ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ኽንክን ጥዕና ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ሓዝ

ብዛዕባ ኽንክን ጥዕና ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ሓዝ

ብዛዕባ ኽንክን ጥዕና ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ሓዝ

“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ . . . ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።” —ማር. 12:30

1. ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ እንታይ እዩ፧

 የሆዋ ኣምላኽ ንሰብኣውያን ፍጡራቱ ዝነበሮ ዕላማ፡ ሕማምን ሞትን ዜጠቓልል ኣይነበረን። ኣዳምን ሄዋንን ን70 ወይ 80 ዓመት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ‘ኪዓይዋን ኪሕልውዋን’ ኣብ ገነት ኤድን፡ ወይ ኣብ ገነት ደስታ እዮም ተነቢሮም። (ዘፍ. 2:8, 15) ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም እንተ ዚቕጽሉን ንልዑላውነቱ ብፍቕሪ እንተ ዚግዝእዎን ነይሮም፡ ሕማምን እርጋንን ሞትን ኣይመጋጠሞምን።

2, 3. (ሀ) እርጋን ኣብ መጽሓፍ መክብብ ብኸመይ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ (ለ) በቲ ኣዳም ዘምጸኦ ሞት ተሓታቲ መን እዩ፧ እዚ ዚዕረኸ ብኸመይ እዩ፧

2 መክብብ ምዕራፍ 12፡ ብዛዕባ እቲ ንዘይፍጹማት ሰባት ምስ ኣረጉ ዜጋጥሞም “ክፉእ መዓልትታት” ብንጹር ትገልጽ እያ። (መክብብ 12:1-7 ኣንብብ።) ሽበት ምስ ‘ምዕምባብ ለውዚ’ ተመሳሲሉ ኣሎ። ኣእጋር ምስቶም ዜንቀጥቅጡን ዚጐበጡን “ብርቱዓት ሰብኡት” ተመሳሲሉ ኣሎ። ብርሃን ደልዮም ናብ መስኰት ዚኸዱ እሞ ጸልማት ጥራይ ዚረኽቡ ጠማቶ እውን፡ ነተን እናደኸማ ዚኸዳ ኣዒንቲ ዚበቅዕ መግለጺ እዩ። ገሊኡ ኣስናን ብምርጋፉ ድማ፡ “ጠሓንቲ ስለ ዝወሐዳ [ኸም] ዜብኵራ” ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ።

3 ረድረድ ዚብላ ኣእጋር፡ ድኹማት ኣዒንቲ፡ ከምኡውን ኣስናን ዘይብሉ ግርጻን ኣብቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ ኣይነበረን። ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸ ሞት፡ ሓደ ኻብቲ “ግብሪ ድያብሎስ” እዩ፣ ወዲ ኣምላኽ ከኣ ብመሲሓዊት መንግስቱ ኣቢሉ ነዚ ‘ኼፍርሶ’ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ዮሃ. 3:8

ብመጠኑ ኼተሓሳስበካ ንቡር እዩ

4. ኣገልገልቲ የሆዋ ጥዕናኦም ብመጠኑ ዜተሓሳስቦም ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ግን እዮም ዚፈልጡ፧

4 ኣብዚ ግዜና ኣገልገልቲ የሆዋ፡ እቲ ንዅሎም ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ዜጋጥም ሕማምን እርጋንን የጋጥሞም እዩ። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ጥዕናና ብመጠኑ ኼተሓሳስበና ባህርያውን ጠቓምን እዩ። ንየሆዋ ‘ብዅሉ ሓይልና’ ደይኰንናን ከነገልግሎ እንደሊ፧ (ማር. 12:30) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ጥዕና ረኺብና ኽንነብር እኳ እንተ ደለና፡ ካብ እርጋን ወይ ሕማም ንምምላጥ ብዙሕ ክንገብሮ እንኽእል ነገራት ከም ዘየልቦ ኽንፈልጥን ነቲ ኽውንነት ክንቅበልን ኣሎና።

5. ካብቲ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሕማሞም ዝጾሩሉ መገዲ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

5 ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ናይ ጥዕና ጸገማት ነይርዎም እዩ። ኤጳፍሮዲጦስ ሓደ ኻባታቶም ነበረ። (ፊል. 2:25-27) እቲ እሙን ብጻይ ጳውሎስ ዝነበረ ጢሞቴዎስ እውን ዚመላለሶ ሕማም ከስዐ ነበሮ፡ ጳውሎስ ከኣ ነዚ፡ “ሒደት ወይኒ” ኺሰትየሉ መዓዶ። (1 ጢሞ. 5:23) ሃዋርያ ጳውሎስ ንባዕሉ ምስቲ ‘ናይ ስጋ ግራጭ’ ኢሉ ዝገለጾ ነገር፡ ምናልባት ናይ ዓይኒ ሕማም ወይ ካልእ ሕማም እዩ ዚኸውን፡ ኪቃለስ ነበሮ። (2 ቈረ. 12:7፣ ገላ. 4:15፣ 6:11) ብዛዕባ እቲ ‘ናይ ስጋኡ ግራጭ’ ንየሆዋ ኣምሪሩ ለመኖ። (2 ቈረንቶስ 12:8-10 ኣንብብ።) ኣምላኽ ንጳውሎስ ካብቲ ‘ናይ ስጋኡ ግራጭ’ ብተኣምራዊ መገዲ እፎይታ ኣይሃቦን። የግዳስ፡ ንኺጾሮ ኣበርትዖ። በዚ ኸምዚ ሓይሊ የሆዋ ኣብ ድኻም ጳውሎስ ተጋህደ። እዚ ጕዳይ እዚ ንዓና ትምህርቲ ኪዀነና ይኽእልዶ፧

ብዛዕባ ጥዕናኻ እምብዛ ኣይትጨነቕ

6, 7. ብዛዕባ ጥዕናና እምብዛ ኽንጭነቕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

6 ከም እትፈልጦ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተፈላለየ ዓይነት ሕክምና ይቕበሉ እዮም። እታ ንቕሑ! እትበሃል መጽሔትና ብዛዕባ ጥዕና ዚምልከት እተፈላለየ ዓንቀጻት ሒዛ ትወጽእ እያ። ንሓደ ዓይነት ሕክምና እኳ እንተ ዘየተባባዕና፡ ነቲ ሰብ ሞያ ኽንክን ጥዕና ዚህብዎ ሓገዘን ምትሕብባርን ግን ነመስግነሉ ኢና። ሕጂ ፍጹም ጥዕና ኸም ዘይርከብ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ብጥዕናና ብቐጻሊ ኣይንጭነቕን ኢና። ኣረኣእያና ኻብቶም ‘ነታ ተስፋ ኣጋይሽ’ ዝዀኑ እሞ እዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ዘላ ዚመስሎምን ካብ ሕማሞም ንምሕዋይ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሕክምና ዚጥቀሙን ሰባት እተፈልየ ኪኸውን ኣለዎ። (ኤፌ. 2:2, 12) ነዛ ናይ ሕጂ ህይወትና ንኸነድሕን ኢልና፡ ሞገስ የሆዋ ኸነጥፍእ ኣይንደልን ኢና። ከመይሲ፡ ንኣምላኽ እሙናት እንተ ዄንና፡ “ናይ ሓቂ ህይወት፡” ማለት ኣብቲ ንሱ መብጽዓ ዝገበረሉ ሓድሽ ስርዓት ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ምዃንና ንኣምን ኢና።—1 ጢሞ. 6:12, 19፣ 2 ጴጥ. 3:13

7 ብዛዕባ ጥዕናና መጠኑ ዝሓለፈ ሻቕሎት ኪህልወና ግቡእ ዘይኰነሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። እዚ ኸኣ ከምኡ ምግባር ብዛዕባ ርእስና ጥራይ ከም እንሓስብ ስለ ዚገብረና እዩ። ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ ብዛዕባ እዚ ሓደጋ እዚ ኼጠንቅቕ ከሎ፡ “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት” በለ። (ፊል. 2:4) ንርእስና ሚዛኑ ዝሓለወ ኽንክን ምግባር ግቡእ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ንኣሕዋትናን ነቶም “እዚ ወንጌል መንግስቲ” እነብጽሓሎም ሰባትን ዘሎና ልባዊ ተገዳስነት፡ ብኣካላዊ ጥዕናና ኻብ መጠን ንላዕሊ ትሑዛት ንኸይንኸውን ይዓግተና እዩ።—ማቴ. 24:14

8. ብዛዕባ ጥዕናና እምብዛ ምጭናቕ ናብ ምንታይ ኪመርሓና ይኽእል፧

8 ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ ጥዕናኡ ዘለዎ ሻቕሎት፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ካልኣይ ቦታ ኸም ዚወርድ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ብኽንክን ጥዕና እምብዛ ምጭናቕ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣገዳስነት ገሊኡ ዓይነት ኣመጋግባ፡ ሕክምና፡ ወይ ኣብ ልዕሊ ምግቢ ዚውሰድ ነገራት ዘሎና ናይ ብሕትና ኣረኣእያታት ንኻልኦት ንኪቕበሉና ጸቕጢ ናብ ምግባር ኪመርሓና ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነቲ ጳውሎስ፡ “ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ” ኢሉ ኣብ ዝጸሓፎ ቓላት ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት እስከ ንርአ።—ፊል. 1:10

እቲ ዚሓይሽ እንታይ እዩ፧

9. ሓደ ኻብቲ ዕሽሽ ክንብሎ ዘይብልና ዚሓይሽ ተባሂሉ ዘሎ ነገራት እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኸምኡ ተባሂሉ፧

9 ነቲ ዚሓይሽ መርሚርና እንዓየሉ እንተ ዄንና፡ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ብምስባኽን ብምምሃርን ዚዕየ መንፈሳዊ ምሕዋይ፡ ንጡፍ ተሳትፎ ንገብር ኢና። እዚ ዜሐጕስ ንጥፈት እዚ ንዓናን ነቶም ዚሰምዑናን ይረብሕ። (ምሳ. 17:22፣ 1 ጢሞ. 4:15, 16) መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ሓሓሊፈን ብዛዕባ እቶም ዜማስን ሕማም ዘለዎም መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ዚገልጽ ዓንቀጻት ሒዘን ይወጻ እየን። ሓድሓደ ግዜ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንኻልኦት ሰባት፡ ንየሆዋን ንዜደንቕ ዕላማታቱን ኪፈልጡ ብምሕጋዞም፡ ጸገማቶም ኪጾርዎ፡ ሕሉፉ ሓሊፎም እውን ንግዜኡ ኺርስዕዎ ኽኢሎም እዮም። a

10. እንመርጾ ኣገባባት ሕክምና ዜገድስ ስለምንታይ እዩ፧

10 ነፍሲ ወከፍ በጽሒ ክርስትያን ናይ ጥዕና ጸገም ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ዓይነት ሕክምና ብምምራጽ ዝመጸ “ጸጾሩ ኺጸውር” ኣለዎ። (ገላ. 6:5) እንተዀነ ግን፡ ብዛዕባ ኣገባብ ሕክምና እንገብሮ ምርጫ ንየሆዋ ኸም ዜገድሶ ኽንርስዕ የብልናን። ከምቲ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ኣኽብሮት ‘ካብ ደም ንኽንክልከል’ ዚድርኸና፡ ብተመሳሳሊ ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ኣኽብሮት ነቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪጐድኣና ወይ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኪጸልዎ ዚኽእል ዓይነት ሕክምና ንኸይንጥቀም ይድርኸና። (ግብ. 15:20) ገሊኡ ኣገባባት መርመራን ሕክምናን ምስ ዘይባህርያዊ ነገራት ዚጸጋጋዕ እዩ። የሆዋ ነቶም “ዘይባህርያዊ ሓይሊ” (NW) ወይ ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዚተሓሓዝ ተግባር ዚገብሩ ዝነበሩ ኸሓድቲ እስራኤላውያን፡ “ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡ፡ ዕጣን ንኣይ ፍንፉን እዩ፡ ሰርቂ ወርሕን ሰንበትን፡ ኣኼባ ማሕበር፡ ንኣበሳ [“ንዘይባህርያዊ ሓይሊ፡” NW] ምስ ኣኼባ በዓል ኣይዕገሶን እየ” በሎም። (ኢሳ. 1:13) ኣብ እንሓመሉ እዋን፡ ንጸሎትና ኺዓግትን ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኬበላሹን ዚኽእል ነገር ክንገብር ግቡእ ኣይኰነን።—ድጕ. 3:44

“ጥንቃቐ” የድሊ

11, 12. ንኽንክን ጥዕና ብዚምልከት ምርጫ ኽንገብር ከለና፡ “ጥንቃቐ” ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

11 ክንሓምም ከለና፡ የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ኺፍውሰና ንጽበ እኳ እንተ ዘይኰንና፡ ግቡእ ዓይነት ሕክምና ምእንቲ ኽንመርጽ ጥበብ ንኺህበና ግን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ብመሰረታዊ ስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋትን በቲ ናይ ምምዝዛን ክእለትናን ንኽንምራሕ ክንጽዕር ኣሎና። እቲ ጕዳይ ከቢድ ምስ ዚኸውን፡ ምስቲ፡ “ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን፡ ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ” ዚብል ኣብ ምሳሌ 15:22 ዚርከብ ሓሳባት ብምስምማዕ፡ እተፈላለዩ ኽኢላታት ከነማኽር ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር” ኢሉ ምዒዱ ኣሎ።—ቲቶ. 2:12

12 ብዙሓት ሰባት ምስታ ብግዜ የሱስ ዝነበረት ሕምምቲ ሰበይቲ ዚመሳሰል ኵነታት እዩ ዘለዎም። ኣብ ማርቆስ 5:25, 26 ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኵሉ ገንዘባውን ወድኤት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን።” የሱስ ነታ ሰበይቲ ብርሕራሐ ተደሪኹ ኣሕወያ። (ማር. 5:27-34) ገሊኦም ክርስትያናት ዚገብርዎ ስለ ዚሕርብቶም፡ ምስ መሰረታዊ ስርዓታት ንጹህ ኣምልኾ ዚጻረር ኣገባብ መርመራ ወይ ሕክምና ኺጥቀሙ ተፈቲኖም እዮም።

13, 14. (ሀ) ሰይጣን በቲ እንመርጾ ዓይነት ሕክምና ኣቢሉ ንንጽህናና ኼበላሹ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ምስ ስሒር ካብ ዚተሓሕዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 ሰይጣን ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ናብ ካልእ ከም እነስግል ዚገብር ዝዀነ ይኹን መገዲ ይጥቀም እዩ። ከምቲ ንገሊኦም ከም ዚዕንቀፉ ንምግባር ጾታዊ ርኽሰትን ፍቕረ-ንዋይን ዚጥቀም፡ ንገሊኦም ከኣ ምስ ስሒራዊ ተግባራትን ሓተታ መናፍስትን ብዚተሓሓዝ ዜተሓታትት ሕክምና ገይሩ ንንጽህናኦም ኬበላሽዎ ይጽዕር እዩ። የሆዋ ‘ኻብቲ ኽፉእ ንኼድሕነናን’ ‘ካብ ዓመጻ ዘበለ ንኼውጽኣናን’ ስለ እንጽሊ፡ ንዝዀነ ይኹን ምስ ሓተታ መናፍስትን ስሒርን ዚተናኸፍ ነገራት ገዛእ ርእስና ብምቅላዕ ባዕልና ኣብ ኢድ ሰይጣን ክንኣቱ የብልናን።—ማቴ. 6:13፣ ቲቶ. 2:14

14 የሆዋ ንእስራኤላውያን ጥንቆላን ስሒርን ከይገብሩ ኸልኪልዎም እዩ። (ዘዳ. 18:10-12) ሃዋርያ ጳውሎስ ን“ጥንቈላ” ምስ “ግብሪ ስጋ” ዘርዚርዎ ኣሎ። (ገላ. 5:19, 20) ብተወሳኺ፡ እቶም “ጠንቈልቲ” ኣብቲ የሆዋ ዜዳልዎ ሓድሽ ስርዓት ግደ የብሎምን። (ራእ. 21:8) ስለዚ፡ ምስ ሓተታ መናፍስቲ እተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍንፉን እዩ።

“ርትዓውነትኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ”

15, 16. ብዛዕባ ኽንክን ጥዕና ምርጫ ኽንገብር ከለና፡ ጥበብ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካልከ እንታይ ጥበባዊ ምኽሪ እዩ ዝሃበ፧

15 እምበኣር፡ ብዛዕባ ገሊኡ ኣገባባት መርመራን ሕክምናን ጥርጣረታት እንተ ሓዲሩና፡ ምግዳፉ ጥበባዊ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሓደ ሰብ ንሓደ ኣገባብ ክንክን ጥዕና ብኸመይ ከም ዚዓዪ ኺገልጾ ዘይምኽኣሉ ጥራይ፡ ገለ ዓይነት ሓተታ መናፍስቲ ዜጠቓልል ምዃኑ ዜረጋግጽ ኣይኰነን። ብዛዕባ ኽንክን ጥዕና ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ምሓዝ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ጥበብን ጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክእለትን ይሓትት። ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 3 ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ማዕዳ ነንብብ፦ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። . . . ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን። ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት . . . ኪዀናኻ እየን።”—ምሳ. 3:5, 6, 21, 22

16 ስለዚ፡ ጥዕናና ንምሕላው ዚከኣለና ንጽዕር እኳ እንተ ዀንና፡ ምስ ሕማምና ወይ እርጋንና ንኽንቃለስ ክንብል ግን ሞገስ ኣምላኽ ንኸይነጥፍእ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ከምቲ ኣብ ካልእ መዳያት እንገብሮ፡ ኣብ ክንክን ጥዕና እውን ምስ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕና ብምንባር፡ ‘ርትዓውነትና ኣብ ኵሉ ሰብ ከም ዚፍለጥ’ ክንገብር ኣሎና። (ፊል. 4:5 NW) እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ዝለኣኻ ኣገዳሲት ደብዳበ፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦትን ደምን ዝሙትን ኪኽልከሉ መምርሒ ሃቦም። ኣብታ ደብዳበ፡ “ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም” ዚብል መረጋገጺ ተዋሂቡ ነበረ። (ግብ. 15:28, 29) ብኸመይ እዮም ጽቡቕ ዚረኽቡ፧

ፍጹም ጥዕና እናተጸበና፡ ንጥዕናና ሚዛናዊ ኽንክን ምግባር

17. ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቕና ብምስዓብና ብኣካላዊ መዳይ ብኸመይ ኢና ተጠቒምና፧

17 ነፍሲ ወከፍና ንርእስና፡ ‘ብዛዕባ ደምን ምንዝርን ዚምልከት መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቐ ብምሕላወይ፡ ብብሕተይ ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ከም ዝረኸብኩ ምሉእ ብምሉእ ተገንዚበዮ ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ‘ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ኸነንጽህ’ ብምጽዓርና ዝረኸብናዮ ጥቕምታት እውን ሕስብ ነብለሉ። (2 ቈረ. 7:1) ነቲ ብዛዕባ ብሕታዊ ጽሬት ዚምልከት መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቕና ብምስዓብና፡ ካብ ብዙሕ ኣካላዊ ሕማም ነምልጥ ኢና። ካብቲ ንመንፈስን ንስጋን ዜርክስ ትምባኾን ሓሽሽን ብምርሓቕና ጽቡቕ ንረክብ ኢና። ኣብ ኣመጋግባናን ኣሰታትያናን መጠንና ዝሓለና ምዃንና ኣብ ጥዕናና ዜምጽኦ ጥቕምታት እሞ ሕስብ ነብሎ! (ምሳሌ 23:20፣ ቲቶስ 2:2, 3 ኣንብብ።) እኹል ዕረፍትን ምውስዋስ ኣካላትን ምግባር ንኣካላዊ ጥዕናና ኣበርክቶ ዚገብር እኳ እንተ ዀነ፡ ብፍላይ ንቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ጠቢቕና ብምስዓብና ግን ብኣካላዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ጽቡቕ ረኺብና ኢና።

18. ቀንዲ ኼተሓሳስበና ዘለዎ ነገር እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧ ነየናይ ብዛዕባ ጥዕና ዚምልከት ትንቢትከ ኢና ብሃንቀውታ እንጽበዮ፧

18 ልዕሊ ዅሉ፡ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ኽንከናኸን ከምኡውን ምስቲ ምንጪ እታ እዛ “ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን” ምንጪ እታ ኣብታ መብጽዓ ዚኣተወልና ሓዳስ ዓለም “እትመጽእ” ህይወትን ዝዀነ ኣቦና የሆዋ ዘሎና ኽቡር ርክብ ከነደልድል ኣሎና። (1 ጢሞ. 4:8፣ መዝ. 36:9) ኣብቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ሓድሽ ስርዓት፡ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ የሱስ ኣቢልካ ብዚግበር ሕድገት ሓጢኣት ምሉእ መንፈሳውን ኣካላውን ሕውየት ኪፍጸም እዩ። እቲ ገንሸል ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ናብ “ዔላታት ማይ ህይወት” ኪመርሓና እዩ። ኣምላኽ እውን ካብ ኣዒንትና ‘ንብዓት ዘበለ ኺደርዘልና እዩ።’ (ራእ. 7:14-17፣ 22:1, 2) ሽዑ፡ “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ፡ ሕማቕ [“ሕሙም፡” ትርጕም 1990] እየ፡ ኣይብልን” ዚብል ዜሐጕስ ትንቢት ብዜደንቕ መገዲ ኺፍጸም ከሎ ኽንርኢ ኢና።—ኢሳ. 33:24

19. ንጥዕናና ሚዛናዊ ኽንክን እናገበርና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

19 ምድሓንና ኸም ዝቐረበ ንኣምን ኢና፡ የሆዋ ንሕማምን ሞትን ደቂ ሰብ ዜጥፍኣሉ እዋን ከኣ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ። እዚ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እቲ ፈቃር ኣቦና ስለ ‘ዚሓልየልና፡’ ቃንዛናን ስቓይናን ንኽንጾሮ ኸም ዚሕግዘና ርግጸኛታት ኢና። (1 ጴጥ. 5:7) ሃየ እምበኣር፡ ወትሩ ምስቲ መንፈስ ኣብ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዘሎ ንጹር መምርሒታት ተሰማሚዕና ንጥዕናና ንከናኸን!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝርዝር ከምዚ ዝኣመሰለ ዓንቀጻት ኣብ ናይ 1 መስከረም 2003 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 17 ኣብ ዚርከብ ሳጹን ወጺኡ ኣሎ።

ድግማ

• ብሕማም ተሓታቲ መን እዩ፧ ካብ ሳዕቤናት ሓጢኣት ሓራ ዜውጽኣናኸ መን እዩ፧

• ጥዕናና ኼተሓሳስበና ንቡር እኳ እንተ ዀነ፡ እንታይ ግን ክንገብር የብልናን፧

• እንመርጾ ኣገባብ ሕክምና ንየሆዋ ዜገድሶ ስለምንታይ እዩ፧

• ንጥዕናና ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቕና ብምስዓብና ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ደቂ ሰብ ኪሓሙን ኪኣርጉን ኣይኰኑን ተፈጢሮም

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ህዝቢ የሆዋ ናይ ጥዕና ጸገማት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስ ይረኽቡ እዮም