ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “መጽሓፍ ያሻር” ከምኡውን “መጽሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር” ዚበሃላ ተጠቒሰን ኣለዋ። (እያ. 10:13፣ ዘሁ. 21:14) እዘን ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ቀኖና መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከባን እየን። ኣቐዲመን ዝጠፍኣ መንፈስ ዝነፈሰን ጽሑፋት ድየን፧

እዘን ክልተ መጻሕፍቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፋን ጸኒሐን ከም ዝጠፍኣን ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን። ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም ዚጸሓፉ ጸሓፍቲ፡ ንእተፈላለየ ኻልእ ጽሑፋት ይጠቕሱ እዮም። ገሊኡ እቲ ዚጠቕስዎ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ዀነ፡ ሕጂ ዘለዉ ኣንበብቲ ግን ነቲ ኣጸዋውዓ ኣይፈልጥዎን ይዀኑ። ንኣብነት፡ ኣብ 1 ዜና መዋእል 29:29፡ “ዛንታ ሳሙኤል እቲ ረኣዪን” “ዛንታ ነብዪ ናታንን” “ዛንታ እቲ ረኣዪ ጋድን” ዚብል ተጠቒሱ ይርከብ። እዚ ሰለስቲኡ ስያመ እዚ፡ ነቲ ሕጂ 1ይን 2ይን ሳሙኤል እንብሎ መጻሕፍቲ፡ ምናልባት ድማ ንመጽሓፍ መሳፍንቲ ዜጠቓልል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ገሊኡ ተጠቒሱ ዚርከብ መወከሲታት ምስ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመሳሰል ስም እኳ እንተ ኣለዎ፡ ከም ሓቂ ግን ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ “መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳ፡” “መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን፡” “መጽሓፍ ነገስታት እስራኤል፡” ከምኡውን “መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኣርባዕተ ጥንታዊ መጻሕፍቲ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። እዚ ስያመታት እዚ ምስቲ ሕጂ 1 ነገስትን 2 ነገስትን ብዚብል እንፈልጦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ ዚመሳሰል እኳ እንተ ዀነ፡ እተን ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፋ ኣይነበራን፡ ኣብ ቀኖና መጽሓፍ ቅዱስ እውን ቦታ የብለንን። (1 ነገ. 14:29፣ 2 ዜና 16:11፣ 20:34፣ 27:7) ነብዪ ኤርምያስን እዝራን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻባት ኣብ ዝጸሓፉሉ እዋን ዝነበራ፡ ታሪኻዊ ጽሑፋት ጥራይ እየን ነይረን።

ገሊኦም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሽዑ ዝነበረ፡ ግን ከኣ መንፈስ ኣምላኽ ዘይነፈሶ ታሪኻት ወይ ሰነዳት ተወኪሶም እዮም። ኣብ ኣስቴር 10:2፡ “መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ሜዶንን ፋርስን” ተጠቒሱ ኣሎ። ብተመሳሳሊ፡ ሉቃስ ንጸብጻብ ወንጌሉ ንምድላው፡ ‘ንዅሉ ኣዳላዲሉ ኻብ ጥንቲ ስዒብዎ እዩ።’ ነቲ ኣብ ወንጌሉ ኸነንብቦ እንኽእል ዝርዝር ወለዶ የሱስ ኪጽሕፍ ከሎ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ምንጭታት ተወኪሱ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 1:3፣ 3:23-38) እቲ ሉቃስ እተወከሶ መዛግብቲ መንፈስ ዝነፈሶ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ እቲ ዝጸሓፎ ወንጌል ግን ብርግጽ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ እዩ። ንዓና እውን ይጠቕመና እዩ።

እተን ኣብ መበገሲ ሕቶና ዝጠቐስናየን ክልተ መጻሕፍቲ፡ ማለት “መጽሓፍ ያሻር” ከምኡውን “መጽሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር፡” መንፈስ ኣምላኽ ዘይነፈሰን፡ ሽዑ ዝነበራ ሰነዳት እየን ዚመስላ። ስለዚ ድማ፡ የሆዋ ኺዕቅበን ኣይደለየን። ምሁራት ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ክልተ መጻሕፍቲ ዚጠቕሰሉ መገዲ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ጸላእቶምን እተገብረ ግጭታት ዚገልጽ ግጥምታት ወይ መዝሙራት ዝሓዛ ኸም ዝዀና እዮም ዚድምድሙ። (2 ሳሙ. 1:17-27) ሓደ መዝገበ-ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትሕዝቶ እዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን፡ “ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ክኢላታት ዘመርቲ ዜዘውትርዎ ፍሉጥ ግጥምታትን መዝሙራትን” ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓሳብ ይህብ። ኣምላኽ ከም ነብያት ወይ ረኣይቲ ገይሩ እተጠቕመሎም ገሊኦም ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ብመንፈስ የሆዋ ኸይተመርሑ ጽሒፎም፡ ወይ የሆዋ ኣብቲ ‘ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ ዚጠቅም’ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪጠቓለል ዘይደለዮ ጽሑፋት ጽሒፎም እዮም።—2 ጢሞ. 3:16፣ 2 ዜና 9:29፣ 12:15፣ 13:22

ገሊኡ መጻሕፍቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃሱን ከም ምንጪ ዀይኑ ምግልጋሉን፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ “ቓል ኣምላኽና” ዝሓዘ ዅሉ ጽሑፋት ዓቂቡልና ኣሎ፣ እዚ ጽሑፋት ድማ “ንዘለኣለም ይነብር።” (ኢሳ. 40:8) እወ፡ እቲ የሆዋ ኣብቲ 66 መጻሕፍቲ ኼጠቓልሎ ዝመደቦ ጽሑፋት፡ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምና እተዳሎና፡ ፍጹማት’ ንኽንከውን ዜኽእለና ምሉእ ዘይጕዱል ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ።—2 ጢሞ. 3:16, 17