ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ እንፈርሃሉ ሓሙሽተ ምኽንያታት

ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ እንፈርሃሉ ሓሙሽተ ምኽንያታት

ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ እንፈርሃሉ ሓሙሽተ ምኽንያታት

እቲ መንእሰይ ኣዝዩ ተገረመ። እቲ ዘጋጠሞ ነገር ፈጺሙ ዘይተጸበዮ እዩ ነይሩ። ምስቶም ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበሮ ዝርርብ፡ ሓድሽ ነገር ከም ዚፈልጥ ገበሮ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደ ንዓመታት የጨንቖ ነበረ፣ ሕጂ ግን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር መልሲ ረኸበ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጠቓምን ልቢ ዜሐጕስን ሓበሬታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪርከብ ከም ዚኽእል ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ።

እቶም ኪበጽሕዎ ዝመጹ ሰባት ምስ ከዱ ሒደት ደቓይቕ ጸኒሑ፡ ዋና ገዛኡ ናብቲ ኽፍሉ ብምእታው፡ “እዞም ኣብዚ ዝነበሩ ሰባት እንታዎት እዮም፧” ኢላ ብቝጥዐ ሓተተቶ።

እቲ መንእሰይ ዘይተጸበዮ ነገር ስለ ዝዀኖ፡ ኪምልሰላ ኣይከኣለን።

“መን ምዃኖም ፈሊጠ ኣለኹ፣ ካልኣይ ሳዕ እንተ መጺኦም ግን፡ ካብዚ ወጺእካ ኣብ ካልእኻ ገዛ ኽትደሊ ትኽእል ኢኻ” ኢላ ጨደረትሉ።

ነቲ ማዕጾ ገም ኣቢላቶ ድማ ኸደት።

ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምጽራር ኬጋጥሞም ይጽበዩ

እቲ ነዚ መንእሰይ ዘጋጠሞ ነገር፡ ዘይተለምደ ኣይኰነን። እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ይብል። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብህዝቢ ኣይፍተዉን እዮም፡ ተፈትዮም እውን ኣይፈልጡን እዮም። ስለምንታይ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም ብጾቱ ዝዀኑ ክርስትያናት፡ “ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” በሎም። ሰይጣን ድያብሎስ እውን እንተ ዀነ፡ “ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ” ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 5:19፣ 1 ጴጥሮስ 5:8) ፍርሂ ሰብ፡ ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ውጽኢታዊ ኣጽዋር እዩ።

እቲ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ዝገበረን ሓጢኣት ዘይፈጸመን የሱስ ክርስቶስ እውን እንተ ዀነ፡ ላግጽን መስጐጕትን ወሪድዎ እዩ። “ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ” ድማ በለ። (ዮሃንስ 15:25) ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ንሰዓብቱ ኣዳለዎም፦ “ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ነቲ፤ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዐብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም።”—ዮሃንስ 15:18, 20

ብምኽንያት እዚ መጠንቀቕታ እዚ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ደው ንምባል ድሕር ምሕር ኢሎም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሓደ እዋን ንየሱስ ዚደልይዎ ዝነበሩ ሰባት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ እተዛረበ የልቦን” ይብል። (ዮሃንስ 7:13፣ 12:42) እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ንዝዀነ ይኹን ኣብ ክርስቶስ እምነት ዘሕደረ ሰብ ካብ ቤት ጸሎቶም ከም ዚሰጕዎ የፈራርሁ ነበሩ። ስለዚ፡ ፍርሂ ሰብ ንብዙሓት ሰባት ክርስትያናት ከይኰኑ ዓገቶም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:13

ክርስትና ድሕሪ ምምስራቱ፡ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ “ብርቱዕ ምስጓጕ” ከም ዘጋጠማ ነንብብ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:1) ክርስትያናት ኣብ መላእ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ እውን መስጐጕቲ የጋጥሞም ነበረ። ኣብ ሮማ ዚነብሩ ምርኡያት ሰባት ንሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዚጻረሩ፡ ንፈልጥ ኢና” በልዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:22) እወ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ኵሉ ቦታ ምጽራር የጋጥሞም ነበረ።

ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ሰይጣን ንፍርሂ ሰብ ተጠቒሙ፡ ብዙሓት ሰባት ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንኸይኰኑ ይዓግቶም ኣሎ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብሩ ቕኑዓት ሰባት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ዚነብሩሉ ኸባቢ፡ ወይ ኣብ ማሕበራዊ ርክቦም ምጽራር ወይ ላግጺ የጋጥሞም ከምኡውን ኣኽብሮትን ፈተውትን ስጋዊ ሓገዝን ከይስእኑ ይፈርሁ። ኣብ ገጠር ዚነብሩ ሓረስቶት፡ እኽሊ ኣብ ምእካብን ማል ኣብ ምሕላውን ዚተሓባበሮም ሰብ ከይስእኑ ይፈርሁ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ግን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ ይሃሉ ብዘየገድስ፡ ንየሱስ ክርስቶስ ብምምሳል ኣብ ኣምላኽ ንምውካልን ምስ ቃሉ ተሰማሚዖም ንምምልላስን ቈሪጾም እዮም። ከምኡ ብምግባሮም ድማ የሆዋ ባሪኽዎም እዩ።

ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ እንፈርሃሉ ምኽንያት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ክንፈርህ ይምሕጸነና። “ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ” ይብል። (መዝሙር 111:10) እዚ ፍርሃት እዚ፡ ዜርዕድ ዘይኰነስ፡ ንወሃብ ህይወትና ኸይነጕህዮ ዚስምዓና ስምዒት እዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ምስ ፍቕሪ እውን ትተኣሳሰር እያ። ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ክንፈርህ ዘሎና ደኣ እሞ ስለምንታይ ኢና፧ ሓሙሽተ ምኽንያታት እስከ ንርአ።

1 የሆዋ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ እዩ። የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ሓያል እዩ። ንኣምላኽ ምስ እንፈርሆ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ዅሉ ዚኽእል ደው ንብል፡ ንሱ ን“ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ” ገይሩ እዩ ዚርእዮም። (ኢሳይያስ 40:15) ኣምላኽ፡ ኵሉ ዚኽእል ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ እቲ ንእሙናቱ “ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር” ኬፍሽሎ ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 54:17) ናይ ዘለኣለም ህይወት ንረክብ እንተ ዄንና ዚውስን ንሱ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባኡ ኻብ ምፍላጥን ፍቓዱ ኻብ ምግባርን ዝዀነ ይኹን ነገር ኪዓግተና ኽንፈቕደሉ የብልናን።—ራእይ 14:6, 7

2 ኣምላኽ ኪሕግዘናን ኬዕቍበናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሳሌ 29:25፡ “ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ፡ ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር” ይብል። ፍርሂ ሰብ፡ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ንኸይንገልጽ ስለ ዚዓግተና፡ መፈንጠራ እዩ። ኣምላኽ፡ “ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ” ብምባል ኬድሕነና ኽእለት ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—ኢሳይያስ 41:10

3 ኣምላኽ ነቶም ዚቐርብዎ የፍቅሮም እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ዚስዕባ ልቢ ዚትንክፋ ቓላት ጸሓፈ፦ “ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ አሎኹ።” (ሮሜ 8:37-39) ኣብ ኣምላኽ ምውካልን ንዕኡ ምእዛዝን እንታይ ማለት ምዃኑ እንተ ፈሊጥና፡ ነቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኽትህልወና እያ። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽቡር መሰል ኰን እዩ!

4 ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ነገራት ነማስወሉ ኢና። የሆዋ፡ ህይወት ዝሃበና ፈጣሪና እዩ። ብዘይካዚ፡ ንህይወት ዜድልየና ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንህይወትና ባህ ዜብልን ማራኽን ዚገብር ነገራት እውን ሂቡና እዩ። እወ፡ ምንጪ ጽቡቕ ውህበት እዩ። (ያእቆብ 1:17) እቲ ንሳህሊ ኣምላኽ ዘማሰወሉ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ዳዊት፡ “ጐይታይ፡ ኣምላኸየ፡ ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ። . . . ምቝጻሩ ዘይከአል ብዙሕ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 40:5

5 ገሊኦም ተጻረርትና ይቕየሩ ይዀኑ። ነቶም ዚጻረሩኻ ሰባት፡ ብምልምላም ዘይኰነስ፡ ጸኒዕካ ንኣምላኽ ብምፍራህን ብምፍቃርን ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ንኣዝማድ የሱስ እስከ ንውሰድ። ኣብ ፈለማ፡ ይትረፍዶ ኣብኡ እምነት ኬሕድሩስ፡ “ተጸሊሉ” ኢሎም ይዛረቡ ነበሩ። (ማርቆስ 3:21፣ ዮሃንስ 7:5) ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ግን፡ መብዛሕትኦም ኣብኡ ኣመኑ። እቶም ንየሱስ ብኣደ ኣሕዋቱ ዝነበሩ ያእቆብን ይሁዳን ከኣ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ምጽሓፍ ተኻፊሎም እዮም። ብዘይካ እዚኣቶም እውን፡ እቲ ደሓር ሃዋርያ ጳውሎስ እተባህለ ሳውል፡ ሕሉፍ ሰጓጒ እዩ ነይሩ። ገሊኦም ሕጂ ዚጻረሩና ሰባት፡ ነቲ ትብዓት ዝመልኦ መትከልና ርእዮም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ሓቂ ኸም እንስዕብ የስተውዕሉ ይዀኑ።—1 ጢሞቴዎስ 1:13

ኣብ ኣፍሪቃ እትነብር ኣበራሽ ዝስማ ሰበይቲ፡ ሓቂ ኽትረክብ ትጽሊ ነበረት። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ምስ ጀመረት፡ ካብ ኣባላት ስድራ ቤታን ካብ መራሕቲ ሃይማኖታን ሓያል ምጽራር ኣጋጠማ። ገለ ኻብቶም ኬጽንዑ ጀሚሮም ዝነበሩ ኣዝማዳ ብፍርሂ ሰብ ተሰነፉ። ንሳ ግን ሓይልን ትብዓትን ንኺህባ ንኣምላኽ ለመነቶ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ኸኣ ተጠምቀት። እንታይ ፍረኸ ተረኽበ፧ ካብቶም ኣዝማዳ ሸሞንተ ዝዀኑ ብእኣ ተተባቢዖም እንደገና መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ጀመሩ፡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ከኣ ይገብሩ ኣለዉ።

ንፍርሂ ሰብ ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ

ኣብ መፈንጠራ ፍርሂ ሰብ ንኸይትወድቕ፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ኸተደልድሎ ዝከኣለካ ግበር። ነዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ከም እብራውያን 13:6 ብዛዕባ ዝኣመሰለ ጥቕስታት ብምስትንታንን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፣ እታ ጥቕሲ፡ “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” ትብል። ነቲ ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ምፍራህ ቅኑዕን ጥበባውን ምዃኑ ዜርኢ ምኽንያታት ኣይትረስዓዮ።

ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብዙሕ በረኸት ከም ዜምጽኣልካ እውን ኣይትረስዕ። ኣብ ህይወት ንዚለዓል ኣገዳሲ ሕቶታት ዚኸውን ዜዕግብ መልሲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ህይወትካ ንዜጋጥመካ ሽግራት ንምፍታሕ ዚሕግዘካ ግብራዊ ጥበብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሎሚ ዜጨንቕ ኵነታት ይሃሉ ብዘየገድስ፡ ዜደንቕ ተስፋ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ናብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ብጸሎት ክትቀርብ ትኽእል ኢኻ።

ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 2:17) እትጸንዓሉን ብፍርሃት ኣምላኽ እትመላለሰሉን እዋን፡ ሕጂ እዩ። ንፍርሂ ሰብ ኣብ ክንዲ እትምብርከኽ፡ ነቲ ኣምላኽ፡ “ወደየ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሐጕሶ” ኢሉ ዝሃቦ ምሕጽንታ ብኣወንታ ንኽትምልሰሉ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ። (ምሳሌ 27:11) እዝስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

ኣምላኽ ነቶም ዚፈርህዎ ዚህቦም ነገር ማንም ሰብ ኪህበካ ኸም ዘይክእል ኣይትረስዕ፦ “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ።”—ምሳሌ 22:4

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ሳላ እቲ ኣበራሽ ዘርኣየቶ ትብዓት፡ ሸሞንተ ኻብ ኣዝማዳ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ ኣለዉ