ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዳግማይ ልደት ናብ ድሕነት ዚመርሕ መገዲ ድዩ፧

ዳግማይ ልደት ናብ ድሕነት ዚመርሕ መገዲ ድዩ፧

ዳግማይ ልደት ናብ ድሕነት ዚመርሕ መገዲ ድዩ፧

“ዳግማይ ተወሊድካ ዲኻ፧” ንዚብል ሕቶ እንታይ ምላሽ ምሃብካ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣመንቲ፡ “እወ!” ኢሎም እዮም ዚምልሱ። ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዳግማይ ኪውለዱ ኸም ዘለዎምን ናብ ድሕነት ዚመርሕ ሓደ መገዲ እዚ ጥራይ ምዃኑን ይኣምኑ። ከምቲ፡ “ሓደ ሰብ ዳግማይ እንተ ዘይተወሊዱ፡ . . . ክርስትያን ኣይኰነን” ኢሉ እተዛረበ ሮበርት ቻርለስ ስፕራውል ዚበሃል ስነ-ሃይማኖተኛ ዘለዎ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም።

ሓደ ኻብቶም ዳግማይ ልደት ናብ ድሕነት ዚመርሕ መገዲ ኸም ዝዀነ ዚኣምኑ ሰባት ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ኣዝማድካን ፈተውትኻን ነታ መገዲ ኺረኽብዋን ብእኣ ምምልላስ ኪጅምሩን ከም እትደሊ ኣየጠራጥርን እዩ። ንሳቶም ከምኡ ንኺገብሩ ግን፡ ኣብ መንጎ እቲ ዳግማይ እተወልደን ዘይተወልደን ሰብ ዘሎ ፍልልይ ኪርድኡ ኣለዎም። ዳግማይ ልደት እንታይ ማለት ምዃኑ ብኸመይ ክትገልጸሎም ትኽእል፧

ብዙሓት ሰባት፡ እታ “ዳግማይ ልደት” እትብል መግለጺት፡ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ኬገልግል መብጽዓ ንዝኣተወ እሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካብቲ ብመንፈስ ምዉት ዝነበረሉ ዅነታት፡ ብመንፈስ ህያው ንዝዀነ ሰብ ከም እተመልክት ይኣምኑ። ሓደ መዝገበ-ቓላት እሞ ኸኣ፡ ዳግማይ እተወልደ ውልቀ-ሰብ፡ “ብፍላይ ድሕሪ ጽዑቕ ሃይማኖታዊ ተመክሮ፡ እምነት ዘሐደሰ ወይ ኪዳን ዘጽንዐ ክርስትያን” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።—መሪያም-ወብስተርስ ኮልጀይት ዲክሽነሪ—ኢለቨንዝ ኢድሽን

መጽሓፍ ቅዱስ ምስዚ መብርሂ እዚ ኸም ዘይሰማማዕ ትፈልጥዶ፧ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ዳግማይ ልደት ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ክትፈልጥ ትደሊዶ፧ ንዳግማይ ልደት ብልክዕ ምርዳእካ ንህይወትካን ንትጽቢታትካን ኪጸልዎ ስለ ዚኽእል፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ብደቂቕ ምምርማርካ ብርግጽ ኪጠቕመካ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚምህር፧

ንዳግማይ ልደት ዚምልከት ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከበሉ ሓደ ቦታ፡ ኣብ ዮሃንስ 3:1-12 እዩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኣብ መንጎ የሱስን ሓደ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ መራሒ ሃይማኖትን ኣገዳሲ ዝርርብ ከም እተገብረ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ብምሉኡ፡ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ሳጹን ተጠቒሱ ኣሎ። ተጠንቂቕካ ኸተንብቦ ንዕድመካ።

ኣብቲ ጸብጻብ እቲ፡ የሱስ ንእተፈላለየ መዳያት “ሓድሽ ልደት” ኣጕሊሑ ኣሎ። * ካብቲ ምይይጡ ድማ ነዚ ዚስዕብ ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት ክንምልስ ንኽእል ኢና፦

ሓድሽ ልደት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

ሓድሽ ልደት ንምርካብ ባዕልና ኽንውስን ንኽእል ዲና፧

ዕላማኡ እንታይ እዩ፧

ሓደ ሰብ ዳግማይ ዚውለድ ብኸመይ እዩ፧

እንታይ ለውጢ እዩ ዜምጽእ፧

ሕቶታት እዚ በብሓደ ንመርምሮ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 8 እታ “ሓድሽ ልደት” እትብል ስያመ ኣብ 1 ጴጥሮስ 1:3, 23 ትርከብ። (ትርጕም 1990) “ንዳግማይ ልደት” እተመልክት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ካልእ ስያመ እያ። ምንጪ ኽልቲአን ስያመታት፡ ገናኦ እትብል ናይ ግሪኽኛ ግሲ እያ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

“ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ”

“ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፤ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ። የሱስ ድማ፤ ካብ ላዕሊ [“ካልኣይ ጊዜ፡” ትርጕም 1990] እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ፤ ንሰብከ ምስ አረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ አትዩስ ኪውለድዶ ይከአሎ እዩ፧ በሎ። የሱስ መለሰ፤ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪአቱ ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ካብ ላዕሊ [“ካልኣይ፡” ትርጕም 1990] ኽትውለዱ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ። ኒቆዲሞስ ከኣ፤ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከአል፧ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ድማ መሊሱ በሎ፤ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስክር አሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትአምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትአምኑ፧”—ዮሃንስ 3:1-12