ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እትመርጸሉ ግዜ

እትመርጸሉ ግዜ

እትመርጸሉ ግዜ

“ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።” —ዘፍጥረት 1:27

እዘን ኣብ ናይ መጀመርታ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ፍሉጣት ቃላት፡ ንሓደ ኻብቲ ኣምላኽ “ንዅሉ በብግዜኡ ጽቡቕ ገበሮ” እተባህለሉ ዜደንቕ ነገራት ከም ዝፈጠረ፡ ማለት ነቶም ፍጹማት መጻምድቲ ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ናብ ህላወ ኸም ዘምጸኦም ይሕብራ። (መክብብ 3:11) ፈጣሪኦም ከም ምዃኑ መጠን፡ የሆዋ ኣምላኽ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ” በሎም።—ዘፍጥረት 1:28

ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ ኢሉ ብምንጋር፡ ዕላማኡ ሓበሮም። ኪባዝሑን ነዛ ምድሪ ኸኣ ንሳቶምን ደቆምን ዚነብሩላ ገነታዊት ቤት ገይሮም ኪከናኸንዋን ነበሮም። ዚሞቱሉ እዋን ኣቐዲሙ ኣይተወሰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኦም ዜደንቕ ተስፋ ኣንበረሎም። ቅኑዕ ምርጫ እንተ ዚገብሩን ምስ ኣምላኽ ተሰማሚዖም እንተ ዚነብሩን፡ ፍጹም ሰላምን ሓጐስን ረኺቦም ንዘለኣለም ምነበሩ ነይሮም።

እቲ ዝገበርዎ ምርጫ ግን ዜሕዝን ነበረ፣ ብሰሪ እዚ ኸኣ ደቂ ሰብ ይኣርጉን ይሞቱን ኣለዉ። እቲ ዜገርም፡ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ፡ “ሰብ፡ ውሉድ ሰበይቲ፡ ሓጺር ዕድመ፡ ጽጉብ ሓሳር እዩ” በለ። (እዮብ 14:1) ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ግን ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ይብል። (ሮሜ 5:12) እቲ ኣብዚ “ሓደ ሰብኣይ” ተባሂሉ ዘሎ ኣዳም፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ቐሊልን ንጹርን ትእዛዝ ደይመደይ ኢሉ ኺጥሕስ መረጸ። (ዘፍጥረት 2:17) ብሰንኪ እዚ ምርጫኡ ድማ ነቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኣጥፍኦ። እዚ ኸይኣክል ከኣ፡ ነቲ ዘርኡ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ኽቡር ርስቲ ኣጥፊኡ መርገም ሓጢኣትን ሞትን ኣሕለፈሎም። ኵሉ ነገራት ዝጠፍአ እዩ ዚመስል ነይሩ፣ ግንከ ምሉእ ብምሉእ ድዩ ጠፊኡ፧

ዚሕደሰሉ ግዜ

ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት፡ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ተደሪኹ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 37:29 ትርጕም 1990) የሆዋ ነቲ ኣብ ኤድን ዝኣተዎ መብጽዓ ብርግጽ ኪፍጽሞ እዩ፣ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚገብሮ ነገራት ብዜደንቕ መገዲ ኺገልጽ ከሎ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” ድሕሪኡ ኣምላኽ፡ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ” በለ።—ራእይ 21:4, 5

ንዅሉ ገግዜኡ ስለ ዘለዎ፡ ‘እቲ ኣምላኽ ዝኣተዎ ዜደንቕ መብጽዓ ንኺፍጸም፡ እቲ ግዜ ምሕዳስ መዓስ እዩ ዚመጽእ፧’ ዚብል ሕቶ ኺለዓል ይኽእል እዩ። ሓተምቲ እዛ መጽሔት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚብሎ እዋን ንነብር ከም ዘለና፡ እቲ ኣምላኽ ‘ንዅሉ ንምሕዳስ’ ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ ድማ ከም ዝቐረበ ንሰባት ኪሕብሩ ጸኒሖም እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትምርምሮን ብዛዕባ እቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ዜደንቕ ተስፋ ኽትመሃርን ንምሕጸነካ። “ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፡ ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ” ንዚብል ዕድመ ኽትቅበል እውን ንላበወካ። (ኢሳይያስ 55:6) ህይወትካን ዘለኣለማዊ ተስፋኻን ብጽሕፍቶ ዘይኰነስ፡ ባዕልኻ ኢኻ እትውስኖ!

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ”