ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብቲ ዓስቢ ጠምት

ናብቲ ዓስቢ ጠምት

ናብቲ ዓስቢ ጠምት

“ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት . . . እጐዪ አሎኹ።”—ፊል. 3:14

1. ንሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ዓስቢ እዩ ዚጽበዮ ነይሩ፧

 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሳውል በዓል ጠርሲስ እውን ዚበሃል፡ ካብ ፍሉጣት ስድራ ቤት እዩ መጺኡ። በቲ ፍሉጥ መምህር ሕጊ ዝነበረ ገማልኤል፡ ሃይማኖት ኣቦታቱ ተማሂሩ ነበረ። (ግብ. 22:3) ጳውሎስ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ብሉጽ ዚቝጸር ሞያ ይጽበዮ እኳ እንተ ነበረ፡ ሃይማኖቱ ጠንጢኑ ክርስትያን ኰነ። ድሕሪኡ ኸኣ ናብቲ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዘይመውት ንጉስን ካህንን ብምዃን ዚረኽቦ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ጠመተ። እታ መንግስቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ገነታዊት ምድሪ ኽትገዝእ እያ።—ማቴ. 6:10፣ ራእ. 7:4፣ 20:6

2, 3. ጳውሎስ ነቲ ዓስቢ ሰማያዊ ህይወት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ነይሩ፧

2 ጳውሎስ ነቲ ዓስቢ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ። . . . ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ” በለ። (ፊል. 3:7, 8) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ እቲ ሓቂ ምስ ተማህረ፡ ነቲ መብዛሕትኦም ሰባት ኣገዳሲ ገይሮም ዚቘጽርዎ ኸም መዓርግ፡ ሃብቲ፡ ሞያ፡ ዝና ዝኣመሰለ ነገራት ከም ጐሓፍ ቈጸሮ።

3 ጳውሎስ ካብ ሽዑ ንደሓር ብሓቂ ኣገዳሲ ገይሩ ዝርእዮ ዝነበረ፡ እቲ ብዛዕባ የሆዋን ክርስቶስን ዝረኸቦ ኽቡር ፍልጠት እዩ። የሱስ ብዛዕባ እዚ ኣብቲ ናብ ኣምላኽ ዘቕረቦ ጸሎት፡ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃ. 17:3) ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ 3:14፡ “ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ” ምባሉ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረክብ ልባዊ ባህጊ ኸም ዝነበሮ የርኢ። እወ፡ ኣዒንቱ ናብቲ ኣብ ሰማይ ከም ኣባል መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ዚረኽቦ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት የተኵራ ነበራ።

ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር

4, 5. ነዞም ሎሚ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እንታይ ዓስቢ ተዳልዩሎም ኣሎ፧

4 መብዛሕትኦም እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ዚመርጹ ሰባት፡ ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ኪጽዕሩ ኣለዎም። (መዝ. 37:11, 29) የሱስ እዚ ተስፋ እዚ ብርግጽ ኪፍጸም ምዃኑ ኺሕብር ከሎ፡ “ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴ. 5:5) ከምቲ ኣብ መዝሙር 2:8 ተሓቢሩ ዘሎ፡ እቲ ብቐዳምነት ንምድሪ ዚወርስ የሱስ እዩ፣ ምስኡ ዀይኖም ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ 144,000 ገዛእቲ እውን ኪህልዉ እዮም። (ዳን. 7:13, 14, 22, 27) እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኸም ኣባጊዕ ተመሲሎም ዘለው ሰባት እውን፡ ነቲ ‘ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወሎም’ ምድራዊ ኽፋል መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርሱ እዮም። (ማቴ. 25:34, 46) እዚ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ እቲ ነዚ እተመባጽዐ ኣምላኽ፡ “ዘይሕሱ” እዩ። (ቲቶ. 1:2) መብጽዓታት ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ከምቲ ንእያሱ ዝነበሮ እምንቶ ኺህልወና ይኽእል እዩ። ንሱ ንእስራኤላውያን፡ “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ . . . ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ እኳ ኣይወደቐን” በሎም።—እያ. 23:14

5 ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም እትህሉ ህይወት፡ ከምታ ሎሚ ዘላ ዘይተዕግብ ህይወት ኣይኰነትን። ውግእን ገበንን ድኽነትን ምጕዳል ፍትሕን ሕማምን ሞትን ዘይብላ ኣዝያ እተፈልየት ህይወት እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዚነብሩ ሰባት ፍጹም ጥዕና ሃልይዎም ኣብታ ናብ ገነት እትቕየር ምድሪ ኺነብሩ እዮም። እታ ሽዑ እትህሉ ህይወት ካብ እንጽበዮ ንላዕሊ እተዕግብ እያ ኽትከውን። እወ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ደስ እተብል ክትከውን እያ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ዓስቢ ዀን እዩ!

6, 7. (ሀ) የሱስ ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም እንታይ ከም ዚፍጸም ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቶም ዝሞቱ እውን እንተ ዀኑ ንህይወት ከም ብሓድሽ ዚጅምርዋ ብኸመይ እዮም፧

6 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መላእ ሓዳስ ዓለም እንታይ ዜደንቕ ነገራት ከም ዚፍጸም ንኼርኢ፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ሓይሊ ሃቦ። ንኣብነት፡ የሱስ ን38 ዓመት ለሚሱ ንዝነበረ ሰብኣይ ብእግሩ ኪኸይድ ነገሮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ሰብኣይ ብእግሩ ኸም ዝኸደ ይነግረና። (ዮሃንስ 5:5-9 ኣንብብ።) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ምስ ሓደ “ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ” ተራኸበ፡ ኣሕወዮ ድማ። ጸኒሑ፡ እዚ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ ዘሕወዮ ሰብ ምስ ተሓትተ፡ “ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን። እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ” ኢሉ መለሰ። (ዮሃ. 9:1, 6, 7, 32, 33) የሱስ ነዚ ዅሉ ኺገብር ዝኸኣለ፡ ኣምላኽ ሓይሊ ስለ ዝሃቦ እዩ። ኣብ ዝኸዶ ዘበለ፡ “ምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮም።”—ሉቃ. 9:11

7 የሱስ ንሕሙማትን ቈራያትን ኬሕዊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምዉታት እውን ኬተንስእ ክኢሉ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ጓል 12 ዓመት ምስ ሞተት፡ ወለዳ ብሓዘን ተዋሕጡ። የሱስ ግን፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ፡ እብለኪ አሎኹ” በላ። ከምቲ ዝበላ ኸኣ ተንስአት። ንወለዳን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን እተሰምዖም ስምዒት ክትግምቶ ትኽእልዶ፧ (ማርቆስ 5:38-42 ኣንብብ።) ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ብምዃኑ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ምስ ተንስኡ፡ “ዓብዪ ምግራም” ኪህሉ እዩ። (ግብ. 24:15፣ ዮሃ. 5:28, 29) እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብታ ዚትንስኡላ ግዜ ኣትሒዞም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ብምሓዝ ንህይወት ከም ብሓድሽ ኪጅምርዋ እዮም።

8, 9. (ሀ) ብግዜ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ፡ እቲ ኻብ ኣዳም እተወርሰ ሓጢኣት እንታይ ኪኸውን እዩ፧ (ለ) እቶም ዝሞቱ ብመሰረት እንታይ እዮም ኪፍረዱ፧

8 እቶም ዚትንስኡ፡ ህይወት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ብሰሪ እቲ ቕድሚ ሙማቶም ዝገበርዎ ሓጢኣት ኣይኪዅነኑን እዮም። (ሮሜ 6:7) ብግዜ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ፡ ጥቕምታት እቲ መስዋእታዊ በጃ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ፡ እዙዛት ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም፣ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ካብ ኵሉ ሳዕቤናት ሓጢኣት ኣዳም ምሉእ ብምሉእ ናጻ ኪዀኑ እዮም። (ሮሜ 8:21) የሆዋ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።” (ኢሳ. 25:8) ቃል ኣምላኽ፡ “መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ” ይብል እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዚህልዉ ሰባት፡ ሓድሽ ሓበሬታ ኸም ዚወሃቦም ዚሕብር እዩ። (ራእ. 20:12) ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር ከላ፡ “እቶም ኣብ ዓለም ዚነብሩ ጽድቂ ይመሀሩ እዮም።”—ኢሳ. 26:9

9 እቶም ዚትንስኡ ኣብቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስዎ ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ንሳቶም ዝገበርዎ ምርጫ ተመርኲስካ ኺፍረዱ እዮም። ራእይ 20:12 በቲ ድሕሪ ትንሳኤኦም ዚገብርዎ ተግባር ከም ዚፍረዱ ኽትገልጽ ከላ፡ “እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ” ትብል። እዝስ ፍትሕን ምሕረትን ፍቕርን የሆዋ ዜርኢ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ኣብነት ኰን እዩ! ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብዛ ኣረጊት ዓለም ዘሕለፍዎ መሪር ነገራት “ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ።” (ኢሳ. 65:17) ዚሃንጽ ሓድሽ ሓበሬታ ስለ ዚህሉን ህይወት ብሰናይ ነገራት ስለ እትምላእን፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ነገራት ኣይኪጭነቑን እዮም። እቲ ዝሓለፈ ተመክሮታት ፈጺሙ ኺርሳዕ እዩ። (ራእ. 21:4) እዚ ኣብቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ “ብዙሓት ሰብ” እውን ኪፍጸም እዩ።—ራእ. 7:9, 10, 14

10. (ሀ) ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ከመይ ዝበለ ህይወት ኪህሉ እዩ፧ (ለ) ናብቲ ዓስቢ ንኽትጥምት እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

10 ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም፡ ሰባት ኣይኪሓሙን፡ ኣይኪሞቱን ድማ እዮም። “ሓደ እኳ፡ [“ሕሙም፡” ትርጕም 1990] እየ፡ ኣይብልን።” (ኢሳ. 33:24) ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ኣብታ ሓዳስ ምድሪዚነብሩ ሰባት፡ እተደንቕ ተወሳኺት መዓልቲ ናይ ምንባር ሃንቀውታ ሒዞም ብምሉእ ጥዕና ኺትንስኡ እዮም። ዜዕግብ ዕዮ ኺዓዩን ምስቶም ዚሓልዩሎም ሰባት ግዜ ኼሕልፉን ድማ ብህንጥዮት ኪጽበዩ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ህይወት ብሓቒ ዜደንቕ ዓስቢ እዩ! ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 33:24፣ 35:5-7 ዚርከብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ዘይተንብቦ፧ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ ኣእትዋ። ከምኡ ምግባርካ ናብቲ ዓስቢ ንኽትጥምት ኪሕግዘካ እዩ።

ካብቲ ዓስቢ ምስጋል

11. ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ኣጀማምራ ግዝኣት ሰሎሞን ግለጽ።

11 ብዛዕባ እቲ ዓስቢ ምስ ተመሃርና፡ ካብኡ ኸነስግል ስለ እንኽእል፡ ንኸነተኵር ኣበርቲዕና ኽንዓዪ ኣሎና። ንኣብነት፡ ሰሎሞን ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ምስ ነገሰ፡ ነቲ ህዝቢ ብቕንዕና ምእንቲ ኺፈርድ ምስትውዓልን ምርዳእን ኪህቦ ናብ ኣምላኽ ብትሕትና ጸለየ። (1 ነገስት 3:6-12 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ ውጽኢቱ እንታይ ከም ዝነበረ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን . . . ሀቦ” ይብል። እወ፡ “ጥበብ ሰሎሞንሲ ኻብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኵሉ ጥበብ ግብጽን በዝሔ።”—1 ነገ. 4:29-32

12. የሆዋ ነቶም ኣብ እስራኤል ዚነግሱ እንታይ መጠንቀቕታ ሃቦም፧

12 ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ ሓደ ሰብ ምስ ነገሰ፡ ‘ኣፍራስ ከየብዝሕ፡ ልቡ ምእንቲ ኸይሰድዕ ድማ ኣንስቲ ኸየብዝሕ’ ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 17:14-17) ኣፍራስ ዜብዝሕ ንጉስ፡ ነቲ ህዝቢ ንምዕቋብ ኣብ የሆዋ ዘይኰነስ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኸም ዚምርኰስ ይሕብር። ኣንስቲ ምብዛሑ እውን ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ ገሊአን ካብቶም ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እተጸምዱ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ኣረማውያን ኣህዛብ ዝመጻ ኪዀና ይኽእላ እየን፣ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ነቲ ንጉስ ካብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ የሆዋ ኼስግላኦ ይኽእላ እየን።

13. ሰሎሞን ካብቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ ነገራት ዘግለሰ ብኸመይ እዩ፧

13 ሰሎሞን ነቲ መጠንቀቕታታት ኣየቕለበሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ነገስታት ኪገብርዎ ዘይግብኦም የሆዋ ኣነጺሩ ዝገለጾ ነገራት ገበረ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን ኣከበ። (1 ነገ. 4:26) ብዘይካዚ፡ 700 ኣንስትን 300 ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ፡ መብዛሕትአን ከኣ ካብቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ኣረማውያን ኣህዛብ ዝመጻ እየን። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፡ “ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ . . . ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን።” ኣብቲ እተን ጓኖት ኣንስቱ ዘላለያኦ ዜፈንፍን ናይ ሓሶት ኣምልኾ እቶም ኣረማውያን ኣህዛብ ተጸምደ። ብሰንኪ እዚ ድማ የሆዋ ‘ነታ መንግስቲ ብርግጽ ካብ ሰሎሞን ኪቐዳ’ ምዃኑ ተዛረበ።—1 ነገ. 11:1-6, 11

14. ሰሎሞንን ህዝቢ እስራኤልን ዘርኣይዎ ዘይተኣዛዝነት እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧

14 ሰሎሞን፡ ወኪል እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃን ክቡር መሰል ምዃኑ ረስዖ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣተወ። ድሕሪ ግዜ ድማ ብምሉኡ እቲ ህዝቢ ኣብ ክሕደት ወደቐ፡ ብሰሪ እዚ ኸኣ ብ607 ቅ.ክ. ጠፍአ። ኣብ መወዳእታ ኣይሁድ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እኳ እንተ ተመልሱ፡ ዘመናት ጸኒሑ የሱስ፡ “ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ፡ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ” በሎም። ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ዀነ። የሱስ፡ “እንሆ፡ ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” ኢሉ ነገሮም። (ማቴ. 21:43፣ 23:37, 38) እቶም ህዝቢ ብዘርኣይዎ ዘይተኣማንነት፡ ወኪል እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ሰኣኑ። ብ70 ድ.ክ. ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ኣጥፍእዋ፡ መብዛሕትኦም እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ ከኣ ባሮት ኰኑ።

15. ካብቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ብምስጋል ዝመጸ ኸም ኣብነት ዚጥቀሱ ሰባት ጥቐስ።

15 ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት የሱስ ነበረ። ነቲ የሱስ ዝሃቦ ዜደንቕ ትምህርትታት ሰሚዑ፡ ብሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተኣምራት ኪገብር ከሎ ድማ ርእዩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ልቡ ኣይሓለወን። እቲ የሱስን 12 ሃዋርያቱን ገንዘብ ዜቐምጡሉ ዝነበሩ ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ‘ሰራቒ እዩ ነይሩ። ካብቲ ኣብቲ ማሕፉዳ ዝኣተወ እውን የልዕል ነበረ።’ (ዮሃ. 12:6) ንየሱስ ብ30 ቕርሺ ኪኽሕዶ ምስቶም ግቡዛት ሊቀ ኻህናት ምስ ተመሻጠረ፡ ስስዐኡ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጽሐ። (ማቴ. 26:14-16) ካልእ ኣቓልቦኡ እተሰርቀ ሰብ ከኣ እቲ መገላግልቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበረ ዴማስ እዩ። ዴማስ ልቡ ኣይሓለወን። ጳውሎስ፡ “ዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሐደገኒ” በለ።—2 ጢሞ. 4:10፣ ምሳሌ 4:23 ኣንብብ።

ንነፍሲ ወከፍና ዚኸውን ትምህርቲ

16, 17. (ሀ) እቲ ዜጋጥመና ምጽራር ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓያል፧ (ለ) ንዝዀነ ይኹን ሰይጣን ዜምጽኣልና ፈተናታት ምቅዋሙ ንኽንክእል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

16 ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነታት ኣርዚኖም ኪርእይዎ ኣለዎም፣ ከመይሲ፡ “እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ።” (1 ቈረ. 10:11) ሎሚ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኢና እንነብር ዘለና።—2 ጢሞ. 3:1, 13

17 እቲ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ፡ “ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ” ይፈልጥ እዩ። (2 ቈረ. 4:4፣ ራእ. 12:12) ንኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ኸም ክርስትያናት መጠን ዘለዎም ንጽህና ንምብልሻው ዚከኣሎ ዘበለ ዅሉ ኺገብር እዩ። ሰይጣን ነዛ ዓለም እዚኣን ነቲ ፕሮፓጋንዳ ንምዝርጋሕ እትጥቀመሉ ኣገባባትን ይቈጻጸሮ እዩ። ይኹን እምበር፡ ህዝቢ የሆዋ ኻብቲ ናቱ ዝበለጸ ሓይሊ፡ ማለት “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኣለዎም። (2 ቈረ. 4:7) ንዝዀነ ይኹን ሰይጣን ዜምጽኣልና ፈተናታት ንምቅዋም ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ኣብዚ ኣምላኽ ዚህበና ሓይሊ ኽንውከል ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ የሆዋ ‘ንዚልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚህቦም’ ብምትእምማን ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኣሎ።—ሉቃ. 11:13

18. ብዛዕባ እዛ ዓለም እዚኣ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧

18 ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ስርዓት ሰይጣን ከም ዚጠፍእ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን ከም ዚድሕኑ ብምፍላጥና እውን ተተባቢዕና ኢና። “ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” (1 ዮሃ. 2:17) ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደ ኻብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብዚ ስርዓት እዚ ኻብቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ዚበልጽ ነባሪ ጥቕሚ ኸም ዘሎ ገይሩ ኺሓስብሲ ኣየ ኽንደይ ዕሽነት ኰን እዩ! እዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም፡ ከም ሓንቲ እትጥሕል ዘላ መርከብ እያ። የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ንምዕቋብ ከም ሓንቲ “ህይወት እተድሕን ጃልባ” ዝኣመሰለት ክርስትያናዊት ጉባኤ ሂብዎም ኣሎ። ክርስትያናት ናብታ ሓዳስ ዓለም ኣብ ዚጐዓዙሉ እዋን ኣብቲ፡ “እኩያት ኪጸንቱ እዮም፡ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም” ዚብል መብጽዓ እምንቶ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም። (መዝ. 37:9) ስለዚ እምበኣር፡ ናብዚ ዜደንቕ ዓስቢ እዚ ጠምት!

ትዝክሮዶ፧

• ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ እተነብረሉ ዓስቢ እንታይ ተሰምዖ፧

• እቶም ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ በየናይ መሰረት እዮም ዚፍረዱ፧

• ሕጂ እንታይ ጥበባዊ ስጕምቲ ኢኻ ኽትወስድ ዘሎካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ነቲ ዓስቢ ኸም ዝረኸብካዮ ጌርካ ኣብ ኣእምሮኻ ትስእሎዶ፧