ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ነቲ ገንሸል ይስዕብዎ’

‘ነቲ ገንሸል ይስዕብዎ’

‘ነቲ ገንሸል ይስዕብዎ’

“ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም።” —ራእ. 14:4

1. ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንዕኡ ብዛዕባ ምስዓብ እንታይ ኣረኣእያ ነበሮም፧

 የሱስ ኣገልግሎቱ ኻብ ዚጅምር ድሕሪ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን፡ ‘ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ይምህር ነበረ።’ “ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ፡” ዘረባኡ ስለ ዘሰንበዶም፡ “ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን።” የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያት ንሳቶም እውን ኪኸዱ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም ምስ ሓተቶም፡ ስምኦን ጴጥሮስ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ አሚንናን ፈሊጥናን አሎና” ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃ. 6:48, 59, 60, 66-69) ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንዕኡ ኻብ ምስዓብ ኣየቋረጹን። ብመንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምቕባኦም እውን እንተ ዀነ፡ ንመምርሒ የሱስ ይስዕቡ ነበሩ።—ግብ. 16:7-10

2. (ሀ) እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ወይ “እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ” መን እዩ፧ (ለ) እቲ ባርያ ‘ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ብምስዓብ’ ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት ዝገደፈ ብኸመይ እዩ፧

2 ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ የሱስ ‘ንትእምርቲ ምምጻኡን መወዳእታ ዓለምን’ ብዚምልከት ኣብ ዝሃቦ ትንቢት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብመንፈስ እተቐብኡ ሰዓብቱ ኸም ሓደ ኣካል ገይሩ ብምጥቃስ፡ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ወይ “እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ። (ማቴ. 24:3, 45፣ ሉቃ. 12:42) እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ‘ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ብምስዓብ’ ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት ገዲፉ እዩ። (ራእይ 14:4, 5 ኣንብብ።) ኣባላት እቲ ጕጅለ ብእምነታትን ተግባራትን እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ስለ ዘይረኸሱ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ደናግል እዮም። (ራእ. 17:5) “ኣብ ኣፎም” ሰረተ-እምነታዊ ሓሶት ‘ኣይርከብን፡’ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ከኣ ‘ሕፍቲ ዘይብሎም’ ኰይኖም እዮም ዚነብሩ። (ዮሃ. 15:19) ኣብ መጻኢ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ቅቡኣት ናብ ሰማይ ብምኻድ ነቲ ገንሸል ‘ኪስዕብዎ’ እዮም።—ዮሃ. 13:36

3. ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ኽንኣምኖ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 የሱስ ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ “ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ፡” ማለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ሸይምዎ እዩ። ነቲ ባርያ እቲ “ኣብ ኵሉ ገንዘቡ” እውን ሸይምዎ እዩ። (ማቴ. 24:45-47) እቲ ኣብዚ “ገንዘቡ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቶም እናወሰኹ ዚኸዱ ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ” ወይ “ካልኦት ኣባጊዕ” የጠቓልል። (ራእ. 7:9፣ ዮሃ. 10:16) ኣባላት እቶም ቅቡኣትን “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም እተሸመ ባርያ ኺኣምንዎዶ ኣይግባእን፧ ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ እንኣምነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ክልተ ኻብቲ ምኽንያታት፦ (1) የሆዋ ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ይኣምኖ እዩ። (2) የሱስ እውን ነቲ ባርያ ይኣምኖ እዩ። የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚኣምንዎ ዜርኢ መርትዖ እስከ ንመርምር።

የሆዋ ነቲ ባርያ ይኣምኖ

4. ነቲ ኻብ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ እንረኽቦ መንፈሳዊ ምግቢ ኽንተኣማመነሉ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡ እዋናውን ሃናጽን መንፈሳዊ ምግቢ ንኬቕርብ ዚሕግዞ እንታይ ምዃኑ ርአ። የሆዋ፡ “ኣነ ኽምህረካ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፡ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” በለ። (መዝ. 32:8) እወ፡ የሆዋ ነቲ ባርያ መምርሒ ይህቦ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ኻብቲ ባርያ እንረኽቦ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምስትውዓልን ምርዳእን መምርሕን ምሉእ ብምሉእ ኽንተኣማመነሉ ንኽእል ኢና።

5. መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ሓይሊ ኸም ዚህቦ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

5 የሆዋ ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ እውን ይባርኾ እዩ። መንፈስ የሆዋ ዘይርአ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዜፍርዮ ፍረ ግን ግሁድ እዩ። እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ወዱን መንግስቲ ኣምላኽን ዓለምለኻዊ ምስክርነት ኣብ ምሃብ እንታይ ኪዓምም ከም ዝኸኣለ እሞ ሕስብ ኣብል። ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራትን ደሴታትን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብንጥፈት ይእውጁ ኣለዉ። እዝስ መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ባርያ ሓይሊ ይህቦ ኸም ዘሎ ዜርኢ ኣሉ ዘይበሃል መርትዖ ደይኰነን፧ (ግብሪ ሃዋርያት 1:8 ኣንብብ።) ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ህዝቢ የሆዋ እዋናዊ መንፈሳዊ ምግቢ ንምቕራብ፡ እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ኣገዳሲ ውሳነታት ኪገብር ኣለዎ። ነዚ ውሳነታት እዚ ኺሕንጽጽን ኬተግብርን ከሎ፡ ፍቕርን ህድኣትን ካልእ ክፋል ፍረ መንፈስን የርኢ እዩ።—ገላ. 5:22, 23

6, 7. የሆዋ ነቲ እሙን ባርያ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዚኣምኖ፧

6 የሆዋ ነቲ እሙን ባርያ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚኣምኖ ንኽትርዳእ፡ ብዛዕባ እቲ ንኣባላቱ ዝኣተወሎም መብጽዓ ሕሰብ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 15:52, 53) እቶም ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዜገልግልዎን ብሓላፊ ሰብኣዊ ኣካላት ዝሞቱን ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ መንፈሳውያን ፍጥረታት ኰይኖም ጥራይ ኣይኰኑን ዚትንስኡ። የግዳስ፡ ፈጺሙ ኺመውት ዘይክእል፡ ማለት ነባርን ዘይጠፍእን ህይወት እዩ ዚወሃቦም። ብዘይካዚ፡ ዘይሓልፍ ህይወት፡ ማለት ዘይብስብስን ኣብ ካልእ ዘይምርኰስን ኣካል ይህልዎም። እዞም ዝተንስኡ መንፈሳውያን ኣካላት ኣብ ረርእሶም ኣኽሊል ወርቂ ተኸሊሎም ኣብ ዝፋናት ከም እተቐመጡ፡ ኣብ ራእይ 4:4 ተገሊጾም ኣለዉ። እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት እዚኣቶም ክብሪ ንግስነት ኪለብሱ እዮም። እዚ ጥራይ ግን ኣይኰነን።

7 ራእይ 19:7, 8፡ “መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱውን ተዳልያ እያ . . . ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክትክደን ከኣ ተዋህባ። እቲ ሻሽ እቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅዱሳት እዩ” ትብል። የሆዋ፡ ኣብ መጻኢ መርዓት ወዱ ኪዀኑ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እዩ መሪጹ። ዘይሓልፍን ዘይመውትን ህይወት፡ ንግስነት፡ “መርዓ እቲ ገንሸል”—እዚ ዅሉስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ውህበት ኰን እዩ! ኣምላኽ ነቶም “ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ” ቕቡኣት ከም ዚተኣማመነሎም ዜርኢ ዜእምን መርትዖ እዩ።

የሱስ ነቲ ባርያ ይኣምኖ

8. የሱስ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ሰዓብቱ ኸም ዚተኣማመነሎም ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

8 የሱስ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ሰዓብቱ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚኣምኖም ዜርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧ ኣብታ ኣብ ምድሪ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ፡ “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” ኢሉ ኺዳን ኣተወሎም። (ሉቃ. 22:28-30) እቲ የሱስ ነቶም 11 ሃዋርያቱ ዝኣተወሎም ኪዳን፡ ንዅሎም እቶም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት ዜጠቓልል እዩ። (ሉቃ. 12:32፣ ራእ. 5:9, 10፣ 14:1) የሱስ እንተ ዘይኣምኖም ነይሩ ኣብ ስልጣን መንግስቱ ኺካፈሉ ኺዳን ምኣተወሎምዶ፧

9. ‘ኵሉ ገንዘብ ክርስቶስ’ እንታይ የጠቓልል፧

9 ኣብ ርእሲኡ እውን የሱስ ክርስቶስ ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡ “ኣብ ኵሉ ገንዘቡ፡” ማለት ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ነገራት ሸይምዎ እዩ። (ማቴ. 24:47) ገለ ኻብዚ “ገንዘቡ” ተባሂሉ ዘሎ ነገራት፡ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብቲ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዚርከብ ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር፡ ከምኡውን ኣብቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከብ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ንዘሎ መሳለጥያታት፡ እንተላይ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን የጠቓልል። ሓደ ሰብ ነቲ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ነገራት ንኺዕቅበሉን ንኺጥቀመሉን ኢሉ ንዘይኣምኖ ሰብ ሓላፍነት ምሃቦዶ፧

10. የሱስ ክርስቶስ ምስ ቅቡኣት ሰዓብቱ ኸም ዘሎ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

10 እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ ነቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም፣ “እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ኸኣ ተመባጽዓሎም። (ማቴ. 28:20) እሞኸ ነዚ መብጽዓ እዚ ፈጺምዎዶ፧ ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት፡ ቍጽሪ እተን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዕሊ 40 ሚእታዊት ወሰኽ ብምግባር፡ ካብ 70,000 ናብ ልዕሊ 100,000 ዓበየ። ብዛዕባ እቶም እተወሰኹ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት ዳርጋ 4.5 ሚልዮን ዚዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ተጠምቁ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ብገምጋም ልዕሊ 800 ይጥመቑ ነይሮም ማለት እዩ። እዚ ዜደንቕ ወሰኽ እዚ፡ ክርስቶስ፡ እቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ ኣኼባታት ጉባኤ ኺገብሩ ኸለዉ ኸም ዚመርሖምን ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮኦም ከም ዚድግፎምን ዜርኢ ንጹር መርትዖ እዩ።

እቲ ባርያ፡ እሙንን ኣስተውዓልን እዩ

11, 12. እቲ ባርያ፡ እሙንን ኣስተውዓልን ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

11 የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ምሉእ ብምሉእ ዚኣምንዎ ኻብ ኰኑ፡ ንሕና እውን ክንኣምኖዶ ኣይግባእን፧ ከመይሲ፡ እቲ ባርያ ኣብቲ ኺዓዮ እተዋህቦ ዕዮ እሙን ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ንኣስታት 130 ዓመት ክትሕተም ጸኒሓ እያ። ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ይሃንጸና እዩ።

12 እቲ እሙን ባርያ፡ ኣስተውዓሊ እውን እዩ፣ ከመይሲ፡ ቦታኡን ዓቕሙን ስለ ዚፈልጥ፡ ንየሆዋ ኣይቅድሞን፡ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ መምርሒ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኣብ ዚንጽረሉ እዋን ከኣ ድሕሪት ኣይተርፍን። ንኣብነት፡ መራሕቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነቲ ህዝብታት እዛ ዓለም እዚኣ ዚመላለሱሉ ስስዐ ዝመልኦን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉን ኣካይዳ ብተዘዋዋሪ ኺድግፍዎ ወይ ከም ንቡር ገይሮም ብምርኣይ ብግህዶ ዕሽሽ ኪብልዎ ኸለዉ፡ እቲ ባርያ ግን ብዛዕባ እቲ እዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ዘለዎ ሓደጋ የጠንቅቕ እዩ። ከምዚ ዝበለ ጥበባውን እዋናውን መጠንቀቕታ ኺህብ ዝኸኣለ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ይባርኽዎ ስለ ዘለዉ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ባርያ ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ ይግባእ። ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኸም እንኣምኖ ግን ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

እቶም ቅቡኣት ነቲ ገንሸል ኪስዕብዎ ኸለዉ ‘ምስኦም ኪድ’

13. ብመሰረት ትንቢት ዘካርያስ፡ ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኽትኣምኖ ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

13 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዘካርያስ፡ “ዓሰርተ ሰብ” ናብ “ሓደ ኣይሁዳዊ” ቐሪቦም፡ “ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ኸም ዝበሉ ትገልጽ። (ዘካርያስ 8:23 ኣንብብ።) እቲ “ሓደ ኣይሁዳዊ፡” “ምሳኻትኩም” ተባሂሉ ስለ ዘሎ፡ ንብዙሓት እዩ ዜመልክት። እዚ ኣይሁዳዊ እዚ ኣብዚ ግዜና፡ ነቶም ክፍሊ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዝዀኑ ተረፍ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት የመልክት። (ገላ. 6:16) እቶም “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ” ድማ፡ ነቶም ክፍሊ እተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ሰብ የመልክቱ። ልክዕ ከምቲ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ንየሱስ ናብ ዝኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ፡ እቶም ብዙሓት ሰብ እውን ምስቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ‘ይኸዱ’ ወይ የሰንይዎ እዮም። ብጾት እቶም ‘ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘለዎም’ ምዃኖም ንኼፍልጡ ፈጺሞም ኪሓፍሩ የብሎምን። (እብ. 3:1) የሱስ ነቶም ቅቡኣት፡ “ኣሕዋተይ” ንምባሎም ኣይሓፈረን።—እብ. 2:11

14. ንኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ክንድግፎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 የሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ ንኣሕዋቱ ብተኣማንነት እንገብሮ ደገፍ፡ ንዕኡ ኸም እተገብረሉ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። (ማቴዎስ 25:40 ኣንብብ።) እሞኸ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት ክርስቶስ ዚድግፍዎም ብኸመይ እዮም፧ ብቐንዱ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብምሕጋዝ እዩ። (ማቴ. 24:14፣ ዮሃ. 14:12) ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተታት ዓመታት ቍጽሪ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት እናነከየ እኳ እንተ ኸደ፡ ቍጽሪ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ግን ወሲኹ እዩ። እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ኣብ ዕዮ ምስክርነት ኪሳተፉ ኸለዉ፡ እንተ ተኻኢሉ ኸኣ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ኰይኖም ኬገልግሉ ኸለዉ፡ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ይሕግዝዎም። (ማቴ. 28:19, 20) እዚ ዕዮ እዚ ብእተፈላለየ መገዲ ገንዘባዊ ወፈያ ብምግባር ኪድገፍ ከም ዚኽእል እውን ኪርሳዕ የብሉን።

15. ክርስትያናት ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ነቲ ኻብቲ ባርያ ዚመጽእ እዋናዊ መንፈሳዊ ምግብን ውድባዊ ውሳነታትን ብኸመይ ምላሽ ኪህብሉ ኣለዎም፧

15 እቲ እሙን ባርያ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣቢሉ ንዚህበና እዋናዊ መንፈሳዊ ምግቢ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ብኸመይ ኢና እንርእዮ፧ ብሞሳ ተቐቢልና ብፍታው ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ዲና፧ እቲ ባርያ ንዚገብሮ ውድባዊ ውሳነታት ብኸመይ ኢና ምላሽ እንህበሉ፧ ነቲ ዚወሃበና መምርሒ ባህ ኢሉና ምስ እንእዘዞ፡ ኣብ መሰናድዎታት የሆዋ እምነት ከም ዘሎና የርኢ።—ያእ. 3:17

16. ኵሎም ክርስትያናት ንኣሕዋት ክርስቶስ ኪሰምዕዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

16 የሱስ፡ “እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ” በለ። (ዮሃ. 10:27) ብዛዕባ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ከምዚ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ብዛዕባ እቶም ‘ምስኦም ዚኸዱኸ’ ኸምዚ ኺበሃል ይከኣልዶ፧ እዚኣቶም ንየሱስ ኪሰምዕዎ ኣለዎም። ንኣሕዋቱ እውን ኪሰምዕዎም ኣለዎም። ከመይሲ፡ ንመንፈሳዊ ድሕንነት ህዝቢ ኣምላኽ ዚምልከት ሓላፍነት ብቐንዱ ንዕኦም እዩ ተዋሂብዎም። ንኣሕዋት ክርስቶስ ምስማዕ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

17. ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ምስማዕ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

17 እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እዩ ዚውከል፣ እዚ ኣመሓዳሪ ኣካል እዚ ነቲ ኣብ መላእ ምድሪ ዚግበር ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ይመርሕን የተሓባብርን። ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ብመንፈስ እተቐብኡ ተመክሮ ዘለዎም ሽማግለታት እዮም። ብፍላይ እዞም ሰብኡት እዚኣቶም፡ ‘መራሕቲ’ ወይ መሪሕ ግደ ዘለዎም ተባሂሎም ኪግለጹ ይኽእሉ እዮም። (እብ. 13:7) እዞም ቅቡኣት ሓለውቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ 100,000 ጉባኤታት ንዚርከቡ ዳርጋ 7,000,000 ዚዀኑ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዚሓልዩ፡ “ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት” እዮም። (1 ቈረ. 15:58) ስለዚ፡ ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ኽንሰምዖ እንተ ዄንና፡ ምስቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ምሉእ ብምሉእ ክንተሓባበር ኣሎና።

እቶም ነቲ ባርያ ዚሰምዕዎ ይባረኹ

18, 19. (ሀ) እቶም ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዚሰምዕዎ ብኸመይ እዮም ዚባረኹ፧ (ለ) እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

18 እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኻብ ዚሽየም ኣትሒዙ፡ ‘ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ይመርሖም’ ኣሎ። (ዳን. 12:3) እዚ ኸኣ ነቶም ካብ ጥፍኣት እዚ እኩይ ስርዓት ኪድሕኑ ተስፋ ዘለዎም ዜጠቓልል እዩ። እዝስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽድቃዊ መትከል ከም ዚህልወና ዚገብር ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

19 ኣብ መጻኢ፡ “እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ [ን144,000 እተጠቓልል] ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ፡” እቶም ንድምጺ እቲ ባርያ ዚሰምዑ እንታይ ኪረኽቡ እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶም . . . ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእ. 21:2-4) ሃየ እምበኣር፡ ንክርስቶስን ነቶም ትውክልቲ ኺግበረሎም ዚኽእል ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋቱን ንስምዓዮም።

እንታይ ተማሂርካ፧

• የሆዋ ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኸም ዚኣምኖ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

• የሱስ ክርስቶስ ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚኣምኖ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

• ነቲ እሙን መጋቢ ኽንኣምኖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ነቲ ባርያ ኸም እንኣምኖ እነርኢ ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኣብ መጻኢ መርዓት ወዱ ኪዀኑ ንመን ከም ዝመረጸ ትፈልጥዶ፧

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ክርስቶስ ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣብ ልዕሊ ‘ገንዘቡ’ ሸሞ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዕዮ ምስክርነት ክንካፈል ከለና፡ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኢና እንድግፍ