ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንቕሑ”

“ንቕሑ”

“ንቕሑ”

“ግናኸ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። . . . ንጸሎትውን ንቕሑ።” —1 ጴጥ. 4:7

1. ቀንዲ መልእኽቲ ትምህርቲ የሱስ እንታይ እዩ ነይሩ፧

 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ቀንዲ መልእኽቲ ትምህርቱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነበረት። የሆዋ ነዛ መንግስቲ እዚኣ ተጠቒሙ ንልዑላውነቱ ኼረጋግጽን ስሙ ኪቕድስን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ናብ ኣምላኽ ኪጽልዩ ዝመሃሮም። (ማቴ. 4:17፣ 6:9, 10) እዛ መንግስቲ እዚኣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንናይ ሰይጣን ዓለም ከተጥፍኣ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ መላእ ምድሪ ኸም እተፈጸመ ድማ ብሓላፍነት ክትቈጻጸር እያ። ከምቲ ዳንኤል እተነበዮ፡ መንግስቲ ኣምላኽ “ንዅለን እዘን [ሕጂ ዘለዋ] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፡ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”—ዳን. 2:44

2. (ሀ) የሱስ ኣብ ሓይሊ ስልጣኑ ኸም ዘሎ ሰዓብቱ ብኸመይ ኪፈልጡ ይኽእሉ ነበሩ፧ (ለ) እቲ ምልክት እንታይ ካልእ ነገራት እዩ ዚሕብር፧

2 ሰዓብቲ የሱስ ብዛዕባ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ኣዝዮም ይግደሱ ስለ ዝነበሩ፡ ንየሱስ፡ “ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴ. 24:3) ክርስቶስ ኣብ ሓይሊ ስልጣኑ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዘይርአ ኽነሱ፡ ዚርአ ምልክታት ግን ነበረ። ከምቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብትንቢት ተገሊጹ ዘሎ፡ እዚ ምልክት እዚ እተፈላለየ መዳያት ዝሓቘፈ እዩ። ስለዚ፡ እቶም እዚ ምልክት እዚ ኺፍጸም ከሎ ብህይወት ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ፡ ንሱ ኣብ ሰማይ ኪገዝእ ከም ዝጀመረ ኼስተውዕሉ ይኽእሉ ነበሩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ተባሂሉ ዘሎ እዋን ከም ዝጀመረ ዚሕብር እዩ ነይሩ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ንምድሪ ዓብሊልዋ ዘሎ እኩይ ስርዓት ዜመልክት እዩ።—2 ጢሞ. 3:1-5, 13፣ ማቴ. 24:7-14

ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንቑሕ ኩን

3. ክርስትያናት ንቑሓት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

3 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ግናኸ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 4:7) ሰዓብቲ የሱስ፡ ኣብ ሓይሊ ስልጣኑ ኸም ዘሎ ንዚሕብር ፍጻመታት እዛ ዓለም ብምዕዛብ፡ ንቑሓት ኪዀኑ ኣለዎም። መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ እናቐረበ ኣብ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዝያዳ ንቑሓት ኪዀኑ ይግባእ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እቲ ብዓል ቤት [ነዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ኪፈርድ] መኣዝ ከም ዚመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ . . . ንቕሑ” በሎም።—ማር. 13:35, 36

4. ኣብ መንጎ እቶም ክፍሊ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝዀኑ ሰባትን ኣገልገልቲ የሆዋን ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ግለጽ። (ሳጹን እውን ርአ።)

4 ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን እዮም ዘለዉ፡ እቲ ኣብዛ ዓለም ዜጋጥም ፍጻመታት እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ኸኣ ብንቕሓት ኣይከታተሉን እዮም። ክርስቶስ ኣብ ሓይሊ ስልጣኑ ኸም ዘሎ እውን ኣየስተውዕሉን እዮም። ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ግን ንቑሓት እዮም፡ ናይ ሓቂ ትርጕም እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዘጋጠመ ነገራት እውን ኣስተውዒሎምዎ እዮም። ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ንዕኡ ስዒቡ ዘጋጠመ ፍጻመታትን፡ ክርስቶስ ካብ 1914 ጀሚሩ ኣብ ሰማያዊ ሓይሊ ስልጣኑ ኸም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ ምዃኑ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 1925 ኣትሒዞም ፈሊጦም ነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ኣብ ትሕቲ ሰይጣን ዘሎ እኩይ ስርዓት ጀመረ። ብዙሓት መስተውዓልቲ ሰባት፡ ትርጕሙ ኣይረድእዎ ደኣ እምበር፡ ኣብ መንጎ እቲ ቕድሚ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበረ እዋንን ካብኡ ንነጀው ዘሎ እዋንን ዓብዪ ፍልልይ ከም ዘሎ ይግንዘቡ እዮም።—ነታ  “መዋእል ህውከት ጀመረ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

5. ንቑሓት ክንከውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ዳርጋ ንሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ኣብዛ ዓለም ዜጋጥም ዘሎ ዜስካሕክሕ ፍጻመታት፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር እዩ። የሆዋ ንክርስቶስ ነቶም ሓያላት መላእኽቲ መሪሑ ምስ ናይ ሰይጣን ዓለም ኪዋጋእ ትእዛዝ ዚህበሉ እዋን ርሑቕ ኣይኰነን። (ራእ. 19:11-21) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንቑሓት ኪዀኑ ተነጊርዎም ኣሎ። ስለዚ፡ እዚ ስርዓት እዚ ኺጠፍእ እናተጸበና፡ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። (ማቴ. 24:42) ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ኴንና ድማ ኣብ መላእ ምድሪ ሓደ ፍሉይ ዕዮ ኽንዓዪ ኣሎና።

ዓለምለኻዊ ዕዮ

6, 7. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዝደንፍዐ ብኸመይ እዩ፧

6 እቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚፍጽምዎ ዕዮ፡ ሓደ መዳይ እቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ስርዓት ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ምልክት ምዃኑ ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ እዩ። የሱስ ነቲ ኣብ እዋን መወዳእታ ዜጋጥም እተፈላለየ ነገራት ኪዝርዝር ከሎ፡ ነዚ ዓለምለኻዊ ዕዮ እውን ጠቒስዎ ነበረ። “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ኢሉ ኸኣ ተነበየ።—ማቴ. 24:14

7 ምስዚ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ዚተሓሓዝ ሓድሓደ ነጥብታት እስከ ንርአ። እተን ዳሕሮት መዓልትታት ብ1914 ኪጅምራ ኸለዋ፡ ቍጽሪ እቶም ነቲ ብስራት ዚሰብኩ ዝነበሩ ሰባት ሒደት ነበረ። ሕጂ ግን ቍጽሮም ኣዝዩ ወሲኹ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ 100,000 ዝዀና ጉባኤታት እተወደቡ ልዕሊ 7,000,000 ዝዀኑ ኣብ መላእ ምድሪ ዚሰብኩ ናይ የሆዋ መሰኽኽር ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ 10,000,000 ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ ብ2008 እተገብረ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣኪቦም እዮም። እዚ ቝጽሪ እዚ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኺወዳደር ከሎ፡ ዜደንቕ ወሰኽ እዩ ገይሩ።

8. ምጽራር፡ ስብከትና ኣሳልጦ ንኸይረክብ ኪዓግቶ ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧

8 እዚ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምጥፋኡ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ሓያል ምስክርነት ኰን እዩ ዚወሃብ ዘሎ! “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ሰይጣን ክነሱ እዩ እዚ ዅሉ ዚግበር ዘሎ። (2 ቈረ. 4:4) ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ንግዳውን ክፋላት እዛ ዓለም እዚኣ ዀነ እቲ ፕሮፓጋንዳ ንምዝርጋሕ ዚጥቀሙሉ ኣገባባት፡ ብሰይጣን እዩ ዚጽሎ። ኣብዚ ዕዮ ስብከት ዜደንቕ ዓወት ኪርከብ ዝኸኣለ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ይድግፎ ስለ ዘሎ እዩ። ስለዚ፡ ሰይጣን ደው ኬብሎ እኳ እንተ ፈተነ፡ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብዜደንቕ መገዲ ይቕጽል ኣሎ።

9. መንፈሳዊ ብልጽግናና ተኣምር ኪበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

9 ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ዘሎ ኣሳልጦ ኸምኡውን ህዝቢ የሆዋ ዚረኽብዎ ዘለዉ ዕቤትን መንፈሳዊ ብልጽግናን፡ ተኣምር ኪበሃል ይከኣል እዩ። ኣምላኽ ንህዝቡ ብምምራሕን ብምዕቋብን እንተ ዘይድግፎም ነይሩ፡ ዕዮ ስብከት ኪግበር ኣይምተኻእለን። (ማቴዎስ 19:26 ኣንብብ።) እዚ ዕዮ ስብከት እዚ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ እቶም ንኼገልግሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ንቑሓት ሰባት እናዓየየ፡ ብዓወት ከም ዚዛዘም እሞ ‘ሽዑ መወዳእታ ኸም ዚመጽእ’ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እዚ እዋን እዚ ብቕልጡፍ እናቐረበ ይመጽእ ኣሎ።

“ብርቱዕ ጸበባ”

10. የሱስ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ ብኸመይ ገለጾ፧

10 እዚ እኩይ ስርዓት እዚ፡ ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ተባሂሉ ዘሎ ኺጠፍእ እዩ። (ራእ. 7:14) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንውሓት እዚ ግዜ እዚ ኣይነግረናን እዩ፣ የሱስ ግን፡ “ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ” በለ። (ማቴ. 24:21) ነቲ ብግምት ካብ 50 ኽሳዕ 60 ሚልዮን ሰባት ዝሞቱሉ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዝኣመሰለ ድሮ እዛ ዓለም እዚኣ ዘሕለፈቶ መከራ ኽንርኢ ኸለና፡ እቲ ዚመጽእ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ ዝያዳ ዝኸፍአ ኪኸውን እዩ። ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ድማ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኺበጽሕ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ የሆዋ ነቶም ፍርዱ ዚፍጽሙ ሓይልታት ንዅሉ ኣሰር እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ስርዓት ሰይጣን ንኼጥፍኡ ኺፍንዎም እዩ።—ራእ. 16:14, 16

11, 12. እንታይ ፍጻመ እዩ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዝጀመረ ዚሕብር፧

11 ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ መዓስ ከም ዚጅምር ኣይነግረናን እዩ፣ ከም ዝጀመረ ብዛዕባ ዚሕብር ፍሉይ ፍጻመ ግን ይዛረብ እዩ። ኣብዚ ፍጻመ እዚ፡ ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኪጠፍኣ እየን። እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17ን 18ን ዚርከብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ሓንቲ ምስ ፖለቲከኛታት እዛ ምድሪ ጾታዊ ርኽሰት እትፍጽም ኣመንዝራ ተገይራ ተገሊጻ ኣላ። ራእይ 17:16፡ ፖለቲከኛታት ድሕሪ ሓጺር እዋን “ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ” ምዃኖም ትገልጽ።

12 ከምዚ ዚዀነሉ እዋን ምስ ኣኸለ፡ ኣምላኽ ‘ሓሳቡ ምእንቲ ኺገብሩ፡’ ማለት ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ምእንቲ ኼጥፍእዋ፡ ‘ኣብ ልቦም [ልቢ ፖለቲከኛታት] ኬእትወሎም’ እዩ። (ራእ. 17:17) ስለዚ፡ እዚ ጥፍኣት ካብ ኣምላኽ እዩ ዚመጽእ ኪበሃል ይከኣል እዩ። ነታ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚጻረር ሰረተ-እምነት ክትምህርን ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቱ መስጐጕቲ ኸተውርድን ዝጸንሐት ግብዝና ዝመልኣ ሃይማኖት ድማ ኪፈርዳ እዩ። ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክትጠፍእ ኣይጽበዩን እዮም። እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ግን ይጽበዩ እዮም። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ድማ ንሰባት ብዛዕባኡ ይነግሩ ኣለዉ።

13. ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብቕልጡፍ ከም ዜጋጥም ዚሕብር እንታይ እዩ፧

13 ብዙሓት ሰባት ብጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣዝዮም ኪስንብዱ እዮም። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ ገሊኦም “ነገስታት ምድሪ” እውን ከይተረፉ፡ ነቲ ጥፍኣት ኣመልኪቶም፡ “ወይለኺ፡ ወይለኺ፡ ፍርዲ ብሓንቲ ሰዓት መጺኡኪ አሎ” ኺብሉ እዮም። (ራእ. 18:9, 10, 16, 19) እታ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕመላ “ሓንቲ ሰዓት” እትብል ሓረግ፡ እዚ ፍጻመ እዚ ብቕልጡፍ ከም ዜጋጥም ትሕብር።

14. ጸላእቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኼጥቅዕዎም ምስ ጀመሩ፡ እንታይ ኪገብር እዩ፧

14 ናይ ሓሶት ሃይማኖት ድሕሪ ምጥፋኣ ቝሩብ ጸኒሑ፡ ነቶም መልእኽትታት ፍርዲ ዚነግሩ ኣገልገልቲ የሆዋ መጥቃዕቲ ኸም ዚወርዶም ንፈልጥ ኢና። (ህዝ. 38:14-16) እዚ መጥቃዕቲ እዚ ምስ ጀመረ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዜውርዱ ምስቲ ንእሙናት ህዝቡ ኸም ዜዕቍቦም መብጽዓ ዝኣተወ የሆዋ ኺጋጠሙ እዮም። የሆዋ፡ “ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እብል አሎኹ፤ . . . ኣነ [“የሆዋ፡” NW] ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም” ኢሉ ኣሎ። (ህዝቅኤል 38:18-23 ኣንብብ።) ኣብ ቃሉ፡ “እቲ ንኣኻትኩም [ንእሙናት ኣገልገልቱ] ዚትንክስ፡ መርዓት ዓይኑ እዩ ዚትንኪ” ዚብል ንረክብ። (ዘካ. 2:8) ስለዚ፡ ጸላእቱ ንኣገልገልቱ ዓለምለኻዊ መጥቃዕቲ ኼውርዱሎም ምስ ጀመሩ፡ ምላሽ ኪህብ እዩ። ነቲ ብርቱዕ መከራ ብኣርማጌዶን ዚዛዝም ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። ሓያላት መላእኽቲ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ክርስቶስ ኰይኖም፡ ኣብ ልዕሊ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ንፍርድታት የሆዋ ኺፍጽሙ እዮም።

መወዳእታ ምቕራቡ ብኸመይ ኪጸልወና ይግባእ፧

15. መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኸም ዝቐረበ ምፍላጥና ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧

15 መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት ብቕልጡፍ ይቐርብ ከም ዘሎ ምፍላጥና፡ ብኸመይ ኪጸልወና ይግባእ፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ደጊም እዚ ዅሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ፡ . . . ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥ. 3:11) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ኣካይዳና ምስ ብቕዓታት ኣምላኽ ከም ዚሰማማዕን ህይወትና ንፍቕሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ፍርሃት ኣምላኽ ዚሓቍፍ ከም ዝዀነን ንምርግጋጽ ተጠንቂቕና ኽንምርምር ከም ዘሎና ዜጕልሓ እየን። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ከኣ፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝከኣለካ ምግባር የጠቓልል። ጴጥሮስ፡ “ግናኸ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። . . . ንጸሎትውን ንቕሑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 4:7) የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱን ብዓለምለኻዊት ጉባኤኡን ኣቢሉ መምርሒ ንኺህበና ኸየባተኽና ናብኡ ምስ እንጽሊ፡ ክንቀርቦን ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ኸነርእን ንኽእል።

16. ንምኽሪ ኣምላኽ ጠቢቕና ኽንስዕቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 ኣብዚ ሓደገኛ እዋን እዚ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ፡ “እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዐዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ” ዚብል ምኽሪ ጠቢቕና ኽንስዕቦ ኣሎና። (ኤፌ. 5:15, 16) እከይ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ይውስኽ ኣሎ። ሰባት ፍቓድ የሆዋ ንኸይገብሩ ወይ ከኣ ናብ ካልእ ንኼስግሉ፡ ሰይጣን ብዙሕ ነገራት ምሂዙ እዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ነዚ ንፈልጦ ኢና፣ ዝዀነ ይኹን ነገር ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ኬጕድሎ ድማ ኣይንፈቅድን ኢና። ድሕሪ ሓጺር እዋን እንታይ ከም ዜጋጥም እውን ንፈልጥ ኢና፣ ኣብ የሆዋን ኣብ ዕላማታቱን ከኣ ኢና እንውከል።—1 ዮሃንስ 2:15-17 ኣንብብ።

17. እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ሰባት፡ ትንሳኤ ኪኸውን ከሎ ኸመይ ከም ዚስምዖም ግለጽ።

17 “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኣምላኽ ንምዉታት ናብ ህይወት ከም ዚመልሶም ዝኣተዎ ዜደንቕ መብጽዓ ብርግጽ ኪፍጸም እዩ። (ግብ. 24:15) ነታ “ትንሳኤ ኪኸውን” እትብል ሓያል መግለጺት እሞ ኣስተብህለላ! የሆዋ ቓል ስለ ዝኣተወ፡ ዋላ ሓንቲ ዜጠራጥር የብሉን። ኢሳይያስ 26:19፡ “ምውታትካ ህያዋን ኪዀኑ፡ . . . ምድሪውን ንምዉታት ከተውጽኦም እያ እሞ፡ ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡ ንቕሑ እልል ከኣ በሉ” ኢላ ትመባጻዕ። ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ፡ እዚ ቓላት እዚ ናይ መጀመርታ ፍጻሜኡ ረኸበ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መጻኢ ኣብ ሓዳስ ዓለም ከም ዚፍጸም የረጋግጸልና። ዝሞቱ ሰባት እንደገና ምስቶም ዜፍቅርዎም ኪራኸቡ ኸለዉ ኸመይ ዝኣመሰለ ዓብዪ ሓጐስ ኰን እዩ ኺህሉ! እወ፡ መወዳእታ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ቀሪቡ እዩ፡ እታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም እውን ቀሪባ እያ። ንቑሓት ክንከውንሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ!

ትዝክሮዶ፧

• ቀንዲ መልእኽቲ ትምህርቲ የሱስ እንታይ ነበረ፧

• ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ሰፊሑ ኣሎ፧

• ንቑሓት ክንከውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ካብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ዚርከብ መብጽዓ እንታይ ዜተባብዕ ነገር ረኺብካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 መዋእል ህውከት ጀመረ

ብ2007 ኣለን ግሪንስፓን ዘ ኤጅ ኦቭ ተርብዩላንስ፡ ኣድቬንቸርስ ኢን ኤ ኒው ዎርልድ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣሕተመ። ዳርጋ ን20 ዓመት ኣቦ መንበር እቲ ንማእከላይ ስርዓት ባንክ ዚቈጻጸር ሽማግለ ፈደራላዊ ማዕከን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዀይኑ ሰሪሑ እዩ። እቲ ቕድሚ 1914 ዝነበረ ዅነታት ዓለም ካብቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽሳዕ ክንደይ እተፈላለየ ኸም ዝዀነ ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦

“እታ ቕድሚ 1914 ዝነበረት ዓለም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ሰብኣውነትን ስልጣነን ትግስግስ ከም ዝነበረት፡ ቅድሚኡ ዝነበረ ጸብጻባት ይሕብር፣ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኣብ ፍጽምና ኪበጽሕ ዚኽእል እዩ ዚመስል ነይሩ። ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ዘመን፡ እቲ ዜስካሕክሕ ንግዲ ባርያ ኣቋረጸ። ጭከና ዝበዝሖ ዓመጽ እናነከየ ኸደ። . . . ኣብ መላእ ዓለም ዚግበር ዝነበረ ምህዞ ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ዘመን እውን ቀጺሉ እዩ፡ እዚ ኸኣ መገዲ ባቡር፡ ተሌፎን፡ መብራህቲ ኤለክትሪክ፡ ሲነማ፡ ማካይን፡ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ምሾት ኣቕሑ ገዛ ኸም ዚህሉ ገበረ። ሕክምናዊ ስነ-ፍልጠትን እተመሓየሸ ኣመጋግባን ዝርጋሐ ዚስተ ማይን ንዕድመ ሰብ ወሲኽሉ እዩ፣ . . . ኵሉ ሰብ ድማ እዚ ነገራት እዚ ፈጺሙ ዘይቅየር ይመስሎ ነበረ።”

ይኹን እምበር . . . “ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነትን ስልጣነን ዘውረዶ ዕንወት፡ ካብቲ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዘውረዶ ኣካላዊ ዕንወት ዝኸፍአ ነበረ፣ ከመይሲ፡ እቲ ፈለማ እተገብረ ውግእ፡ ሓሳብ እዩ ኣጥፊኡ። ኣብተን ቅድሚ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበራ ዓመታት፡ መጻኢ ደቂ ሰብ ዋላ ሓንቲ ጸገም ዘይብሉን ገደብ ኣልቦን ይመስል ነበረ፡ ነዚ ኸኣ ክሓኮ ኣይክእልን እየ። ሎሚ ዘሎና ኣረኣእያ ኻብቲ ቕድሚ ሓደ ዘመን ዝነበረና ኣዝዩ እተፈልየ እዩ፣ ኰይኑ ግን፡ ብዝያዳ ምስ ህሉው ኵነታት ዚሰማማዕ እዩ። ሽበራን ዋዒ ምድርን . . . ነዚ ሕጂ ንህይወት ዜደንፍዕ ዘሎ ምዕባለ ኸምቲ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ነቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ምዕባለ ዝገበሮ ይገብሮ ደዀን ይኸውን፧ ርግጸኛ ዀይኑ ኺምልሶ ዚኽእል የልቦን።”

ግሪንስፓን ተማሃራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ቤንጃሚን ኤም. ኣንደርሰን (1886-1949) ዝስሙ ናይ ቍጠባ ፕሮፌሰር ከምዚ ኸም ዝበለ ገሊጹ ኣሎ፦ “ነታ ቕድሚ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበረት ዓለም ዚዝክርዋን ዚርድእዋን ሰባት፡ ብዓብዪ ናፍቖት እዮም ዚዝክርዋ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ካብ ሽዑ ንደሓር ዘይተራእየ ድሕንነት ነበረ።”—ኢኮኖሚክስ ኤንድ ዘ ፓብሊክ ዌልፌር

እታ ብ2006 እተሓትመት ኤ ዎርልድ ኣንዳን ዘርእስታ ብጀራልድ ጀይ. መየር እተዳለወት መጽሓፍ እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ክትህብ ከላ ኸምዚ በለት፦ “መብዛሕትኡ ግዜ ታሪኻዊ ፍጻመታት ‘ንዅሉ ነገራት ከም ዝቐየረ’ ይንገር እዩ። እዚ ኣብቲ ዓብዪ ውግእ [1914-1918] ጥራይ እዩ ተራእዩ። እቲ ውግእ ብሓቂ ንዅሉ ነገራት ቀይርዎ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንዶባትን ንመንግስታትን ንዕድል ሃገራትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሰባት ብዛዕባ ዓለምን ገዛእ ርእሶምን ዘለዎም ኣረኣእያ እውን ቀይርዎ እዩ። ነታ ቕድሚ እቲ ውግእ ዝነበረት ዓለም ካብታ ድሕሪኡ ዝመጸት ብምፍላይ፡ ዓብዪ ጋግ ፈጠረ።”

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ነቶም ሓያላት መላእኽቱ ኺፍንዎም እዩ