ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትንሳኤ ኣልኣዛር

ትንሳኤ ኣልኣዛር

ንመንእሰያትና

ትንሳኤ ኣልኣዛር

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ።

ነቲ ፍጻመ መርምሮ።ዮሃንስ 11:1-45 ኣንብብ።

ቍጽሪ 21 ከተንብብ ከለኻ ኣብ ማርታ፡ ቍጽሪ 32 ከተንብብ ከለኻ ድማ ኣብ ማርያም እንታይ ዓይነት ስምዒት(ታት) ተራእዩካ፧

․․․․․

ነቲ ኣብ ቍጽሪ 3335ን ተገሊጹ ዘሎ የሱስ ዘርኣዮ ስምዒት ብኸመይ ኣብ ኣእምሮኻ ምሰኣልካዮ፧

․․․․․

እቲ ኣብ ቍጽሪ 4344ን ተገሊጹ ዘሎ ፍጻመ እንተ ዜጋጥመካ ነይሩ፡ እንታይ ኪስምዓካ ኸም ዚኽእል ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ፈትን፣ ነዚ ድማ ብዓይኒ ኣልኣዛርን ብዓይኒ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻልኦት ተዓዘብትን ክትስእሎ ፈትን።

ዝያዳ ምርምር ግበር።

ቢታንያ ኻብቲ የሱስ ዝነበረሉ ቦታ መገዲ ኽልተ መዓልቲ ርሒቓ እያ እትርከብ ነይራ። እሞኸ የሱስ ስለምንታይ እዩ እተደናጐየ፧ (ቍጽሪ 6 ኣንብብ።)

․․․․․

ማርያምን ማርታን ንመንፈሳዊ ነገራት ድሌት ከም ዝነበረን መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃስ 10:38, 39፣ ዮሃንስ 11:24)

․․․․․

የሱስ ነቶም ተመሊሶም ሙማቶም ዘይተርፎም ሰባት ስለምንታይ እዩ ዜተንስኦም ዝነበረ፧ (ማርቆስ 1:41, 42፣ ዮሃንስ 5:28, 29፣ 11:45)

․․․․․

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

የሱስ፡ ምዉታት ንምትንሳእ ዝነበሮ ኽእለትን ባህግን።

․․․․․

የሱስ ንዝሓዘኑ ሰባት ዘርኣዮ ርሕራሐ።

․․․․․

ኣብ ትንሳኤ ምስ መን ክትራኸብ ትደሊ፧

․․․․․

ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․