18) ‘ብመንፈስ ኪመላለስ’ ከሎ፡ ሓጢኣት ኪፍጽም ንዚቐርበሉ ፈተናታት ኪጻረር ይቐሎ ኸም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ገላ. 5:22-26) ከምዚ ብምግባሩ ዘጥረዮ ጽሩይ ሕልና ድማ ናብ የሆዋ ብጸሎት ንኪቐርብ ኣኽኣሎ፡ እቲ ‘ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ከኣ ንልቡን ንሓሳቡን ሓለዎ።’ (ፊል. 4:6, 7) ከምዚ ዝኣመሰለ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኻ ሒዝካ ልባዊ ተገዳስነት ኣርኢ፡ ብእተኻእለካ ድማ ንመንፈሳዊ ሓውኻ ወይ ሓብትኻ ናብተን መጓሰ ንኺምለስ ብፍቕሪ ኣተባብዕ።—ፊልጲ 2:4 ኣንብብ።

15 ጕስነታዊ ምብጻሕ ትገብር ዘለኻ ሽማግለ ኢኻ ንበል። ዘይንጡፋት ንዝዀኑ ሰብ ሓዳር ብዛዕባ እቲ ፈለማ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ እተማህሩሉ እዋን ኪዝክሩ ኸተተባብዖም ትኽእል ኢኻ። እታ እተማህርዋ ሓቂ፡ ኣየ ኽንደይ እተደንቕን ርትዓዊትን እተዕግብን መንፈሳዊ ሓርነት እትህብን ኰን እያ ነይራ! (ዮሃ. 8:32) ብዛዕባ የሆዋን ፍቕሩን ዜደንቕ ዕላማታቱን ምስ ተማህሩ ልቦም ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ብሓጐስ እተመልአ! (ምስ ሉቃስ 24:32 ኣረኣኢ።) እቶም ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ከም ዚህልዎምን ናብኡ ናይ ምጽላይ ፍሉይ መሰል ከም ዚረኽቡን ኣዘኻኽሮም። እቶም ዘይንጡፋት ነቲ ኽቡር “ወንጌል ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ እንደገና ምላሽ ኪህቡ ኣተባብዓዮም።—1 ጢሞ. 1:11

ብዘይምቍራጽ ፍቕሪ ኣርእዮም

16. መንፈሳዊ ሓገዝ ንምሃብ ዚግበር ጻዕሪ ብሓቂ ውጽኢታዊ ምዃኑ ዜርኢ ኣብነት ጥቐስ።

16 እዚ ርእይቶታት እዝስ ብሓቂዶ ይዓዪ እዩ፧ እወ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ 12 ዓመት ዕድሚኡ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ መንእሰይ፡ ኣብ 15 ዓመት ዕድሚኡ ዘይንጡፍ ኰነ። ጸኒሑ ግን እንደገና ንጡፍ ኰነ እሞ ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸምደ። መንፈሳውነቱ እተመልሰ፡ ብዓብዪኡ ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ብዝገበረሉ ደገፍ እዩ። ነቲ እተገብረሉ መንፈሳዊ ሓገዝ ክንደይ ኰን እዩ ዘማሰወሉ!

17, 18. ንሓደ ኻብ መጓሰ ኣምላኽ ዝጠፍአ ሰብ ንኽትሕግዞ እንታይ ባህርያት እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧

17 ክርስትያናት ነቶም ዘይንጡፋት ናብ ጉባኤ ኺምለሱ ንኺሕግዝዎም እትድርኾም ፍቕሪ እያ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃ. 13:34, 35) እወ፡ ፍቕሪ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትያናት እያ። እሞኸ ነቶም ዘይንጡፋት ዝዀኑ እተጠምቁ ክርስትያናት ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ኸነርእዮምዶ ኣይግብኣናን፧ ብሓቂ ይግብኣና እዩ! ይኹን እምበር፡ እቲ ዜድሊ ሓገዝ ንምሃብ እተፈላለየ ባህርያት ኣምላኽ ከነማዕብል የድሊ።

18 ንሓደ ኻብ መጓሰ ኣምላኽ ዝጠፍአ ሰብ ክትሕግዝ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ባህርያት ኢኻ ኸተርኢ ዘሎካ፧ ኣብ ርእሲ ፍቕሪ፡ ከም ርሕራሐ፡ ሕያውነት፡ ልእመት፡ ዓቕሊ ዝኣመሰለ ባህርያት ከተርኢ ኼድልየካ ይኽእል እዩ። ይቕረ በሃሊ ኽትኰነሉ ዜድሊ ዅነታት እውን ኪህሉ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ [“የሆዋ፡” NW] ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ።”—ቈሎ. 3:12-14

19. እቲ ንኣባጊዕ መሰል ሰባት ናብ ክርስትያናዊ ደምበ ንኺምለሱ ዚግበር ጻዕሪ፡ ካሕሳ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

19 እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ገሊኣቶም ካብ መጓሰ ኣምላኽ ዝጠፍኡሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኽትገልጽ እያ። እቶም ዚምለሱ ብኸመይ ክትቅበሎም ከም ዝደልዩ እውን ክትሕብር እያ። ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸተስተንትነላ፡ ነታ እትቕጽል ዓንቀጽ ከኣ ከተጽንዓ ኸለኻ፡ ነቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ናብ ክርስትያናዊ መጓሰ ንኺምለሱ እትገብሮ ጻዕሪ ኸም እትከሓሰሉ ኸነረጋግጸልካ ንፈቱ። ኣብዚ ስርዓት እዚ፡ ሓያሎ ሰባት ምሉእ ህይወቶም ሃብቲ ኣብ ምድላብ የሕልፍዎ፣ ሓንቲ ህይወት ግን ካብ ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ገንዘብ ኣዝያ ትበልጽ። የሱስ ኣብታ ብዛዕባ ዝጠፍአት በጊዕ ዝመስላ ምሳሌ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። (ማቴ. 18:12-14) ነተን ዝጠፍኣ ኽቡራት ኣባጊዕ የሆዋ ናብተን መጓሰ ኺምለሳ ንምሕጋዝ ውዓል ሕደር ከይበልካ ልባዊ ጻዕሪ ኽትገብር ከለኻ፡ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣይትረስዓዮ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ክርስትያን ጓሶት ብዛዕባ እቶም ካብተን መጓሰ ዝጠፍኡ ኣባጊዕ መሰል ሰባት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

• ነቶም ሎሚ ኻብ ጉባኤ ተፈልዮም ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

• ነቶም ካብተን መጓሰ ጠፊኦም ዘለዉ ሰባት ንምድጋፍ እንታይ ባህርያት ይሕግዘካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ጓሶት ነቶም ካብ መጓሰ ኣምላኽ ዝጠፍኡ ንምሕጋዝ ፍቕራዊ ጻዕሪ ይገብሩ