ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መልእኽትታት ዮሃንስን ይሁዳን ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መልእኽትታት ዮሃንስን ይሁዳን ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መልእኽትታት ዮሃንስን ይሁዳን ዚጐልሕ ነጥብታት

እተን ሃዋርያ ዮሃንስ ዝጸሓፈን መልእኽትታት ካብተን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን ኣብ መወዳእታ እተጻሕፋ ቕዱሳት ጽሑፋት ይስርዓ። እዚኣተን ኣብ ኤፌሶን፡ ብ98 ድ.ክ. እተጻሕፋ ኪዀና ይኽእላ እየን። እተን ቀዳሞት ክልተ መልእኽቲ፡ ክርስትያናት ወርትግ ብብርሃን ኪመላለሱን ንኽሕደት ኪዋግእዎን የተባብዓ። ኣብታ ሳልሰይቲ ድማ፡ ዮሃንስ ብዛዕባ ኣብ ሓቂ ምምልላስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ምትሕብባር እውን ዜተባብዕ ሓሳባት ሂቡ ኣሎ።

እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ይሁዳ፡ ምናልባት ብ65 ድ.ክ. በታ ኣብ ፍልስጥኤም ኰይኑ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ገይሩ፡ ነቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ብጾቱ ብዛዕባ እቶም ናብታ ናይ ክርስትያን ጉባኤ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮም ዝነበሩ ርኹሳት ኣጠንቀቖም፡ ንኽፉእ ጽልዋ ድማ ኸመይ ገይሮም ኪጻረርዎ ኸም ዘለዎም ምኽሪ ሃቦም። ኣብዘን ሰለስተ መልእኽትታት ዮሃንስን ኣብ መልእኽቲ ይሁዳን ምድሃብና፡ ዕንቅፋት እኳ እንተ ሃለወ ኣብ እምነት ክንጸንዕ ይሕግዘና።—እብ. 4:12

ወርትግ ብብርሃንን ብፍቕርን ብእምነትን ተመላላሱ

(1 ዮሃ. 1:1–5:21)

ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ ንዅሎም እቶም ምስ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዎም ክርስትያናት እተጻሕፈት ኰይና፡ ንኽሕደት ተጻሪሮም ኣብ ሓቅን ኣብ ጽድቅን ጸኒዖም ንኺነብሩ ዚሕግዞም ግሩም ምኽሪ ዝሓዘት እያ። ወርትግ ብብርሃንን ብፍቕርን ብእምነትን ምምልላስ ኣድላዪ ምዃኑ ኣትሪሩ ገለጸ።

ዮሃንስ፡ “ከምቲ [ኣምላኽ] ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት አሎና” ኢሉ ጸሓፈ። ምንጪ ፍቕሪ፡ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኸኣ እቲ ሃዋርያ፡ “ንሓድሕድና ንፋቐር” በለ። “ፍቕሪ ንኣምላኽ . . . ትእዛዛቱ ኽንሕሉ” ትድርኸና፡ በታ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ኣብ ወዱን ዘላትና ‘እምነት’ ጌርና ኸኣ ንዓለም ንስዕራ።—1 ዮሃ. 1:7፣ 4:7፣ 5:3, 4

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

2:2፣ 4:10—የሱስ “መተዓረቒ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ የሱስ ህይወቱ ንመተዓረቒ ዚኸውን መስዋእቲ ገይሩ ብምሃብ፡ ነቲ ፍጹም ፍትሒ ዚሓቶ ዝነበረ ብቕዓት ኣማልአ። ኣምላኽ ብመሰረት እዚ መስዋእቲ እዚ፡ ንሓጢኣት እቶም ኣብ የሱስ እምነት ዜርእዩ ሰባት ብምሕዳግ፡ ምሕረት ይገብር።—ዮሃ. 3:16፣ ሮሜ 6:23

2:7, 8—ዮሃንስ “ብሉይ” ከምኡውን “ሓድሽ” ዝበሎ ትእዛዝ እንታይ እዩ፧ ዮሃንስ ብዛዕባ እታ ጥቕሚ ርእሳ መስዋእቲ እትገብር ሕውነታዊት ፍቕሪ እዩ ተዛሪቡ። (ዮሃ. 13:34) ካብቲ የሱስ ነቲ ትእዛዝ ዝሃበሉ ኽሳዕ እቲ ዮሃንስ ብመንፈስ ተመሪሑ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ዝጸሓፈሉ ግዜ፡ ልዕሊ 60 ዓመት ሓሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ትእዛዝ “ብሉይ” በሎ። ስለዚ እቲ ትእዛዝ፡ እቶም ኣመንቲ “ኻብ መጀመርታ” ክርስትያናዊ ህይወቶም ጀሚሩ ዝነበሮም እዩ። እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ‘ንብጻይካ ኸም ርእስኻ ኻብ ምፍታው’ ሓሊፉስ ነፍስኻ ምእንቲ ብጻይካ መስዋእቲ ምግባር እትሓትት ፍቕሪ ዜጠቓልል ብምዃኑ “ሓድሽ” እዩ።—ዘሌ. 19:18፣ ዮሃ. 15:12, 13

3:2—እቲ ንቕቡኣት ክርስትያናት ‘ዘይተገልጸ’ እንታይ እዩ፧ ንመንከ እዮም “ኸምታ ዘለዋ” ገይሮም ዚርእይዎ፧ እቲ ዘይተገልጸሎም ነገር፡ መንፈሳዊ ኣካል ኰይኖም ናብ ሰማይ ምስ ተንስኡ፡ እንታይ ከም ዚመስሉ እዩ። (ፊል. 3:20, 21) እቲ “መንፈስ” ዝዀነ ‘ኣምላኽ ምስ ዚግለጽ ግና ኸምታ ዘለዋ ኺርእይዎ እዮም እሞ፡ ንዕኡ ኸም ዚመስሉ’ ኺፈልጡ እዮም።—2 ቈረ. 3:17, 18

5:5-8—ማይን ደምን መንፈስን፡ የሱስ “ወዲ ኣምላኽ” ምዃኑ ዚምስክሩ ኸመይ ገይሮም እዮም፧ የሱስ ኪጥመቕ ከሎ፡ የሆዋ ባዕሉ ወዱ ምዃኑ ስለ ዝገለጸ፡ እቲ ማይ ምስክር እዩ። (ማቴ. 3:17) ደም የሱስ ወይ እቲ ‘ኣብ ክንዲ ዅሉ በጃ’ ዀይኑ ዝሓለፈ ህይወቱ እውን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ የርኢ። (1 ጢሞ. 2:5, 6) የሱስ ኪጥመቕ ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኡ ወሪዱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከረ፡ ኣብታ ምድሪ ‘እናዞረ ጽቡቕ ግብሪ ብምግባር ነቶም ሰይጣን ዝሰዓሮም ኵሎም ኬሕዊ’ ኸኣ ኣኽኣሎ።—ዮሃ. 1:29-34፣ ግብ. 10:38

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

2:9-11፣ 3:15 ሓደ ክርስትያን፡ ዝዀነ ነገር ወይ ዝዀነ ሰብ ሕውነታዊ ፍቕሩ ኼጥፍኣሉ እንተ ፈቒዱ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ስለ ዘይፈልጥ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት እዩ ዚመላለስ።

ወርትግ ‘ብሓቂ ተመላለሱ’

(2 ዮሃ. 1-13)

ዮሃንስ ነታ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ “ካብቲ ሽማግለ ናብታ ሕርይቲ እምቤተይን ናብቶም . . . ደቃን” ኢሉ ጀመራ። ‘ሓያሎ ኻብቶም ደቃ ብሓቂ ዚመላለሱ’ ዀይኖም ስለ ዝረኸቦም ሓጐሱ ገለጸ።—2 ዮሃ. 1, 4

ፍቕሪ ንኸነማዕብል መተባብዒ ድሕሪ ምሃቡ፡ “ከምቲ ትእዛዛቱ ጌርና ኽንመላለስ፡ እታ ፍቕሪ እዚኣ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። ብዛዕባ “እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን” እውን ኣጠንቀቐ።—2 ዮሃ. 5-7

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

1, 13—እታ “ሕርይቲ እምቤተይ” እተባህለት መን እያ፧ ዮሃንስ ንሓንቲ ብቛንቋ ግሪኽ “እምቤተይ” ዝትርጕሙ ስም ዘለዋ ኪርያ እትብሃል ውልቀ-ሰብ የመልክት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ነቶም ሰጐጕቲ ንኼደናግር ኢሉ ስእላዊ ኣገላልጻ ብምጥቃም ናብ ሓንቲ ፍልይቲ ጉባኤ ይጽሕፍ ነይሩ ይኸውን። እቲ መልእኽቲ በዚ ኻልኣይ ምኽንያት እዚ እተጻሕፈ እንተ ዀይኑ፡ እቶም ደቃ ኣባላት እታ ጉባኤ ኪዀኑ ኸለዉ፡ እቶም ‘ደቂ ሓብታ’ ኸኣ ኣባላት ካልእ ጉባኤ እዮም።

7—መስሓትቲ ብዛዕባ ‘ምምጻእ’ የሱስ “ዘይእመኑ” ብኸመይ እዮም፧ እቶም መስሓትቲ፡ የሱስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ኣይኣምኑሉን እዮም። ምናልባት የሱስ ብስጋ ኸም ዝነበረ ይኽሕዱ ወይ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተቐብአ ይነጽግዎ ይዀኑ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

2, 4 ነታ “ሓቂ፡” ማለት ንዅሉ እቲ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ክርስትያናዊ ትምህርትታት ምፍላጥናን ብእኡ ምምልላስናን ንድሕነትና ኣድላዪ እዩ።—3 ዮሃ. 3, 4

8-11 ነቲ “ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ የሱስ ክርስቶስን” እንረኽቦ “ጸጋን ምሕረትን ሰላምን፡” ከምኡውን ምስቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ዘሎና ፍቕራዊ ምሕዝነት ምእንቲ ኸይነጥፍእ ብመንፈሳዊ መዳይ ‘ርእስና ኽንሕሉ’ ኣሎና፡ ነቶም ‘ብምህሮ ክርስቶስ ዘይጸንዑ’ ኸኣ ክንነጽጎም ኣሎና።—2 ዮሃ. 3

“ነታ ሓቂ መዓይይታ” ኹኑ

(3 ዮሃ. 1-14)

እታ ሳልሰይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ ነቲ ፈታዊኡ ዝዀነ ጋይዮስ እተጻሕፈት እያ። ዮሃንስ፡ “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” ኢሉ ጸሓፈ።—3 ዮሃ. 4

ዮሃንስ ንጋይዮስ ስለቲ ነቶም ገየሽቲ ኣሕዋት ንምሕጋዝ ኢሉ ‘ተኣሚኑ ዝገበሮ’ ግብሪ ነኣዶ። “ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ይግብኣና እዩ” ኸኣ በለ።—3 ዮሃ. 5-8

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

11—ገለ ሰባት ኣብ ሕማቕ ተግባራት ዚካፈሉ ስለምንታይ እዮም፧ ገሊኦም ብመንፈሳዊ መዳይ ስለ ዚደኽሙ ንኣምላኽ በቲ ናይ ምርዳእ ኣዒንቶም ኣይርእይዎን እዮም። ብስጋዊ ኣዒንቶም ኪርእይዎ ስለ ዘይክእሉ ድማ፡ ብኣካይዳኦም ከም ዘይርእዮም ኰይኖም ይመላለሱ።—ህዝ. 9:9

15—እቶም “ፍቁራት” እተባህሉ ብዓል መን እዮም፧ እታ “ፍቁራት” እትብል ቃል፡ ካብቶም ኣብ መንጎኦም እተቐራረበ ምሕዝነት ዘለዎም ሰባት ንላዕሊ ተጠቓልል። ዮሃንስ፡ ንኣመንቲ ብጾት ብሓፈሻ ንምምልካት እዩ ተጠቒሙላ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

4 ብመንፈሳዊ መዳይ ብሱላት ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት፡ እቶም መንእሰያት ዝዀኑ ኣባላት ጉባኤኦም ‘ብሓቂ ኺመላለሱ’ ኸለዉ ምስ ዚርእዩ፡ ኣዝዮም እዮም ዚሕጐሱ። ወለዲ እውን ደቆም ኣገልገልቲ የሆዋ ንኪዀኑሎም ዝገበርዎ ጻዕሪ ኺሰልጦም ከሎ ኣየ ኸመይ ዝበለ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐስ ኰን እዩ ዚስምዖም!

5-8 ካብቶም ንኣሕዋቶምን ንየሆዋን ብዘለዎም ፍቕሪ ተበጊሶም ንኣሕዋቶም ንምግልጋል ብዙሕ ጻዕሪ ዚገብሩ፡ ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ሚስዮናውያን፡ ኣብ ኣባይቲ ቤትኤል ወይ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዜገልግሉ፡ ከምኡውን ኣብ ዕዮ ኣገልግሎት ፈላምነት ዘለዉ ይርከብዎም። ንእምነቶም ክንቀድሓን ፍቕራዊ ደገፍ ክንገብረሎምን ይግባእ።

9-12 ኣብነት እቲ ተጻራፍን መካፍእን ዝነበረ ድዮትሬፌስ ዘይኰነስ፡ ኣብነት እቲ እሙን ዝነበረ ድሜጥሮስ ክንስዕብ ኣሎና።

“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ”

(ይሁ. 1-25)

ይሁዳ ነቶም ሰሊኾም ናብታ ጉባኤ ዚኣትዉ ዝነበሩ፡ “መዕዘምዘምቲ፡ ንዕድሎም ዚነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዚመላለሱ” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። እዚኣቶም፡ ‘ኣፎም ቃል ትዕቢት ዚዛረብ፡ ንገጽ ሰብ ከኣ ዚንእዱ’ እዮም።—ይሁ. 4, 16

ክርስትያናት ብኸመይ እዮም ንሕማቕ ጽልዋታት ኪጻረርዎ ዚኽእሉ፧ ይሁዳ፡ “ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፤ . . . ቅድም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ” በለ።—ይሁ. 17-21

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

3, 4—ይሁዳ ንክርስትያናት ‘በታ እምነት ኪጋደሉ’ እተማሕጸኖም ስለምንታይ እዩ፧ ‘ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ናብታ ጉባኤ ስሉዅ ኢሎም ኣትዮም’ ስለ ዝነበሩ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ‘ነቲ ጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ’ ዝነበሩ እዮም።

20, 21—ብኸመይ ኢና ‘ንርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንሕልዋ’ እንኽእል፧ ብሰለስተ መገዲ ኽንገብሮ ንኽእል፦ (1) ተጊህና ቓል ኣምላኽ እናኣጽናዕናን ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት እናተኻፈልናን፡ ንርእስና በታ ‘ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትና’ ብምህናጽ፡ (2) “ብመንፈስ ቅዱስ” ወይ ምስኡ ሰሚርና ብምጽላይ፡ (3) ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዜኽእል መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምግባር።—ዮሃ. 3:16, 36

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

5-7 እቶም ገበርቲ እከይ ካብ ፍርዲ የሆዋ ኼምልጡ ይኽእሉዶ፧ ብመሰረት እቲ ይሁዳ ዝሃቦ ንመጠንቀቕታ ዚኸውን ሰለስተ ኣብነታት፡ ፈጺሞም ኣይክእሉን እዮም።

8-10 ኣብነት ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ብምስዓብ፡ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስልጣን ኣኽብሮት ከነርኢ ኣሎና።

12 ፍቕሪ ዜርእዩ ዚመስሉ ኸሓድቲ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ማይ እተሓብአ ኣኻውሕ ንመራኽብ ወይ ንሓምበስቲ ሓደገኛ ዝዀነ፡ ንእምነትና ሓደገኛታት እዮም። መምህራን ሓሶት፡ ለጋሳት ኪመስሉ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ልክዕ ከምቲ ማይ ዘይብሉ ደበና ብመንፈሳዊ መዳይ ባዶ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ከምተን ዝሞታ ኣእዋም ሓጋይ፡ ፍረ ዘይብሎም እዮም። ከምተን ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም፡ ጥፍኣት ኪወርዶም እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ካብ ከሓድቲ ምርሓቕና ጥበባዊ እዩ።

22, 23 ናይ ሓቂ ክርስትያናት እከይ ይጸልኡ እዮም። እቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ብሱላት ኣሕዋት ብሕልፊ ድማ እተሾሙ ሓለውቲ፡ “ንገሊኦም ነቶም ዚጠራጠሩ” ኻብቲ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ዝዀነ ሓዊ ንምድሓን መንፈሳዊ ሓገዝ ኪገብሩሎም ይጽዕሩ እዮም።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ማይን መንፈስን ደምን፡ የሱስ “ወዲ ኣምላኽ” ምዃኑ መስከሩ