ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓድሽ ልደት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

ሓድሽ ልደት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

ሓድሽ ልደት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

የሱስ ኣብቲ ምስ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ሓድሽ ልደት ምርካብ ወይ ዳግማይ ክትውለድ ምኽኣል ዓብዪ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣጕልሐ። ነዚ ብኸመይ እዩ ንጹር ገይርዎ፧

የሱስ ኣብቲ ምስ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ምይይጥ፡ ንኣገዳስነት ሓድሽ ልደት ኬጕልሕ ከሎ እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል፦ “ሰብ ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ፥ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኪርእያ ከቶ ከም ዘይክእል፥ ብሓቂ፥ ብሓቂ፥ እብለካ ኣሎኹ።” (ዮሃንስ 3:3 ትርጕም 1990) እተን “እንተ” ኸምኡውን “ዘይክእል” ዚብላ ቓላት፡ ኣድላይነት ሓድሽ ልደት የጕልሓ። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓደ ሰብ፡ “ጸሓይ እንተ ዘይበሪቓ፡ ኪወግሕ ከም ዘይክእል እተረጋገጸ እዩ” ኢሉ እንተ ተዛሪቡ፡ ጸሓይ ንወጋሕታ ግድን ከም እተድሊ እዩ ዚዛረብ ዘሎ። ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምርኣይ፡ ግድን ዳግማይ ክትውለድ ከም ዜድሊ እዩ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ንዝዀነ ይኹን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዚለዓል ጥርጣረታት ንምውጋድ፡ “ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 3:7 ትርጕም 1990) እምበኣር፡ ሓደ ሰብ “ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪአቱ” እንተ ዀይኑ፡ ዳግማይ ኪውለድ ከም ዜድልዮ፡ የሱስ ንጹር ገይርዎ እዩ።—ዮሃንስ 3:5

የሱስ ንሓድሽ ልደት ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳይ ገይሩ ስለ ዝረኣዮ፡ ክርስትያናት ነዚ ጕዳይ እዚ ብልክዕ ኪርድእዎ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ዳግማይ ንኺውለድ ኪመርጽ ይኽእል ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ጸሓይ እንተ ዘይበሪቓ፡ ኪወግሕ ከም ዘይክእል እተረጋገጸ እዩ”