ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ለምጺ፡ ምስቲ ሎሚ በዚ ስም እዚ ዚፍለጥ ሕማም ተመሳሳሊ ድዩ፧

እቲ ብልምዲ “ለምጺ” ዚበሃል ሕማም፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ሰብነት ልሙጽ ጻዕዳ ትንኳዕ ዜስዕብ ዘይመሓላለፍ ሕማም ቈርበት እዩ። ብ1956 ኣብ ዝወጸ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ “ለምጺ” ተባሂሉ ዘሎ ግን፡ ኣብ ሓድሓደ ቦታታት እቲ ብ1990 ዝወጸ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዚላገብ ሕማም ቈርበት” ተባሂሉ ኣሎ። ብኻልእ ቋንቋ ኣብ እተዳለወ ገሊኡ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “ደዌ” ተባሂሉ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እታ “ደዌ” እትብል ቃል፡ ነቲ ብባክተርያ ዚመሓላለፍ ሕማም ሰባት ተመልክት። እዚ ባክተርያ (ማይኮባክተርዩም ለፕራየ) ብ1873 ብዶክተር ጀርሃርት ኤ. ሃንሰን እዩ ተረኺቡ። ካብ ሰብነት ወጻኢ ኣብቲ ብኣፍንጫ ኣቢሉ ዚወጽእ ፈሳሲ ንትሽዓተ መዓልቲ ኺጸንሕ ከም ዚኽእል ድማ ተመራመርቲ ፈሊጦም ኣለዉ። ብዘይካዚ፡ ምስቶም ደዌ ዝሓዞም ዚቀራረቡ ሰባት ብቐሊሉ በዚ ሕማም እዚ ኺተሓዙ ኸም ዚኽእሉ፡ እዚ ባክተርያ እዚ ዘለዎ ኽዳን እውን ምንጪ እቲ ሕማም ኪኸውን ከም ዚኽእል ፈሊጦም እዮም። ብ2007 ልዕሊ 220,000 ዝዀኑ ሓደስቲ ሰባት በዚ ሕማም እዚ ኸም እተጠቕዑ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓበረ።

እቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት በዚ ሕማም እዚ ይጥቅዑ ምንባሮም ኣየጠራጥርን እዩ፣ ሕጊ ሙሴ ድማ እቲ በዚ ሕማም እዚ እተታሕዘ ሰብ ንበይኑ ኺዕጾ ይእዝዝ ነበረ። (ዘሌዋውያን 13:4, 5) ይኹን እምበር፡ እታ “ለምጺ” ወይ ደዌ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ጻራት እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ነቶም በዚ ሕማም እዚ እተታሕዙ ሰባት ጥራይ ኣይኰነትን እተመልክት። የግዳስ፡ ክዳውንትን ኣባይትን ንዜጥቅዕ ሕማም እውን ተመልክት እያ። እዚ ሕማም እዚ ኣብቲ ብጸምሪ ወይ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተሰርሐ ኽዳን ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ብቘርበት እተሰርሐ ነገራት እውን ይርአ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብሕጽቦ ኺጠፍእ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኽዳን ወይ እቲ ቘርበት “ሕምልይ ወይ ቅይሕ” ክሳዕ ምባል እንተ በጺሑ ግን ኪቃጸል ነበሮ። (ዘሌዋውያን 13:47-52) እቲ ሕማም ኣብ መንደቕ ገሊኡ ኣባይቲ፡ “ሕምልይ ዝበለ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጐደጕድ” ኰይኑ ይርአ ነበረ። እዚ ሕማም እዚ ዘለዎ ኣእማንን ኖራን ካብቲ ሰብ ዚነብረሉ ቦታ ርሒቑ ኺጐሓፍ ነበሮ። እቲ ሕማም እንተ ተመሊሱ ግን እታ ቤት ክትፈርስ፡ እቲ ፍርስራስ ከኣ ኪጐሓፍ ነበሮ። (ዘሌዋውያን 14:33-45) ገሊኦም፡ እዚ ኣብ ክዳውንቲ ወይ ኣባይቲ ዚርአ ሕማም፡ ነቲ ሕጂ ሰበባ ዚበሃል ከም ዜመልክት ይገልጹ። ይኹን እምበር፡ ኣፍካ መሊእካ ኸምዚ ኺበሃል ኣይከኣልን እዩ።

እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ዝገበሮ ስብከት፡ ኣብቶም ኣንጠረኛታት ናዕቢ ዘለዓዓለ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ኣንጠረኛታት “ንኣርጤምስ ዚኸውን መቕደስ ብሩር” ብምስራሕ ሃብቲሞም ነበሩ። ኣርጤምስ፡ ሓላዊት ኤፌሶን ከምኡውን ኣምላኽ ሃድንን መፍረን ሕርስን ጌርካ እያ እትቝጸር ነይራ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:24) እቲ “ኻብ ሰማይ” ከም ዝወረደ ጌርካ ዚእመን ዝነበረ ናታ ምስሊ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ተቐሚጡ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:35) እዚ ቤተ መቕደስ እዚ ሓደ ኻብቲ ሸውዓተ ዜደንቕ ነገራት ጥንታዊት ዓለም ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ብዙሓት ነጋድያን ዓመት ዓመት ኣብ መጋቢት/ሚያዝያ ኣብቲ ንኣርጤምስ ዜኽብር በዓላት ንምክፋል ናብ ኤፌሶን ይውሕዙ ነበሩ። ዋሕዚ እዞም በጻሕቲ፡ ንኣምልኾ ዚኸውን ከም መዘከርታ፡ ክታብ፡ ነታ ኣምላኽ ዚቐርብ መስዋእቲ፡ ወይ ከኣ እቶም ነጋድያን ናብ ቤቶም ምስ ተመልሱ ዜምልኹሉ ነገር ብብዝሒ ኸም ዚጥለብ ገበረ። ኣብ ኤፌሶን እተረኽበ ጥንታዊ ጽሑፋት፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ወርቅን ብሩርን እተሰርሐ ሓወልቲ ኣርጤምስ ይገልጽ እዩ፣ ብዛዕባ ማሕበር ኣንጠረኛታት ዚሕብር ጽሑፋት እውን ኣሎ።

ጳውሎስ፡ “እዞም ብኢድ ዚግበሩስ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን” ኢሉ መሃረ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:26) ስለዚ፡ እቶም ኣንጠረኛታት መነባብሮኦም ከም እተተንከፈ ምስ ረኣዩ፡ ኣንጻር ስብከት ጳውሎስ ናዕቢ ኣለዓዓሉ። ሓደ ኻብቶም ኣንጠረኛታት ዝዀነ ድሜጥሮስ ነቲ እተሰምዖም ፍርሂ ኣሕጽር ኣቢሉ ኺገልጽ ከሎ፡ “እታ ዅላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻኣ ዓባይ ኣርጤምስ፡ መቕደሳ ኸም ከንቱ ኸይቍጸር ክብረታውን ከይሰዐር እምበር፡ ስራሕና ኸይንዐቕ ጥራይ ኣይኰነን ዜፍርሀና ዘሎ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 19:27