ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ብሕብረት ክንውድሶ ይግባእ

ንየሆዋ ብሕብረት ክንውድሶ ይግባእ

ንየሆዋ ብሕብረት ክንውድሶ ይግባእ

“ሃሌሉያ።”—መዝ. 111:1

1, 2. እታ “ሃሌሉያ” እትብል ቃል እንታይ ማለት እያ፧ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽከ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ኣላ፧

 “ሃሌሉያ!” እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ብብዝሒ ትስማዕ እያ። ገሊኦም ሰባት ኣብ መዓልታዊ ዝርርባቶም ነዛ ቓል እዚኣ ይጥቀሙላ እዮም። ነቲ ሒዛቶ ዘላ ቕዱስ ትርጕም ዚርድእዎ ግን ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም። ብዘይካዚ፡ ነዛ ቓል እዚኣ ዚጥቀሙላ ብዙሓት ሰባት፡ ኣነባብራኦም ንኣምላኽ ዜኽብር ኣይኰነን። (ቲቶ. 1:16) ሓደ መዝገበ-ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ሃሌሉያ” እትብል ቃል ኪገልጻ ኸሎ፡ “ጸሓፍቲ እተፈላለየ መዝሙራት፡ ኵሉ ንየሆዋ ኣብ ምውዳስ ኪሓብሮም ንምዕዳም ዚጥቀሙላ ቓል” ኢልዋ ኣሎ። ብዙሓት ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ እውን “ሃሌሉያ” እትብል ቃል፡ “‘ንያህ ወድስዎ’ [ማለት] ንየሆዋ” ዚብል ትርጕም ከም ዘለዋ ሓቢሮም ኣለዉ።

2 ስለዚ ድማ፡ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነታ ኣብ መዝሙር 111:1 እትርከብ ቃል፡ “ንያህ ወድስዎ!” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ኣብቲ ኣብ ራእይ 19:1-6 ዚርከብ መወዳእታ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ኣኸለ ዚዝረብ መግለጺ ሓጐስ፡ እዛ ቓል እዚኣ ብግሪኽ ኣርባዕተ ሳዕ ትርከብ። እቲ ነገር እቲ ምስ ተፈጸመ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ነታ “ሃሌሉያ” እትብል ቃል ብኣኽብሮት ንኺጥቀሙላ ፍሉይ ምኽንያት ኪህልዎም እዩ።

ዓብዪ ግብርታቱ

3. ኣዘውቲርና እንእከበሉ ቐንዲ ዕላማ እንታይ እዩ፧

3 እቲ ንመዝሙር 111 ዝጸሓፋ ሰብ፡ ንየሆዋ ብሕብረት ክንውድሶ ዚግብኣሉ ብዙሕ ምኽንያታት ጠቒሱ ኣሎ። ቍጽሪ 1 ኸምዚ ትብል፦ “ንእግዚኣብሄር ብምኽሪ ቕኑዓትን ማሕበርን ብምሉእ ልበይ ኤመስግኖ አሎኹ።” ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከምኡ እዩ ዚስምዖም። ኣብ ጉባኤታት ኰነ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣዘውቲርና እንእከበሉ ቐንዲ ዕላማ፡ ንየሆዋ ንምውዳስ እዩ።

4. ሰባት ንግብርታት የሆዋ ብኸመይ ኪምርምርዎ ይኽእሉ፧

4 “ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፡ እቶም ብእኡ ዚሕጐሱ ዅሎም ይምርምርዎ እዮም።” (መዝ. 111:2) ነታ “ይምርምርዎ” እትብል ቃል እሞ ኣስተብህለላ። ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እታ ጥቕሲ ነቶም ንግብርታት ኣምላኽ “ብዕቱብን ብተወፋይነትን ዜስተንትኑሉን ዜጽንዕዎን” ሰባት ከተመልክት ትኽእል እያ። ፍጥረታት የሆዋ፡ ዜደንቕ ዕላማ ኣለዎ። ምድርና፡ ሙቐት፡ ብርሃን፡ ለይትን መዓልትን፡ ወቕትታትን ምልኣት ባሕርን ከም ዚህልዋ ንምግባር፡ የሆዋ ንጸሓይን ንምድርን ንወርሕን ኣብ ግቡእ ቦታአን ኣንቢርወን ኣሎ።

5. ሰብ ብዛዕባ ዩኒቨርስ ዘለዎ ምርዳእ ምስፋሑ፡ እንታይ እዩ ኸም ዚንጽር ገይሩ፧

5 ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ እቲ ምድርና ኣብ ስርዓተ-ጸሓይ ዘለዋ ኣቀማምጣ ዀነ ብዛዕባ እቲ ወርሒ ዘለዋ ፍጹም ዝዀነ ምሕዋርን መጠንን ርዝነትን ብዙሕ ፈሊጦም ኣለዉ። እዚ ሰማያዊ ኣካላት ዘለዎ ኣሰራርዓን ምትእስሳርን፡ ባህ ዜብልን ስሩዕን ለውጢ ወቕትታት ንኺህሉ የኽእል። ብዛዕባ እቲ ብውሕሉል መገዲ እተነድፈ ተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ዩኒቨርስ እውን ብዙሕ ፍልጠት ኪርከብ ተኻኢሉ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ናይ መካኒካዊ ምህንድስና ፕሮፌሰር፡ ኣብ ሓንቲ “‘ብልክዕ’ እተነድፈ ዩኒቨርስ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ሓሳቦም ስለምንታይ ከም ዝቐየሩን ዩኒቨርስ ብዕድል ከም ዝመጸ ንምእማን ስለምንታይ ከም ዘሸገሮምን ብቐሊሉ ኺርድኣካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እታ ብጥንቃቐ እተዳለወት መንበሪትና ዝያዳ ብእተረዳእና መጠን፡ መስተውዓሊ ነዳፊ ኸም ዘሎ ዜእምነና መርትዖ ንረክብ ኢና።”

6. ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንሰብ ዝፈጠረሉ መገዲ ኸመይ ይስምዓካ፧

6 ካልእ ዓብዪ ግብርታት ፍጥረት ዚረኣየሉ መዳይ፡ ኣምላኽ ንዓና ዝፈጠረሉ መገዲ እዩ። (መዝ. 139:14) ንሰባት ኪፈጥሮም ከሎ፡ ኣእምሮን ምሉእ ዘይጕዱል ኣካላትን ንኺዓዩ ዜኽእሎም ዓቕምን ሂብዎም እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ተኣምር ዝዀነ ናይ ምዝራብን ምስማዕን ኰነ ናይ ምጽሓፍን ምንባብን ክእለትና፡ ካብ ኣምላኽ እዩ ተዋሂቡና። ብዙሓት ሰባት ነዚ ኽእለታት እዚ ኣለዎም። ዜደንቕ ቁመና ድማ ኣሎካ። ሰብነትካ እተሰርሓሉ ንድፍን ሚዛኑን፡ ከምኡውን መካኒካዊ ዀነ ከሚካዊ ኣሰራርሓኡ፡ ብሓቂ ዜስተንክር እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ንኣእምሮኻን ንህዋሳትካን ከም ዚዓዪ ዚገብሮ ዜደንቕ ስርዓተ-መትኒ፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኪበጽሕዎ ዘይከኣሉ መወዳድርቲ ዘይብሉ ነገር እዩ። ወረግ ንደቂ ሰብ ኣእምሮን ህዋሳትን እንተ ዘይወሃቦም ነይሩስ፡ ነዚ ዅሉ ምዕባለ ኺበጽሕዎ ኣይምኸኣሉን ነይሮም። ኣነ ዝበለ ስልጡንን ክኢላን መሃንድስ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ዓሰርተ ኣጻብዕካ ዝኣመሰለ ብግሩም መገዲ እተነድፈ ውቁብን ጠቓምን ነገር ኪሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ‘ማራኺ ስነ-ጥበባዊ ስራሓትን ህንጸታትን ብዘይ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኣጻብዕ ኪስራሕ ይከኣልዶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

ዓብዪ ግብርታትን ባህርያትን ኣምላኽ

7. ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ ኻብ ዓብዪ ግብርታት ኣምላኽ ጌርና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዝገበረሎም ዜደንቕ ነገራት፡ ምስቲ ዓብዪ ግብርታት የሆዋ ኺጽብጸብ ይከኣል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ ዜደንቕ ስኒት ዘለዎ መጽሓፍ እዩ። ከም ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ ዘይኰነስ፡ ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን’ እዩ። (2 ጢሞ. 3:16) ንኣብነት፡ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ቀዳመይቲ መጽሓፍ፡ ማለት ኦሪት ዘፍጥረት፡ ኣምላኽ ብግዜ ኖህ ንምድሪ ኸመይ ገይሩ ኻብ እከይ ከም ዘጽረያ ትሕብር። እታ ኻልአይቲ መጽሓፍ፡ ማለት ኦሪት ዘጸኣት ከኣ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ብምውጻእ፡ ከመይ ገይሩ ኣምላኽነቱ ኸም ዘረጋገጸ ትሕብር። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ግብሩ ኽብርን ግርማን እዩ፡ ጽድቁ ኸኣ ንዘለኣለም ይነብር። ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ” ኺብል ከሎ፡ ነቲ ፍጻመታት እቲ ይዝክሮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መዝ. 111:3, 4) ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ እተፈጸመ ንጥፈታት የሆዋ፡ እንተላይ እቲ ንስኻ ኣብ ህይወትካ ዝረኣኻዮ ንጥፈታቱ፡ ን“ኽብርን ግርማን” የሆዋ መዘከርታ ኸም ዚኸውንሲ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

8, 9. (ሀ) ግብርታት የሆዋ ኻብ ግብርታት ሰብ ብኸመይ ይፍለ፧ (ለ) ገለ ኻብቲ ንስኻ እተድንቖ ባህርያት ኣምላኽ እንታይ ክትጠቅስ ትኽእል፧

8 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንኸም ጽድቅን ምሕረትን ርሕራሐን ዝኣመሰለ ባህ ዜብል ባህርያት የሆዋ ኸም ዘጕልሐ እውን ኣስተብህል። መብዛሕትኡ ግዜ ግብርታት ሓጥኣን ደቂ ሰብ ብጽድቂ ኣይኰነን ዚግበር። የግዳስ፡ ብስስዐን ብቕንእን ብትዕቢትን እዩ ዚግበር። እዚ ባህርያት እዚ ኣብቲ ሰባት ነቲ ዜባርዕዎ ውግኣት ንኪዀኖምን ቍጠባዊ ረብሓ ንኺረኽቡን ኢሎም ዚሰርሕዎ ኣረመናዊ ኣጽዋር ኪርአ ይከኣል እዩ። እዚ ኣጽዋር እዚ ኸኣ ንሚልዮናት ንጹሃት ግዳያት ማእለያ ዘይብሉ ሕሰምን ራዕድን የምጽኣሎም ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ሓያሎ ግብርታት ደቂ ሰብ ንድኻ እናጨቈንካ እዩ ዚፍጸም። ንኣብነት፡ እቲ ብባሮት እተሃንጸ ፒራሚዳት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። እቲ ፒራሚዳት ንዕቡያት ፈርኦናት ከም መቓብር ኰይኑ ጥራይ እዩ ዜገልግል። ኣብ ርእሲ እዚ፡ መብዛሕትኡ ኻብቲ ሎሚ ደቂ ሰብ ዚገብርዎ ግብርታት፡ ጨቋኒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ንምድሪ እውን የጥፍኣ’ ኣሎ።—ራእይ 11:18 ኣንብብ።

9 እቲ ወትሩ ኣብ ቅኑዕ ዘበለ እተመርኰሰ ግብርታት የሆዋ ግን ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ! እቲ ንድሕነት ሓጥኣን ደቂ ሰብ ተባሂሉ ብምሕረት እተገብረ መሰናድዎ፡ ሓደ ኻብቲ ግብርታቱ እዩ። ኣምላኽ ነቲ በጃ ኼዳሉ ኸሎ፡ ‘ጽድቁ እዩ ዜርኢ’ ነይሩ። (ሮሜ 3:25, 26) “ጽድቁ ኸኣ ንዘለኣለም ይነብር።” ኣምላኽ ኣብቲ ምስ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ዘለዎ ርክብ ትዕግስቲ ብምግባሩ፡ መሓሪ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ገሊኡ እዋናት እሞ ኸኣ፡ ንደቂ ሰብ ካብ ጐዳኢ መገድታቶም ኪምለሱን ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩን ብለውሃት ለሚንዎም እዩ።—ህዝቅኤል 18:25 ኣንብብ።

መብጽዓታቱ ይሕሉ

10. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን እንታይ ኣብነት ተኣማንነት እዩ ሓዲጉ፧

10 “ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።” (መዝ. 111:5) ኣብዚ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን ይዛረብ ዝነበረ እዩ ዚመስል። የሆዋ ንዘርኢ ኣብርሃም ከም ዚባርኾምን ደጌታት ጸላእቶም ድማ ከም ዚወርሱን ተመባጺዑ ነይሩ። (ዘፍ. 22:17, 18፣ መዝ. 105:8, 9) እቲ መብጽዓታት ኣብ እተፈጸመሉ ቐዳማይ ፍጻመ፡ ህዝቢ እስራኤል፡ ዘርኢ ኣብርሃም ኰኑ። እቶም ህዝቢ ንነዊሕ እዋን ኣብ ግብጺ ባሮት ኰይኖም ነበሩ፡ ‘ኣምላኽ ግን ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን ዘኪሩ’ ሓራ ኣውጸኦም። (ዘጸ. 2:24) ቀጺሉ የሆዋ ነቶም ህዝቢ ዝገበረሎም ነገራት፡ ክሳዕ ክንደይ ለጋስ ምዃኑ ዜርኢ እዩ። ንስጋኦም ምግቢ፡ ንኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ድማ መንፈሳዊ ምግቢ ሃቦም። (ዘዳ. 6:1-3፣ 8:4፣ ነህ. 9:21) ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዘመናት፡ ኣምላኽ ንነብያቱ ልኢኹ ናብኡ ኺምለሱ እኳ እንተ ተማሕጸኖም፡ ንሳቶም ግን ብዙሕ ሳዕ ካብኡ ረሓቑ። ካብ ግብጺ ሓራ ኻብ ዜውጽኦም ልዕሊ 1,500 ዓመት ጸኒሑ፡ ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ምድሪ ለኣኾ። መብዛሕትኦም ኣይሁድ ንየሱስ ኣይተቐበልዎን፡ ከም ዚቕተል ድማ ገበሩ። ሽዑ የሆዋ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ ኣቘመ፡ እዚ ድማ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ህዝቢ እቲ ምስ ክርስቶስ ተደሚሩ፡ ነቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ከም ዚባርኸሉ ብትንቢት እተዛረበሉ መንፈሳዊ ዘርኢ ኣብርሃም የቕውም።—ገላ. 3:16, 29፣ 6:16

11. የሆዋ ነቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ “ኺዳን” ሕጂ እውን ‘ዚዝክሮ’ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

11 የሆዋ ‘ንኺዳኑን’ ነቲ ብእኡ ኣቢሉ ዚመጽእ በረኸትን ሕጂ እውን ‘ይዝክሮ’ ኣሎ። ሎሚ፡ ብልዕሊ 400 ቛንቋታት ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ የቕርበልና ኣሎ። “ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሀበና” ምስ ዚብል ቃላት ብምስምማዕ፡ ንስጋና ዜድልየና ንኺህበና እነቕርቦ ጸሎት እውን ይምልሰልና ኣሎ።—ሉቃ. 11:3፣ መዝ. 72:16, 17፣ ኢሳ. 25:6-8

ዜደንቕ ሓይሊ የሆዋ

12. ጥንታውያን እስራኤላውያን “ርስቲ ኣህዛብ” እተዋህቡ ብኸመይ እዮም፧

12 “ርስቲ ኣህዛብ ብምሃቡ ሓይሊ ግብሩ ንህዝቡ ኣርአዮ።” (መዝ. 111:6) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ኣብ ታሪኽ እስራኤላውያን ጕሉሕ ቦታ ዘለዎ ኻብ ግብጺ ዝወጹሉ ተኣምራዊ መገዲ ይዝክሮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ምስ ፈቐደሎም፡ ነቶም ብሸነኽ ምብራቕን ምዕራብን ፈለግ ዮርዳኖስ ዚርከቡ ነገስታት ኪስዕርዎም ክኢሎም እዮም። (ነህምያ 9:22-25 ኣንብብ።) እወ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን “ርስቲ ኣህዛብ” ሃቦም። እዝስ ንሓይሊ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜርኢ!

13, 14. (ሀ) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ምስ ባቢሎን ብዚተሓሓዝ ብዛዕባ እንታይ ሓይሊ የሆዋ እዩ ዚዛረብ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧ (ለ) ሓራ ብምውጻእ ዝመጸ፡ የሆዋ እንታይ ተወሳኺ ዓብዪ ግብርታት እዩ ገይሩ፧

13 የሆዋ ንእስራኤላውያን ብዙሕ እኳ እንተ ገበረሎም፡ ንሳቶም ግን ንዕኡ ዀነ ነቶም ኣቦታቶም ዝዀኑ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣኽብሮት ከም ዘየርኣዩ፡ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ደጋጊሞም ካብ ኣምላኽ ይዓልዉ ብምንባሮም፡ ብባቢሎናውያን ገይሩ ናብ ምርኮ ኸም ዚውሰዱ ገበረ። (2 ዜና 36:15-17፣ ነህ. 9:28-30) ከምቲ ገሊኦም ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ዚብልዎ፡ እቲ ንመዝሙር 111 ዝጸሓፋ ሰብ፡ እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ ዚነብር እንተ ነይሩ፡ ንየሆዋ ስለቲ ተኣማንነቱን ሓይሉን ንኺውድሶ ተወሳኺ ምኽንያታት ነበሮ። ኣምላኽ ንኣይሁድ ካብታ ንምሩኻታ ዘይትሰድድ ሃጸያዊት ግዝኣት ባቢሎን ሓራ ኸም ዚወጹ ብምግባር፡ ተኣማንነቱን ሓይሉን ኣርኣየ።—ኢሳ. 14:4, 17

14 ድሕሪ ሓሙሽተ ዘመን ኣቢሉ፡ የሆዋ ነቶም ዚንስሑ ደቂ ሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ብምውጻእ፡ ንሓይሉ ብዝዓበየ መገዲ ተጠቒሙሉ እዩ። (ሮሜ 5:12) እዚ ኻብ ዘፍረዮ ውጽኢት ሓደ፡ 144,000 ሰባት ብመንፈስ እተቐብኡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንኪዀኑ መገዲ ኸፈተ። ብ1919፡ የሆዋ ንሒደት ተረፍ ቅቡኣት ካብ ምርኮ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ንምውጻእ፡ ሓይሉ ተጠቕመ። እቲ ንሳቶም ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ዚፍጽምዎ ዘለዉ ዕማማት፡ ሳላ ሓይሊ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኺግበር ተኻኢሉ። ክሳዕ ሞት እሙናት እንተ ዀይኖም፡ ንጥቕሚ እቶም ዚንስሑ ደቂ ሰብ፡ ምስ የሱስ ክርስቶስ ሓቢሮም ኣብ ሰማይ ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺገዝኡ እዮም። (ራእ. 2:26, 27፣ 5:9, 10) ካብ ጥንታውያን እስራኤላውያን ብዝበለጸ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።—ማቴ. 5:5

ዘለኣለማውን እሙንን ስርዓታት

15, 16. (ሀ) ገለ ኻብቲ ግብሪ ኣእዳው ኣምላኽ እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧ (ለ) ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን እንታይ ስርዓታት ሃቦም፧

15 “ግብሪ ኣእዳዉ ሓቅን ፍርድን እዩ፡ ትእዛዙ ዅሉ ጽኑዕ [“እሙን፡” ትርጕም 1990] እዩ። ንዘለኣለመ ኣለም ጽኑዕ፡ ብሓቅን ብቕንዕናን እተገብረ እዩ።” (መዝ. 111:7, 8) ገለ ኻብቲ “ግብሪ ኣእዳው” የሆዋ፡ እተን ንእስራኤል እተዋህበ ዓሰርተ ኣገዳሲ ሕግታት እተቐርጸን ክልተ ጽላት እምኒ ኺጥቀሳ ይከኣላ። (ዘጸ. 31:18) እቲ ሕግታትን ዝተረፈ ኽፋል ሕጊ ኺዳን ሙሴን ኣብ ዘለኣለማውን እሙንን ስርዓታት እተመስረተ እዩ።

16 ንኣብነት፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብተን ጽላት ዝነበረ ስርዓት ወይ ሕጊ፡ “ቀናእ ኣምላኽ እየ” ኢሉ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ” በለ። ብዘይካዚ፡ እተን ጽላት እምኒ፡ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡” “ኣይትስረቕ” ብምባል፡ ከምኡውን ናይ ካልእ ከይትትምነ ዚኽልክል ዓሚቝ ምስትውዓል እተንጸባረቐሉ ሕጊ ብምሃብ፡ ግዜ ዘይሓልፎ ስርዓታት ሒዘን ኣለዋ።—ዘጸ. 20:5, 6, 12, 15, 17

ቅዱስን ዜፍርህን ተበጃዊና

17. እስራኤላውያን ንስም ኣምላኽ ንኪቕድሱ እንታይ ምኽንያታት ነበሮም፧

17 “ንህዝቡ በጃ ሰደደሎም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም አዘዘ፡ ስሙ ቅዱስን ዜፍርህን እዩ።” (መዝ. 111:9) ኣብዚ እውን እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን ዘርኣዮ ተኣማንነት እዩ ዚዛረብ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ስለዚ ድማ የሆዋ ንህዝቡ፡ ፈለማ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ባሮት ኪዀኑ፡ ደሓር እውን ኣብ ባቢሎን ምሩኻት ኪዀኑ ኣይሓደጎምን። ኣብ ክልቲኡ መዳይ፡ ንህዝቡ ተበጅይዎ እዩ። እስራኤል በዚ ኽልተ እተገብረሉ ነገር ጥራይ እኳ፡ ንስም ኣምላኽ ኪቕድሶ ነይርዎ።—ዘጸኣት 20:7፣ ሮሜ 2:23, 24 ኣንብብ።

18. ስም ኣምላኽ ምጻር ከም ፍሉይ ክብሪ ጌርካ እትርእዮ ስለምንታይ ኢኻ፧

18 እቶም ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ንኺወጹ በጃ እተኸፍለሎም ክርስትያናት እውን፡ ንስም ኣምላኽ ኪቕድሱ ኣለዎም። ምስቲ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት እተጠቕሰት፡ “ስምካ ይቀደስ” እትብል ቀዳመይቲ ልማኖ ተሰማሚዕና ንምምልላስ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ኣሎና። (ማቴ. 6:9) ብዛዕባ እቲ ግርማዊ ስም ምስትንታንና፡ ፍርሃት ኣምላኽ ኬሕድረልና ኣለዎ። እቲ ንመዝሙር 111 ዝጸሓፋ ሰብ፡ ብዛዕባ ፍርሃት ኣምላኽ ቅኑዕ ኣረኣእያ ስለ ዝነበሮ፡ “ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ፡ ዚገብርዎ [ትእዛዛቱ ዚሕልዉ] ዅሎም ሰናይ ልቦና አለዎም” በለ።—መዝ. 111:10

19. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

19 ፍርሃት ኣምላኽ፡ ክፉእ ዘበለ ንኽንጸልእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ከምቲ ኣብታ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንምርምራ መዝሙር 112 ተሓቢሩ ዘሎ፡ ጽቡቕ ባህርያት ኣምላኽ ንኽንቀድሕ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እታ መዝሙር እቲኣ፡ ካብቶም ንኣምላኽ ንዘለኣለም ዚውድሱ ሚልዮናት ሰባት ንኽንከውን እንታይ ብቕዓት ከነማልእ ከም ዘሎና ትሕብር። እወ፡ ንየሆዋ ንዘለኣለም ክንውድሶ ይግባእ። “ምስጋናኡ ንዘለኣለም ይነብር።”መዝ. 111:10

ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት

• ንየሆዋ ብሕብረት ክንውድሶ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

• እንታይ ባህርያት የሆዋ እዩ ኣብ ግብርታቱ ዚንጽር፧

• ስም ኣምላኽ ንምጻር ዘሎካ ፍሉይ ክብሪ ብኸመይ ትርእዮ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ኣዘውቲርና እንእከበሉ ቐንዲ ዕላማ፡ ንየሆዋ ንምውዳስ እዩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኵሉ ሕግታት የሆዋ ኣብ ዘለኣለማውን እሙንን ስርዓታት እተመስረተ እዩ