ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዩ ካብ መልእኽትታት ያእቆብን ጴጥሮስን ዚጐልሕ ነጥብታት

እዩ ካብ መልእኽትታት ያእቆብን ጴጥሮስን ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው

እዩ ካብ መልእኽትታት ያእቆብን ጴጥሮስን ዚጐልሕ ነጥብታት

እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ወደ መዝሙር ያእቆብ፡ ድሕሪ እቲ ብ33 ድ.ክ. ዝወዓለ በዓል ጴንጠቆስጠ ኣስታት 30 ዓመት ጸኒሑ፡ ነቶም “ዓሰርተው ክልተ ነገድ” መንፈሳዊ እስራኤል መልእኽቲ ጸሓፈሎም። (ያእ. 1:1) ዕላማኡ ኸኣ ኣብ እምነቶም ኪጸንዑን ፈተናታት ኬጋጥሞም ከሎ ኸኣ ብትዕግስቲ ኺጻወርዎን ንምትብባዕ እዩ። ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚርአ ዝነበረ ዚርብሽ ኵነታት ንምእራም እውን ማዕዳ ሂቡ እዩ።

ቀቅድሚ እቲ ሮማዊ ሃጸይ ኔሮ ብ64 ድ.ክ. መስጐጕቲ ንምውራድ ዝገበሮ ወፈራ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ክርስትያናት ኣብ እምነቶም ንኺጸንዑ ኢሉ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ጸሓፈሎም። በታ ደድሕሪ እታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ዝጸሓፋ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ንቓል ኣምላኽ ኬድህቡሉ ኣተባብዖም፡ ብዛዕባ እታ እትመጽእ መዓልቲ የሆዋ ድማ ኣጠንቀቖም። ንመልእኽትታት ያእቆብን ጴጥሮስን ምስ እነድህበለን ብርግጽ ክንጥቀም ኢና።—እብ. 4:12

ኣምላኽ ነቶም ‘ብእምነት ዚልምንዎ’ ጥበብ ይህቦም

(ያእ. 1:1–5:20)

ያእቆብ፡ “ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ . . . ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። የሆዋ ነቶም ‘ብእምነት ዚልምንዎ’ ንፈተናታት ንምጽዋር ዜኽእሎም ጥበብ ይህቦም እዩ።—ያእ. 1:5-8, 12

እቶም ኣብ ጉባኤ ‘መምህራን ዚዀኑ’ እውን፡ እምነትን ጥበብን የድልዮም እዩ። ያእቆብ፡ ልሳን ‘ንብዘሎ ስጋ ኸተርክስ’ እትኽእል “ንእሽቶ ኣካል” ምዃና ድሕሪ ምግላጹ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኬበላሽወልና ዚኽእል ዓለማዊ ዝንባለታት ኣጠንቀቐ። ብመንፈስ ዝሓመመ ዝዀነ ይኹን ሰብ እንታይ ዓይነት ስጕምትታት ኪወስድ ከም ዘለዎ እውን ሓቢሩ ኣሎ።—ያእ. 3:1, 5, 6፣ 5:14, 15

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

2:13—‘ምሕረት ኣብ ፍርዲ እትምካሕ’ ወይ ‘እትዕወት’ (ትርጕም 1990) ብኸመይ እያ፧ ንኣምላኽ ብዛዕባ ርእስና ጸብጻብ ከነቕርብ ከሎና፡ ነቲ ንኻልኦት ዘርኣናዮ ምሕረት ኣብ ግምት የእቱ፡ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ ወዱ ኸኣ ይቕረ ይብለልና። (ሮሜ 14:12) እዝስ ሓደ ኻብቲ ንምሕረት ኣብ ህይወትና ዓብላሊት ባህርይ ንኽንገብራ ዚድርኸና ምኽንያትዶ ኸይኰነ፧

4:5—ያእቆብ ኣብዚ ኣየናይ ጥቕሲ እዩ ዚጠቅስ ዘሎ፧ ያእቆብ ሓንቲ ፍልይቲ ጥቕሲ ኣይኰነን ዚጠቅስ ዘሎ። ኰይኑ ግን፡ እዘን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፈን ቃላት፡ ኣብቲ ኸም ዘፍጥረት 6:5፣ 8:21፣ ምሳሌ 21:10፣ ከምኡውን ገላትያ 5:17 ኣብ ዝኣመሰላ ጥቕስታት ዚርከብ ሓፈሻዊ ሓሳባት እተመርኰሳ ኪዀና ይኽእላ እየን።

5:20—“እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶ፡” ንነፍሲ መን እዩ ኻብ ሞት ዜድሕን፧ ንበደለኛ ኻብ መገዲ ሓጥእ ተግባራቱ ዚመልስ ክርስትያን፡ ንነፍሲ እቲ እተነስሐ ሰብ እዩ ኻብ መንፈሳዊ ሞት፡ ምናልባት እውን ካብ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዜድሕኖ። እቲ ንሓጢኣተኛ በዚ መገዲ እዚ ዚሕግዞ ውልቀ-ሰብ፡ ‘ብዝሒ ሓጢኣት እውን ይኸድን እዩ።’

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

1:14, 15 ሓጢኣት ካብ ዘይግቡእ ትምኒት እዩ ዚምንጭው። ስለዚ፡ ንግጉይ ትምኒት ኣባና ኸም ዚሓድር ክንገብሮ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ ዚሃንጽ ነገራት ‘ክንሓስብ፡’ ንኣእምሮናን ንልብናን ከኣ ብእኡ ኽንመልኦ የድልየና።—ፊል. 4:8

2:8, 9 “ኣድልዎ፡” ኣንጻር እታ “ንጉሳዊ ሕጊ” ዝዀነት ፍቕሪ እዩ። ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣየዳልዉን እዮም።

2:14-26 “ብእምነት” እምበር ‘ብግብሪ’ ሕጊ ሙሴ ወይ ድማ በቲ ኸም ክርስትያናት መጠን እንገብሮ ተግባራት ኣይኰንናን እንድሕን። እምነትና፡ ኣብ ኣምላኽ ንኣምን ኢና ኻብ ምባል ንላዕሊ ኽትከውን ኣለዋ። (ኤፌ. 2:8, 9፣ ዮሃ. 3:16) ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ተግባራት ንኽንፍጽም ክትድርኸና ኣለዋ።

3:13-17 ብርግጽ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ” ካብታ “ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን” ጥበብ ትበልጽ እያ! ‘ከምቲ ንሕቡእ መዝገብ ክንረክብ ኢልና እንደልዮ ጌርና ኣምላኻዊ ጥበብ ንምርካብ ሃለው ክንብል’ ኣሎና።—ምሳ. 2:1-5

3:18 ዘርኢ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ በቶም “ሰላም ዚገብሩ” ሰባት “ብሰላም” ኪዝራእ ይግባእ። ትዕቢተኛታት፡ ተቛየቝቲ፡ ወይ መናዓብቲ ዘይኰነስ፡ ገበርቲ ሰላም ክንከውን የድሊ።

‘ብእምነት ጽንዑ’

(1 ጴጥ. 1:1–5:14)

ጴጥሮስ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቱ ብዛዕባ እቲ “ህያው ተስፋ” ዝዀነ ኣብ ሰማይ ዚረኽብዎ ርስቲ ኣዘኻኸሮም። “ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ” ኸም ዝዀኑ ድማ ነገሮም። ብዛዕባ ተኣዛዝነት ፍሉይ ዝዀነ ምኽሪ ድሕሪ ምሃቡ ኸኣ፡ “ሓደ ዝሐሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ” ኢሉ ኣዘኻኸሮም።—1 ጴጥ. 1:3, 4፣ 2:9፣ 3:8

“መወዳእታ [ስርዓት ኣይሁድ] ቀሪቡ” ስለ ዝነበረ፡ ጴጥሮስ ነቶም ኣሕዋት “ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ” ኢሉ መዓዶም። “ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ . . . ብእምነት ጸኒዕኩም [ንሰይጣን] ተቓወምዎ” ድማ በሎም።—1 ጴጥ. 4:7፣ 5:8, 9

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

3:20-22—ጥምቀት ከመይ ገይሩ እዩ ዜድሕነና፧ ጥምቀት፡ እቶም ኪድሕኑ ዚደልዩ ሰባት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት እዩ። እንተዀነ ግን፡ ጥምቀት በይኑ ኣየድሕነናን እዩ። ምድሓን “ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ” እዩ ዚርከብ። ሓደ ናይ ጥምቀት ሕጹይ፡ ድሕነት ኪረክብ ዚኽእል የሱስ መስዋእታዊ ሞት ከም ዝሞተን ከም ዝተንስአን፡ ከምኡውን “ኣብ የማን ኣምላኽ” ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ህያዋንን ምዉታትን ስልጣን ከም ዘለዎ እምነት ምስ ዚህልዎ ጥራይ እዩ። ኣብ ከምዚኣ ዝበለት እምነት እተመስረተ ጥምቀት እዩ ምስቲ ‘ሾሞንተ ነፍሲ ብማይ ዝደሓናሉ’ ዅነታት ዚመሳሰል።

4:6—እቶም ‘ብስራት እተነግሮም ምዉታት’ መን እዮም ነይሮም፧ እዚኣቶም እቶም ‘ብበደሎምን ብኣበሳኦምን ምውታት ዝነበሩ፡’ ወይ እውን ቅድሚ ብስራት ምስማዖም ብመንፈስ ምውታት ዝነበሩ እዮም። (ኤፌ. 2:1) ነቲ ብስራት ድሕሪ ምእማኖም ግን ብመንፈስ “ህያዋን” ኰኑ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

1:7 እምነትና ኣዝያ ኸቢራ ምእንቲ ኽትርከብ፡ እተፈተነት ክትኸውን ኣለዋ። ‘ምድሓን ነፍሲ’ ዚርከብ ብኸምዚኣ ዝበለት ብርትዕቲ እምነት እዩ። (እብ. 10:39) ንእምነትና ፈተናታት ኬጋጥማ ኸሎ ንድሕሪት ክንምለስ የብልናን።

1:10-12 መላእኽቲ ነቲ ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት ብዛዕባ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ዝጸሓፍዎ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቅታት ኪምርምርዎን ኪርድእዎን ብሂጎም እዮም። እዚ ነገራት እዚ ዝነጸረ ግን የሆዋ ምስታ ጉባኤ ርክብ ኪገብር ምስ ጀመረ ጥራይ እዩ። (ኤፌ. 3:10) ንሕናኸ ኣብነት እዞም መላእኽቲ ብምስዓብ፡ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ክንምርምርዶ ኣይግብኣናን፧—1 ቈረ. 2:10

2:21 ኣስኣሰር እቲ ኣርኣያና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ፡ ልዑላውነት የሆዋ ንምድጋፍ ክሳዕ ሞት ከይተረፈ መከራ ንኽንቅበል ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና።

5:6, 7 ሓልዮትና ኣብ የሆዋ ምስ እነውድቖ፡ ንሱ ብዛዕባ እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸይተጨነቕና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ንኽንህቦ ይድግፈና እዩ።—ማቴ. 6:33, 34

“መዓልቲ ጐይታ . . . ኽትመጽእ እያ”

(2 ጴጥ. 1:1–3:18)

ጴጥሮስ፡ “ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን” ኢሉ ጸሓፈ። ንቓል ትንቢት እንተ ኣስተብሂልናሉ፡ ካብ “መምህራን ሓሶት”ን ካብ ዜባላሽዉ ካልኦት ውልቀ-ሰባትን ይሕልወና።—2 ጴጥ. 1:21፣ 2:1-3

ጴጥሮስ፡ ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዜላግጹ መላገጽቲ ኸም ዚመጹ’ ኣጠንቀቐ። “መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ።” ጴጥሮስ ንመልእኽቱ ኺዛዝም ከሎ፡ ነቶም ‘ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ዚጽበይዎን ዜቃላጥፍዎን’ ግሩም ምኽሪ ሃቦም።—2 ጴጥ. 3:3, 10-12

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

1:19—“ኰዀብ ጽባሕ” መን እዩ፧ መዓስ እዩ ዚወጽእ፧ እዚ ኸም እተፈጸመኸ ኸመይ ጌርና ኽንፈልጥ ንኽእል፧ “ኰዀብ ጽባሕ፡” እቲ ስልጣን መንግስቲ ዝሓዘ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ራእ. 22:16) የሱስ፡ ብ1914 መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት፡ ወጋሕታ ሓድሽ መዓልቲ ኣበሰረ። ምልዋጥ ትርኢት የሱስ፡ ንመንግስታዊ ሓይሉን ክብሩን ኣቐዲሙ ብምንጽብራቕ፡ እቲ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ ኣዝዩ ዝጸንዐ ምዃኑ ኣረጋገጸ። ነዚ ቓል እዚ ምስ እነስተብህለሉ ድማ ንልብና ኣብሪሁ፡ እቲ ኰዀብ ጽባሕ ከም ዝወጸ የፍልጠና።

2:4—“ገሃነም” እንታይ እዩ፧ እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲኸ መዓስ እዮም ናብኡ እተደርበዩ፧ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ፡ እታ “ገሃነም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ “ጦርጦስ” እያ እትብል። ጦርጦስ ሰብ ዘይኰነስ፡ መንፈሳውያን ፍጥረታት ጥራይ ዝተሓዙሉ ኸም ቤት ማእሰርቲ ዝዀነ ዅነታት እዩ። ነቲ ብሩህ ዕላማታት ኣምላኽ ብዚምልከት ጸልማት ዝዀነ ዅነታት ኣእምሮ እዩ። እቶም ኣብ ጦርጦስ ዘለዉ ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ዝበሃል የብሎምን። ኣምላኽ፡ ነቶም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ናብ ጦርጦስ ዝደርበዮም ብግዜ ኖህ እዩ፡ ክሳዕ ዚጠፍኡ ኸኣ ኣብኡ ኺጸንሑ እዮም።

3:17—ጴጥሮስ፡ “ቅድም እናፈለጥኩምሲ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ንዕኡን ንኻልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣቐዲሙ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እተዋህቦም ፍልጠት መጻኢ ፍጻመታት እዩ ዚሕብር ነይሩ። እዚ ፍልጠት እዚ፡ ታእላው ዘይብሉ ስለ ዘይኰነ፡ ነቶም ናይ ጥንቲ ክርስትያናት ንዅሉ እቲ መጻኢ ፍጻመታት ከም ዚፈልጡ ኣይገበሮምን። ሓፈሻዊ ንድፊ እቲ ኺጽበይዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ነገራት ጥራይ እዮም ፈሊጦም።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

1:2, 5-7 ብትግሃት ዘበለ ተጋዲልና ኸም እምነትን ዓቕልን ኣምላኻዊ ተወፋይነትን ዝኣመሰለ ባህርያት ምሕብሓብና፡ ‘ብፍልጠት ኣምላኽን የሱስን’ ንኽንዓቢ ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ፡ ብዛዕባ እቲ ፍልጠት እቲ ‘ሃካያትን ዘየፍርዩን ክንከውን ኣይሓድገናን እዩ።’—2 ጴጥ. 1:8

1:12-15 ‘ኣብ ሓቂ ጸኒዕና’ ንምንባር፡ ከምቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽንእከብን ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽንገብርን መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብን ከለና እንረኽቦ ዘበለ ቐጻሊ መዘኻኸሪታት የድልየና።

2:2 ብኣካይዳና ንየሆዋ ወይ ንውድቡ ንኸይነጽርፍ ክንጥንቀቕ ኣሎና።—ሮሜ 2:24

2:4-9 ነቲ የሆዋ ቕድሚ ሕጂ ዝገበሮ ርኢና፡ ንሱ ‘ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ምዃኑ ኸም ዚፈልጥ’ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

2:10-13 ሽሕ እኳ እቶም “ኽብርታት” ተባሂሎም ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ጕድለት ዘለዎምን ሳሕቲ ድማ ዚጋገዩን እንተ ዀኑ ብዛዕባኦም ጸርፊ ኸነውስእ የብልናን።—እብ. 13:7, 17

3:2-4, 12 ነቲ ‘ቐደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብናዮ ትእዛዝን’ ኣዚና እንተ ኣቕሊብናሉ፡ ንምቕራብ መዓልቲ የሆዋ ንኸነተኵረሉ ይሕግዘና።

3:11-14 ‘ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸበናዮን እናኣቀላጠፍናዮን’ እንነብር ከም ምዃና መጠን፡ (1) ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ስነ-ምግባራዊ፡ ከምኡውን መንፈሳዊ ንጽህናና ብምሕላው ‘ብንብረትና ቕዱሳት’ ክንከውን፣ (2) ምስ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እተተሓሓዘ፡ “ፍርሃት እግዚኣብሄር” ከም ዘሎና ዜንጸባርቕ ዕዮታት ብምግባር ዕዙዛት ክንከውን፣ (3) ኣካይዳናን ባህርያትናን ብዓለም ከይባላሾ “ብዘይ ነውሪ” ዄንና ኽንርከብ፣ (4) ኵሉ ነገራት ብንጹህ ድራኸ ብምግባር “ብዘይ መንቅብ” ክንከውን፣ (5) ምስ ኣምላኽ፡ ምስ ክርስትያን ዝዀኑ ብጾትና፡ ከምኡውን ምስ ኵሉ ሰብ “ብሰላም” ክንነብር ይግብኣና።